ር.ሊ.ጳ.፥ ማይ ዕዳጋዊ ባእታ ኣይኰነን፡ ማይ ምርካብ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብርን እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ማይ ዕዳጋዊ ባእታ ኣይኰነን፡ ማይ ምርካብ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብርን እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ማይ ዕዳጋዊ ባእታ ኣይኰነን፡ ማይ ምርካብ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብርን እዩ

ደርቅን ኣጻምእን ይሰፍሕ ኣሎ፡ ናይ ብዙሓት ከባቢ ዓለም ሕዝብታት እውን ብምንጻት ምንጪ ማያትን ወሓይዝን ምኽንያትን ግቡእ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ጉድለት ክመዛበሉ ይገብር

ቅዱስ ኣቦና. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሃብቲ ማይ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ማይ ምርካብ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰረታዊ ክብንር መሰልን እዩ፡ ናይዚ ሃብቲ’ዚ ተጠቃሚ ካብ ምዃን ዝንጸል ማንም ክህሉ የብሉ፡ ስለዚህ ናይ ብዙሓት ሕይወትን ሰብኣዊ ክብርን ዝምልከት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ክኽበርን ጠሪሹ ክገሃስ ዘይግብኦ መሰልን ክብርን ኵሉ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ማይ ንናይ ምሕደራ ስርዓት ምዕረያን ንሕይወትን ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ግምት ዝህብ ምሕደራ የድልዮ፡ ከይብከልን ከይባኽንን ምክንኻን ዝጠልብ ሃብቲ እዩ፡ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማይ መርሕ ቃሉ፥ ማይ ንዅሉ፡ ማንም ንድሕሪት ከይሕደግ”  ዝብል ክኸውን ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምዝተወሰነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ግምት ብምሃብ፡ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዕለት 22 መጋቢት፥ ስለ እቲ ተራን ድንቅን ዝዀነት ሓብትና ሃብቲ ማይ ንእግዚኣብሔር ተመስገን እብል፡ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ንዅሉ ክባጻሕ መታን ኣበርቲዕና ንዕየይ፡ ዝብል መልእኽቲ ፈንዮም ከዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡

ፈውሲ ዘድልዮም ዝተፈላለዩ ግብረ ኢፍትሓውነት

ደርቅን ኣጻምእን ይሰፍሕ ኣሎ፡ ናይ ብዙሓት ከባቢ ዓለም ሕዝብታት እውን ብምንጻት ምንጪ ማያትን ወሓይዝን ምኽንያትን ግቡእ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ጉድለት ክመዛበሉ ይገብር ከምዘሎ ኣብ መልእኽቶም ዝሓበሩ ቅዱስ ኣቦና፡ ማንም ንድሕሪት ከይሕደግ ማለት ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝረአይ ኢትሓውነት ምውጋድ ማለት እዩ፡ እቲ ንብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንስቓይ ዝዳርግ ዘበለ ኵሉ ኢፍትሓውነት ካብ ሱሩ ክመሓው ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ምሕደራ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝብል ኣመለኻኽታ ወሳንን ግድንን እውን እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ኢፍትሓውነት ንምብዳሕ ኣገደስቲ ዝዀኑ መምዘንታት ምቕራብ የድሊ።

ሕንጸት ንሓድሽ ወለዶ

ሓደ’ኳ ድሕሪት ከይሕደግ፥ ናይ ሃብቲ ማያት ዝርጋሐ ጽፍሕታት ብሉጽ ምግባርን ሃብቲ ማይ ምምሕዳርን ንበይኑ እዅል ኣይኰነ ናይ ማንም ማይ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ክኽበር ዘብቅዕ ኣድላዪ ዝዀነ ጭቡጥ ኣገባብ ምስትውዓልን እዚ ዅሉ ንበይኑ እኹል ኣይኰነን ንመጻኢ እውን ኣብ ዝሓስብ መደብ ሃብቲ ገንዘብ ምውፋርን ሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ምክንኻንን ግቡእ ኣጠቓቕማን ሃብቲ ማያት ምሕናጽ ዝብል መደብ ማዕረ ማዕረ ምክያድ ወሳኒ እዩ፡ ብዙሕ እዋን እቲ ኣብ ቅድመና ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ብግቡእ ዘይምጥቃሙን  ምብኻንን ገዛእ ርእስና ዘይምኻብር እዩ ዝኸውን፡ እዚ ኸኣ ንፍጥረትን ተፍጥሮን ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ዘየጠራጥር እዩ ኢሎም።

ብድሆ ሕንጸት

ሓድሽ ወለዶ ምስ መላእ ሕዝቢ ዓለም፡ ሃብቲ ማይ ክኽብርን ክከናኸንን ዝተጸውዐ እዩ፡ እዚ ሓላፍነት’ዚ ካብቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ኣስተውዕሎ ካብ ምግባር ተበጊሱ፡ ብምኽንያት ምዝባዕን ብከላን ከባቢ ኣየር ዝፈጥሮ ብከላ ሃብቲ ማያትን ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮ ዘስዕቦ ማህሰይቲ ኩሉ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ንሓድሽ ወለዶ ኣብ ግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምሕናጽ መሰረታዊ ይኸውን፡ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ፍጥረትን ተፍጥሮን ክኽብሩን ከፍቅሩን ዘብቕዖም ሓድሽ ራእይ ዘለዎ ሕንጸት ምቕራብ ዓቢይ ብድሆ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም የተሓሳስቡ።

ናይ መጻኢ ቀንደይና ተዋሳእነት

ኵላትና ናይ መጻኢ ተዋሰእቲ ኢና፡ ኵነት ጽባሕ ሎማዊ ኪደትና ንጽቡቕ ድዩ ንሕማቕ ተሓታቲ የግብር፡ ስለዚህ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንናይ ጽባሕ-ንናይ መጻኢ ዓለም ኣብ ዝሓስብ መደብ ዓቕሙን ሃቡቱ ከፍስስ ሓደራ፡ ንርሑቕ ዝኣመተ መደብ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ማይ - መደብ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ተፈጥሮ ምሕንጻጽን የድሊ፡ እዚ ዓይነት መገዲ’ዚ ሃብቲ ማይ ብናይ ዕዳጋ ሕጊ ጥራሕ ዝመሓደርን ዕዳጋዊ ባእታ ገርካ ምርኣይ ዝብል ርእየት ንምቕያር ዝሕግዝ እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ማይ ዕዳጋዊ ባእታ ኣይኰነን፡ ማይ ምርካብ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብርን እዩ
23 March 2019, 18:08