ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሓው ኣሎይስ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሓው ኣሎይስ 

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሓው ኣሎይስ

ማሕበረሰብ ታይዘ ካብ ዝተመስረተሉ ኣርብዓ ዓመታት ኣትሒዙ ምስ መንእሰያት ጥብቂ ርክብ ዘለዎን ናይ ዝተፈላለይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እውን ዘተ ዘተባብዕ ክኸውን እንከሎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ናይ ታይዘ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ገዳም ኣበ ምንየት ሓው ኣሎይስ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ እቲ ማሕበረሰብ፥ ኣስፍሆተ ወንጌል ናብ መንእሰያትን ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዝብል ቀንዲ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ማሕበረሰብ’ዚ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ መንእስያት ዝመኸረ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ከምእተሳተፈ እውን ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ክሌኣዊ ርክብ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ሕትመት ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርእስቱ ናይቲ ዛዕባ እምነትን መንእሰያትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝመኽረ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ውጽኢት ዝዀነ ናይ ቅዱስ ኣቦና ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተኻየደ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ ሓው ኣሎይስ ካቶሊክን ትውልደ ጀርመንን ናይ ፈረንሳ ዜግነት ዘለዎም ክዀኑ እነከውሉ፡ ድሕሪ ሕልፈት ናይቲ ገዳም መስራትን ኣበ ምኔትን ሓው ሮጀር ሹትዝ ኣብ 20105 ዓ.ም. ኣበ ምኔት ኰይኖም ዝተሓረዩ ምዃኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ማሪየ ዱሃመል ኣዘኻኺረን፡

ጥብቂ ርክብ ማሕበረሰብ ታይዘን መንእሰያትን

ማሕበረሰብ ታይዘ ካብ ዝተመስረተሉ ኣርብዓ ዓመታት ኣትሒዙ ምስ መንእሰያት ጥብቂ ርክብ ዘለዎን ናይ ዝተፈላለይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እውን ዘተ ዘተባብዕ ክኸውን እንከሎ ብዛዕባ እቲ ርክብ ኣመልኪቶም ሓው ኣሎይስ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ምስ ቅዱስ ኣቦና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝራኸቡን እቲ ርክብ ንማሕበረሰብ ታይዘ ዓቢይ ጸጋ እዩ ቢሎም፡ ኣብቲ ዛዕባ መንእሰያት ዝዘተየ ሲኖዶስ ንኽሳተፉ እውን ዕድል ዝለ ዝረኸቡ ንቕዱስ ኣቦና ከምዘመስገኑን፡ ንሓዋሩ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገብርዎ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝካየዱ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካንን ከም ተዓዛቢ ክሳተፉ ዕድል ከምዝወሃብ ተስፋ እገብር ኢሎም።

እቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝተደርሰ ክርስቶስ ሕያው እዩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ካብ ዝዝርጋሕ ክልተ መዓልቲ እዩ ዝገበረ፡ ገና ምሉእ ብምሉእ ከምዘየንበብዎ እውን ሓቢሮም ቤተ ክርስቲያ እቲ ካብ መንእሰይ ወለዶ ዝቐርብ ጠለባትን ዝወሃቡ ርእይቶም ዘቕርብዎ ብድሆታት ከፍርሓ ከምዘይብሉ ቅዱስነቶም የተሓሳስቡ፡ መንእሰይ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ካብ መንእሰይ ዝነቕል ሓሳብ ኣየፍርሓን እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ሓቂ እዩ፡ መንእሰይ ናይ እግዚኣብሔር ሕጂኣውነት እዩ፡ እዚ እውን ቅዱስነቶም ዝብልዎ ሓሳብ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ቅዱስ ኣቦና፡ ክርስቶስ ምእንቲ ኵሉ ዘርኢ ሰብ ሕይወቱ ከምዝሃበ ይምዕዱ፡ እቲ ታይዘ ማሕበረሰብ እውን ነዚ ትማልን ሎምን ጽባሕን ናቱ ገይሩ እዩ ዝንቀሳቐስ፡ ምስ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምስ ኣቢያተ ክርስቲያን ንናይ ሓባር ዘተ የነቓቕሕ እዚ ኣብ ዓለም ሰላም ክረጋገጽ ዝድግፍ ወሳኒ ረቛሒ እዩ ምስ በሉ ሰብ ንሰብ ምኽንያት ፍርሕን ምጥርጣርን ክኸውን የብሉን፡ ሃይማኖቱ ድዩ ዓሌቱ፡ ዜግነቱ ድዩ ወይ ካልእ፡ ሰብ ስብእናኡ እዩ ሰብ ዘብሎ እምበር ካልእ እቲ ናይ ኣጋጣሚ ተቐጽላ ኣይኰነን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሓው ኣሎይስ
05 April 2019, 17:11