ስለሰላም ደቡብ ሱዳን ክብሉ ር.ሊ.ጳ ኣእጋር መራሕቲ ይሳለሙ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስለ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ዝጸውዕዎ ሱባኤ መድምደምታ ሓያል ምሕጽንታን ጸሎትን ምስ ኣቅረቡ ማንም ዘይገበሮ ኣብ እግሪ መራሕቲ ማለት ሳልቫ ኪር ማያርዲን ምክትል ፕረሲደንታትን ብምውዳቕ ሰላም ክገብሩ ተማሕጺኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘቅረብዎ ኣስተንትኖን ምሕጽንታን ብዝተኻእለ መጠን ቃል ንቃሉ ተርጒምና ነቅርበልኩም።

ብድምጺ ንምክትታል!

ንክቡር ፕረሲደንት ሪፓብሊክን በዓልቲ ቤቶምን ነቶም ብመሠረት ዝተኸለሰ ስምምዕ ፍታሕ ግርጭት ኣብ ሱዳን ዝለዓለ ሓልፍነት ንዝመጽእ 12 ግንቦት ዝርከቡ ንክቡራት ምኽትል ፕረሲደንታት ናይ መጻኢት ሪፓብሊክን ንነፍሲ ወከፎም ልባዊ ሰላምታይ አቅርብ። ንኩሎም ነቶም ብዝተዋህቦም ሓላፍነት ብመንፈሳውነት በብወገኖም ኮይኖም ዝጓስዩ ዘለው ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ደቡብ ሱዳን ሕውነታዊ ሰላምታይ አቅርብ። ኣብ’ዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ሱባኤ ንክትሳተፉ ዕድመይ ብጽቡቅ ድላይን ብክፉት ልብን ብምቅባልኩም ኣመስግነኩም። ፍልይ ዝበለ ሰላምታ ከኣ ንብፁዕነቶም ጃስቲን ወልብይ ሊቀጳጳሳት ዘካንተርበሪ ናይዚ ተበግሶ እዚ ሃንዳሲ ከምኡ እውን ናይ እስኮትላንድ ፕረስቢተራዊ ቤተክርስትያን ቀላሲ ነበር ጥቀ ክቡር ጆን ቻልመርስ ከቅርብ እፈቱ። ምሳኻትኩም ሓቢረ ድማ ንእግዚአብሔር ብኣመስጋንን ሕጉስን ልቢ ክብሪ አቅርብ ከመይ ነዘን ክለተ መዓልቲ ናይጸጋ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ህላዌኡ ሰላሙ ንክንልምንን ንክንቅበልን ኣኽኢሉና እዩ።

ንዓኹም ንኩልኹም በተን ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዘቅረበን ቃላት ‘ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን’ (ዮሓ 20.19) ክብል እፈቱ። እዚ ሰላምታ እዚ ዘተባባብዕ ኮይኑ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ዘጸናንዕ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ነቶም ብፍርህን ራዕድን ተሸቚሪሮም ኣብ ጽርሓ ጽዮን ዝነበሩ ሓዋርያት ንትንሣኤኡ ብምግላጽ እዩ ኣቅሪብዎ። እቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝተናገራ ቀዳመይቲ ቃል ‘ሰላም’ ትብል ብምዃና ንሳ ከኣ ድሕሪ ኣቲ ኣሰቃቂ ተመኵሮ ሕማማትን ኣብ ልዕሊ ሞት ምዕዋቱን ዝለገሰሎም ቀድመይቲ ህያብ እያ።  ኣነ እውን ንዓኹም ካብ ዓቢ ነውጺ ዘለዎ ከባቢ ዝመጻእኩምን ነቲ ብሰንኪ ግርጭታት ብዙሕ ዝሰኣነ ሕዝብኹምን ነዚ ሰላምታ እዚ እልግሰልኩም። ከምቲ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ናይ ጐይታ ዘድመጻኦ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኩልናን ነፍሲውከፍናን ሓዲስ ሓይሊ ንክንለብስን ናይታ ሓዳስ ሃገርኩም ሃረር እትብሎ ምዕባሌ ንክነገስግስን ከምቲ ንጀማሪት ቤተክርስትያን ጴጠቆስጠ ዘቃጸለ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ሓዲስ ብርሃን ተስፋ ንኩሉ ሕዝቢ ሱዳን ንከብርህ ሎሚ ኣብዚ ጉባኤ ኣውን ሰላም ንዓኻትኩም ክብላ ይጋዋሓ። ስለዚኸስ ብምሉእ ልበይ ሰላም ንዓኻትኩም እብለኩም።

