ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ  

ሻድሻይ ዓመት ሢመት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ!

ሽድሽተ ዓመት ይገብር ከምዛ ጽባሕ ዕለት 13 መጋቢት 2013ዓምፈ ከምቲ ሽዑ ር.ሊ.ጳ ባዕሎም ዝበልዎ ብፁዓን ኣበው ፓትርያርክታትን ካርዲናላትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ‘ካብ ኣጽናፍ ዓለም’ መሪጾም ንመጀመርያ ግዜ ካብ ደቡብ አመሪካ ከምኡ እውን ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን እውን ንመጀመርያ ር.ሊ.ጳ ዝተሾሙ ንመጀመርያ ግዜ ፍራንቸስኮስ ዝብል ስም ዝመረጹ ብፁዕ ካርዲናል ቦርጎልዮ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ናይ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት ነበሩ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከም ናይ ምርጫ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሃንደበታዊ ዝኾነ ናይ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዕለት 16 ጥቅምቲ 1978ዓምፈ ነበረ። ኣገባባቶም እውን ዳርጋ ዝመሳሰል ኮይኑ ኣብዘን ሽድሽተ ዓመት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ጽዑቅ ናይ ሓውጾተ ኖልዎን ዝተፈላለዩ ሲኖዶሳት ኣብ ምስንዳውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ዕለታት ቤተክርስትያን ካብ ናይ መንእሰያት ጀሚርካ ክሳብ ናይ ቤተሰብ ዓለምለኸ ዕለታት ብምስታፍን ብኣካል ብምኩስኳስን ወትሩ ካብ ጻት ዓለም ናብ ጻት ዓለም ምናዳ ኸኣ ኣብቶም ወሰን ዘለው ቊምስናታትስ ይኹን ሃገራት እናበጽሑ ይርከቡ።

እዛ ዓመት እዚኣ ብሓፈሻ እንክረኤ ዝጸንከረት ነራ ክንብላ ንኽእል ከመይ እቲ ንነዊሕ ግዜ ንቤተክርስትያን ዝደወነን ዘቊሰለን ጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ንሓንሳብን ንሓዋሩን መፍትሒ ንክረኽቡሉ ክሳብ ዓለምለኸጉባኤ ናይ ኩሎም ኣቦ መንበራት ረኪበ ጳጳሳት ከምዝካየድ ብምግባር ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ክህቡ ንጽበዮ ዘሎና እዩ። ምስ’ዚ ካብ ውሽጢ ብዝለዓል ሓርጐጽጐጽ እውን ኣይቀሰኑን።

ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ተመዲቡ ዘሎ ብዛዕባ ኣማዞንያ ዝዝቲ ፍሉይ ሲኖዶስ እውን ካብቶም ብዙሕ ዝሥራሓሎም ዘሎ ጒድያት ሓደ እዩ።

ካብ ዝምረጹሉ ሰዓት ጀሚሮም ወትሩ ዘገርም ነገራት ብሃንደበት እናፈጸሙ ዘለው ቅዱስነቶም ድሕሪ ሾመንተ ሚእቲ ዓመት ምብጻሕ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ናይ መጀመርያ ዝለዓለ በዓል ሥልጣን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምዃን ኣብ ሕቡራት ኢመረይት ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ኣቡዛቢ ዝገበርዎ ምብጻሕን ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ምስ ላዕላይ ዓቢ ኢማም ናይ ኣል ኣዝሃር ብሓባር ዝኸተምዎ ናይ ምቅርራብ ኣስላምን ክርስትያንን ክፉት ዘተስ ይኹን ብዛዕባ ነጻነት እምነት ዝገልጽ ሰነዶም ብሓቂ ንናይ ሎሚ ዓለምና ዓቢ ኣበርክቶ ሰላምን ቅሳነትን ምርግጋእን ምሕዝነት እምነታትን ዝእምት እዩ።

ዳርጋ ወትሩ ኣብ መገሻ ክትብሎም ዚከኣል ኮይኑ ምስቲ መገሻታት ከኣ ዓበይቲ ናይ ሕብረትን ሓድነትን ዘተታት እውን ስለዝካየድ እቲ ኣብ ሃቫና ካብ ትጽቢት ኩሎም ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ምስ ናይ ሞስኮ ፓትርያርክ ዝኸተምዎ ናይ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ሰነድ ብዝተፈላለየ መንግድታት ምስ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን እናገበርዎ ኮይኑ ንዝመጽእ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣብ ቡልጋርያን ሩማንያን እውን ክቅጽልዎ ምዃኑ ይሕበር።

ነቲ በብቁሩብ ዝግበር ሣልሳይ ውግእ ዓለም ንዝበልዎ ንናይ ዘመንና ውግኣት ንምውጋድን ንደቂሰባት ህልቂት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑን ንምግላጽ ናብ ሃገር ጃፓን ክገብርዎ ዝሓስብዎ ገና ኣብ መደብ ዘሎ ጉዕዞ’ውን ሓደ ካብቲ ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሎም ሓዋርያዊ ጒዕዞታት እዩ።  

