ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ 

ጣዖታት ሽም ደኣ ለዊጦም እምበር ሎሚ እውን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ መንጎና ይርከቡ! ሰባኤ ቤተ

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ሎሚ ዓርቢ ዕለት 29 መጋቢት 2019 ዓምፈ ኣብ ዘቅረብዎ መሠናደዊ ፋሲካ ሣልሳይ ስብከት ‘ተጻይ እግዚአብሔር ሕያው ዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ሎሚእውን መልክዕ ቀይሩ ብዝለዓለ ናህሪ ይንቀሳቀስ ኣሎ’ እንክብሉ ነቲ ብሥርዓትና ‘ስብሓት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ - ንክነምልኾ ንዝፈጠረና እግዚአብሔር ስብሓት ይኹኖ’ ዝብል ሓሳብ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ንሓሳብ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ብዝበለጸ እትገልጽ እዛ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናያ ናይ ሥርዓትና መዝሙር ኮይና ቀንዲ ዕላማ ምፍጣርና  ንእግዚአብሔር ንክነምልኽ ምዃኑ ዝገልጽ ወትሩ ኣብ መኽፈቲ መደብና ዝስማዕ ከበሮን ጸናጽልን ‘ስብሓት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ’ ዝብል ሓቀኛ ሕይወት ክርስትናን ትርጉሙን ከምዝግባእ እንተተነቢሩ ንኣምልኾ ጣዖት ካብ ሡር መሠረቱ መዝሒቚ ከጥፍኦ ከምዝኽእል ዝገለጹ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ እቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ነዊሕ ሡር ዘለዎ ኣምልኾ ጣዖት ብምምጻእ ክርስትናን ሓያል ስብከተ ወንጌል ቤተክርስትያንን ክዳኸምን ናብ ሓቀኛ ኣምልኾ እግዚአብሔርን ክልወጥ እኳ እንተነበሮ ብአንጻሩ ግን ክሳብ ለይቲ መልክዕ እናቀያየሩ ኣብ መንጎና ከምዘሎን ከከም ግዜኡ ሓዲስ ስም እናተዋህቦ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓለምና ሎሚ ብጣዖታት ተጐቢአ ከምእትርከብ ገሊጾም። እቲ ኣብ ኦሪት ከም ቀዳማይ ኣምልኾ ጣዖት ዝጥቀስ ሕዝበ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዓቢ ተኣምር ምስጋር ቀይሕ ባሕርን ጒዕዞ ሲናን ሙሴ ኣብ እምባ ሲና ምስ ደንጐየ ንኣሮን ምስሊ ጣዖት ናይ ጣዕዋ ክገብረሎም ዝሓተትዎ ብወርቂ ዝተሰርሔ ጣዕዋ ኮይኑ እዚ ከኣ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ኣብ ውሽጥና ተሓቢኡ ይንቀሳቀስ ኣሎ።

ኣብ ልብና ጎጆኡ ዝሃነጸ ምራኽ ወርቂ!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ናብቶም እንኮላይ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣባላት ኩርያን ገዛእ ርእሶምን ምልስ ብምባል ቅድሚ ንካልእ ምፍራድና እዚ ሰላሕታዊ ፈተነ እዚ ኣብ ውሽጢ ኩልና ከምዘሎ ክንግነዘብ ነዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ታሪኽ ድሕነት እንክትንትን ‘ጒዕዞ ድሕነት ተግባር ድሕነት ካበይ ይነቅል ኢሉ ይሓትት እሞ ካብ ባዶዶ ይኸውን ኢሉ ይሓትት፣ እዚ ከኣ ካብ ተፈጥሮ የማነ ጸጋም ላዕሊ ታሕቲ ካብ ዘይበለ ፍጥረዶ ይኸውን ይብል እሞ ኣይፋል ካብ ትሕቲ ባዶ ካብ ትሕቲ ፍጥረ ይጅምር። እዚ ኩነት እዚ ከኣ ኩነት ሓጢኣት እዩ። ታሪኽ ድሕነትከስ ካብ ሓቲኣት ካብ ትሕቲ ዜሮ ይጅምር ይብል ኣሞ ኣብ ኣብ ክልተ ተመቂሉ ዝነበረ ዓለም ማለት ኣይሁድን ግሪኽን ኣመንትን ዘይኣመንትን እቲ መሠረታዊ ሓጢኣት ጭካነን ኢፍትሓውነትን ድፍረትን ከምዝኾነ ይገልጽ።

