ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር 

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር

ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘሎ ህልው ኵነታትን ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጽን ሕድ ሕዳዊ ግርጭትን ንምውጋድ ኵለንተናዊ ምዕባለ ሕዝብን ሃገርን ዝኣመተ ኣብ መንጐ እቶም ኣብታ ሃገር ቀንደይና ናይ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ

ሰላም ስነ ሜላዊ ርክባትን ኣብ ባንጉዪ ዝተሓንጸ ቤት ሕክምናን ዘማእከለ ናይ 25 ደቓይቕ ዘተ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ኣቶም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ፋውስቲን ኣርቻንግጀ ቱኣደራ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ፋውስቲን ኣርቻንግጀ ቱኣደራ ዕለት 5 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሰዓት ሽዱስሽተ ምሸት ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ኣብ ዘካይድዎ ክሌኣዊ ርክብ፡

ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ

እቲ ኣብ መንጐ ሃገረ ቫቲካንን ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ዘሎ ርክብን እቲ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔታትን ኩሉ ዘዕግብ ምዃኑ ዘረጋገጸ ክሌኣዊ ርክብ ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ልዑል ምዃኑን ብፍላይ ኣብ መዳይ ሕንጸት ክንክን ጥዕናን ዘሎ ኣዚዩ ልዑልን ኣገዳስን እውን ምዃኑ ዘመላኸተ ርክብ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ተመሪቑ ኣገልግሎት ዝጀመረ ብሓልዮት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጉዪ ዝተሓንጸ ቤት ሕክምና ምኽንያት ርእሰ ብሔር ኣርቻንግጀ ቱኣደራ ንቕዱስነቶም ምስጋና ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ጐደና ሰላም ዘተባብዔ ርክብ

ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘሎ ህልው ኵነታትን ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጽን ሕድ ሕዳዊ ግርጭትን ንምውጋድ ኵለንተናዊ ምዕባለ ሕዝብን ሃገርን ዝኣመተ ኣብ መንጐ እቶም ኣብታ ሃገር ቀንደይና ናይ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ብፍሉይ ተዘኪሩ፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ሰላም ጐዳና ውግእ ዝኣልይ ጥራሕ ዘይኰነ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ብሔራዊ ዕርቅን ዘተኣታትውን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ነናብ ኣባይቶም ንኽምለሱ ባይታ ዘጣጥሕ ንኽኸውን ክበራታዕ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

ምልውዋጥ ገጸ በረኸት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ፋውስቲን ኣርቻንግጀ ቱኣደራ እቲ ዕለት 1 ጥሪ ዝተዘርግሔ ናይ 2019 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽትን እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ስምምዕ ዝገበርሉ ናይ ሓባር ውሳኔ ሰነድ ዘጠቓልል ካልኦት ር.ሊ.ጳጳሳውያን ሰነዳት ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡን እቲ ርክብ ምስ ተዛዘመ ርእሰ ብሔር ፋውስቲን ኣርቻንግጀ ቱኣደራ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ባንጉይ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ናይ ኵሉ ልቢ ተሓቲሙ ዝተረፈ ታሪኽ እዩ

ር.እሰ ብሔር ፋውስቲን ኣርቻንግጀ ቱኣደራ ኣብቲ ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዝተሰናደወ መድረኽ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባንጉዪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘኪሮም፡ እቲ ምብጻሕ ኣብ ልቢ ኩሉ ዜጋ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተሓቲሙ ዝተረፈ ታሪኽ ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ምብጻሕ ንቅዱስነቶምን ነታ ሃገርን ዓቢይ ብድሆ እዩ ነይሩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እምነት ኣንቢሮም መገዲ ሰላም ንምሕባር ዝፈጸምዎ እዩ፡ እቲ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ኢጣሊያን ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ ኣብ ባንጉይ ድሕሪ ቁርብ መዓልታት ብሓገዝ ር.ሊ.ጳጳሳትን ሮማ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሓጻነ ኢየሱስ ሓልዮት ዝተሓንጸ እንኰ ቤት ሕክምና ሕጻናት ድሕሪ ምምራቑ ቁርብ መዓልታት ብምዃኑ ብሓቂ ደስ ዘብል እዩ ቢሎም እቲ ዝካየድ ዘሎ ሕንጸት ኣብ ፍጻሜ ዝበጽሕ ሰላም ምስ ዝህሉ እዩ፡ ብሽምግልና ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝተበጽሔ ስምምዕ ሰላም ማሕበራዊ ዕርቂ ዘምጽእ ምዃኑ ገሊጾም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንካቶሊካዊ ማሕበር ቅዱስ ኤጂዮ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር

Photogallery

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር
06 March 2019, 16:45