ሓደ ካብቲ ቅዱስነቶም ዝግለጸሉ ሃንደበትነ እዩ። ካብ ዕለተ ሢመቶም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሃንደበታዊ ዝኾነ ምብጻሕ ንብዙሕ ነገራት ሰባት ብዝጽበይዎ ዘይኮነ ብዘደንቅ ሃንደበታውነት ይገብሩ። እዚ ካብ ምንታይ ዝተላዕለ እዩ ዝብሉ ብዙሓት እውን ኣይሰኣኑን። ነቲ ብቀረባ ዝምልከቶም ግን ካብ ጸሎትን ብምርሒት መንፈስ ቅዱስን ምኻድ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣይኮነን። እቲ ዕለት ዕለት ዝሰብክዎ እውን ነቲ ዝነብርዎን ዝኣምንዎን ኣስተንቲኖም  ካብ ልቦም እዮም ዝዛረቡ። እዚ ከኣ ኣብ ጸሎቶም ሕሹዅታ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ክንደይ ከምዝምህለሉን እግዚአብሔር ከኣ ዘድልዮም ጸጋኡ ከምዝጽግዎምን ምልክት እዩ።

ካብ ዝምረጹ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዕለት ዕለት ካብ ዝሰብክዎ ጀሚርካ ክሳብ እቲ ሥልጣናዊ ትምህርቶምን ኣብ ዝተፈላለየ ጉባኤታት ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ብኩሉ ናይ መራኸቢ ብዙሓን እንክዝርጋሕ ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ይከታተልዎ። ትምህርቶም ክርስቶስ ማእከል ዝገበረ ኮይኑ እዚ ከኣ ካብ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ክሳብ ናይ ጸሎት ፍሉይ ሓይሊ ከምኡ እውን ካብ ዕለታዊ ቅድስና ነፍሲወከፍ ክሳብ ኣኽብሮ ማርያም ይጐዓዝ።

ብዕለታት እንተቈጸርና ካብ ዝምረጹ 2,191 ዕለታት ኮይኑ ካብቲ ብዙሕ ዝገበርዎ ኣብ ዓሠርተ ነጥብታት ጽሙቚ ኣቢልና ክንምልከት ኢና። እቲ ብዙሕ መንፈሳዊ ዝኾነ ጐድኖም ዳርጋ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ስለዘይዝረበሉ ናባኡ ክነተኲር።

1.      እምነትካ ብግቡእ ምንባር ማለት ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ።

ቅዱስነቶም ሀ ኢሎም ኣብ መሪሕነት መንበረ ጴጥሮስ ምስ ደየቡ ትኩረት ናይ ኩሉ ክኸውን ዝመረጽዎ ካብቲ ቀዳማይ ስብከተ ወንጌል ዝነቅል ነቲ ሓቀኛ እግዚአብሔርን ሓቀኛ ሰብን ዝኾነ ክርስቶስ ምርካብ ኮይኑ እዚ ከምቲ ኣብ ሓሴተ ወንጌል እትብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳኖም ዘስፈርዎ `ኢየሱስ የፍቅረካ እዩ! ምእንቲ ከድሕነካ ሕይወቱ ምእንታኻ ወፍዩ! ሕጂ ከኣ ንከብርሃልካን ንከሐይለካን ሓራ ንከውጸኣካን ዕለት ዕለት ኣብ ጐድንኻ ኮይኑ ይጐዓዝ ኣሎ’ እንክብሉ እምነት ናይ ሓደ ሥነሓሳብ ከምዘይኮነ ከመይ ሓሳባት ስለዝመቃቅሉን መናድቅ ፍልልይ ስለዝሃንጹን እምነትሲ ምስቲ ሕያው ዝኾነ መድኃኔ ዓለም ምርኻብ እዩ። መድኃኔ ዓለም ከኣ ብግዲኡ ምስ ካልኦት እናኣራኸበና ሕይወትና ንዘለዓለም ከምትልወጥ ይገብር። ካብዚ ፍቅራዊ ርክብ ነቲ ታሕጓስ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ናይ ምብጻሕ ሃረርታ ይውለድ። ሓይሊ ፍቅሪ ኢየሱስከስ ንኩሎም ነቲ ሠናይ ዜና ክተባጽሕ ይደፋፍእ። ክርስትያንከስ ካብኦም ዚዓቢ ዓቢ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝተጸውዑ እዮም እንክብሉ ዓንዲ ማእከል ትምህርቶም እምነት ምስ ክርስቶስ ብኣኡ ኣቢልካ ከኣ ምስ ካልኦት ዝግበር ቀጥታዊ ርክብ ምዃኑ ብግብሪ የርእዩ ይምህሩ ከኣ ኣለው።

2.     ጸሎት፡ እግዚአብሔር ኣቦና እዩ ንሕና ከኣ ኣሕዋት ኢና!

