ኣባ ካንታላመሳ፥ ምብኻን ወይ ዝርወት ንዅላትና ንኽዕንው ዝወጣወጥ ሰላሕታዊ ግብረ ገባዊ ሕማም እዩ ኣባ ካንታላመሳ፥ ምብኻን ወይ ዝርወት ንዅላትና ንኽዕንው ዝወጣወጥ ሰላሕታዊ ግብረ ገባዊ ሕማም እዩ 

ኣባ ካንታላመሳ፥ ምብኻን ወይ ዝርወት ንዅላትና ንኽዕንው ዝወጣወጥ ሰላሕታዊ ግብረ ገባዊ ሕማም እዩ

ኣብቲ ግብረ ገብን ሃይማኖትን ካብ ባህልን ኣነባብራን ዝሓክኽ ባህሊ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋናዊ ዓለም

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ዕለት 22 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ቅድስቲ መንበርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ሓላፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣሳቲፉ ዝካይድ መደብ ኣስተንትኖ መሪሖም ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም ካልኣይ ስብከት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ እመ መድሓኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣባ ካንታላመሳ ኣብቲ ዕለት 22 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፡ ኣብቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም፥ ካብ ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣስተንትኖ ዝተወሰደ “In te ipusm redi – ናብ ውሽጥኻ (ናብ ገዛእ ርእኻ ውሽጢ ምእታው)” ብዝብል መርሕ ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ሓደ እዋን ውሽጣዊ ሕይወት ዝብሃል ነይሩ፡ እዚ ክቡር ነገር’ዚ ኣብዚ እዋን ኣብ ቅልውላው ይርከብ ኣሎ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብምጥርጣር እትምልከቶ ነገር ከይኑ ይርከብ፡ ሰብ ብባህርእዩ ካብ ገዛእ ርእሱ ናብ ግዳም ዝብል ዝምባለ ዘለዎ እዩ፡ ናብቲ ዝረኣይን ናብ ህብረነገራትን፡ እንነብረሉ ዓለም ነዚ ዘድምቕ ብምዃኑ ካብ ማእከልነት ወይ ውሳጣውነት ዘርሕቕ ኰይኑ፡ በቶም ሓሙሽተ ህዋሰ ኣካላት ኣቢሉ ናብ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ውሳጣውነት ክኹብልል ይገብር ኣሎ፡፡፡

ህድማ ናብ ዓለም

ኣብቲ ግብረ ገብን ሃይማኖትን ካብ ባህልን ኣነባብራን ዝሓክኽ ባህሊ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋናዊ ዓለም፡ እቲ ክርስትና ዝብሎን ዝዛረበሉን ዝሕብሮን ውሳጣውነት ሰብ፡ ናይ ሰነ ኣእምሮ ተመራመቲ ክፍሊ መጽናዕትን ንኣኣቶም ዝምልከት ባህታይ ጥራሕ ይኸውን ኣሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዞም ናይ ስነ ኣእምሮ ሊቃውንቲ ውሳጣውነት ወይ ውነ ካብቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ምትእስሳር ነጺሎም ናብ ትሕተ - ውነ (subconscious) ናብ ዝብል ኣመለኻኽታ እዮም ዘናእስዎ፡ ምስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተተሓሒዙ ክርአይ እንከሎ ቤተ ክርስቲያን ንዓለምን ናብ ዓለም ወንጌል እተብጽሕ እንክብል ዝህቦ ኣገላልጻ ነቲ ካብ ዓለም ምርሓቕ ምስ ዝብል ወይ ምስ ናይ ዓለም ዘይምዃን ምስ ዝብል ወንጌላውን ጥንታውን መንፈሳዊ ሓሳብ ዘይገራጨ ክነሱ ነዚ ብምትካእ ናብ ዓለም ምባል ወይ ህድማ ናብ ዓለም ዝብል ትርጉም እናሓዘ ዝኸይድ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ካብ ብጌጋ ምርዳእ እዩ፡

ንጽገት ውሳጣውነትን ውጣነ ናብ ደጋውነትን እቶም ቀንደይና ናይቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ባህልን ምንባርን ዝንጽል ባህሊ ሓደገይናታት መግለጺታት እያቶም፡ እዚ ሓደገይና መግለጺ’ዚ ቲዮሎጊያዊ ምኽንያት እናተወሃቦ እዚ ሓድሽ ቲዮሎጊያዊ ምስረቓ’ዚ ናብቲ ቲዮሎጊያ ሕልፈት (ሞት) እግዚኣሔር ወይ ከኣ ኢእግዚኣብሔራውነት ናብ ዝብል ባህሊ የብጸሕ ኣሎ፡ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንኣና ኣወፈየ - ኣብ ትስብእቱ፡ ገዛእ ርእሱ ኣዋረደ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጸ፡ ካብቲ ውሳጣዊ ስላሴኣውነት ዝኸነ መንነቱ ወጸ፡ ገዛእ ርእሱ ኣዐውለመ ኣብቲ ዘይቅዱስነት ገዛእ ርእሱ በተነ፡ ክሳብ ካብ ገዛእ ርእሱ ምወጻእ። እግዚኣብሔር ካብ ገዛእ ርእሲ ምውጻእ ስለ ዝብል ክኸውን እንከሎ ናብ ገዛእ ርእሱ ምምላስን ኣብ ገዛእ ርእሱ ምዃን ዝመላኽት እዩ። ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ካሳብ ምሃብ ኣብ ዝፈጸሞ ምድሓን ዝንበብ ሓቂ እዩ።

