ድለ

ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ፥ ናይ እዋንና ስቑላን ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ፥ ናይ እዋንና ስቑላን 

ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ፥ ናይ እዋንና ስቑላን

ቀዳማይ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል፥ ተክለ ሰብነት ጲላጦስ መሰረት፡ እቶም ናይ እዋንና መራሕትን ሰበ ስልጣናትን ካብ ጲላጦሳውነት ዓይነት ኣነባብራ ስልጣን ተላቒቖም ንናይ ድኻታትን እቶም ብዙሓት መንስእሰያት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብናይ ዓለም ፖለቲካዊ ኢጐነትን ሸለልተይናነት ንሞት ሓደጋ ዝተቓልዑን ገዓር ሰማዒ ልብን እዝንን ክህልዎም

ምስ ክርስቶስን ምስ ዝሳቐያ ደቀንስትዮን ኣብ መገዲ መስቀል፥ ነዚ ዝበላ እተን ብቕዱስ ኣቦና ናይ 2019 ዓ.ም. ናይ ዓርቢ ስቕለት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ንኸደርሳ ዝተሓርያ ኣባል ማሕበር ኮንሶላታ እተን ንመንዝራነት ሕይወት ተገዲደን ነዚ ዓይነት ሓድሽ ጊልያነት ዝወደቓን ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝልወጣን ዝሽየጣን ደቀንስትዮ ካብቲ ጊልያነት ንኽወጻ ዝዓያ ልእኽቲ ወንጌል እናቴ ኤውጀኒያ ቦነቲ ክዀና እንከሎዋ፡ ኣብቲ 14 ፍኖት ነዘን ደቀንስትዮ ኣሕዋትና ክንሓስብን ካብቲ ዝወደቓሉ ሓድሽ ጊልያነት ናጻ ክወጻ ኣብ ዝግበ ጻዕሪ ሕዝቢ ዓለም ክሳተፍ መታን ሕልና ዘነቓቕሕ ኣስተንትኖ የቕርባ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናይቲ ኣብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ዝካየድ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ሮማን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ዘሳትፍ ፍኖተ ምስቀል ኣስተንትኖ ንኽደርሳ ዝሓረይወን ኣባል ማሕበር ደናግል ኮንሶላታን ናይቲ ደጊም ጊልያዎት ኣይኰንናን  ናይ እተሰምየ ማሕበር ኣደ መንበርን እናቴ ኤውጀኒያ ቦነቲ፡ እቲ ፍኖተ መስቀል ነቶም ዝተሓርጉን ዝተናዕቑን ድኻታትን ሕብረተሰብን ስልጣንን ሕጊ ዓለምን ዘግልሎምን ከምዘየለዉን ርሱዓት ክዀኑን ዓለም ብኢጐነትን ዘይተገዳስነት ምኽንያትን ክርእዮም ዝተሳእኖ ናይ እዋንና ስቑላን እናሓሰባ፡ ካብቶም ዝተነጸሉ ብናይ ገበን ጉጅለታት ተሃዲነን ነመንዝራነት ሕይወት ዝተዳርጋ ኣብዚ ጊልያነት’ዚ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠመን ካብኣተን 26 ተወለደቲ ናይጀሪያ ኣብ ኢጣሊያ ሳለርኖ ከተማ ዝተቐብራን ፋቩር ጓል ትሽዓተ ወርሒ ብዘይ ወላዲታ ዝተረፈትን ኵለን ናይ እዋንና ስቑላን እያተን እንክብላ ይገልጸኤን።