ከም ካልአይቲ መፈለጥታ ነጥቢ ቅዱስነቶም እትጥቀስ ጸሎት እያ። ጸሎት ከኣ ብዓንዲ ርእሱ መሠረት ሕይወት ክርስትና ኮይኑ ክንዮ ቃላት ምድርዳር ምስ እግዚኣአብሔር ልቢ ንልቢ ተወሃሂብካ እተዕልለሉን ምሉእ ምትእምማን ኣብ ሰማያዊ ኣቦኻ እትገብረሉን ምዃኑ ይሕብሩ። ጸሎትከስ ከም ኣገላልጻ ቅዱስነቶም ሓቀኛ ሕያው ርክብ ምስቲ ሕያው ዝኾነ ኣቦና ኮይኑ ዕለት ዕለት ዝንበር ንሕሹዅታ መንፈስ ቅዱስ ጽን እናበልካ ምስ ኣቦኻ እናዕለልካ ዝግበር ናይ ምጽንናዕን ሓራ ምውጻእን መጋበሪ እዩ ኮይኑ ግን ሓንሳእ ሓንሳእ እትቊጠዓሉ እውን እዩ። ከመይ እዚ እውን ጸሎት ዝኾነሉ ግዜ ኣሎ። ከመይ እግዚኣአብሔር ኣቦና ብምሉእ ተኣማንነት ውሉድነት ነቲ ዝስመዓካ ሓሪቅካስ ኮይኑ ሓንቂቅካ ኣብ ገጹ ክትዛረቦ እንከሎ ባህ ይብሎ! ከመይ ኣቦ እዩ። ኣብ ብርቱዕ ፈተና ኣብ እንርከበሉ ግዜ ካብ ልብና `ኦ ጐይታ ስለምንታይ እዚ ከምዚ ኮይኑ` ዝብል እህህታ ክወጽእ ዚከኣል እዩ። ኣብ ጸልማት ናይ ፈተናታት ምስ ተረኸብካ ዚግበር ገዓርን ኣውያትን እዩ ምኽንያቱ ከኣ ንቃንዛ ክሳብ ዕምቈቱ ክርዳእ ዚኽእል ወላ ሓደ ሰብ ስለዘየለ። ጸሎት ማለትከስ ይብሉ ቅዱስነቶም ደቂ ሓደ ኣቦ ምዃና ምርዳእን እዚ ኣቦ እዚ ከኣ ፈጺሙ ከምዘይሓድግናን ምስ ካልኦት ኣሕዋትና ከምእንራኸብን ይገብረና። ብካልእ ኣዘራርባ ጸሎት ማለትሲ ኣብ ኣእምሮኻ ንምሥጢረ ፍቅሪ ፈጣሪኻ ገርካ ነሕዋትካ ክትረክብ ምኻድ እዩ ይብሉ።

3.     መንፈስ ቅዱስ ክልውጠካ ፍቃደኛ ምዃን!

ድሕሪ እምነትን ጸሎትን ሣልሠይቲ መለለዪት ቅዱስነቶም ምሉእ ብምሉእ ንሕሹዅታ መንፈስ ቅዱስ ጽን ምባልን መንፈስ ቅዱስ ክልውጠካ ፍቃደና ምዃንን ትብል ኮይና ነዚ ከኣ ንኩሎም ክርስትያን ዝምነይዋን ዝምህርዋን እያ። ሕይወት ሓደ ክርስትያን ይብሉ ቅዱስነቶም ቀጻሊ ለውጢ ኮይኑ ዕለት ዕለት ካብቲ ኣነ ዝብል ዓንኬል ውጽእ ኢልካ ናብ ካልኣይካ ምስጋር ካብቲ ተዓጺኻሉ ዘሎኻ ውጽእ ኢልካ ካብ ምክልኻል ናብ ምቅባል እትሰጋገረሉ ስለዝኾነ ዓሚቚ መንፈሳዊ ተሓድሶ የድልየካ። እዚ መንፈሳዊ ተሓድሶ እዚ ብዙሕ ግዜ በቲ ብፍቅሪ ክልወጥ ዘይደሊ ውሳጣዊ ተቃውሞና ነቂሉ ብስም ሓቂ ዘይተኣደነ ዓምዲ ሃይማኖታት ብምድርዳርን ኣብኡ ተደሪትካ ከምትተርፍን ብምግባር ምንም ዓይነት ምጥርጣር ኣይፈቅድን። መንፈስ ቅዱስ ግን ነዚ በቲ ዘደንቅ ሃንደበታዊ ውህበታቱ ይገማጥሎ እሞ ብሓይሉ ንቅድሚት ከም እትስጉም ይገብረካ ንእምነትካ ብጥበቡ የዕብየልካ ኮይኑ ግን ኣዎንታዊ ብዝኾነ ምጥርጣር እውን ነቲ ከም ዕርዲ ሒዝካዮ ዝነበርካ ነቃጽ ኣተሓሳስባን እምነትን ይፈራሽኾ። ከምዚ ዓይነት ኣዎንታዊ ምጥርጣር ንኢየሱስ ብዝበለጸ ንክንፈልጦን ነቲ ኣባና ዘለዎ ምሥጢር ፍቅሩ ንክንርዳእን ይሕግዘና። መንፈስ ቅዱስከስ ነታ ዕጽውቲ ማሕበርና ንክነኣማዕብልን ቊጽሪ ክነብዝሕን ኣባላትና ንክንገብርን ካብ ምጽዓር ሕልፍ ኢልና ሓቀኛታት ሰበኽቲ ወንጌል ኰና ነታ ምንም ዓይነት ተጽዕኖ ዘይትፈጥር እኳ ደኣ ሓርነት እተልብስ ሰብ ዝኾነት ሓቂ ክርስቶስ ናብ ካልኦት ከምእነብጽሕ ይገብረና ይብሉ።

4.     ቤተክርስትያን  ወትሩ ክፍቲ ገዛ ኣቦ ትኹን!

