ር.ሊ.ጳ.፥ ድኻታትን እንነብረሉ መሬትን ዘንብዕ ኢፍትሓውነት ክውገድ

ኵሉ ዓለም ዝተራኸበ እዩ፡ ኩሉ ኣብ ምርኻብ እዩ፡ ስለዚ ንናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረትን መሬትን ሰናይ ናይ ሓባር መልሲ ግድን እዩ፡ ኣብዚ መዳይ ኵለን ሃይማኖታት ዓቢይ ግደ ኣለወን

ኵለተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባ ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 9 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሃይማኖታትን መባጼሕ ተቐባልነት ዘለዎ ልምዓትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ተጋባኣያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድራያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዋናዊ እንነብረሉ ኵነታት ዓለም ዝጠልቦ ለውጢ ንምኽዋን እተካይድዎ ጻዕሪ አበራትዕ፡ ኢፍትሓውነት ድኻታትን እነብረላ መሬት የንብዕ፡ እዚ ኢፍትሓውነት’ዚ ዘይስነፍ ኣይኰነን፡ እዚ ናይ ተስፋ ቃል ቅዱስ ኣቦና ነቶም 400 ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ኣብ ምርግጋጽ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ዘበራትዕ ክኽውን እንከሎ፡

ሰብኣዊ ምዕባለ፡ ንዅሉ ዝሓቑፍን ተፈጥሮ ዘኽብርን እዩ

ቅዱስነቶም ተቐባልነት ዘለዎ ዝብል ቃል፡ ዝተፈላለዩ ርእዮታትን ናይ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ድምጽን ዘእንግድ እዩ፡ ስለዚህ ዓለም ሓቆፍ ተሳትፎ ዝሓትት ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ምዕባለ ዝተሓላለኸ ቃል እዩ፡ ኣብ እንነብረሉ እዋን ብዙሕ ጊዜ ኣብ ኤኮኖሚ ዝግለጽን ቍሳዊ ዕብየት ዘመላኽት ጥራሕ ኰይኑ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ምስ ምጣኔ ሃብቲ ዝተኣሳሰር ክኸውን ስለ ዘገድዶ ተፈጥሮን ሰብኣዊ ፍጥረትን ክሳብ ዝከኣለካ ምምዝማዝ ዝብል ተግባር ዘተባብዕ ይኸውን።

ጳውሎስ ሻድሻይ ከምዘመላኽትውዎ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ምዓባለ ምዝራብ ንመላእ ፍጥረት ሰብ ዝምልከት እምበር ንሓደ ክፍሊ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ጥራሕ ዝምልከት ከምዘይኰነ የተሓሳስቡ፡ ስለዚህ ዓቢይ ይኹን ንኡስ መደብ ምዕባለ ማሕበራዊ ኵላውነት ዝምልከትን ስነ ምህዳራው ምልዋጥ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ፡ ኢማዕርነትን ዕንወት ምህዳርን ኣናስዓብካ ብዛዕባ ምዕባለ ምዝራብ ዝከኣል ኣይኰነን፡ ምዕባለ ፍትሒ እዩ፡ ማዕርነት እዩ፡ ሰናይ ከኣ እዩ።

ናይ ድኻታትን መሬትን ንብዓት ግቡእ መልሲ ምሃብ

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ቀደም ብዝለዓለን ብዝሰፍሔን ደረጃ መላእ ዓለም ብዘጠቓል መገዲ ኢማዕርነት ይሰፍሕ ከምዘሎ ዝሃብዎ ትንታነ ጠቒሶም፡ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣሉታዊ ኣብነታት ኣይፋል ቢሉ ኣማራጺ መገዲ ክስዕብ ኣለዎ፡

ኣብ ሰብኣውነት ዘተኰረ ናይ ኤኮኖሚ ፖሊቲካ ክህሉን፡ ሰብኣውነት ዘማእከለ ዕዳጋ ኣብ ስነ ምግባር ዝጸንዔ ኤኮኖሚ ኣገዳሲ እዩ፡ ሰብኣውነት ዘማእከለ ከይዲ ምዕባለ ንገዛእ ርእሱ ምህዳር ዘኽብር እዩ ዝኸውን

ምዕባለ ካብ ፍትሕን ሕውነት ዘይንጸል እዩ

ኵሉ ዓለም ዝተራኸበ እዩ፡ ኩሉ ኣብ ምርኻብ እዩ፡ ስለዚህ ንናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረትን መሬትን ሰናይ ናይ ሓባር መልሲ ግድን እዩ፡ ኣብዚ መዳይ ኵለን ሃይማኖታት ዓቢይ ግደ ኣለወን ዝበሉ ቅዱስነቶም ይሴባህ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ጠቒሶም፡ በዚ ኣገባብ’ዚ መጻኢ ክህነጽ ከምዘለዎን ከይዲ ልምዓት ንሕይወት ዘኽብርን ምስ ተፈጥሮ ዝንበር ተራኽቦነትን ሕውነትን ፍትሕን ሓድ ሕዳዊ ምትእምማንን ዘህልው ምስ ዝኸውን እውነተይና ልምዓት እዩ ዝኸውን።

ብመምዘኒ ስነ ምግባር ዝተደገፈ ኤኮኖሚያዊ ሸቶ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ማሶቲ ኣስዒበን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣገዳስነት ሃይማኖታትን ህዝብታት ደቀባትን ጠቒሶም፡ ኣብ ጐደና ልምዓት ሃይማኖታት ዓቢይ ግደ ኣለወን፡ እዚ ከኣ ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣብ ምኽባር ዝሓንጽን ኣብዚ መዳይ ዘተባብዕን እዩ፡ ኣብ ምኽባር ፍጥረትን ተፈጥሮን ምስጓም ሕዝብታት ደቀባትን ምኽባርን የስዕብ፡ ብሰኣዊ ዓይኒ እውን ሕዝብታት ደቀባት ብዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ስነምርምርን ባህልን ውድብ ናይ ዓለም ሃብቲ እክብል ከምዝገለጹ ኣዘኻኺሮም፡

እቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት እዋን ክኽወን ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ናይ ኵሉ ምትሕብባርን ንቕሓትን ተሳትፎን ዝሓትት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብዚ መዳይ፥

ኵለን ሃይማኖታት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ጭቡጥ ኵለንተናዊ ምዕባለ ክጓዓዝ ዝድግፋ እያተን፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ናይ ሰላም ጐደና እዩ፡ ኵለንተናዊ ምዕባለ ብኻልእ ኣገላልጻ ሰላም ማለት እዩ

ከምዝበሉ የመልክታ።

ኢፍትሓውነት ዘይተሳዓሪ ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስው ቃለ ምዕዳን፡ ዘይስነፍ ኢፍትሓውነት የሎን ቢሎም ንዝበለጸ መጻእን ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኵለን ሃይማኖታት ዘለወን ኣበርክቶ ኣገዳሲ እዩ፡ እቲ ንድኻታትን እንነብረሉ መሬትን ዘንብዕ ኢትሓውነት ዘይሰዓር ኣይኰነን፡ ኣብዚ እምንቶ’ዚ ኵለን ሃይማኖታት ዘለወን ሓላፍነት መሰረት ብሓባር ኵሉ ዘኽብርን ዝሓቁፍን ማንም ዘይንጽል ልምዓት ክረጋገጽ ጻውዒት ከቕርባን ብሓባር ክዝትያን ሓደራ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ድኻታትን እንነብረሉን መሬት ዘንብዕ ኢትሓውነት ክውገድ

 

09 March 2019, 17:20