ኣብ መርሕነት ዝተቐመጡን ሰበ ስልጣናትን ናይ ድኻታት ገዓር ሰማዕያን ይዅኑ

ቀዳማይ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል፥ ተክለ ሰብነት ጲላጦስ መሰረት፡ እቶም ናይ እዋንና መራሕትን ሰበ ስልጣናትን ካብ ጲላጦሳውነት ዓይነት ኣነባብራ ስልጣን ተላቒቖም ንናይ ድኻታትን እቶም ብዙሓት መንስእሰያት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብናይ ዓለም ፖለቲካዊ ኢጐነትን ሸለልተይናነት ንሞት ሓደጋ ዝተቓልዑን ገዓር ሰማዒ ልብን እዝንን ክህልዎም ጻውዒት ዝቐርበሉ ኰይኑ፡ ኢየሱስ መስቀል ተሰከመ፡ ሎሚ እውን ኣብ ዓለምና፡ ስእነት ቤትን ስእነት ስራሕን ብዘይ ብሩህ መጻእን ካብ ምንባር መሳቕል ንኽላቐቑ ዝስደዱን ካብ ሕብረተሰብን ካብቲ ማእከል ዝበሃል ከባቢ ተነጺሎም ኣብ ባራካ ዝነብሩ፡ ኵሉ ዓይነት መውሃቢ ኣገልግሎ ዝተሓርሞም፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት እውን ኣድልዎ ብዓሌት ምኽንያት ዝንጸሉን ዓበይትን ሕጻናትን ንሓደጋ ዝዳርግ መሳቕል፡ ከምቲ ክርስቶስ ናጻን ግበረለይ ክገብረልካ ዘይብል ውፉይ ፍቕሪ፡ ናትና ገርና መሳቕሎም ንሰከመ ዝብል ኣስተንትኖ ዝተነብሮ እዩ።

ሓገዝ ዘድልዮም፡ ሓገዝ ከዘየድልዮም ገርካ ናይ ምርኣይ ሓደጋ

ኢየሱስ መስቀል ተሰኪሙ ናብ ቀራንዮ ዝገብሮ ጉዕዞ፡ እናቴ ቦነቲ፡ ኣብዚ ጉዕዞ ቀራንዮ፡ ብዙሓት ናይ እዋንና ነቲ ሕይወት ዝነበሩ ኣብ ዝፍጽምኦ ኣገልግሎት ብቐጥታ ተመክሮ ዝገበራሉ፡ ብዙሓት ኣዴታት ደቀን ብሩህ መጻኢ ኣሚቶም ገዛእ ርእሶምን ስድራኦምን ንኽሕግዙን ዝስደዱ ዝርእያን ናይ ደቃትን ካብኣን ምፍላይ ዘሕድረለን ስቓይ ውሒዱ፡ እቶም ዝተሰዱ ደቃተን ዘጋጥሞም ውርደትን መከራን ሞትን፡ ኣብቲ ኢየሱስ መስቀል ተሰኪሙ ንኻልኣይ ግዜ ወደቐ ምስ ዝብል ሓሳብ ኣተሓሒዘን፥ ሓገዝና ዘድልዮ ደላይ ሓገዝ ምዃኑ እናፈለጥካ ሓገዝ ከምዘየድልዮ ገርካ ዓይነት ምርኣይ ዝተለማመድና ኰይናን ኣሎና፡ መሰልናን ክብርናን እናበልና ንጭርሕን ንብቀልን ኣብ ረብሓታትና ጥራሕ ነተኵር፡ ናይቶም ክብርን መሰልን ዝተነፍጐም ድኻታት ግና ዘይነስተውዕል፡ ሓገዝ ዘድልዮ ሓገዝ ከምዘየድልዮ ገርካ ካብ ምርዓይ ሓደጋ እግዚኣብሔር ንኸድሕነና ንጸልይ ዝብል ጸሎት ንኸነቕርብ ይምዕዳ።

