መምርሒ ወንጌል ኣገልግሎት ሓድሕድ እዩ! ር.ሊ.ጳ ንእሱራት ቨለትሪ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዓመት መጸ ኣብ በዓለ ጸሎተ ሓሙስ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓት ድራር ጐይታ ዝብል ብሥርዓትና ከኣ ሕጽበተ እግር እንብሎ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ነቲ ብልማድ ኣብ ባዚሊካታት ዝግበር ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ቤትማእሰርታት ስለዘካይዱ ሎምዘመን ከኣ ቨልትሪ ኣብ ዝበሃል ቤትማእሰርቲ ሓሙስ ምሸት ንኣእጋር 12 እሱራት ብምሕጻብ ፈጺሞም። ነንሕድሕዶም ንከገልግሉ ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ ደጊሞምሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቤትማእሰርቲ ቨለትሪ ካብ ሮማ ውጽእ ኢልካ ካስተሊ ሮማኒ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ ኰይኑ ብ1991 ዓም ዝተሃንጸ ኰይኑ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ኣርባዕተ ደረጃ ዘለዎም ፓላሶታት እዩ። ኣብቲ ቤትማእሰርቲ 577 እሱራት እንክህሉ 60% ካብዚኦም ወጻእተኛታት ኰይኖም እቶም ዝተተረፉ ጣልያን እዮም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቦታ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ኣርባዕተን ፈረቃን ምስ በጽሑ ናይቲ ቤትማሰርቲ ሓላፊት ማርያ ዶናታን ኣዘዝቲ ፖሊስን ካልኦት ሰበሥልጣንን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣባ ፍራንኮ ድያማንተን ተቀቢሎሞም።

ኣብ ግዜ ሕጽበተ እግሪ 9 እሱራት ካብ ሃገረ ጣልያን 1 ብራዚላዊ 1 ወዲ ኣይቮሪ ኮስት 1 ከኣ ካብ ሞሮኮ ኣእጋር ሓጸቡ። ኣብቲ ሥርዓት ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ክንሱ ናይ ባሮት ሥራህ ተባሂሉ ዝግመት ሥራሕ ብምፍጻሙን ከምኡ ክንገብር ብምእዛዙን ነንሕድሕዶም ከገልግሉ ኣዘኻኺሮም። ምሕጻብ እግሪ ኣብቲ ግዜቲ ባሮት ዝገብርዎ ሥራሕ እዩ ዝነበረ።

ኢየሱስ ነዚ ይገብር! ኣእጋር ይሓጽብ። ሓደ ተግባር ባርያ ይፍጽም። ንሱ ናይ ኩሉ ሥልጣን ነርዎ። ንሱ ጐይታ እዩ! ኰይኑ ግን ናይ ባርያ ሥራሕ ይሰርሕ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንኲልና ‘ነዚ ነንሕድሕድኩም ፈጽምዎ’ ክብል ይመኽረና። ከምዚ ብምግባር ከኣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል በዚ ከኣ ብኣገልግሎት ኣሕዋት ትኾኑ። እዚ ነቲ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክመልኽ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክረግጽ ካብ ዝገብሮ ስራሕ ትዕቢት ሓራ ኣውጺኡ ኣብ ኣገልግሎት ይጸምድ። ስለዚ ነንሕድሕድኩም ኣገልግሉ። ሕውነት ትሕትና ይሓትት።

ሕውነት ትሕትና እዩ!

ምግልጋል ማለት ንገዛእ ርእስኻ ካልኦት ክገብሩልካ ንእትደልዮ ንካልኦት ምግባር እዩ። እዚ ከኣ ሕውነት እዩ። እዚ ሥራሕዚ ወትሩ ትሕትና ይሓትት። ቤተክርስትያን ነቲ ኣቡን ኢላ ዝለዓለ ሥልጣን እትህቦ ንኢየሱስ ክመስል ነዚ ሥርዓት እዚ ክገብር ትእዝዝ።