ጐይታ ብቀዳምነት ዘምጽኣልናን ሃገራት ክገብራኦ ዘለወን ቀዳማይ ዕዮን ሰላም ኮይኑ መራሕቲ ሃገራት ክኽተልዎ ኣለዎም። ናይ ነፍሲ ወከፍ መሰል ንክትሕሉን ናይ መላእ ሕዝቢ ኩለንትናዊ ምዕባሌ ንክትገብርን ሰላም መሠረታዊ ውዕሊ እያ። እቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብእግዚአብሔር ኣቦኡ ናብ ዓለም ዝተላእከ ክንክተሎ ዘሎና ኣብነት ሂቡና እዩ። ንሱ ብመስዋዕትነትን ብተኣዝዞ ሰጊሩን ሰላሙ ንዓለም ሂቡ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ዕለቱ ልደቱ መላእኽቲ ሰማይ ‘ስብሓት ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ነቶ ንሱ ዝሰመረሎም’ (ሉቃ 2.14) ክብሉ ዘሚሮም። ነዚ ዜማ መላእኽቲ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ብሓባር ንከቃልሕዎ ነታ ናይ ሃገራዊ መዝሙሮም መባእታ ዝኽዕነት ‘ኦ ጐይታ ነታ ዓቢ ጸጋ ዝዓደልካያ ደቡብ ሱዳን ስለዝዓደልካዮ ትዕድልቲ ንልምነካን ነኽብረካን ኣሎና ብውህደት ሓደ ኰና ንክንግስግስ ደግፈና’ ብማለት ክዝምሩ እንተዝኽእሉ ክንደይ ሓጐስ ምፈጠረልና። ድምጺ መላእ ሥድራቤት ዘመድ ኣዳም ምስ ኩሎም መላእኽቲ ሓቢሮም ስብሓት ለእግዚአብሔር እንተዝዝምሩን ኣብ መንጎ ኩሎም ደቂ ሰባት ሰላም ንከደንፍዑን ክንደይ ሃረር እብል እመስለኩም።

እዚ ሎሚ ነካይዶ ዘሎና ርክብ ብዓይነቱ ፍሉይ ከምዝኾነ ይርደኣና እዩ። ከመይ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ክልተኣውን ዲፕላማስያውን ርክባት ኣብ መንጎ ር.ሊ።ጳ መራሕቲ ሃገራትን ዋላ እቲ ናይ ሓድነት ኣብያተክርስትያን ምንቅስቃሳት እውን ኣይካየድን። እዚ መንፈሳዊ ሱባኤ እዩ። ሱባኤ እትብል ቃል ንባዕላ ኣብ ሓደ ቅሉዕ ቦታ ኩሉ ብዝርእዮን ብዝሰምዖን ኣገባብ ንከይከውን ትከላኸል። እቲ መንፈሳዊ ዝብል ቅጽል ከኣ እዚ ሓዲስ ተበግሶ እዚ ኣስተንቲንካ ካብ ዝርከብ ካብ እምነት ዝመልኦ ጸሎት ዝፍልፍል ካብ ናይ ይቅሬታን ዕርቅን ርክብ ዝውሕዝ ኮይኑ እዚ ከኣ ነቶም ተሳተፍቲ ሱባኤ ብዙሕ ፍረ ሂቡስ ነቶም ወኪሎሞም መጺኦም ዘለው ማሕበረሰባት ዝኸውን እውን እዩ።