ቅዱስነቶም ደረጃ ብደረጃ ብግላዊ ርክብ ምስ ክርስቶስ ዝጅምር እምነትን ወትሩ ምስ ኣቦ እተዋስእ ጸሎትን ንኩሉ ኣዋሃሂዱ ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስን ናብታ ዝዓበየት ምሥጢረ ድሕነት ዝኾነት ኣደና ቤተክርስትያን ንምህናጽ ከምዘብጽሕ እዚኣ ቤተክርስትያን እዚኣ ከኣ ንኩሉ ዝተኸፍተት ገዛ እግዚአብሔር ኣቦ ክትከውን ይምሕጸኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ዓመታት መዓጹኣን መሳዅታን ንክትከፍት ሒዅ ዝብልዎ ዘለው ቀንዲ ውራዮም ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ጸገም ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ክንዲ ናይ ጸጋ ዓደልትን ተሓጋገዝትን ንኸውን ናይ ጸጋ ተቆጻጸርቲ ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ዓንቀፍቲ እውን ኰና ንርከብ። ኮይኑ ግን ቤተክርስትያን ድጓና ኣይኮነትን። ገዛ ኣቦ ኮይና ነቶም በዛ ኣድካሚት ጉዕዞ ሕይወት እንሳቀ ገዛ ነፍሲወከፍና እያ። ብምንም ተኣምር እተን መዓጹ ቅዱሳት ምሥጢራት እውን ክዕጸዋ የብለንን። እቲ ዘሕዝን ይብሉ ቅዱስነቶም ክንዲ ንኩሉ ንኸፍት እታ ናይ ድሕነት መጋበሪት ክትከውን ዝነበራ ሻምነይቲ ምሥጢር ዝኾነ ቤተክርስትያን ክንዲ ንሓገዝ ዳርጋ ድጓና ገርናያ። እቲ ምልኣት ምሥጢራዊ ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ከይተረፈ እውን ከም ብልጫ ንፍጹማን ሰባት ዝዕደል ዘይኮነስ ልግሲ ዝመልኦ መድሓኒትን መግብን ናይ ድኹማት ምዃኑ ንዝንግዕ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጒስነት እውን ሳዕቤን ኣለዎ። ብዓቢ ጥንቃቄን ልቦናን ክንምልከቶ ዝተጸዋዕና ኢና። ማሕበረ ክርስትያን ከኣ ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገበሮ ኣብ ዘፈር መንገዲ ወዲቆምን ቆሲሎምን ንዝጸንሑ ኣሕዋት ተምበርኪኾም ክረድኡ ዝተጸውዑ እዮም። ልዕሊ ኩሉ ኣድላዪ ዝኾነ ነገር ግን ንኢየሱስ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ከይንዓጽዎ ንጠንቀቅ ከመይ ንሱ ብውሽጢ ኮይኑ ንደገ ክወጽእ እሞ ሕይወት ክዕድል ማዕጾ ይኲሕኩሕ ኣሎ ይብሉ።

5.     ቀጻሊ መንፈሳዊ ተሓድሶ!

