ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ  

ካህናትሲ ዓደልቲ ዘይቲ ብጠርሙዝ ዘይኮነ ንኽቀብዑ ዝተቀብዑ እዮም! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ሓሙስ ዕለት 18 ሚያዝያ 2018 ዓምፈ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ጸሎተ ሓሙስ እንክተብዕል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ብብዙሓት ካርዲናላትን ኣቡናትን ካህናትን ተሰንዮም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ቡራኬ ቅብዓ ቅዱስ ዘይት ከምዝፈጸሙን ተመልኪቱ። ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ሰፊሕ ስብከት ‘ካህናት ርእሶም ብምውፋይ ኣብ መንጎ ሕዝቦም ብምዃን ንኣቊሳሎም ክዝንኑን ክቀብኡን እምበር ጣዕሚ ገዛእ ርእሶም ሃሰስ ክብሉ የብሎምን’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ካብ ሉቃስ ዝተወስደ ኰይኑ 4.16 ነቲ ኢሳያስ ኣብ ትንቢቱ ዝገለጾ `መንፈስ እግዚአብሔር ኣባይ ሓዲሩ ኣሎ! ስለ ዝቐብኣኒ ኸኣ ንድኻታት ከበሥር ንእሱራት ፍትሓት ክእውጅ ንዕውራን ኣዒንቶም ከብርሃሎም ንጭቚናት ሓራ ምውጻእ ክሰብኽ ኅርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክእውጅ ለኣኸኒ’ ዝብል ክፍል ዝርከቦ እዚ ከኣ ብኢየሱስ ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ነበረ።

ኣብ ዝኽሪ በዓል ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ርእሲ ቡራኬ ቅብዓ ቅዱስ ዘይትን ሕጽበተ እግርን ምስቲ ዓቢ ምሥጢር ቚርባን ምሥራዕ መዓርገ ክህነት እውን ምሳኡ ስለዝኾነ ካህናት ብልማድ በዚ ዕለት እዚ ምስ ጳጳሳቶም ሓቢሮም ብምቅዳስ ማሕላ ክህነቶም እውን የሐድሱ። ሎሚ ንግሆ ምስ ቅዱስነቶም ዝቀደሱ ካህናት ሰበኻ ሮማን ካብ መላእ ዓለም ኣብኡ ዝተረኽቡ ብሓባር ነቲ ቅዱስነቶም ዝሓትዎ መብጸዓታት ክህነቶም `እወ ፍቃደኛ እየ’ እንክብሉ ኩሎም ብሓባር ቃለ ማሕላኦም ኣሓዲሶም። ቅዱስነቶም ከኣ ኣብ ስብከቶም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ቅብዓት ገዛእ ርእሱን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ምውራድን ብቀጥታ ንካህናት ስለዝምልከትን ካልኣነ ክርስቶስ ኮይኖም ንዝቈሰል ክዝንኑን ክቀብዑን እምበር ዘይቲ ብጠራሙስ ክዕድሉ ኣይግባእን ኢሎም። ካህን ዝተቀብኤ ንካልኦት ንክቀብዕ ነቲ ቈሲሉ ዘሎ ኣካል ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነ ክቀብኡ ኣለዎም ኢሎ።

ካህናት ሓላፍነቶም ክፈልጡ ንከገልግሉ ከምዝተሓርዩ ዘኪሮም ካብ ፈተና ናይ ምፍልላይ ክድሕኑ እሞ በእዳዎም ወስ ክብሉ ሙሉእ ብሙሉእ ክውፈዩ ጣዕሚ ገዛእ ርእሶም ከይደልዩ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ዕለተ ክህነቶም ዝተቀብእዎ ቅብዓት ሓይሊ የልብሶም እሞ ንካልኦት ክቀብኡ ምዃኑ በዚ ቅብዒ እዚ ዝተቀብዔ ከኣ ካብ መስኪንነትን ዓመጽን ጭካነን ይድሕን ኢሎም።

ንክቀብዕ ዝመሃር ካብ መስኪንነትን ዓመጽን ጭካነን ይፍውስ!