ናይ’ዚ ሱባኤ እዚ ዕላማኸስ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብሓንሳብ ክንከውንን ብሓባር ፍቃዱ ንክነለሊን እዩ። እዚ ከኣ ብዛዕባ ገዛእ ሕይወትናን ተዋሂቡና ዘሎ ተልእኮን ብዕምቘት እናኣስተንተንና ንዘሎን መጻእን ሕይወት ደቡብ ሱዳን እንስከሞ ከቢድ ሓላፍነት ተረዲኡና ብምሉእ ልብና ክንዕጠቀሉን ነዛ ሃገር ንምህናጽ ሓይሊ ኣብ ርእሲ ሓይሊ ዕርቂ ኣብ ርእሲ ዕርቂ ደሪብና ክንዛዝሞ እዩ። ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣና ንመንፈሳውያንን ፖሎቲካውያንን መራሕቲ እግዚአብሔር ንሕዝቡ ክንመርሕ ዕዮ ገዛ ሂቡና ኣሎ። ብዙሕ ሓደራ ኣሰኪሙና ኣሎ። ስለዚ ከኣ ካባ ብዙሕ ክጽበ እዩ። ናይ ኣገልግሎትናን ምምሕዳራትናን ጸብጻብ ኪሓተና እዩ። ስለ ሰላምን ስለሓፈሻዊ ሠናይ ነገር ናይ ህዝብናን ብሕልፊ ንጽጉማትን ረዳኢ ዘይብሎምን ብዕቱብነት ሠሪሕና እንተኾና ክጸባጸበና እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ናይ ገዛእ ሕይወትና ጥራይ ዘይኮነ ጸብጻብ ናይተን ኣብ ትሕቲ ጒስነትና ዘለዋ ነፍሳት እውን ካባና ኪሓቶ እዩ (ሉቃ 12,48)።

ናይቶም ብሰንኪ ጥሜትን ጽምእን ናይ ፍትሒ ቊዘማ ብሕልና ይግድደና ኣብ ኣገልግሎት ከኣ ይጸምደና። እዞም ሰባት እዚኦም በጠማምታ ዓለምና ደቀቅቲ ክኾኑ ይኽእሉ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ግን ክቡራት እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ክብል ከሎኹ ኣብቲ ዘፍርህ ጠመተ ጐይታ እየ ዘመልክት ዘሎኹ። ዝኾነ መንፈሳዊ ሱባኤ ከምኡ እውን ዕለት ዕለት ዝግበር መርመራ ሕልና ብኩለንትናናን ብመላእ ታሪኽንን ብዘሎና መንፈሳዊ ሓይልናን ድኻምነትና እውን ከይተረፈ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ውሽጥና ንዘሎ ሓቂ ክርእን ናብኣ ብምልኣት ከብጽሓና ዝኽእልን እንኮ ንበይኑ ዝኾነ ዘፍርህ ጠመተ ጐይታ ከምዘሎና ከዘኻኽረና ኣለዎ። ሓደ እሙን ረድኢ ጐይታ ኣብ ኣገዳሲ ኩነታት ሕይወት ምስ ጠመተ ጐይታ ብከመይ ክራኸብ ከምዘለዎ ቃለ እግዚአብሔር ጽብቅቲ ምሳሌ ይህበና። ኣብ’ዚ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱስ ጴጥሮስን ዓይኒ ንዓይኒ ዝተራኸቡለን ሠለስተ ፍጻሜታት ክዝክር እፈቱ።