ቅዱስነቶም ዘተኲሩላን ሓደራ ዝብልዋን ሓምሸይቲ ነጥቢ ከኣ ቤተክርስትያን ከም ሕዝበ እግዚኣአብሔር ኣብ ክርስቶስ ዘለዋ እምነታ ብቀጻሊ ክትሕድሶ ዝተጸወዔት ምዃና ብምዝካር እዚ ምሕዳስ እዚ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝድፋእ ውሳጣዊ ሓይሊ ኮይኑ ንሓቅታት ክርስትና ብዝበለጸ ንምርዳእን ኣብ እምነት ንዘሎ ኣፍልጦ ዘዕብን ኮይኑ ነቲ ክዕንቅፍ ዝኽእል ምዕባሌ ዓምዲ እምነት ወላውን ነተን ሎሚ ብቀሊሉ ዝተበጽሓ ዝመስላና ጒዕዞታት ድሕሪ ክልተ ሺሕ ዓመታት ናይ ታሪኽ ዳግም ንክነሕድሶ ዝጽውዕ እዩ። ንኩሉ ነገር ፍጹም እዩ ኢልካ ፍጽምና ክትህቦ ናይ ምጽዓር ሓደጋ ነዚ ጉዕዞ ምሕዳስ ብመንፈስ ክደንዝዞ ስለዝኽእል ምጥንቃቅ የድሊ። ስለዚ ከምዚ ኣብ ጉዳይ ዓመጽ ዝተራእየ ብርቱዕ ፈተናታት እንከጋጥም እውን ቤተክርስትያን ንክትነጽሕ ክትፈቅድ ኣለዋ። በዚ ከኣ ንድኻታት እተገልግልን ምስ ድኻታት ብሓባር እትጓዓዝን ውሉደክህነትን ይኹኑ ገዳማውያንን ገዳማውያትን እንኮላይ ዓለማውያን ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ካብ ፈተና ውሉደክህነታዊ ጥራይ ዝብል ርሒቅና ብሓባር ክንጐዓዝ የድሊ። እቲ ጸገማት ብሩሕ ኮይኑ ንጸዋዕታ ክህነት ከም ዓለማዊ ሜላ ናብራ ብምምልካት ካብቲ ሕይወት ዝህብ ሓይሊ ድሕነት ናብ ዝጨውን ዘዕኑን ኢድ ጒሒላ ይልውጦ።  ስለዚ ከኣ እዮም ቅዱስነቶም ንጳጳሳትን ካህናትን ኣብ ዘመሓላልፍዎ ኩሉ መልእኽታቶም ከም መሳፍንትን ሰበሥልጣንን ዘይኮነስ ናይ ማሕበረ ክርስትያኖም ታሕጓስን ሥቃይን እናተሳተፉ ሕያዎት ጓሶት ክኾኑ ዝምሕጸኑ። ቅዱስነቶም ከም ማሕበረ ክርስትያን ትሕት ክንብልን ሕዝቢ ዘይነበርና ሳላ ጸጋ እግዚአብሔር ሕዝበ እግዚአብሔር ክነከውን ከምዝበቃዕና ወትሩ ንዘክሮ ይብሉ።

6.     ሓቀኛ እምነት ወትሩ ኣብ ፈተነ ከምእንህሉ ትገብር!

ቅዱስነቶም እምነት ጸጋ እግዚአብሔር ኮይኑ ንሕና ከኣ ብጸሎት ምስ ጐይታ ጥቡቅ ርክብ ብምግባርን ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ እናተመራሕና ዕለት ዕለት ብመንፈስ ክንሕደስን ኣብታ ንኩሉ እተሳትፍ ቤተክርስትያን ሕያው ኣእማን ኰና ብተግባር ክንምስክር እኳ እንተጸውዑ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ዝበሃሉ መማህራን ወይልኹም ብምባል እናገንሐ ሓቀኛ እምነት እንተለዎም ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ዝፍተን ክፍተን ከምዘለዎ ብምግላጽ ፊት ንፊት ዝገጥሞም ዝነበረ ቅዱስነቶም እውን ኣብ ቅልውላው ዘይእቱ እምነት እንተልዩና ዕለት ዕለት ዘይዓቢ እምነት እንተልዩን ጸገም ኣሎ ማለት ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት እምነት ክንሓትት ኣሎና። ዘይኲስኲስ እምነት ክዂስኰስ ኣለዎ። ክዓቢ ኣለዎ። ዘይንቀሳቀስን ዘይቅስቅስን እምነት ክነቃቃሕ ኣለዎ ይብሉ። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ወልደ እግዚኣአብሔር ሰብ ይኸውን ይመውት ምእታና ይስቀል ካብ ሞት ከኣ ይትንስእ። እዚ ብሓቂ ዝቅስቅስ እዩ። ፈሪሳውያን ብዛዕባ እምነት ኣኽል ታርፍ ኣፍልጦ ነርዎም፣ ንኩሉ ከም ኣጻብዕቲ ኣእዳዎም ይፈልጥዎ ነሮም። ሓይሊ ሥልጣኖም እናዓቀቡ ከኣ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ነሮም። ብዛዕባ ጉዳይ እግዚኣአብሔር ከኣ ዕንክሊል ይብሉ ነሮም። ኢየሱስ ግን ነተን ንሱ ዝሓለፈን ኣሰሩ ክንክተል እምበር መንግድታትና ክንክተል ኣይኮነን ዝጽውዓና እንክብሉ ነቶም ንተልእኮኦም ከም ሥልጣን ዝጥቀሙ ደስ ዘይብል ዓይነት ተሪር ቋንቋ ይዛረቡ ኮይኑ ግን ኳሕኲሑ ዘነቃቅሕን ናብ ግብዝነት ንከይንወድቅን ዝጽውዕ እዩ።

7.     ናይ ፍቅሪ ሥራህ ክንዮ ዝኾነ ነገር!

