ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንድኻታት ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ኣፈላላይ ሓገዝ ምቕራብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንድኻታት ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ኣፈላላይ ሓገዝ ምቕራብ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንድኻታት ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ኣፈላላይ ሓገዝ ምቕራብ

ኣብ ናይ ፍቕሪ ስራሕን እቶም ዝተረስዑን ጠርዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንዝዀኑን ዝቐርብ እንገዳ ነቶም ጸሎትን ተግባርን ተጋድሎን ዝብሉ ሰለስተ ክርስትያናውያን ክብርታት ሎሚ ከም ትማሊ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ሮማ ኣብ 1869 ዝተመስረተ ናይ ማሕበረሰብ ምሕዝነት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣባላት ብምኽንያ መበል 150 ዓመት ምስረታኡ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ትማልን ሎምን ማሕበረሰብ ኣባላት ምሕዝነት ቅዱስ ጴጥሮስ ንድኻታትን ንዝተናዕቁን ሓገዝን መንፈስ ሕውነትን ንምልጋስ ኣሚቱ ኣብ 1869 ዓ.ም. ብብፁዕ ካርዲናል ሉዶቪኮ ያኮቢኒ ተመሪሖም ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ብዙሕ ጸገም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣልቦ ቅድመ ኵነታዊ ተኣማንነት ዘቃልሕን ኣብቲ እዋን ፒዮስ ታሽዓይ ር.ሊ.ጳ. እውን ከምዝነበሩ ጠቒሶም ነዚ ኣሚቱ ዝቖመ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ዕላማ ናይቲ ማሕበረሰብ ምሕዝነት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ እዋን ኣብ ሮማ ንዝነበሩ ድኻታት ጭቡጥ ሓገዝ ብምቕራብ ዝግለጽ  ከምዝበበረን

ስለ እቲ እትፍጽምዎን በቢ ዓመቱ እውን እናመጻእኩም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓዋርያዊ መንበርን ንድኻታት ሃገራት ንዘቕርቦ ድጋፍ መሳለጢ እትልግስዎ ምጽዋት ዝነኣድ እዩ፡ ብልቢ ከመስግነኵም እፈትው፡

ጸሎትን ግብረ ተጋድሎን

ኣብ ናይ ፍቕሪ ስራሕን እቶም ዝተረስዑን ጠርዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንዝዀኑን ዝቐርብ እንገዳ ነቶም ጸሎትን ተግባርን ተጋድሎን ዝብሉ ሰለስተ ክርስትያናውያን ክብርታት ሎሚ ከም ትማሊ ህልው እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡

ኣብቲ እንራኸቦ ሓው ኢየሱስ ህልው ምዃኑ እንተድኣ ነስተውዕል ኰይንና ብወለንተይናነት እነካይዶ ተግባር ኵሉ ተመክሮ እግዚኣብሔርን ጸሎትን እዩ ዝኸውን፡ ብኣዅምን በቶም ኵሎም ኣብ ግብረ ሰናይ ዝዓዩን ናይ ጸሎት ሓይልን ኣገዳስነቱን ሸለል ክበሃል የብሉን፡

ድኻ ሓውና ንናይ ነፍሲ ወከፍና ሓልዮት ዝተገብአ እዩ

ብዝሕ ጊዜ ደጋጊሞም ዝብልውን ንኣኦም ዓቢይ ክብሪ ዘለዎን፡ ሓገዝ ንመን ንማንም ዝብል ብዘይ ኣፈላላይ ዝቐርብ ክኸውን ከምዘለዎ ኣመላኺቶም፡ እቲ ማሕበረሰብ ምሕዝነት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘበርክቶ ኣገግሎት ዕጹብ ምዃኑን ናይ ቤተ ክርስቲያን ፍቕሪ ስሉጥነቱን ህያውነቱን ምስክርነት እዩ፡ ቅድስቲ መንበር ንድኻታትን ንዝሳቐዩን ናይ እተቅርቦ ኵለንተናዊ ድጋፍ መግለጺ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡

ንስኻትኵም ኣብ ሮማ ዝርከቡ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ብምዃንን ነቲ ዘድልዮም ኵሉ ብዘይ ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ኣፈላላይ ንሰብ ከም ሰብ ብዝምልከት ኣገባብ መልሲ እትህቡ ኢኻትኩም፡ ማንን ስኡን ሓው ንቅርበናትን ደገፍናን ግብኡ እዩ፡ ንድኻታት ብምርኻብን ብምድጋፍን ንህሙማን ብምብጻሕን ንዝሳቐዩን እተቕርብዎ ኵለ መደያዊ ድጋፍ፡ ንኢየሱስ እትፍጽምዎ ኣገልግሎት እዩ፡ ባዕሉ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ፡ “እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዝገበርኵምዎ ንኣይ ከም ዝገበርኵምዎ እዩ” (ማቴ. 25,40) ከምዝብሎ እዩ፡ ንኢሱስ ኢኻትኵም እተገልግሉ፡

ኣበርክቶ ናይቲ ማሕበረሰብ ምሕዝነት ቅዱስ ጴጥሮስ ሎሚ

እቲ ቅድሚ 150 ዓመት ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ምሕዝነት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝህቦ ኣገልግሎት ዘአውኖ እንታይ እዩ፡ ሎሚ ካልእ ማዕቅፍ እውን እንተዀነ እዋናውነቱ ካበይ እዩ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡

እቲ ንኡድ ኣገልግሎትኩም ካብ ጥንቲ ኣብ ማዕቅፍ ሮማ ዝተበገሰ ከይኑ ሎሚ ኣውን ይቕጽል ኣሎ፡ እቲ ኣገግሎትኩም ዘእውኖ ኣብቲ ተግባርኩም ብኑባሬ ዘሎ ወንጌላዊ ፍካሬን እዩ፡ እዚ ወንጌላዊ ፍካሬ’ዚ እዩ ኣብ እንነብረሉ እዋንን ናይ እንገዳን ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎን ሓዋርያዊ ተልእዀ ኰይኑ ንኽቕጽልን ኣብ እዋናዊ ዓለም ኣበርክቶ ክህልዎ ዝገብር

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ዕዳን ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ክምእተፋነዉ ካምፓኒለ ገሊጸን።

ንድኻታት ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ኣፈላላይ ሓገዝ ምቕራብ

Photogallery

ንድኻታት ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ኣፈላላይ ሓገዝ ምቕራብ
01 March 2019, 18:03