ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን ዝክረ ነገራቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን ዝክረ ነገራቱ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን ዝክረ ነገራቱ

ለ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 5 ግንቦት ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቄዶኒያን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 5 ግንቦት ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቄዶኒያን ናይ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ናይ ዝኽተሎ ዝክረ ነገራት ዝርዝር ዕለት 7 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዕሊ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሶፊያ ኣብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት መእለይ ማእከል ክበጽሑን ኣብ ስኮፕጀ ንእናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታ ዝውከፍ ጸሎት መሕረት እግዚኣብሔር ክደግሙን ዝብሉ መደባት ዘጠቓለለ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 5 ግንቦት ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቄዶኒያን ከካይዱ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ሰንበት ዕለት 5 ግንቦት ኣብ ሶፊያ ክኣትዉ እዮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሰንበት 2019 ዓ.ም. ካብ ሮማ ናብ ቡልጋሪያ ክነቕሉን ብዕለቱ ሶፊያ ከምዝኣትዉን ናይ መንግስቲ ቡልጋሪያ ንኽብሮም ድሕሪ ዝገብረሎም ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ብቐጥታ ንኽብሪ እታ ሃገርን መንግስትን ሕዝብን ርእሰ ብሔርን ኣብ ቤተ መግንስቲ ምብጻሕ ካካይዱን ኣብ ኣደባባይ ኣታናስ ቡሮቭ ምስ ናይታ ሃገር ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ናይ በርገሳውያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መግስታት ተራኺቦም መደረ ከስምዑ እዮም፡ ቀጺሎም ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን ተራኺቦም ኣብ ፓትሪያርካዊ ካቲድራል ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ትሩፋት ቀርሎስን መጠዶስን ናይ ግሊ ጸሎት ከዕርጉ እዮም። ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣፈት እታ ካቲድራል ጸሎት ንግስተ ሰላም ክደግሙን ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣደባባይ ክንያዝ ኣለክሳንደር ቀዳማዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ናይ ሰላም ጸሎትን ብጻሕ ኣብ ራኮቭስኪይ

ሰኑይ ዕለት 6 ግንቦ 2019 ዓ.ም. ቅዱነቶም ሶፊያ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተይናታት ምብጻሕ ከካይዱን ብነፋሪት ናብታ ኣብ ቡልጋሪያ ብዙሃን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ናብ ዝርከበላ ከተማ ራኮቭስኪ ምብጻሕ ከካይዱን ኣብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ሊጡርጊያ ሰሪዖም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ገዳም ፍራንቸስካውያን ደናግል ምስ መላእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቡልጋሪያ ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን  ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን  ብናይ ቡልጋሪያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ርብዕን ናብ ሶፊያ ክምለሱን ኣብ ኣደባባይ ነዛቪሲሞስት ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን መእመናንን ኣብ ዝፍጸም ናይ ሰላም ጸሎት ክሓብሩ እዮም።

ኣብ ስኮፕይጀ

ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናብ ሰሜን መቄዶኒያ ርእሰ ከተማ ስኮፕይጀ ክበጽሑን ብናይታ ሃገር መንግስትን ላዕለዎት ናይ ፖለቲካ ሰበ ስልጣናትን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ንኽብሪ እታ ሃገርን ሕዝብን መንግስትን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ምስ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣናታን ናይ ፖለቲካን በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ሰሜን መቄዶኒያ ናይ ወጻኢ ሃገራ ልኡካነ መንስታት ተራኺቦም ዘረባ ከስምዑ እዮም፡ ቀጺሎም ኣብቲ ንዝኽሪ እታ ኣብ ስኮፕይጀ ኣብ 1910 ዓ.ም. ዝተወልደት እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ኣብ ዝተወከፈ ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብኡ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ብሓባር ኣብ ዝካየድ መደብ ጸሎት ክሳተፉን ምስ ድኻታት ክራኸቡን ኣብ ኣደባባይ መቄዶኒያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። ድሕሪ ምሳሕ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ኣብ ናይ መንስእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማእከል ክራኸቡን፡ ኣብ ካቴድራል ምስ ካህናትን ኣባይቲ ስድራኦምን ገዳማውያንን ክራኸቡን ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ብመግስቲ እታ ሃገር ወግዓዊ ስንብታ ምስ ተገብረሎም ኣስታት ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንኽምለሱ ናብ ሮማ ክነቕሉ ምዃኖም የመልክት።

 

08 March 2019, 16:40