ቅዱስ ኣቦና ንናይ ፖለቲካ ኣካላት፥ ብጐደና ዘተ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ናይ ምፍላጥ ርክብ ደግፉ

እቶም ተሰሎንቄኣውያን ክልተ ኣሕዋት፡ ታሪኽን ስነ ጥበብን ባህልን ብእወታዊ ዝጸለዉ እያቶም፡ ኣብ ረፓሊካዊት ቸክ ይኹን ኣብ ስሎቫኪያ ካብቶም ክልተ ቅዱሳት ኣሕዋት ክሳብ ዘመንና ዝበጽሔ መንፈሳውን ባህላውን ውርሻ ህልው እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ብምኽንያት መበል 1150 ዓ.ም. ውልደት ኣብ ሰማይ ቤት ቅዱስ ቀርሎስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ንዘካየዱ ካብ ረፓብሊካዊት ቸክን ናይ ስሎቫኪያን ዝመጹ ልኡካን ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ተቐቢሎም ኣንጋድን ተሓባባርን ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ክልቲኣተን ሃገራት ዘለወን ክርስትያናዊ ኣናስር ምልስ ቢለን ግምት ክህባን ዝዕድም ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅኑዕን ኣንጋድን ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ዝንበሮ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ እቲ ኣብ መጐ ወንጌልን ባህላዊ መንነትን ዘሎ ባህርያዊ ምትእስሳር ዳግም ምርካብን ነቲ ናይቲ ከባቢ ክርስትያናዊ ኣናስር እውን ምልስ ቢልካ ግምት ምሃብ ኣድላዪ ይኸውን ዝበሉ ቅዱስ ኣባና ኣተሓሒዞም ቅዱስ ቀርሎስ ዕለት 14 ለካቲት 869 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ዝዓረፈ ሓው ቅዱስ መጠዲዮስ ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ቅዱስ በነዲክቶስ ናይ ኤውሮጳ ሓላዊ ቅዱስ እንክብሉ ከምዝኣወጁ እውን ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም፡ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ስኒትን ምቅርራብን ክህሉ ብፍላይ ኣብ መንጐ ባህልታትን ዝተፈላለያ ናይ እምነት ክርስትና ባህልታት ዘራኸበ ምዃኑ ገሊጾም፡

ነዚ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ መንፈሳውን ባህላውን ውርሻ ኣብ ኵላትኩምን ኣብ ዜጋታትኩምን ምስ ካልእ ናይ ምርኻብ ድላይን ገዛእ ርእስኻ ንኻልእ ክፉት ንምዃን ዝድርኸ ክኸውን እላበው፡ ኣብ ፍልላይት ሓድነት ምንባር ማለት እዩ፡ እዚ ኸኣ ብጐደና ዘተን ብምምቕራሕን ዘራኽብ ድልድል ብምሕናጽን ፈላላይ መናድቕን ቅድመ  ፍርድታትን ኣይፋል ብምባልን ዝረጋገጽ እይ።

ክርስትና ናይ ተስፋ ምንጪ እዩ

እቶም ተሰሎንቄኣውያን ክልተ ኣሕዋት፡ ታሪኽን ስነ ጥበብን ባህልን ብእወታዊ ዝጸለዉ እያቶም፡ ኣብ ረፓሊካዊት ቸክ ይኹን ኣብ ስሎቫኪያ ካብቶም ክልተ ቅዱሳት ኣሕዋት ክሳብ ዘመንና ዝበጽሔ መንፈሳውን ባህላውን ውርሻ ህልው እዩ፡ እዚ ክዕቀብን ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዝግብኦን ዝኽወንን ዓቢይ ግብረ ገባዊ ውርሻ እዩ።

ታሪኽኩም በቲ ናይ ተስፋ ምንጪ ዝዀነ ብፍላይ ኣብ እዋን ጭንቅን ጸበባን ተስፋ ብዘዕሰለ እምነት ክርስትና ምልኩት እዩ፡

ዓቢይ ናይ ዘመን ለውጢ

ካብ ግሪክ፥ ቀርሎስን መጠዶዮስን ኣብ ፓኖኒያንን ማሮቪያንን ወንጌል ሰበኹ፡ ስላቫዊ ፊደላት እውን መሃዙ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ብቋንቋ ስላቭ ተርጐሙ፡ በዚ ዓቢይ ውፉይነቶም’ዚ ንመንፈሳውን ገዳማውን ሕይወት ድዩ ንምዕባለ ባህልታት ናይቲ ከባቢ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ኣበርከቱ።

ኣብ ምዃን ሉኣላውያን ሃገርን ናይቲ ከባቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ምቛምን ኰታ ኣብቲ ከባቢ ዓቢይ ተመሳሳሊ ዘይብሉ ለውጢ ዘንበሩ ቅዱሳት እያቶም።

ናይ ሓባር ጥቕምን ሓቅን ጽባቔን

ወንጌል ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ባህልታት ዘሎ እውነተይና ባህሊ ዝጻረር ኣይኰነን፡ ሰብን ማሕበረሰብ ናይ ሓባር ጥቕምን ሓቅን ጽባቔን ክፈልጥ ዝድግፍ እዩ

ሕውነትን ናይ ሓባር ጥቕምን

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቶም ናይ ፖለቲካ ኣካላት፡ ዕለት ብዕለት በቲ ዝፍጽምዎ ዓቢይ ማሕበራዊ ዕዮ ኣቢሎም ንሕዝቦም ተስፋ ብምቕራብ ናይ ሕውነት ተዋሰእትን ናይ ሓባር ትቕሚ ዘነቓቕሑን ክዀኑ ሓደራ ቢሎም፡ ንሕዝቢ ናይቲ ከባቢ ቡርኬ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም ከምዝዛዘሙ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ፖለቲካ ኣካላት፥ ብጐደና ዘተ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ናይ ምፍላጥ ርክብ ደግፉ
23 March 2019, 17:57