ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቁምስና ቅዱስ ክሪስፒኖ፡ ኢየሱስ ወትሩ ሓቂ እዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቁምስና ቅዱስ ክሪስፒኖ፡ ኢየሱስ ወትሩ ሓቂ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቁምስና ቅዱስ ክሪስፒኖ፡ ኢየሱስ ወትሩ ሓቂ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቁምስና ቅዱስ ክረስፒኖ ሕጻናትን ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኣባላት ማሕበር መንእሰያትን ከምእተራኸቡን እቶም ሕጻናት ንቕዱስነቶም ዘቕረብዎ መዝሙር ኣስሚዕም

ዕለት 3 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቍምስና ቅዱስ ክረስፒኖ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱን እቲ ዘካየድዎ ሓዋያዊ ምብጻሕ ምስ ምስጢረ መሮን ዝተቐበሉን ትምህርተ ክርስቶስ ድህረ ምስጢረ ሜሮን ዝከታተሉ ዘለዉ መንእሰያትን ናይቲ ቁምስና ናይ መንእሰያት ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ኵሉ ተሳታፍያን ኣባላት ቁምስና መንእሰያንት ምስጢረ ጥምቀት ናይ ዝተቐበሉን ኣባይቲ ስድራን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ግዳም ሓደርን ሁሟንን ካህናትን ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን ኣስዒቦም እውን ምስጢረ ንስሓ እውን ከምዝሰርዑ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኤውጀንዮ ሙራሊ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ክፍለ ወሰናስን ሮማ ናይ እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ቪተርቦ ቁምስና ቅዱስ ክሪስፒኖ ንቕዱስ ኣቦና ድሙቕ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን፡ እቲ ቍምስና ንህሙማንን ድኻታትን ስደተይናታትን ኣብ ምድጋፍ ዝተጸምደ ምዃኑ ይንገር።

ምዉቕ ኣቀባብላ

ኣብ ከተማ ቪተርቦ ቅዱስ ኣቦና እንቋዕ ብደሓን መጻእኵም ዝብል ጽሑፍ ተሰቒሉን ናይታ ከተማ ተቐማጦ ሕዝብን ቅዱነቶም ንምቕባል ዘርኣዮ ምውቕ ውላዳዊ መንፈስ ብናይ ሮማ ሰበኻ ህየተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጀሎ ደ ዶናቲስን ናይ ሰበኻ ሮማ ክፍሊ ሰሜን ተሓባብሪ ሕየንተ ብፁዕ ኣቡነ ጉወሪኖ ዲ ቶራን ብናይ ቁስምና ቅዱስ ክረስፒኖ ቆሞስ ኣባ ሉቻኖ ካቻማኒን ምኽትሎም ኣባ ኣንድረያ ላሞናካ ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ዝግለጽ ኰይኑ፥

ምስ ሕጻናትን ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስን ናይታ ቁምስና ማሕበር መንእሰያትን

ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቁምስና ቅዱስ ክረስፒኖ ሕጻናትን ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኣባላት ማሕበር መንእሰያትን ከምእተራኸቡን እቶም ሕጻናት ንቕዱስነቶም ዘቕረብዎ መዝሙር ኣስሚዕም ምስ ኣብቅዑ፡ ቅዱስነቶም ምስ ኢየሱስ ፍቕሪ ዝሓዞምን ፈታው እግሪ ኵዑሶን እውን ምዃኖም ዝገልጽ በቶም ሕጻናት ዝተዳለዎ መልእኽቲ ምስ ተነበ፡ ንኽትበጽሑና ስለ ዝመጻእኵም ነመስግነኩም ብዛዕባዅም ካልእ እንታይ ክትነግሩና ትደልዩ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረቡሎም፡ እቲ እግዚኣብሔር ካብ ደቁ ዝደልዮ ብምቕባል ነቲ ዓለም ዝደልዮ ንምቅዋም ዝግበር ቃልስን፡ ከምኡ እውን ኣብ መንጐ እታ ቁምስና ምርኻቦም እንታይ ከምዝስምዖምን ናይ እምነት ጉዕዞና ብኸመይ ክንፍጽም ይግብኣና ዝብሉ ካብቶም ሕጻናት ሰለስተ ንቕዱስ ኣቦና ሕቶ ምከዘቕረቡን ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ሙራሊ ኣስዒቦም፡

መልሲ ቅዱስ ኣቦና

ቅዱነቶም ነቶም ሕጻናትን መንእሰያትን ብዛዕባ ህላዌ መንፈስ ክፍኣትን ዲያብሎስን እንታይ ትሓስቡ እንክብሉ ሓቲቶምን እቶም መንእሰያት እውን እወ ዲያሎስ ኣሎ ዝብል መልሲ ምስሃብዎም፡ ኣብ ወንጌል ዲያብሎስ ናይ ሓሶት ኣቦ ተባሂሉ ይግለጽ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ዲያብሎስ ናይ ሓሶት ኣቦን ጐይታ ሓሶትን እዩ፡ ካብዚ መንፈስ ክፍኣት’ዚ ብጸሎት ኢና ገዛእ ርእስና ንከላኸል፡ ዲያሎስ ጸረ ትእዛዛት እግዚኣብሔር እዩ፡ ኢየሱስ ሰናይን ሓቅን ወትሩ ኣብ ሓቂ እዩ፡ ኣደ እግዚኣብሔር እታ ኢየሱስ ናባና ሒዛ ዝጽመጸት፡ ካብቲ ናይ ሓሶት ጐይታ ንኽትከላኸለልና ቢላ እያ፡ ስለዚህ ካብዚ መንፈስ ክፍኣት’ዚ ንክንከላኸል ንወድኺ ከምዝሓገዝክዮ ንኣና እውን ሓግዝና ንበላ። ምስ መምሃራን ትምህተ ክርስቶስን ወለድኻትኩምን ተማኸሩ ብሓባር ምስኣኦም ኣስተንትኑ፡ ንካህናትኩምን ጳጳሳትኵምን ምኽሪ ሕተቱ፡ ኣብ ምስረቓ ልልያን ምኽሪ ሕተቱ፡ እቲ ዝበለጸ መታን ክትሓርዩ።

