ር.ሊ.ጳ. ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም ር.ሊ.ጳ. ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ምስ ርእሰ ብሔር ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ንደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ዘለዎም ዓቢይ ድላይ ገሊጾም

ሎሚ ዕለት 16 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕን ትግባሬታቱ ኣማእኪሎም እውን ዘትዮምን ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ከካይዱ ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ደቡብ ሱዳን ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ኣብ ጐደና ሰላም እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዓቢይ ምዃኑ ዘመላኸተ ርክብ ምንባሩ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ብዛዕባ ሰላም ዝምልከትን ኣብዚ መዳይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣስተዋጽኦ ኣፍልጦ ኣብ ዝሃበ ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ እውን ሓቢሩ፡ ርእሰ ብሔር ዱቡብ ሱዳን ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋለገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክሌኣዊ ርብ ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ።

ሰናይን እናጸንዔ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ደቡብ ሱዳንን ኣስተዋጽኦ ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገርን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ዘሎ ውሽጣዊ ውጥረት ንምእላይ ዝድግፍ ዝብል ተስፋ ዝተነብሮ ናይ ሰላም ስምሞዕን ትግባሬታቱን ኣብ ዝብሉን ብዛዕባ ተመዛበልትን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለን ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት መሰረት ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ምስ ርእሰ ብሔር ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ንደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ዘለዎም ዓቢይ ድላይ ገሊጾም፡ እዚ ኸኣ እታ ሃገር ኣብ ጐደና ሰላም እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ቅርበት ቤተ ክርስቲያን ናይ ምርግጋጽ ምልክታ ዘለዎ ድላይ ምዃኑ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም
16 March 2019, 16:42