ናይ ደቡብ ሱዳን  መራሕቲ ንመንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ ንመንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን 

ናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ ንመንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውሁደተ እንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ጁስቲን ወልባይ ዘቕረብዎ ሓሳብ ተቐቢሎም

ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፍሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ወልባይ ብዘቕረብዎ ሓሳብ መሰረት ናይ ደቡብ ሱዳን ላዕለዎት ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ከምኡ እውን ናይ ደቡብ ሱዳን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካንን ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጨንፈር ኣባላትን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሱዳን ካህናትን ዘሳተፈ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝዛዘም መንፈሳዊ ሱባኤ ሎሚ ዕለት 10 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውሁደተ እንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ጁስቲን ወልባይ ዘቕረብዎ ሓሳብ ተቐቢሎም እቲ ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ንኽካየድ ከምዝፈቐዱ ቅድም ክብል ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡

ናይቲ ሱባኤ ተሳተፍቲ ናይ በርገሳውን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣካላት እያቶም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ጁሶቲ፥ ናይ ረፓብሊካዊት ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሒር ሳልቫ ኪርን ኣርባዕተ ዓበይቲ ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪክ ማቻርን ተንይ ድሁርጎን ጀምስ ዋኒ ኢጋን ኣባንደንግ ጋይን ረበካ ንያንደንግ ደ ማቢዮርን ካብ ወገን ኣቢያተ ክርስቲያን ከኣ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ጨንፈር ኣብ ሱዳን ዝተዋጽኡ ሸሞንተ ኣካላትን ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ጉሉ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ባፕቲስት ኦዳማን ካልኣይ ሰባኬ ኣብ ሃገራት ኣሪቃን ማዳጋስካርን ናይ መንፍሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ኣሕሉቕ ማሕበር ኣቦ መንበር ኣባ ኦግቦኪንመገ ኦሮባቶር ከምዝዀኑ ኣፍሊጦም።

ጸሎትን ኣስተንትኖን ዕርቅን

እቲ ሱባኤ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ርክብን ናይ ስነ ሜላ ርክባትን ዘጠቓልልን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ቤት ጽሕፈትን ብዝፈጸመዎ ስምምዕ ዝካየድ ኰይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ነስተንትኖን ጸሎትን ምእንቲ ዕርቅን ሓድነትን ንሓድ ሕዳዊ ምትእምማንን ኣብ ሞንጐ እቶም ሰላም ዝዓሰሎ መጻኢ ኣብ ምሕናጽ ንዝተጸውዓ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ክህሉ ዝድግፍን እውን ከምዝኸውን ዝሓበሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡

ቃል ቅዱስ ኣቦና

እቲ ሱባኤ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ስዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዝጠቓለልን፡ ንነፍሲ ወከፍ ተሳተፍቲ ሱባኤ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፍሳዊ መራሒ ጸጋውነቶም ጁስቲን ወልባይን ናይ ስኮትላንድ ፕረስቢተርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣወሃሃዲ መጋቤ ክብርነቶም ጆን ቻልመርስን፥ ክታም ዝተነብሮ ዘሳንይ ድለይ፡ ነቲ ዝፈላልይ ስገሮ ዝብል ጥቕሲ ዝተጻሕፎ ቅዱስ መጽሓፍ ገጸ በረከት ክዕደልን፡ በዚ መሰረት እቶማ ኣብ ሱዳን ናይ ፖለቲካ መዳይ ሓላፍነት ዘለዎም ብሓባር ኣብ ጉዳና ሰላም ኣበርቲዖም ክዓዩ ቃል ምስ ኣተው ቡራኬ ምስ ተወሃቦም ክጠቓለል ምዃኑ ኣፍሊጦም።    

ናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ ንመንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን
10 April 2019, 16:58