2019.04.07 ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር 2019.04.07 ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር  

ፍቅሪ እግዚአብሔር ወትሩ ብኢየሱስ ኣቢሉ ይምሕረና ሓዲስ ዕድል እናሃበ ንሕይወትና የሐድስ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰንበት ዕለት 7 ሚያዝያ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም እቲ ነታ ኣብ ዝሙት ዝተረኸበት ሰበይቲ ‘ኣነ’ውን ኣይኩንነክን እየ! ኪድ ድሕሪ ድጊም ኣይተኣብሲ ዝበለ ንዓና’ውን ብምሕረቱ ሓዲስ ዕድል ይህበና’ እንክብሉ ነፍሲወከፍና ነዘን ቃላት ኢየሱስ ኣብ ሕልናና ገርና ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ክንሕደስ ሓደራ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብመሠረት ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንሎሚ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ካብ ዮሓንስ (8.1-11) ኮይኑ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ኣብ ዝሙት ዝተረኸብት ሰበይቲ ሒዞም ምእንቲ ክፍትንዎ ሙሴ ኣብ ዝሙት ዝተረኸበት ሰበይቲ ብእምኒ ትወገር ይብል ንስኻ እንታይ ትብል እንክብሉ ከዋጥርዎ ዝሓሰቡ ኢየሱስ ካብ ናቶም ብዘይሰንፍ መጻወድያ ካባኹም እቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ቀዳመይቲ እምኒ ይሰንዱ ምስ በሎም ካብ ዓቢኦም ክሳብ ንኡሶም በብሓደ ከምዝኸዱን ኣብ መወዳእታ ኢየሱስን እታ ኣብ ዝሙት ዝተረኸበት ሰበይትን በይኖም ምስ ተረፉ ኢየሱስ ካብቲ ደኒኑ ዝጽሕፈሉ ዝነበረ ቅንዕ ኢሉ ኣቲ ሰበይቲ ወዮም ዝከሰሰኺ ደኣ ኣበይ ኣበሉ ወላ ሓደ ዝዅንነኪ የለን ምስ በላ! ዋላ ሓደ ቢላ ምስ መለሰት ኣነ ኣውን ኣይኵንነክን ድሕሪ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ ክብል ንዘፋነዋ ዝገልጽ ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ክልተ ማዕረ ማዕረ ዝጐዓዙ ኩነታት ንዕዘብ ይብሉ። በቲ ሓደ ወገን ነታ ሰበይቲ ክዅንኑ ዝደልዩ ናይ ሕጊ ሊቃውንትን ሓለወትን ተርጐምትን ኣተግበርትን ገሮም ንርእሶም ዝግምቱ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን በቲ ሓደ ወገን ከኣ እቲ ብኣካሉ ምሕረት እግዚኣአብሔር ዝኾን እሞ ወትሩ ንኩሉ ዝምሕርን ዘድሕንን ብዕርቂ ዝሕድስን ክርስቶስ ከኣ ከድሕና ይደሊ።

እቲ ፍጻሜ ኢየሱስ ኣብ ቤተመቅደሶም ክምህር ጸኒሑ ውጽእ ምስ በለ እዮም እዞም ሰባት ነታ ክስስቲ ሒዞምሉ ዝመጹ። ከምቲ ወንጌላዊ ዝገልጾ ከኣ ንክፍትንዎ ኢሎም እዮም ነዚ ዝገበሩ። ኣይፋል እንተበለ ተጻይ ሕጊ ሙሴ እዩ ኢልካ ናዕቢ ንምልዓል መኽሰሲ ዝኾኖም ነገር ንምርካብን ሓራይ ትወገር ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ እንተኢሉ ከኣ ኣብቲ ሲቪላዊ ሕጊ ሮማውያን ከም ቀታል ሰብ ክኸስዎ እዩ እቲ ሓሳቦም ዝነበረ።