ኣቡነ እቲ ዝተሓተ ኣገልጋሊ ክኸውን ኣለዎ። ነፍስወከፍና ከኣ ኣገልገልቲ ናይ ኣሕዋትና ክንከውን ኣሎና፣ ሕጊ ኢየሱስ ሕጊ ወንጌል እዚ እዩ። ናይ ኣገልግሎት ሕጊ እምበር ናይ ጐይትነት ሕማቅ ናይ ምፍጻም ንካልኦት ናይ ምውራድ ኣይኮነን። ኣገልግሎት እዩ መለለዪና። ኣብ ልባትና ወትሩ ኣገልግሎት ናይ ካልኦት ማእከላይ ቦታ ክሕዝ ኣለዎ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ኣገዳሲ ዝኾነ ትምህርቲ ኣግሂዱ ይነግሮም። ነዚ ከኣ ዓለማውያን ሰበሥልጣንን ናቶም ሥልጣንን ብምውድዳር መራሕትን ሰበሥልጣንን ክግልገሉ ዝለዓለ ቦታ ክሕዙ ይደልዩ ኣባኹም ግን ከምኡ ኣይኮነን እቲ ካባኹም ዓቢ ክኸውን ዝደለ ዝተሓተ ይኹን! ልኡኽኩም ይኹም! ኣገልጋሊኹም ይኹን ይብሎም።

ርግጽ እዩ ኣብ ናብራ ብዙሕ ጸገማት ኣሎ! ኣብ ነንሕድሕድና ንበኣስ ኰይኑ ግን እዚ ዚሓልፍ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ልብና ኣገልግሎት ኣሕዋት እዩ ቦታ ክህዝ ዘለዎ  እዚ ንካልኦት ናይ ምግልጋል ፍቅሪ እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝቀረበና ምሕጻብ ኣእጋር እንክኸውን ዕውት ኮይኑ ክርከብ ይከኣል።

ትርጉም ምሕጻብ ኣእጋር ኣብ ወንጌል!

ቅዱስ ጴጥሮስ ጐ.ኢ.ክ ኣእጋሩ ክሓጽቦ ምስ በለ ብጣዕሚ ከምዝተረበሸን ‘ንስኻ እግረይ ክትሓጽብ ፈጺምካ ዘይከውን ዘይሕሰብ እዩ! ኣይፍልካ ጐይታ ኣይትውዕሎን ግዲ ኣምሪሩ ክልምን እንከሎ ኢየሱስ ከኣ ኣን እንተዘይሓጸበካ ምሳይ ክፍሊ የብልካን ምስ በሎ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ ዋእ ከምኡ እንተኾይኑስ ርእሰይ ኢደይ ኩለንትናይ ከይተረፈ ሕጸበኒ ክብል ምልስ ይብል።

ቅዱስነቶም እውን ትማሊ ዳርጋ ከምኡ ዝብሉ ክመስሉ ነቶም ኣብ ዙርያ መንበረ ታቦት ዝነበሩ 12 እሱራት በብሓደ እግሮም ሓጺቦም ወልዊሎም ብዓሚቚ ፍቅሪ ምስ ተሳለሙ ኣንቃዕሪሮም ዓይኒ ዓይኖም እናጠመቱ ኢየሱስ ክሳብ ክንድዚ እዩ ዘፍቅረካ ንስኻ እውን ከምኡ ግበር ዝዓይነት መልእኽቲ ዝሓዘ ናይ ኣዕይንቲ ቋንቋ እንክትርኢ ብጣዕሚ ልብኻ ዝትንክብ ነበረ። ትርጉም ምሕጻብ ኣእጋር ኣገልግሎት ሓድሕድ ከመይ ምዃኑ ብግብሪ ነቲ ዝሰበኽዎን ጐይታ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ብግብርን ብቃልን ንዝመሃሮ ደጊሞም ብቃልን ብግብርን መስኪሮም።

እዚ ከምዚ ፍጻሜታት እንትርፊ ኣድናቆትን ኣስተንትኖን ብቃላት ዝግለጽ ነገር ስለዘየለ ኣብ ፍጻሜ እቲ ሥርዓትን መሥዋዕተ ቅዳሴን መወዳእታ ብዘይብሉ ውዕውዕ ጣቅዒት ኩሎም እቶም እሱራትን ኣመሓደርትን እንክቀርብ ሓላፊት ቤትማእሰርቲ ቨለትሪ ክንዲ ኩሎም ኣመስጊና ህያብ ናይቶም እሱራት ንር.ሊ.ጳ ምስ ሃባ እውን ገና ጣቅዒት ኣብቲ ማእሰርቲ እንክጋዋሕ ቅዱስነቶም ናብ መንበሮም ገጾም ተበገሱ ብሰላም ከኣ ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣተው።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
18 April 2019, 09:13