ኣብ መንጐ መንእሰያት ምራኻብ ሓጐስ እዩ

ምስ ሕጻናትን መንእሰያትን ምርኻብ ክንደይ ሓጐስ እዩ፡ ስለምንታይ ኣብ መንጐዅም ኢየሱስ ስለ ዘሎ፡ ንኢየሱስ ልባትኩም ዝኸፈትኩምን ኢየሱስ ዘአንገድኩም ብምዃንኩም ምሳኹም ምዃን ሓሴት እዩ፡ ምስጢረ ሜሮን ንቕድሚት ንኽትጓዓዙን ኣብ ሕይወት ኣብ ክርስቶስን ምስ ክርስቶስን ሰዓርቲ እናዀንካ ክትጓዓዝ ዘብቅዕ እምበር ካብ ቁስምና እንሰናበተሉ ምስጢር ኣይኰነን፡ መንፈስ ቅዱስ እንቕበለሉ ምስጢር እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ጸጋ ሓሴት ይጽግወና።

ንወለዲ መንእሰያት

ምስጢረ ጥምቀት ገና ናይ ዝቕበሉ ሕጻናት ወለድን ንምስጢረ መሮን ንዝሰናደዉ መንእሰያት ወለዲ ዝቕበልዎ ትምህርተ ክርስቶስ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ እግዚኣሔር ኣብ ልቢ ደቃቱ ዝኣትወሉን ህልውናኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ነባሪ ክኸውን ዝገብር ምስጢር እዩ፡ ስለዚህ ደቃትኩም ኣብዚ መንፈሳዊ ጉዕዞ’ዚ እተሰንዩ ኢኻትኩም፡ ገዛእ ርእስኹም ተሰናዲኹም ደቃትኩም ነዚ ዓቢይ ጸጋ እተሰናድዉን፡ ናይ ደቃትኩም ሓነጽቲ እምበር ገዛእቲ ኣይትዅኑ ኣብ ጥቓኦም ኩኑ እምበር መላኽያን ኣይትኹንዎም ሓደራ ቢሎም ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ኢኹም ንስኻትኵም እውን ስሌይ ጸልዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ድኻታትን ህሙማንን ግዳም ሓደርን

በይንና ምስ እንኸውን መንፈሳውን ቁሳውን ጸገም ብቐሊሉ የጋጥመና፡ በይንኻ ምዃን ድኻም እዩ፡ ንበይንኻ ምቅላስ ከቢድ እዩ፡ ሕብረትን ውህደት ምስ  ዝህልወና ብርቱዓት ንኸውን፡ ስለዚህ ነቶም ድኻታትን ተነቀፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ምዃን የድሊ፡ ኣብ በይኖም ከይሕደጉ ሓደራ፡ ዜግነትን ሃይማኖትን ብዘየገድስ ንዅሉ ቀረባ ምዃን የድሊ ከምዝበሉ ሙራሊ የመልክቱ።

ኣብዚ ርክብ’ዚ ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ቁምስናን ብጨንፈር ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮን ዝድገፉ ስደተይናታትን ወለንተይናታት ኣባላት ማሕበር ረድኤት እውን ከምእተረኽቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ሙራሊ ኣስዒቦም፡  ከምቲ ቆሞስ ኣባ ካቻማኒ ዝበልዎ፡ ብሓባር ንቕድሚት ንጓዓዝ ሓደራ ማንም ንበይኑ ከይሕደግ ቢሎም የቐንየለይ ስለይ ጸልዩ ሓድራ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ንህሙማንን ኣካለ ስንኵላንን ኣረጋውያንን ዝተራኸቡ ቅዱስ ኣቦና፡ ኣረጋውያን ናይ ሕብረተሰብ ጥበብ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ሕይወት ብጸጋ ምቕባል የድሊ ዝበሉ ቅዱስነቶም ሕማምን ስቓይን ከቢድ እዩ፡ ዓቢይ መስቀል እዩ፡ ከም ፍቓድካ ብዝብል መንፈስ ክንበር እንከሎ ንገዛእ ርእስኻን ንኻልኦትን ጐደና ድሕነት ትኸውን፡ ስለምንታይ ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ስቓይ ሱታፌ ስለ ዝህልዎ፡ ነቲ ስቓይ ኣብ ናይ ካልኦት ልቢ ፍርያም ተመክሮ ክኸውን ምግባር የድሊ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ሙራሊ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቁስምና ቅዱስ ክረስፒኖ ኣብ ቪተርቦ ኣብ 1973 ዓ.ም. ኣብ እዋን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ሮማ ህየንተ ብዝነበሩ ብነፍሰ ሄር ካዲናል ፖለቲ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ ኣብዚ እዋን’ዚ 6 ሺሕ ተቐማጦ ዘአንግድ ቁምስና ከዝዀነን ኣብ 1982 ዓ.ም. ናይ ቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓውጾተ ኖልዎ ዝተዓደለ ምዃኑ ይፍለጥ።

 

04 March 2019, 16:56