ትሕቲ ዕድመን ስደተይናታትን ናይ ንግድ ሰብ ኣደዳ ዝዀኑ ምስ ኢየሱስ ኣብ ቀራንዮ

ኣብ መገዲ መስቀል ከመይ ገርካ ነቶም ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተነፍጐም ሕጻናት ዘይትዝርክ፡ ይምዝመዙን ኣብ ዕሸል ዕድመኦም ኣብ ስራሕ ዓለም ተዳጒይኖምን ኣብ ፈቐዶ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ከገልግሉ ዝዳረጉን ዝሽየጡን ዝልወጡን፡ መጋበርያ ንመዝራነት ሕይወትን ንናይ ውስጠ ኣካል ንግድን ዝዳረጉን ብዙሓት ክርስቲያን ኢና ብዝብሉ እውን ከይተረፈ ዝምዝመዙን፡ መሰል ዕሸል ዕድመኦም ዝተነፍጐም፡ … ነቲ ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት ኣይምልከተንን ኢደይ የብሉን ምባል ኣይከኣልን፡ ስለዚህ እዚ ስቓይ’ዚ ንኽውገድ ኩሉ ናይ መፍትሒ ኣካል ኰይኑ ክርከብ ይምዕዳ፡ ኣብ ሻምናይ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል፡ ኢየሱስ ምስ ኣንስቲ ተራኸበ .. ነቲ ካባኻ ዝተፈልየን ኣብ ስቓይን መከራን ድኽነትን ዝርከብ መስቀል ተሰኪሙ ዝጓዓዝ ወይ ኣትጓዓዝ ቀሪብና ክንድግፎም ከምዝግብኣና ዘዘኻኽር እዩ፡ ከምተን ሕያዎት ኣንስቲ ኰይንና ክንርከብ፡ ድኻን ስደተይናን ልክዕ ክትገጥሞ ከም ዝግብኣካ ጸላኢ ጌርካ ምርኣይ ዘይኰነ ከም ገዛእ ርእስኻን ከም ሓውን ሓብትን ናይ ምርኣይ ባህሊ ክሰፍሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ደቀንስትዮ ዓቢይ ግደ ከምዘለወን የዘኻኽራ።

ውርደት ዝቕበል ኢየሱስ፥ እተን ናይቲ ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ባህል ኣደዳ ዝዀና ደቀንስትዮ

ኣብ ታሽዓይ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል፡ ኢየሱስ ንሳልሳይ ግዜ ወደቐ፡ ምሒር ተዋሪዱን ሓይሉ ኵሉ ተጸንቒቑን ብኽበድ እቲ ዝተሰከሞ መስቀል ምኽንያት ንሳልሳይ ግዜ ይወድቕ፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን፡ ኣብ ፈቐዶ ጐደናታትን ኣካለን ከም ምሕርቲ ሃልኪ ንኽሸጣ ዝግደዳ ናይ ገበን ጉጅለታት ንብረት ዝዀና፡ ምሉእ ለይቲ ኣብ ጐደና ከተማታትና፡ ዝዕመጻን፡ ኣካለን ዘይንብረተን ገይረን ንኽርእያ ዝግደዳ፡ ኣካለንን ሕልምታተን ኵሉ ማሲኑን ምሉእ ለይቲ ዝወድቃን ክትንስኣ ዝፍትናን፡ ኣደዳ ናይቲ ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ባህሊ ዝዀና ኣሕዋትና እናሓሰባ፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ንቃኤል ዝበሎ፡ ኣበይ ኣሎ ሓውኻ? ሎሚ እውን ንኣና፡ ኣበይ ኣሎ ሓውኻ? ኣበይ ኣላ ሓብትኻ ይብለና ኣሎ፡ ኣበይ ኣሎ ሓውኻ? ኣበይ ኣላ ሓብትኻ ክብለና እንከሎ፡ ኣብቲ ኣላ ኣብቲ ኣሎ ዘይኰነ መልሱ፡ ኣብ ስቓይን ሓዘንን ኩሉ ተሳተፊ ንኽንከውን ዘተሓሳስብ ሕቶ እዩ።