እቲ ቀዳማይ ዓይኒ ንዓይኒ ኢየሱስን ጰጥሮስን ዝተራኸቡሉ ሓው እንድርያስ ናብ ኢየሱስ እዚ እቲ መሲሕ እዩ እናበለ ምስ ኣብጽሖ ኢየሱስ ኣተኲሩ ይጥምቶ እሞ ንስኻ ካብ ሕጂ ንደሓር ጴጥሮስ ተባሂልካ ኢኻ ትስመ ይብሎ (ዮሓ 1,41-42)። ብድሕሪኡ ኣብዛ ከውሒ እዚ ቤተክርስትያን ከምዝሓንጽን በዚ ከኣ መድብ ድሕነት ሕዝቡ ከምዝፍጽም ይነግሮ። እቲ ቀዳማይ ጠመተኸስ ናይ ምሕራይ ኰይኑ ንፍሉይ ተልእኮ ከምሓርዮ የመልክት።

እቲ ካልኣይ ጠመተ ኣብ ምሸት ጸሎተ ሓሙስ ነበረ። ጴጥሮስ ንጐይታኡ ሠለስተ ግዜ ይክሕዶ። ኢየሱስ ብወታሃደራት እናተገፍዔ ይጐዓዝ ነበረ። ኣብዚ ኣተኲሩ ንጴጥሮስ ይጥምቶ። እዛ ጠመተ እዚኣ ኣሰቃቂ ዝኾነ ሥቃይ እተኸትለሉ ኰይኑ ግን ንድሕነቱ ዝኸውን ጣዕሳ እተምጸኣሉ ነበረት። እቲ ሓዋርያ ይሓድም ኣምሪሩ ከኣ ይበኪ (ማቴ 26,75) እዚ ከኣ ንጸዋዕታኡን ተኣማንነትን ዕርክነትን ናይ መምህሩ ስለዝኸሓደ ነበረ። እዚ ካልኣይ ጠመተ ኸስ ልቢ ጴጥሮስ ተንኪፉ ናብ ንስሓን ጣዕሳን ለውጥን የምጽኦ።

ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ትንሣኤ ኣብ ገምገም ቀላይ ጥብርያርዶስ ኢየሱስ እንደገና ኣተኲሩ ንጴጥሮስ ይጥምቶ እሞ ንሠለስተ ግዜ ዝኸውን ስምዖን ወዲ ዮና ተፍቅረንዲ እናበለ ይሓቶ እሞ ከም ብሓዲስ ጓሳ መጓሰኡ ክኸውን ሓደራ ድሕሪ ቢሉ እዛ ተልእኮ እዚኣ ብከመይ ዝበለ መሥዋዕትነት ሕይወቱ ክትፍጸም ምዃና ይነግሮ (ዮሓ 21,15-19)።