ፍርሒ ጽምዋን ሱቕታን

እግዚኣብሔር ልቢ ዝምርምር ኣምላኽ እዩ፡ ስለዚህ እዚ እቲ ናብ ውሳጤኻ ምእታውን ናብ ውሳጤኻ ምውሳጥን ዘለዎ መቐረት ዳግም ንኽትረክብ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕጹጽነት የመላኽት፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ልዕለ መሬት ዘሎ ናይ ጸሓያውያን ነገራት ንኽመራመር መንኰራዅር ይልእኽ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ እግሩ ዘሎ መሬት ዝህቦ ምልክታ ዕሽሽ ብምባል፡ ኣብ ተወንጫፊ ሕብርተ - ነጻጊ ኵነት ዝነብር ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ዝተኸበ ህልውነትን ኣብ ፍርሒ ንጽሞናን ሱቕታን ይርከ፡ ብፍላይ መንእሰያት፡ ውሳጣዊ ሕይወት ጐዳና ናብ እውነተይና ሕይወት ምዃኑ ብምዝንጋዕ ኣብ ጫውጫውታ ምንባር፡ ብፍላይ መንእሰያት፥

ነዚ ምጽናታውነት’ዚ ኣይፋል ንበል፡ እዋኑ ሕጂ እዩ፡ ንቃወሞ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት መንእሰያት ነዚ ውሳጣውነት’ዚ ዘጽንት ባህሊ ንምቅዋም ንዓኡ ንምቅዋም ናብ ድልያ ጽሞናን ናብ ናይ ጽሞና ስፍራ ከብሉ ይረኣዩ፡ ኣስተንትኖን ሰቂለ ህሊናን ንምንባር፡ ገዛእ ርእሶም ንምርካብን ኣብ ገዛእ ርእሶም ምርካብ ንእዚኣብሔር ንኽረኽቡን፡ ብዙሕ ኣይነገር እምበር ብዙሓት መንእሰያት እያቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነት ዝርከቡ፡ ብዙሓ ናይ ጸሎት ኣባይቲ ኣቑይሞምን መደባት ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን እናከናወኑን ብዙሓት ኣብዚ ጽሞና ኣስተንትኖን ክሓብርዎም ይዕድሙ፡

ከም ዝተገልበጠ ክዳን ምዃን

ብምዕልቓላቕ ደጋውነት ዝጥቃዕ መንእሰይ ጥራሕ ኣይኰነን፡ ብዙሓት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተጸምዱን ሓላፍነት ዘለዎም እውን ኣለዉ፡ እዚ ምብኻን ወይ ዝርወት’ዚ ንዅላትና ንኽዕንው ዝወጣወጥ ሰላሕታዊ ግብረ ገባዊ ሕማም እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ገልቢጥካ እትኽደኖ ክዳን፡ ነፍሲ ነርባዕተ ማእዝን ንፋስ ምቅላዕ ማለት እዩ፡

ስእነት ሱቕታን ጽሞናን ዓቢይ ናይ ህማም ምልክታ እዩ፡ ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ መንፍሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን እውን ጽሞና (ሱቕታ) ዝብል ኣብ በሪኽ ዝስቀል ዝነበረ ጽሑፍ ተላዒሉ እዩ፡ ናይ ጽሞናን ሱቕታ ግዜ ክህልወካ ምግባር  እዩ ወይ ከኣ መንፈሳውነት ኣጽኒትካ ምንባር እዩ፡

እግዚኣብሔር ኣብ ኣሕዋትን ድኻታትን ኣብቲ ምእንቲ ፍትሒ ቃልሲ ዝካየደሉን፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ኣብ ቃሉን ኰታ ካባና ወጻኢ ይርከብ ዝብል ሓሳብ ሓቂ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ሓውን ድኻን ኣብ ልብኻ እውን ክትራኸቦ ዝከኣል እዩ፡ ቅድም ኣብ ልብኻ እንተድኣ ዘይተራኸብካዮ ምርኻብ ዘይኰነ ምልታም እዩ ዘስዕብ፡ ቅድም ኣብ ልብካ ተራኸቦ፡ እዚ ግና ስለ እግዚኣብሔር ቢልካ እትካይዶ ተግባር ንምንእኣስ ከምዘይኰነ ክሕብር እፈቱ ቢሎም፡

እቲ እግዚኣብሔር ብትስብእቱ ኣቢሉ ዝገበሮ ክንመስል ንደልይ እንተድኣ ኰይንና ብሓቅን ምሉእ ብምሉእን ንመሰሎ፡ ከየፋረቕና፡ ገዛእ ርእሱ እዋሪዱን ድኻ ገይሩን ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡን ካብ ስላሴኣዊ ውሳጣውነት ወጺኡ ናብ ዓለም ወሪዱ፡ ኣብዚ ግና እቲ ዝነበረ ዝዓቀበን እቲ ዘይኰኖ ናቱ ከምዝገበረ ምፍላጥ የድሊ፡ መጸ ናባና ተሰግወ ስጋ ለበሰ ማለት ንሱ እዩ፡ ካብ ኣብ ከይተፈልየ እቲ ቃል ኣብ ማእከልና ኰነ፡ ኣንሕና እውን ናብ ዓለም ዘቕናዕና እንተዀንና ካብ ገዛእ ርእስና ፈጺምና ከይወጻእና ንግበሮ፡ እዚ እዩ ትስብእተ ዘእግዚእነ ምምሳል ማለት

እንክብሉ ዘቕረብዎ ካልኣይ ስብከት ዘመነ ዓቢይ ጾም ዛዚሞም።

ኣባ ካንታላመሳ፥ ምብኻን ወይ ዝርወት ንዅላትና ንኽዕንው ዝወጣወጥ ሰላሕታዊ ግብረ ገባዊ ሕማም እዩ
23 March 2019, 17:51