“እዚ ጭካነን ድፍረትን እዚ ካበይ ይወጽእ እንተበልና ሓዋርያ ጳውሎስ ብኡ ንብኡ ይገልጾ ‘ንእግዚአብሔር ክብሪ ካብ ዘይምሃብን ንኣኡ ንምምስጋን እምቢ ምባልን እዩ ከኣ ይብል። ብካልእ ኣዘራርባ ንእግዚአብሔር ከም ኣምላኽካ ዘይምቅባል ንኣምላኽነቱ ዘይምቅባል ነቲ ዝግብኦ ክብሪ ዘይምቅራብ ጥራይ ዘይኮነ ኣፍልጦ ዘይምሃብ። ንእግዚአብሔር ከምዘየሎ ጌርካ ምሕሳብ እዚ ኣሉ ምባል እዚ ካብ ዕሽነት ወይ ድንቊርና ወይ ዘይምፍላጥ ዝምንጩ ዘይኮነስ ኮነ ኢልካ ወላ ይሃሉ እግዚአብሔር ከምዘየሎ ክነብር እየ ኢልካ ምምራጽ እዩ።”

ኮይኑ ግን ይብሉ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኮይኑ ግን እቶም ብወለንታኦም ህላዌ እግዚአብሔር ዝኸሓዱስ ይኹን ብዛዕባ እግዚአብሔር ዘይግደሱ ሰባት ምርጫኦም ብምዃኑ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን እቲ ዘገርምሲ ናይቶም ኣሜን ኣሜን ዝብሉ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ዝርከቡ ኩነት እዩ። እዚ ከኣ ዝብልዎን ዝገብርዎን ዘይሳነ ናይ ሃይማኖት ሰባት ኣጸቢቑ ከምዝገርሞም ነዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ 2.21 ‘በል ንስኻ ንካልኦት ትምህር ካብ ኮንካ ስለምንታይ ደኣ ንርእስኻ ዘይትምህር፡ ንካልኦት ኣይትረቁ እናበልካ ትሰብኽ ንባዕልኻ ግን ትሰርቕ፡ ንካልኦት ኣይትዘምው ትብል ንባዕልኻ ግና ትዝሙ፣ ንጣዖታት ትጽየፎም ንቤተ መቅደሶም ግና ትዝርፎ። ብሕጊ እግዚአብሔር ትምካሕ፡ ንሕጉ እናፍረስካ ግና ትብድሎ ኣሎኻ። ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ፡ ብሰንክኹም ስም እግዚአብሔር ኣብ ማእከል ኣረማውያን ሕዝቢ ተዋሪዱ ይርከብ ኣሎ’ እንክብል ይገንሖም።

ቅዱስ ጳውሎስ ነታ ስግንጢር ዝኾነት ነቶም ብኣፎም ኣመንቲ ንካልእ እንክእዝዙ ኣመንቱ ኣብ ገዛእ ርእሶም እንክትመጽእ ግን ወስ ዘይብሉ የኣዪ ካብ ቊጥዓ ኣምላኽ ንምምላጥ ሠናይን ሕማቅን ኣብ ምፍላጥ ንካልኦት ነቲ ሕጊ ንክፍጽሙ ብምእዛዝን ብምዝኽኻርን ዝጸድቁ ዝመስሎም ሃይማኖታውያን ይወቅስ። ነዘን ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ ሰሚዕካ ወይ ተለዊጥካ ሓዲስ ሰብ ኰንካ ትወጽእ ወይውን ኣብቲ ዘሎኻዮ በዓል ድንዙዝ ልቢ ኰንካ ልብኻ ተትርር፣ ስለዚ ነቲ ንካልኦት ንእዝዞ ንምህሮ ባዕልናውን ክንገብሮ ከምዘሎና የዘኻኽር። ከመይ እዚ ብቃላት ኣምሰሉነትን ዝኸይድ እምነት ኣብ ሓደስት ናይ ዘመንና ጣዖታት የውድቀና።

ሓደስቲ ጣዖታትን ለውጢ ልብን!