ካብ ትምህርቲ ቅዱስነቶም ከም ሻብዓይቲ ነጥቢ እትቀርብ እታ የማነይቲ ኢድ ቤተክርስትያን ዝኾነት ንእምነት ብግብሪ እትገልጽ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እያ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ትምህርቶም ከኣ መሠረታዊ ትርጉም ክርስትና ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እዩ እንክብሉ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ፍቅሪ ዘይብለይ እንተዀይነ ኩሉ ከንቱ እዩ ንዝብሎ የጋውሑ። ንመላእ ዓለምና ነቲ ዝዓበየ ሓቂ ወንጌል ብምስባኽ ክንናውጻ ንኽእል ሕይወትና ብምውፋይ ክሳብ ብሰማዕትነት እውን ክንገብሮ ንኽእል ርኹሳት መንፍስቲ እናሰጐጒና ድንቅን መስተንክርን ዝኾነ ነገራት ክንፍጽም ንኽእል ብዘይፍቅሪ ግን ኩሉ ብላሽ እዩ። እዚ ፍቅሪ እንብሎ ፍቅሪ ክርስትና ሓሳብ ጥራይ ኣይኮነን ስለዝኾነ ከኣ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ንብሎ። ግብሪ ዘይብሉ ዘረባን ፍቅርን ከንቱ ስለዝኾነ። ቅዱስነቶም ከኣ ደጋጊሞም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ምዝራብ ዓዲ ኣይወዓሉን። ነዚ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ንምግላጽ ነቲ ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ጐይታ ዘቅርቦ ፍርዲ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 25 ዘሎ ‘ጠምየ ነረ ዝብላዕ ሂብኩምኒ፡ ጸሚኤ ዝስተ ሂብኩምኒ፡ ጋሻ ኰይነ መጺኤ ተቀቢልኩምኒ፡ ዓሪቀ ነረ ክዳን ሂብኩምኒ፡ ሓሚመ ነረ በጺሕኩምኒ፡ ተኣሲረ ነረ መጺእኩም ርኢኹምኒ’ ንዝብል ይጠቅሱ። እዚ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ድኻታት ስደተኛታትን ዝሳቀዩ ዘለው ወገናትን ዝገብርዎ ኣተኲሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምቅራቦም ኣብ መንጎ ምእመናን ተዘዋዊሮም ሰላም እንክብሉስ ይኹን ኣብ መገሻታቶም ብግብሪ ኣርኢዮም እዮም። ብካልእ ኣዘራርባ ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክመጻደቁ መኣስ ጠሚኻ ርኢናካ መኣስከ ተጸጊምካ ዘይረዳእናካ ምስ በልዎ ካብዞም ናኣሽቱ ንሓደ እኳ እንተገበርኩም ንዓይ ዝገበርኩምዎ ኢኹም ንዝብል ብምጥቃስ ኣብ ድኻታትን ስደተኛታትን ጽጉማትን ንክርስቶስ ርኢና ክንክእል ደጋጊሞም ይምሕጸኑ።

8.     ናይ ዘወትር ቅድስናን ምሕረትን

ቅዱስነቶም ሢመተ መንበረ ጴጥሮስ ትቅብል ምስ ኣበሉ ኣጥቢቆም ዘስተምሃርዋ ብዛዕባ ዕብየት ምሕረት እግዚኣአብሔር እንክኸውን ብኡ ንብኡ ዝዓወጅዎ ዓመት ምሕረት ኢዮቤልውን ይዝከር። ምናዳ ኣብ ዘመነ ጾመአርባዓስ ይኹን ኣብ ካልእ ፍሉይ በዓላት ‘እዚ ግዜ እዚ ግዜ ምሕረት እዩ’ ትብል ሓረግ ብምሉእ ልቦም ዝደጋግሙዋ እዮም። ምሕረት እግዚአብሔር መወዳእታ የብሉን እዚ ግን እንተተቀቢልናዮ እዩ እምበር ነዚ ምሕረት እዚ እንተዘይተቀቢልና ቚጥዓ ኣምላኽ ኢና እንቅበል ይብሉ። ከመይ ፍቅሪ እግዚኣአብሔርን ምሕረት እግዚኣአብሔር ምንጻግ ገሀነመ እሳት እዩ። ከኣሊ ኩሉ ዝኾነ እግዚአብሔር ጠጠው ዝብለሉ ነገር እንተልዩ ኣብ ቅድሚ ፍቃድ ወይ ድላይ ደቂሰባት እዩ ከመይ ሓራ ገሩ ስለፈጠረና ብዘይ ናትና እሺታ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን። በዚ ከኣ ኣብ መንጎ ሓጢኣተኛታትን ብልሽዋትን ፍልልይ ብምግባር ደጋጊሞም ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና እሞ ንነሳሕ ምሕረት እግዚኣአብሔር ወሰን የብሉን ብልሽዋት ግን ብምንም ተኣምር ክንከውን የብልናን። ብሓጢኣት ተበላሽዩ ኣብኡ ዚቈማጣዕ ንምሕረት እግዚአብሔር ኣብዩ ቚጥዓ ኣምላኽ ዝምህለል እዩ። እዞም ብልሽዋት ዝበሃሉ ከመይ እዩ ጠባዮም ንዝብል ክምልሹ ቅዱስነቶም ኣጽድቆ ርእስ ዘጥቅዖም ኩነቱ ክርእዩ ዘይክእሉ ምሕረት እግዚኣአብሔር ዝሕሰሙ ይብልዎ፣ እንተ እቶም ጻድቃን ንመለኮታዊ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ድኻሞም ብትሕትና ዝቅበሉ ንርእሶም ኮይኖም ከኣ ንካልኦት ዘካፍሉ እዮም። ርግጽ ሓጢኣተኛታት እዮም ግን ብቀጻሊ በታ ብነጻ ብፍቅሪ እግዚአብሔር እትዕደል ምሕረት እግዚአብሔር ብምሕታት ይነጽሑ እዚ ከኣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ሓይሊ ይህቦም ንካልኦት ብርሃን ክኾኑ ከኣ ኣብቲ ዕለት ዕለት ብሱቕታ ዘሕልፍዎ ቅድስና ሕይወት ይረድኦም።