ቅዱስነቶም ሜሮን ኣብ ዝቀብኡሉን ንካህናት ኣብ ዝቀብኡሉን ግዜ ዘይቲ ኣብዝሕ ኣቢሎም ጽቡቕ ገርካ ምቅባዕ ኢድካ ምርሳሕ ደስ ከምዝብሎም ዝገለጹ ነዚ ዝገብሩሉ ከኣ ጽቡቅ ጌርካ ክትቀብእ እንከሎኻ ነቲ ተቀባኢ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ቀባኢ እውን ቅብኣቱ ይሕደሰሉ ኢሎም።

“እዚ ማለት ከኣ ንሕና ዓደልቲ ዘይቲ ብጠራሙዝ ኣይኮናን። ንክንቀብዕ ዝተቀባዕና ኢና። ንገዛእ ርእስና እናዓደልና ኢና ንቀብእ! ጸዋዕታናን ልብናን ኢና ንዕድል! እንክንቀብዕ ንሕና እውን ብሓዲስ ብእምነትን ፍቅርን ናይ ሕዝብና ንቅባዕ። ኣእዳውና እናኣርሓስና ነቊሳል እናተንከፍና ንሓጢኣት እናሓጸብና ንስቃይ ሕዝቢ እናኣባረርና ንእምነት ሕዝብና ብምትንካፍ ንተስፋኦምን ምትእምማኖምን ልግሶምን ምዑዝ ሽቱ እናሓብና ንቀብእ። ነዚ ከኣ ብዘይ ምንም ተጒላባንትን ምንም ንርእስና ከይገደፍናን ብምሉእ ተወፋይነት ንገብሮ እምበር ገሊኦም ዓበይቲ ሰባት ናብ ጥንቈላ ገጾም ዝዝምብልዎ ዓይነት ኣይኮነን። እቲ ምቅባዕ ዝመሃር እቲ ብራኬ ምሃብ ዝመሃር ካብ መስኪንነትን ካብ ዓመጽን ካብ ጭካነን ይፍወስ። ካህን ንድኻ መባእ ክህብ እንከሎ ኣብ ኢድ እቲ ለማኒ ክህቦ ኢዱ ክትንክፎ ኣለዎ።”

ካህናት ኣእዳው ለማኒ ይተንክፉ!

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ሕዝቢ ጽድፍድፍ ክብል ናብ ኢየሱስ ይመጽእ ከምዝነበረን ንሱ እውን ይፍውሶም ከምዝነበረ ኣብ ዓዲ ናዝሬት ግን ተቃውሞ ከምዝገጥሞ እንኪናገር እቲ ንሱ ዘንበቦ ትንቢት ዝገልጾም ሕዝቢ ከኣ ድኻታ እሱራት ዕውራት ዝተጨቘኑ ምዃኖም እዩ እቲ ቅብዓቱ ከኣ ነዚኦም ንክረድእ እዩ። ካህናት እውን ነዚኦም ምርዳእ ቀዳማይ ዕጃም ተልእኮኦም ምዃኑ ይገልጹ እሞ በብሓደ መን እዩ ድኻ መን እዩ እሱር ወዘተ ንዝብል ይምልሹ።