ካብዚ ክንርድኦ እንኽእል ንሕና ኩልና ኣብ ሕይወት እምነት ዝተጸዋዕና ብእግዚአብሔር ዝተሓረና ኢና ኰይኑ ግን ብተኣማንነት ንከነገልግሎ ብሕዝቢ እውን ዝተሓረና ኢና። ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ምናልባት ጌጋታት ፈጺምና ንኸውን ገሊኡ ናኣሽቱ ካልእ ከኣ ዓበይቲ ክኸውን ይኽእል። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ወትሩ ናይቲ ተጣዒሱ ናብኡ ዝምለስን ኣብኡ ዘለዎ እምነት ዘሐድስን ጌጋ ይምሕር ሓንትስ ኣብ ፍጹም ኣገልግሎት ሕዝቡ ደኣ ንኹን እምበር።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ጠመተ ኢየሱስ ሎሚ ኣተኲሩ ኣብ ግምባር ነፍሲወከፍና ሕጂ ኣብዚ ይጥምት ኣሎ። እዚ ጠመተ እዚ ምስ ውሳጣዊ ኣዕይንትና ክራኸብን ነፍሲወከፍና ሎሚ ኢየሱስ ኣባይ ዘለዎ ጠመተ ኣየንኡ ኮን ይኸውን! ንምንታይ ይጽዓኒ ኣሎ! ካብ ኣየናይ ጌጋ ክምሕረኒ ይደሊ ኣሎ! ኣየናይ ዝምባሌ ሕይወተይከ ክቅይር ኣሎኒ! ኣየናይ ተልእኮን ዕዮ ገዛንከ እዩ ንሕዝቡ ዝህበኒ ዘሎ! ኢልና ነስተንትን። ሕዝቢ ናቱ እዩ ንሕና ሓንቲ የብልናን ሕዝበ እግዚአብሔር እዩ ንሕናስ ንክነገልግሎ ሓላፍነት ዝተሰከምና ንፍሉይ ተልእኮ ዝተሓረና ኢና። ርግጸኛታት ኢና ዝኸበርኩም ኣሕዋት ንሕና ኩልና ኣብ ትሕቲ ትኩር ጠመተ ኢየሱስ ኣሎና ንሱ ብፍቅሪ ይጥመተና ኣሎ! ገለ ነገር  ይሓተና ኣሎ ገለ ተልእኮ እውን ይህበና ኣሎ። ዝበለጸ ፍትሒ ዘለዎ ዓለም ንምህናጽ ናቱ ተሓባበርቲ ንክንከውን ንዓና ብምምራጹ ኣባና ዓቢ ምትእምማን ከምዘለዎ የርእየና። እዛ ኣተኲራ እትጥምተና ጠመተኡ ብዕምቘት ከምዝፈልጠናን ከምዘፍቅረናን ከምዝልውጠናን ከምዝዓርቀና ሓደ ከምዝግበረናን ርግጸኛታት ኢና። እቲ ፈቃርን መሓርን ዝኾነ ጠመተኡ ናብ ሓጢኣትን ናብ ሞትን ንእትወስድ መንገዲ ወጊድ ክንብል ተተባብዓና ናይ ሰላምን ሠናይ ነገርን መንገዲ ክንክተል ከኣ ትድግፈና። እዚ መንፈሳዊ ሱባኤ እዚ እዩ እምበኣር ዝፍውሰናን ኣብ ገዛና ከምዘሎና ኰይኑ ከምዝስመዓናን ዝገብረና። ነቲ ወትሩ ኣተኲሩ ዝጥምተና ጠመተ ኢየሱስ እናሓሰብና ነዚ ምድራዊ ሕይወት እዚ ምስ ዛዘምና እውን እዚ ፍቅሪ ዝመልኦ ጠመተ እዚ ክቅበለና ምዃኑ ንሕሰብ።

ጠመተ ሕዝቢ

ጠመተ እግዚአብሔር ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣብ ልዕሌኹም ኣሎ ሰላም ከኣ ይህበኩም። ኰይኑ ግን ካልእ ጠመተ እውን ኣብ ልዕሌኹም ከምዘንጸላሉ ፍለጡ እዚ ከኣ ጠመተ ናይ ዝቃጸል ሃረርታ ፍትሕን ዕርቅን ሰላምን ዝገልጽ ጠመተ ሕዝብኹም እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ንዓኹምስ ይኹን ንሕዝብኹም ብሕልፊ ንስደተኛታትን ንሕሙማትን ነቶም ትንፋሶም ዓቂቦም ብዓቢ ትጽቢት ኣብ ዓዲ ተሪፎም ዘለውን ካብዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ ገለ ውጽኢት ንዝጽበዩ ዘለውን መንፈሳዊ ቅርበተይ ኣረጋግጸልኩም።  እዞም ሰባት እዚኦም በቲ ዘለዎም ዓቢ ተስፋን ብልቦም ዚዓርግ ጽዑቅ ጸሎትን ነዚ ርክብ እዚ ከምዘሰንይዎ ርግጸኛ እየ። ከምቲ ኖህ እታ ርግቢት ቅርንጫፍ ኣውሊዕ ሒዛ ብምምላስ ማይ ኣይሂ ከምዘብቀዔን ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ደቂሰባትን ሓዲስ ዘመን ሰላም ከምዝጀምረን ንክተበስሮ ዝጽበ ዝነበረ (ዘፍ 8,11) ኮይኖም ድሕሪ እዚ ርክብ ናብ ዓድኹም እንክትምለሱ ናይ ኩሎም ኣባላት ደቡብ ሱዳን ዕርቅን ሓዲስ ዝመን ሰላምን ምዕባሌን ሒዝኩምሎም ክትምለሱ ብዓቢ ሃንቀውታ እዮም ዝጽበዩኹም ዘለው።