9.     ክርስትያን ኣብ ዓለም ይነብር ናይ ዓለም ግን ኣይኮኑን

ምስክርነት ክርስትያን ኣብዚ ዓለም ከም ብርሃንን ጨውን ኮይኑ ዘብርህን መቀረት ዝህብን እምበር ናይዚ ዓለምዚ ከምዘይኮነ ከምቲ ጐይታ ነርድእቱ ዝበሎ ቅዱስነቶም እውን ክርስትያን ሰማይ ሰማይ እናጠመተ ኣብዚ ዓለምዚ ዘገልግል እዩ ይብሉ። እታ መንግሥትኻ ትብጻእ ትብል ዕለት ዕለት ዝደግማ ጸሎት ከኣ ኣብዚ ዓለምዚ እታ መንግሥቲ ፍቅሪ ዝኾነት መንግሥቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንምህናጽ ይቃለስ። ክርስትያንከስ ይብሉ ቅዱስነቶም ክርስትያን ማለትከስ ኣብ ወገኑን ደቂ እምነቱን ጥራይ ተዓጽዩ ዝተርፍ ዘይኮነስ ናይ ሰላም ማሕበረሰብ ንምህናጽ እታ ትከኣሎ ጸጸሩ ሑዙ ስለ ሰላም ስለፍትሒ ስለሕውነት ዝቃልሰስን ዝሃንጽን እዩ ምስ በሉ ንኩሉ ተጻይ እዚ ንዝግበር ኢፍትሓውነት ውግእን ተነጽሎን ብሓይሊ ይነቅፉን ይውግዙን። ስለ ነጻነት ሕልናን እምነትን ስለ ነጻነት ሕይወት ስለ ሥድራቤት ስለትምህርቲ ይማጐቱ። ካብዚ ሓሊፎም እውን ብዛዕባ ተፈጥሮን ከባብን ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብምጽሓፎም ዓቢ ኣድናቆት ዘትረፉ ናይ ልምዓት ጳጳስ ተባሂሎም እውን ዝተሰምዩ እዮም። ናብ ክርስትያን ዘቅረብዎ ጻውዒት ከኣ ክርስትያን ነዛ እንነብረላ ዓለም ኣጋይሻ ከምዘይኮናን ብክርስትያናዊ መንገዲ ኣብዚ ዓለም ኣብርክቶ ክገብሩ እዩ።

10.    ሓገዝ እኖና ድንግል ማርያምን ተጻይ ዲያብሎስ ዚግበር ቃልስን!

ቅዱስነቶም ነቲ ጥንተ ጸላኢና ዝኾነ ጸላኤ ሠናያት ብስሙ ዲያብሎስ ሰይጣን ኢሎም ደጋጊሞም እንኪዛረቡ ነቲ ግሉጽን ሥውርን ሥራሑ እውን ይገልጹ። ካብተን ቀንዲ ዘመናውያን ፈተናታት ዲያብሎስ ሓንቲ ‘ሰይጣን ዝበሃል የሎን! ናይ ቀደም ሰባት ሓሳብ እዩ’ ዝብል ሽሕጣን ኮይኑ ቅዱስነቶም ግን ተጻይ ናይ ውሽጥን ደገን ተሓባበርቲ ዲያብሎስ ‘ሰይጣን ኣብ መበል 21 ዘመን ኣሎ፡ ክፍኣቱ ግብሩ ከኣ ኣይገደፈን’ እንክብሉ ኩሉ ጽልእን ውግእን ክፍኣትን ንሱ ዝዘርኦ ምዃኑ ይገልጹ። ነዚ እንክብሉ ከኣ ሓላፍነት ደቂሰባት ከውሕዱ ዘይኮነ ደቂሰባት ብድላዮም ነቲ ፈተናታት ናቱ ሃንጐፋይ ኢሎም ስለዝቅበሎ ነታ ካብ ቀደም ዝቃለሰላ ዝነበረ ንሰባት ካብ እግዚኣአብሔር ንምፍላይ ከምኡ እውን ካብ ኣሕዋት ንምፍላይን ሕዝብታትን ማሕበራትን ቤተክርስትያንን ሥድራቤታትን ከይተረፈ ንምብትታን ለይትን መዓልትን ከምዝሰርሕ ገሊጾም ከምቲ ጐይታ ዝበለኦ ሓሳዊ ኣቦኣ ንሓሶት ስለዝኾነ ይኸስስ ጸላኢ ስለዝኾነ ከኣ ይቀትል ኢሎም። ኣብዚ ኩልና ክነቅሕ ካብ ፈተናኡ ክንርሕቅ ረድኤት እኖና ድንግል ማርያም ክንሓትት ከምዘድልየና ምምሃር ጥራይ ዘይኮነ ንባዕሎም ዝኾነ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ቅድሚ ምግባሮም ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ሮማ እትርከብ ብጥዕና ሕዝቢ ሮማ እትፍለጥ ኣብ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ከይዶም ከምዝምሕጸኑን ጉዕዞኦም ፈጺሞም ምስ ተመልሱ እውን ብቀጥታ ናብኣ ብምኻድ ውሉዳዊ ምስጋና ከምዝቀቅርቡ ኣብ ዘቅርብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚኣአብሔር ወትሩ ሓገዛ ከምዝሓቱን ምእመናን እውን ሓገዛ ክሓቱ ጸሎተ መቊጸርያ ከዘውትሩ ኣብነታ ክኽተሉ ወትሩ ምስተማሕጸኑ እዮም። ንቤተክርስትያን ካብ መጥቃዕቲ ሠይጣን ምእንቲ ክከላኸለላ ናብ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ንዚዓርግ ጸሎት ኩሎም ክጽልዩ እውን ይዕድሙ። ሓይሊ ጸሎት ስለዝፈልጡን ስለዘስተማቀሩን ከኣ ከይተሓለለዩ ኣብ ፍጻሜ ኩሉ ስብከታቶምን ኣስተምህሮታቶምን በጃኻትኩም ምእንታይ ጸሎት ግበሩ ዳርጋ ፍልጥቲ መዕጸዊት ዘረባኦም እያ።  