ኣብነት እትኸውን ናይ ወንጌል ድኻ እታ ነተን ዝነበራኣ ክልተ ሳንቲም ኣብ ሙዳይ ምጽዋት ዘንበረት ብዘይካ ኢየሱስ ባዕላስ ይኹን ካልኦትስ ይኹን ዘየስተውዓሉላ ኮይኑ ግን ከም ኣብነት ኣብ ወንጌል ክሳብ መወዳእታ ዝዝረበላ መበለት ከምኡ እውን እቲ ኣብ መንገዲ ኢያሪኮ ኮይኑ ዝልምን ዝነበረ ባርጠሜዎስ ጐይታ ኣዕይንቱ ንክኸፍተሉ ዝገዓረ እሞ ምስ ሓወየ ንኢየሱስ ዝሰዓበ ብሓቂ ኩሉ ዝበርሃሉ ከምኡ እውን እቲ ብኣብነት ዝቀርብ ብሕያዋይ ሳምራዊ ረድኤት ዝረክብ ብከተርቲ ተሃሪሙ ዝነበሮ ኩሉ ዝተዘርፈ እዚኦም ኩሎም ኣብነታትን መሪሕን ኰይኖም ንቅብዓት ጐይታ ንምዝርጋሕ ይጠቅሙና። ካህናትከስ ምስ እዚኦም እዮም ክውግኑን ከገልግሉን ኣለዎም ነዚ እዮም ዝተቀብኡ ኢሎም።

“እዞም ኣብነታት እዚኦም ምስሊ ነፍስናን ምስሊ ቤተክርስትያናን እዮም። ነፍሲወከፎም ነቲ እንኮ ዝኾነ ዝተወሃሃደ ልቢ ሕዝብና እዮም። እቲ ድኻ ንሕና ካህናት ኢና ናይ ሓደ ለማኒ ኣእዳው ክንትንክፍ እንከሎናን ዓይኒ ዓይኑ ክንጥምቶ እንከሎናን ናይታ ዝነበራኣ ክልተ ሳንቲ መባእ ዘቅረበት መበለት ልቢ ክህልወና ኣለዎ። ንሕና ካህናት ንግሆ ንግሆ እንክነቅሕ ‘ኦ ጐይታ ክርኢ እደሊ ኣሎኹ’ እንተበልና በርጠሜዎስ ኰና ብርሃን ረኺብና ክንክንተሎ ኢና። ንሕና ካህናት ኣብ ገለ ኩነት ናብራ ሓጢኣትና ናይቲ ብሰረቅቲ ተደብዲቡ ዝቆሰለ ኢና። ብቀዳምነት እንምነዮ ከኣ ኣብ ኣኣዳው እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ክንወድቅ በዚ ከኣ ኣእዳውና ንካልኦት ንምርዳእ ርሕራሔ ክመሃራ እየን። ነዚ ከኣ ጣዕሚ ገዛእ ርእስኻ ከይደለኻ እዩ።”

ብዛዕባ ሕዝቢ ዘይምግዳስን ጣዕሚ ገዛእ ርእስኻ ምድላይን!

ሓፋሽ ሕዝቢ ክበሃል እንከሎ ፍሉይ ኣካል ዘይርኢ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኮይኑ ግን እዚ ሓፋሽ ሕዝቢ እዚ እዩ ኣብ ወንጌል ምስ ኢየሱስ ዝዋሳእ ዝነበረን ዝልወጥ ዝነበረን። ከምቲ ናይ ኢየሱስ ንሓፋሽ ሕዝብና ከምዝኽተሉናን ከምዝልወጡን ንክንገብር ንጐይታ ሠለስተ ጸጋ ንለምኖ።

እታ ቀዳመይቲ ናይ ሓዋርያነት ጸጋ ኰይና  ከምቲ ወንጌል ሉቃስ ዝብሎ እቲ ሕዝቢ `ይደልይዎ ነሮም’ (4.42) ይኽተልዎ ነሮም (14.25) ዕጉግ ኢሎም ይኸብዎ ነበሩ (8.42) ንክሰምዕዎ ብዙሓት ናብኡ ይመጹ ነሮም (5,15) እዚ ከኣ ብዘይ ምንም ውዑል ብፍቅሪ ይኽተልዎም ከምዝነበሩ ይገልጽ። ንሕና እውን ብዘይ ምንም ውዑልን እንተን ንሕዝቢ ክንክተሎ ንመስኪንነትና ክንሰግሮ እዚ መስኪንነት እዚ ከኣ ከምቲ ሓዋርያት ብዙሕ ሕዝቢ ኣብ በረኻ ምስ ረኣዩ ኣሰናብቶም ግዳ ኣብዚ ዝብላዕ የለን ምስ በሉ ዝብላዕ ንስኹም ሃብዎም እንክብል ነቲ ጭካነ ዝመስል ዝባሌኦም ዝገንሆ እዩ።