ሃመይን ቀልበይን ኣብቶ ፍትዋቶም ብሞት ዝሰኣኑን ቤትንብረቶም ዝዓነወን ኣብተን ፋሕፋሕ ኢለን ዳግም ዘይተራኸባ ሥድራታትን ኩሎም ሕጻናትን ሽማገለታትን በዚ ግጭት እዝን ብዝሰዓቦ ዓመጽን ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ሥቃይ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስተዮን ከምኡ እውን እዚ ጸገም ብዝዘሮ ሞትን ጥሜትን ሥቃይን ብኽያትን ናብ ዝሳቅዩ እዩ ዘሎ። እዚ ናይ ድኻታትን ስኡናትን ገዓር ብንጹር ሰሚዕናዮ ከመይ እዚ ኣውያት እዚ ክሳብ ልቢ እግዚአብሔር ንሰማየ ሰማያት ሰንጢቑ ዝወጽእን ፍትሒ ዝደልን ሰላም ክህብ ዝደልን ገዓር እዩ። ብዛዕባ እዘን ነፍሳት እዚኤን ወትሩ እንከስተንትን እዚ ናይ ውግእ ሓዊ ብዝቀልጠፈ ክቅህምን ናብ ገዛውቶምን መረበቶምን ክምለሱን ብቅሳነት ክነብሩን እምህለል። ኣብ መሬትኩም ሰላም ንከውርድ ንእግዚኣአብሔር እልምን ናብ ሕዝብኹም ሰላም ንክወርድ ክጽዕሩ ንኩሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ እምሕጸን።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ሰላም ክርከብ ይከአል እዩ። ሰላም ይከኣል እዩ ንዝብል ሓረግ ካብ ምድጋም ኣይክደክምን እየ። ኮይኑ ግን እዚ ዓቢ ትዕድልቲ እግዚአብሔር ናይቶም ሓላፍነት ሕዝቢ ተሸኪሞም ዘለዎ ሓያል ተጸምዶ እውን ይሓትት እዩ። ንሕና ክርስትያን ሰላም ከምዘከኣል ንኣምንን ንፈልጥን ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንክፍኣት ብሠናይ ኣሸኒፉ ካብ ሞት ብምትንሣእ ንሓዋርያቱ ኣብ ልዕሊ ውግእ ዚኣጒዱ ትዕቢትን ንፍገትን ጽምኢ ሥልጣንን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ስስዔን ሓሶትን ግብዝነትን ሰላም ክዕወት ከምዝኽእል ኣረጋጊጽሎም እዩ።

ንዓና ንኩልና ገበርቲ ሰላም ንክንከውን ልዑል ጸዋዕታ ንምቅባል ዝበቃዕና ብሕውነታውን ምስ ነፍሲወከፍ ኣባል ሕዝብና ብምድግጋፍ ቅኑዕን ክቡርን ጽኑዕን ተባዕን ዝኾነ ሃሰሳ ሰላም ክነካይድ እምነ ነዚ ከኣ ብዘተን እንካ ሃባን ይቅረ ምብህሃልን ክንገብሮ እላቦ። ናይ ሓደ ሕዝቢ ኣባላት ካብ ምዃንኩም ጀሚሩ  ንኩሉ ዝመቃቅለኩም ነገራት ንክትሰግሩ ንዘተሓባብረኩምን ሓደ ንዝገብረኩምን ነገራት ክትእልሹ እላበወኩም። ሕዝብኹም ብዝሓለፈ ውግኣት ደኺሙን ኣላሽ ኢሉን እዩ። ብውግእ ኩሉ ከምዝዓኑ ዘክሩ። ሕዝብኹም ሎሚ ብዕርቅን ሰላምን ዝሰጋገር ብሩህ መጻኢ እዩ ሃረር ዝብል ዘሎ።

ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ነቲ እቶም ዝለዓሉ ሰብ መዚ ፖሎቲካ ደቡብ ሱዳን ናይ ሰላም ስምምዕ ክኽትሙ ይሸባሸቡ ኣለው ንዝብል ዜና ብዓቢ ምትእምማን እየ ሃንጐፋይ ኢለ ተቀቢለዮ። ሎሚ ከኣ እዚ ጋህዲ ኮይኑ ምስቶም ነዚ ስምምዕ ዝፍረሙ ኣብዚ ዘለውስ ይኹኑ ኣብዚ ዘየለው ንማንም ከየወሰንኩ ንኩሎም እንቋዕ ኣሓጐሰኩም እብሎም። ብቀዳምነት ንፕረሲደንት ረፓብሊክን ንሓለፍቲ ፖሎቲካውያን ጉጅለታን መንገዲ ዘተ ብምምራጾም ንክረዳድኡ ስንድዋት ብምዃኖም ናብ ሰላም ንምብጻሕ ብዝወሰድዎ ተባዕ ውሳኔን ንዕርቂ ስንድዋት ምዃኖምን ነዚ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንከውዕልዎ ብዘርኣይዎ ድላይን እንቋዕ ኣሓጐስኩም እብሎም።  ኣብ መንጎኹም ዘሎ ጽልኢ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ደው ክብሉ እቲ ስምምዕ ክኸብር ኣብ መንጎኹም ዘሎ ፖሎቲካውን ዓሌታውን ፍልልያት ክስገርን ሰላም ከኣ ነባሪ ክኸውን እዚ ከኣ ንሠናይ ነገር ናይ ኩሎም ነዛ ሃገር ንክሃንጹ ንምጅማር ዝሓልሙ ዘለው ዜጋትት ክኸውን ልባዊ ምንዮተይ እገልጸልኩም።

ኣብ’ዚ ጉዕዞ እዚ ናይ ኣሕዋትና ክርስትያን ሓባራዊ እጃም ኣብተን ዘለዋ ዝተፈላለያ ናይ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ምንቅስቃሳት ኣብ ሕቚፊ ቤትምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ደቡብ ሱዳን ስለ ዕርቅን ስለ ሰላምን ናይቶ ድኻታትን ዝተገለሉን ንምዕባሌ መላእ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ይኹን። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዝያት ምስ ረኪበ ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ቫቲካን ዝገበርዎ ቪዚታ ኣሊሚና ኣፖስቶሮም ንዝገበርናዮ ርክብ ብዓቢ ሓጐስን ምስጋናን እዝክሮ። ሽሕ’ኳ በቲ ብዙሕ ፖሎቲካውን ማሕበራውን ፍልልያት ሻቅሎት እንተነበሮም በቲ ኣብ ሕያው እምነቶምን ዘይጸዓድ ተወፋይነቶምን ዝተመሥረተ  ኣዎንታዊ ራእይዎም መሲጡኑ። ንኩሎም ክርስትያን ደቡብ ሱዳን ንጽጉማት እናሓገዙን ንኣካል ክርስቶስ ዝኾነ ዝቈሰለ ኣካላት እናፈወሱ ሰማያዊ ጸጋታት ኣብ ልዕሊዖም ክውሕዝ እንክምነ ኣብ ጸሎተይ ወትሩ ከምዝዝክረኩም ኣረጋግጸልኩም። ኣብ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ብጸሎትን ምስክርነትን ከምኡ እውን ብመንፍሳዊ መሪሕነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባልኩም መራሕቲ ከይተረፉ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምብካትን ገበርቲ ሰላም ምንእቲ ክትኮኑ እምነየልኩም።