ሓጺር ጸብጻብ ሽድሽተ ዓመት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ

ልዕሊ 1000 ስብከታት ካብዚ 670 ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ልዕሊ 1200 ሕዝባዊ ዲስኩራት 264 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ (ጸሎተ ሃይማኖት ምሥጢራቤተክርስትያን ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ቤተክርስትያን ሥድራቤት ምሕረት ተስፋክርስትያን መሥዋዕተ ቅዳሴ ምሥጢረ ጥምቀት ምሥጢረ ሜሮን ዓሠርቱ ቃላት ጸሎተ ኣቡነ ዘበሰማያት) 342 ስብከታት ሰንበትን ዓበይቲ በዓላትን ኣ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ወይ ንግሥተ ሰማያት። ክልተ ሓዋያርያውያን መልእኽታት ሉመን ፊደን ብርሃን እምነት መመላእታ ክልተ ሓዋርያውያን መልኽእታት ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ብዛዕባ ፍቅርን ተስፋ ንዝጸሓፍወን ከምኡ እውን ላውዳቶ ሲ ስቡሕ ኣንተ ትብል ብዛዕባ ፍጥረትን ከባብን ጽሒፎም። ሰለስተ ሓዋርያውያን ቃለ ምዕዳናት ኢቫንደሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል ኣሞሪስ ለቲስየ ናይ ፍቅሪ ታሕጓስ ከምኡ እውን ጋውደት ኤት ኤክዙልታ ተፈስሑ ወተሓሰዩ ። 36 ሓዋርያዊ ትቊዋማት 27 ብሞቱ ፕሮፕርዮ ዚፍለጥ ኣዋጃት ብቦላ ዝፍለጅ ኣብ ግዜ ዓመት ምሕረት ኢየቤል ሚዘሪኮርድየ ቩልቱስ ገጽታ ምሕረት ኣምላኽ ዝብል ኮይኑ 3 ሲኖዶሳት ብዛዕባ ሥድራቤትን መንእሰያትን ገሮም።

27 ዓለምለኸ ሓውጾተ ኖልዎ ብምግባር 41 ሃገራት በጺሖም ኣብ ውሽጢ ሃገረ ጣልያን ከኣ 24 ሓውጾተ ኖልዎ ጌሮም።

ካብቲ ብዙሕ ናይ ቅድስናን ብፅዕናን ኣዋጃት ናይ ሰለስተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቅ.ዮሓንስ መበል 23 ቅ.ጳውሎስ ሻድሻይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን ከማኡ እውን ቅድስት ማዘር ተረዛ ዘካልኩታ ቅ.ኣቡነ ሮመሮ ክልተ ጓሶት ፋጢማ ቅድስት ጃሲንታን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ማርቶን ወለዲ ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕጻን ክልተ ባሕታውያን ቅድስት ኣንጀላ ዘፎሊኞንን ቅድስት ኤልሳቤጥ ዘቅድስት ሥላሴ ይርከብዎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን ትዊተር ብዝበሃል 48 ሚልዮን ዝከታተልዎ ኢንስታግራም ብዝበሃል ከኣ ከባቢ 6 ሚልዮን ዝከታተልዎ ሓጸርቲ መልእኽታትን ስእልታትን ዕለት ዕለት ይልእኹ።

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 March 2019, 17:23