“ኣብዚ ኣነ ብዝመስለኒ ወገንነት ወገን ክህነት ይውለድ። እዚ ከኣ ብዛዕባ እቲ ሓፋሽ ሕዝቢ ከይተገደስካ ውሕስነት መግብን ጣዕሚ ገዛእ ርእስኻን ምቅዳም እዩ። ጐይታ ከኣ ነዛ ፈተና እዚኣ ‘ዝብላዕሲ ንስኹም ሃብዎም’ (ማር 6.37) ክብል ይቈጽያ። ንዓና ከኣ ሎሚ ሓላፍነት ሕዝብኹም ተሸከሙ ይብለና ኣሎ።”

ጸጋ ኣድናቆትን ኣለሊኻ ምኽኣልን!

እታ ካልአይቲ ጸጋ እቲ ሕዝቢ ምስ ተመገበ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርእዮ ሓጐስ ዝመልኦ ኣድናቆትን እምነት እቲ ሕዝብን ኮይኑ ኣብ ሉቃ 11.14 ‘እቶም ሕዝቢ ኸኣ ተገረሙ’ ይብል። ሣልሰይቲ ጸጋ ከኣ ኣለሊኻ ምኽኣል እዩ። ሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ምስ ኢየሱስ ይማጐቱ ነሮም። እቲ ሕዝቢ ግን ሥልጣን ኢየሱስ ሓይሊ ቃሉን ትምህርቱን የለልዩ። ‘እቶም ሕዝቢ ነዚ ምስ ፈለጡ ሰዓብዎ’ (ሉቃ 9.11) ይብል። `ኩሎም ኣዝዮም ተገረሙ ፍርሃት እውን ሓድሮም ሎሚስ ድንቂ ዝኾነ ነገራት ርኢና እናበለ ኸኣ ንእግዚኣአብሔር ኣመስገኑ`(ሉቃ 5.26) ከምኡ እውን ‘እቶም ሕዝቢ ከምቶም ጸሓፍቶም ዘይኮነስ ከም ሓደ በዓል ሥልጣን ኮይኑ ይምህሮም ስለዝነበረ በቲ ትምህርቱ ተደነቑ’ (ማቴ 7.28)ይብል። ስለዚ ቅብኢ ኢየሱስ ልብና ክትንክፍ እሞ ክነለልዮን ክንድንቀን ክንኣምንን ነፍቅደሉ። ንሓደ ዝወሃብ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝግበር ቅብዒ ንጥቅሚ ኩሉ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

“ኢየሱስ ከስ ንኩሉ ይዕዘብ! ከምቲ ነታ ማንም ዘየተውዓለላ ክልተ ሳንቲም መባእ ዘውደቀት መበለት ካብ ኢየሱስ ዝኽወል ትንኣስ ትዕበ ማንም ተግባር የላን።”

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም እቶም እሱራትን ጭቁናትን እንብሎም ካብቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለው ብዝገደደ ኣብ ዓበይቲ ከተማታትና ሰላሕታዊ ብዝኾነ መንገዲ ንብዙሓት ጨቑኑ ሒዙ ዘሎ ሥነሓሳባት ከምዘሻቅሎም ገሊጾም። እዚ ከኣ ንብዙሓት ኣብ ባርነት ሸሚሙ ዘሎ ብምዃኑ ንባህልና ክንቀብእ ክነጽሪ ነዚ ዓብሊሉ ሒዙ ዘሎ ዘይቅዱስ ልምድታት ክንኣሊ ብምምሕጻን ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
18 April 2019, 18:05