ኣመንቲ ኢና ንዝብሉ ምናዳ ከኣ ንውሉደ ክህነት ዘጥቅዕ ሓዲስ ኣምልኾ ጣዖት ከምዘሎ ከይሓብኡ ዝተናገሩ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ እዚ ከኣ ይብሉ ንኩሉ መኒኑ ንእግዚአብሔር ከምልኽ ዝተወሰነ ክንሱ ኣብቶም ሥርሓት ኢዱ ዝኾኑ ነገራት ክወድቅ እሞ ኣብ ቦታ እግዚኣአብሔር ንኣኦም ክቀምጡ ይርከቡ። እዚ ከኣ ንመንበሪኦም ዝኸውን ገዛ ወይውን ቤተክርስትያን ክኸውን ይኽእል። እታ ዘቆምካያ ሥድራቤትን ኣብ ዓለም ዝወለድካዮም ውሉድን ጣዖታት ኰይኖም ልቢ ክሰልቡ ከምዝኽእሉ እውን ጠቂሶም።

“ኣብ መሠረት ዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ወትሩ ኣምልኾ ርእስ እውን ኣሎ። እዚ ከኣ ፍቅሪ ገዛእ ርእስኻ ንገዛእ ርእስኻ ማእከል ናይ ኩሉ ምግባር ኣብ መላእ ዓለም ቀዳምነት ዝወሃቦ ገዛእ ርእስኻ ምዃኑ ኣሚንካን ኣእሚንካን ካልእ ኩሉ ምእንታኻ ከምዝስዋእ ምግባር። ናይ ነፍሲ ወከፍና ጣዖት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ዘረባና ጽን ምባል ጥራይ እያ ተድልየና ከመይ ‘ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ስለዚዛረብ’(ማቴ 12.34)። እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ክንዛረብ እንከሎና `ኣነ` ዝበልናዮ ንዘክር እሞ ንመለስ። ናይዚ ሳዕቤን ከኣ ፍሉጥ እዩ ክንዲ ክብሪ ንእግዚአብሔር ንህብ ንገዛእ ርእስና ክብሪ ንደሊ።”

ኣባ ካንታላመሳ ካብ’ዚ ሕማም ተላገብ ናይ ዘመንና ዝኾነ ኣጽድቆ ርእስ ወይን ኣድናቆትን ክብርን ናይ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምድላይ ጣዖት ክንፍወስ ነእዋም ንመልከት ይብሉ። እተን ዓበይትን ግርማ ዝመልአንን ኣግራም ወትሩ ብትሕቲኤን ድልዱል ሠራውን ኣብ ውሽጢ ምድሪ ዝኣተወ ብዓይኒ ዘይረኤ ዘይጀሃር ነታ ክንዲ ገለ ትኸውን በዓልቲ ግርማ ኦም ይሽከም እታ ኦም ኣብቲ ሠራውር ጠቢቃ እንተዘይቀጺላ ምንቃጻ እዩ። እዚ ከኣ ትሕትና ትበሃል መንፈሳዊት ሓይሊ ካብ`ዚ ሕማም እዚ ክተገላግለናን ለውጢ ልቢ ክተምጸኣልናን ኣብታ ምኽንያት ምፍጣርና ዝኾነ ‘ስብሓት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ` ትብል ተመሊስና ንእግዚአብሔር ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሠሪዕና ክብርን ምስጋናን ኣምልኾን ስግደትን ንኣኡ ጥራይ ክነቅርብ ክንክእል ኢና፡ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
29 March 2019, 16:37