ሃብቲ ገንዘብን ጣዕምን ስልንን፥ ጣዖታት ናይ እዋንና ዓለም

ኢየሱስ ኣልባሱ ተቐንጠጠ፡ እዚ ኣካል ኢየሱስ እዚ ምስቶም ብዙሓት ኣብ ዓለም መጋበርያ ጾታዊ ስምዒት ንኽዀኑን ዕርቃኖም እናውጻእካ ምስ ሩካቤ ስጋ ምስ ዝተተሓሓዘ  ምስሊ ስእለ ጽዩፍ ገርካ ምጥቃምን፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ እውን ከምኡ፡ ኢየሱስ ኣልባሱ ተገፈ ንዝብል ሓቂ ኣብ እዋንና ዓለም ዝውክሉ፡ ክብሮም ጽባቔኦም ውሳጣውነቶም ዝጋህሰ፡ ነዚኣቶም ናይቲ ሃብቲ ገንዘብን ጣዕምን ስልጣንንጣ ጣዖቱ ዝገበረ ዓለም ኣደዳ ዝዀኑ፡ ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን  ካብቲ ዝወደቕሉ ገሃሲ ክብሪ መጻወድያ ንኽላቐቁ ብዙሕ ጻዕሪ ዝገብሩ እውን ኣለዉ፡ ነቶም ካብ ድኽነትን ምልካላዊ ስዓትን ምግባረ ብልሽውናን ምዝመዛን ዝረኣየሉ ሃገሮምን ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖን ንዝስደዱ ዘኣንግዱን ዝሓልዩን እውን ኣለዉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ዘሎ እውነተይና ጽባቔ፥ ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሒር ምዃን ዘለልዩ።

ኣብ ናይ ክርስቶስ መቓብር፥ ሞትን ትንሳኤን፥ ምሉእን ኵለንተናውን ትርጉም ሕይወት

እታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል፡ ኢየሱስ ሞተ ተቀብረን፥ ኣብ እዋናዊ ዓለም፡ በቶም ፈቐዶ ማያት ባሕርን ኣብ ፈቐዶ ምድረ በዳን፡ ፋሕ ዝበሉ ናይ መቓብር ስፍራ ይውክል፡ መንግስታት ምድሓን ይግባእ ኣይግባእን ንመን ንቀበል ኣይንቀበል ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ መንግስታቶምን ክካትዑ፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሰሃራን ሚዲትራኒያንን ኣብ ካልኦት ከባቢ ዓለም በረኻታትን ማያት ባሕርን ውቅያኖሳትን ድኻምን ጽምእን ዘትረፎም፡ ማያት ባሕሪ ዝወሓጦምን፡ መቓብሮም ዘይፍለጥ፡ ክትበጽሖ ዘይከኣል፡ ኣበይ ኣሎ ቢልካ ከተለልዮ ዘይከኣል፡ድምጺ ናይቲ  ኣበይ ኣሎ ሓውኻ ሕቶ እግዚኣብሔር ኰይኖም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ የእውዩ፡  ናይ ኢየሱስ መቓብር ዝውክሉ፡ ኢየሱስ ኣብኦም ምስኦም ዝቕበረሉ፡ ሞት ክርስቶስ ንመራሕቲ ዓለምን ሰበ ስልጣናትን ሓጋጊ ሕግን ቀንዲ ሓላፍነቶም ሕይወት ምክልኻል ዝብል ምዃኑ ንኸለልዩን ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ በርኣያኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ምዃኑ ከስተውዕሉን፡ ትንሳኤኡ ናይ ተስፋን ሓሴት ናይ ሓድሽ ሕይወትን ናይ ሕይወትን እንገዳን ሱታፌ ኣብ መጐ ኣሕዛብን ሃይማኖታትን ሕግታትን ፋኑስ ይኹን ዝብል ጸሎትን ኣስተንትኖን የቕርባ።

ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ፥ ናይ እዋንና ስቑላን
19 April 2019, 16:09