ኣብ መወዳእታ ንሲቪላውያን ናይ ኣብያተ ክርስትያን ሰብሥልጣንን ደቡብ ሱዳን ምስግናይ እንግክገልጽ ኣብዚ ሱባኤ እዚ ንምስታፍኩም ዓቢ ግምት ከምዝህቦ እገልጽ። ንመላእ ክቡር ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ውዕውዕ ናይ ሰላምን ምዕብልናን ግዜ እምነ። ናይቲ መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ጸጋን ቡራኬን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልቢ ደቡብ ሱዳን ክትንክፍን ናይ ነባርን ዝዕምብብን ፍረ ሰላም ዘምጽእ ኮይኑ ከምቲ ማይ ውሒዝ ናይል ንሃገርኩም እንከቋርጽ ሕይወት ከምዝዓብን ከምዝዕምብብን ዝገብር ይኹነልኩም። ብጸጋ እግዚአብሔር ብዝቀልጠፈ ግዜ ኣብ ቀረባ መጽኢ ኣብዛ ፍቅርቲ ሃገርኩም ምስዞም ኣብዚ ዘለው ክቡራን ኣሕዋተይ ናይ ካንተርበርይ ሊቀጳጳስን ናይ ፕረስቢተርያን ቤተክርስትያን ኣላዪ ነበርን ብሓባር ክበጽሕ ዘሎኒ ሃረርታን ተስፋን ኣረጋግጸልኩም።

ኣብ ፍጻሜ ነዚ ኣስተንትኖ እዚ ነቲ ‘እምበኣርከስ ቅድሚ ኵሉ ምእንቲ ኵሉ ሰብ ልመናን ምህልላን ጸሎትን ምስጋናን ኪግበር አማሕጽነካ ኣሎኹ። ህዱእን ሰላማውን ሕይወት ምእንቲ ክነሕልፍ ብፈሪሃ እግዚአብሔርን ኣገባብ ብዝመልኦ ክብርን ምእንቲ ነገሥታትን ሰበ ሥልጣንን ኵሎም ምጽላይ የድሊ’ (1ጢሞ 2,1-2) ክብል ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝምሕጽኖ ንምምላስ ብጸሎት ክዛዝሞ እደሊ!

ሕያውነቱ መወዳእታ ዘይብሉ ቅዱስ ኣቦ ብመንፍስ ክንሕደስ እትጽውዓናን ከሃሊ ኩሉነትካ ብጸጋ ይቅርታ እትገልጽን ንስኻ ኢኻ። ነቲ ብግድልን ዘይምስማማዕን ቈጺሉ ዓለምና ንዘሎ ተሪር ልቢ ደቂ ሰባት ከምዝልምልም ገሩ ንዕርቂ ስንድው ዝገብር ፍቅርኻ ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና። ብዙሕ ግዜ ደቂ ሰባት ንኪዳንካ ኣቊሲሎም እንከብቅዑ ንስኻ ግን ክንዲ ምሕዳጎም ብወድኻን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገርካ ማንም ከፍርሶ ዘይክእል ጽኑዕ ሓዲስ ኪዳን ተኸልካ።

ጸላእቲ ናብ ዘተ ዝተጻልኡ ሰላም ክበሃሃሉ ሕዝብታት ብስምምዕ ኪራኸቡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕመቚ ልባትና ክትሰርሕ ንልምነካ ኣሎና። እወ ኦ ኣቦ ብጸጋኻ ሓቀኛ ድላይ ሰላም ንሓዊ ጽልኢ ተቅህሞ ፍቅሪ ንጽልእን ሕነ ምፍዳይን ተሸንፎ ብይቅረታ ከኣ ኣጽዋራ ተራግፍ። ኣብ ምሕረትካ ብምትእምማን ጥራሕ ኢና ናባኻ እንመለሰላ መንገዲ እንረኽባ ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ልብና ብምኽፋት ከኣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓዲስ ሕይወት ክንረክብ ንኽእል ዘለዓለማዊ ንስምካ ክነመስግንን ነሕዋትና ከነገልግልን እውን ንኽእል። አመን

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ንዘለዓለም ከኣ ምሳኹም ትንበር።

12 April 2019, 14:57