በዚ ከምዚኸስ እዞም ንኢየሱስ ኣብ ወጥሪ ከእትው ዝሓስቡ ሰባት ንወልደ እግዚኣአሔር ኣብቲ ናቶም ናይ ሕግታት መጻወድያ ከእትውዎ እሞ በቲ ናቶም ፍርድን ኩነኔን ክድርትዎ ይፍትኑ። ንሱ ግን  ናብ ዓለም ክፈርድን ክዂንን ኣይኮነን ዝመጸ እንታይ ደኣ ንከድሕንን ንደቂሰባት ሓዲስ ሕይወት ንክህብን እዩ ዝመጸ። እሞኸ ደኣ ኢየሱስ እንታይ ይገብር! ብቀዳምነት ሓንቲ ቃል እኳ ከየምለቘ ብሱቚታ ይሰምዖም ደሓር ምንም ከይበለ ደኒኑ ክጽሕፍ ይጅምር እዚ ከኣ ምናልባት ሕጊ ዝጽሕፍን እንኮ ዳኛን እግዚአብሔር እዩ ክብሎም ዝደለ ይመስል። ደሓር ጽንሕ ኢሉ ቅንዕ ይብል እሞ `ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ እታ ቀዳመይቲ እምኒ ይደርብየላ’ ይብሎም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ብምግባር ናብ ሕልና ነፍሲ ወከፎም ሓፍ ዘይብል ሕቶ ኣቅሪቡ ናይ ሕልና መርመራ ክገብሩ ይዕድሞም። ከመይ ንሶም ዝጸደቁን ናይ ፍትሒ ጐይቶትን ይመስሎም ነበሩ ንሱ ግን ሓጢኣተኛታት ምዃኖም ንክዝክሩ ይዕድሞም። ኣብዚ እዩ እምበር እቲ ጉዶም ዝቅላዕ ነዘን ቃላት ምስ ሰምዑ ካብቲ ዝሸምገለ ክሳብ እቲ ዝነኣሰ በብሓደ ምሉቅ ምሉቅ ኢሎም ከዱ። እዚ ፍጻሜ እዚ ንነፍሲ ወከፍና ሓጢኣተኛታት ምዃና ንክንዝክር ይዕድመና በዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኣእዳውና ሒዝናዮ ዘሎና ኣእማን ናይ ሕሜታን ፍርድን ኩነኔን ክንዲ ናብ ካልኦት ንድርብዮ ንደገ ደርቢናዮ ብሓጢኣትና ተጣዒስና ምሕረት ክንሓትት ይዕድመና።

ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ደው ኢላ ዝተፈረፈት እታ ሰበይትን በይኖም ይተርፉ። ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝብሎ ‘ምስኪንነትን ምሕረትን’ ማዕረ ማዕረ ደው ይብሉ። ኣብዚ ክነስተውዕለሉ ዘሎ እቲ እንኮ ሓጢኣት ትበሃል ዘይብሉን ሓቀኛን ዳኛን ኢየሱስ ጥራይ ብምንባሩ ከምቲ ኣበሃህላኦም ኢየሱስ ጥራይ እዩ ናብዛ ሰበይቲ ቀዳመይቲ እምኒ ክድርቢ ዝግብኦ ዝነበረ ኮይኑ ግን ኣይገብሮን ከመይ ከምቲ እግዚኣአብሔር ብኣፍ ሕዝቅኤል ነቢይ ገሩ ዝብሎ ‘ሞት ሓጢኣተኛ ኣይደልን እዩ እንታይ ደኣ ሕይወቱ ለዊጡ ተነሲሑ ብሕይወት ንክነብር እዩ ዝደሊ’ (33.11)። ኢየሱስክስ ነታ ሰበይቲ ‘ኪድ እምበኣር ድሕሪ ደጊም ሓጢኣት ኣይትገብሪ’ እንክብል በዘን ጥዑማት ቃላት የሰናብታ። ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እዛ ብምሕረቱ ሓዳስ ፍጥረት ዝኾነት ሰበይቲ ንመጻኢኣ ዝኸውን ሓዲስ መንገዲ ይኸፍተላ። ነዛ ጐዳና እዚኣ ንክትስዕብ እንኮ ናይ ሥራሕ እጃማ ዘይምሕጣእ ጥራሕ እያ። እዚ ዕድመ እዚ ንነፍሲ ወከፍና ዝኸውን እውን እዩ። ኣብዚ ግዜ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ እምበኣር ኩልና ሓጢኣተኛታት ምዃና ክንፈልጥን ንእግዚኣብሔር ምሕረቱ ክህበና ክንልምንን ኣሎና። ምሕረት እግዚአብሔር ብግዲኡ ምስኡ ምስ ኣሕዋትናን ይዓርቀና ሰላም ይህበና ብሓዲስ ጐዳና ከኣ ሓዲስ ሕይወት ከምእንጅምር ይገብረና። ነፍሲ ወከፍ ንስሓን ለውጥን ንሓዲስ መጻእን ጽብቅትን ካብ ሓጢኣት ነጻ ዝኾነትን ለጋስን ዝኾነት ሓዳስ ሕይወት ዝህበናን ውዕሊ እዩ። እኖና ድንግል ማርያም ነቲ ወትሩ ብኢየሱስ ኣቢሉ ዚምሕረናን ሓዲስ ዕድል እናሃበ ንሕይወትና ዘሐድስን ምሕረት ዝመልኦ ፍቅሪ እግዚአብሔር ንክንምስክር ትሓግዘና።

ክብሉ ትምህርቶም ምስ ፈጸሙ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምዕዳልን ብሰላምታን ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ኣሰናበትዎም።

ነዚ መደብ እዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
07 April 2019, 12:18