ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሕጻናት ሓኻይም፥ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘሎ ኣድልዎን ዘይማዕርነትን ክብድሁ ይዕድሙ ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሕጻናት ሓኻይም፥ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘሎ ኣድልዎን ዘይማዕርነትን ክብድሁ ይዕድሙ 

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሕጻናት ሓኻይም፥ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘሎ ኣድልዎን ዘይማዕርነትን ክብድሁ ይዕድሙ

ናይ ኩሉ ዜጋ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰሉን ክብሩን ክኽበር መታን ባህሊ ሓይልዮ ክንክን ጥዕና ከነቓቕሑ ሓደራ ዝበሉ ቅዱስነቶም

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሕጻናት ሓኻይም ብሄራዊ ማሕበር ኣባላት ኣብ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምስረታ እቲ ማሕበር ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ እቶም ናይ ሕጻናት ሓኻይም ብዝህብዎ ኣገልግሎት ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝረአይ ኣድልዎን ዘይማዕርነትን ክንክን ጥዕና ንዅሉን ናይ ኩሉን ብዝብል ተግባር ክብድሁ ከምዘተሓሳሰቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ናይ ሕጻናት ሓኻይም ማዕርነትን ምትሕብባርን ንኹሉ ዝብልን ዓይነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብቓልን ብተግባርን ከተባብዑ ሓደራ ቢሎም፡ እዚ ናይ ሕጻናት ሓኻይም ፈደራላዊ ማሕበር ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ኣባላት ዘለዎን ናይ ኣርብዓ ዓመት ተመክሮ ዘኻዕበተን ነቶም ብኣባልነት ዝተመዝገቡ ብማሕበር ሰራሕተይናታትን ዝጥርንፍ እውን ካብ ምዃን ሓላፉ ቅድሚ ዕስራ ዓመት እውን ማሕበረሰብ ስነ ምርምር (ስነ ተመራመርቲ) ዝብል ተፈላጥነት እውን ከምዝረኸበ ክዝከር እንከሎ፡ እቶም ሓኻይም ሙያኦምን ዕዮኦምን ክርስቲያናዊ ምስክርነት ዘቕርቡሉ መታን ክኸውን ከም ተልእዀ ክነብርዎ ሓደራ ከምዝበሉ ዶኒኒ ገሊጸን።

ሓልዮ ክንክን ጥዕና ሕጻናት ዝብል ባህሊ ክሰፍሕ

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሕጻናት ክንክን ጥዕና ዝምልከት ኣገልግሎት ዝበለጸ ክኸውንን ምዕሩይን ንማንም ዘይንጽል ምዃኑ ግምት ብምሃብ እዚ ንዅሉ ሕጻን ዝብል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክዝንጋዕ ዝገብር ምርካብ ክንክን ጥዕና ብእቶት ክምዘን ኣለዎ ዝብል ሰብኣውነት ብዘየማእከለ ከይዲ ከይቕህም ናይ ኩሉ ዜጋ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰሉን ክብሩን ክኽበር መታን ባህሊ ሓይልዮ ክንክን ጥዕና ከነቓቕሑ ሓደራ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ሰብ ከም ሰብኣውነቱ ዝምልከት ዓይነት ስነ ሕክምናዊ ሜላ ከስፍሑን ብኩለንተናውነቱ ዝጥምት ክኸውን ዝብል ሕክምና ኣተባብዑ ከምዝበል ዶኒኒ ኣመልኪተን።

ንዅሉን ናይ ኩሉን ክንክን ጥዕና ዘነቓቕሕ ማንም ዘይንጽል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክሰፍሕ መታን ብንጡፍነትን ብተወፋይነትን ኣገልግሉ፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ካብ ሕማም ኣቐዲምካ ምክልኻል ድዩ ብቑዕ ክንክን ጥዕና ምርካብ መሰል ናይ ውሑዳትን ብቑዕ እቶት ናይ ዘለዎም ኰይኑ ኣሎ፡ ስለዚህ ንስኻትኩም እዚ ዓይነት ዘይምዕሩይነት ዝርጋሐ ክንክን ጥዕና ክውገድ እትዓዩ ኩን፡ ብፍላይ ነቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም ክንክን ጥዕና እተውሕሱ ኰይንኩም ክንክን ጥዕና ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብርን ምዃኑ መስክሩ

ንሕጻናትን ንወለዲ ሕጻናትን ፍሽኽታ ለግሱ

ናይ ምስማዕን ጽን ናይ ምባልን ናይ ምስትውዓልን ምትእምማን እተስርጹ ኩኑ፡ ምስቲ ናይ ስነ ሕክምና ስነ ምርምር ኣገልግሎትኩምን ብቕዓትኩምን ዝተጣመረ ኣቃልቦ ንሰብኣዊ ፍጥረት ይሃልኹም፡ ብፍላይ ንሕጻናት ኣብ እትህብዎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክፉት ልቢ እምበር ዝንጉዕ ኣቃልቦ ኣይህልኹም፡ ሕጻናት መስተውዓልቲ እያቶም፡ ኣብ እትህብዎ ኣገልግሎት ቀረባኦም እምበር ርሑቓቶም ኣይትኹኑ ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡

ኢየሱስን ሕጻናትን

ናይ ርሕራሔን ቅርበን ሓልዮትን ምንጭን ኣብነትን ኢየሱስ እዩ፥

ንሕጻናት ኣብ እንህቦ ኣገልግሎት ቃላትን ኣገባብ ሕይወትን ኢየሱስ ዓቢይ ግምት ክወሃቦን ክንስዕቦን ይግባእ፡ ሕጻናት ኣባላት መንግስቲ እግዚኣብሔር እያቶም ዝብል እዩ፡ … ሕጻናት ናብኡ ይኸዱን ንሱ ኸኣ ይቕበሎም ነይሩ፡ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ፍሉዩ ስፍራ እዩ ዘለዎም፡ ስለዚህ ኣብ እነቕርበሎም ኣገልግሎት ነዚ ኢየሱሳውነት ነንጸባርቕ

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ፓኒዞን፡ ክንየው ምጥማት

ቅዱስ ኣቦና ናይ ኢጣሊያ ናይ ሕጻናት ስነ ሕክምና ኣበው ተባሂሉ ዝንገረሎም ሓኪም ፍራንኮ ፓኒዞን፡ ሕጻናት ናብ ኣባይቲ ሕክምና ንሕክምና መጺኦም ተራእዮም ካብ ምስዳዶም ኩነታት ጥዕናኦም ብቐረባ ንምክትታል ሚዛናዊ ግምት ንምሃብን ብዝብል ዕላማ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ናይ ምጽናሕ ዕድል ክፍጠር ዝገበሩን ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ሕጻናት ቤት ሕክምና ኣትዮም ክትትል ናይ ዝገበረሎም ሕሙማን ሕጻናት ወለዲ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ሕጻናት ዝእንገድሉ ቤት እውን ክህልው ዝገበሩ ምዃኖም እውን ዘኪሮም፡ እዚ ብሓቂ ርሑቕ ዝጠመተን ኣገልግሎት ተልእኾ ቢልካ ካብ ምእማን ዝነቐለ ሓሳብ ምዃኑ ኣብሪሆም፥

ምስክርነት ዝዀነ ተልእኾ

ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንገዛእ ርእሱ ተልእኾ እዩ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጥምረት ልብን ኣእምሮን ዝሓትት ምዃኑ ዘዘኻኽሩ ቅዱስ ኣቦና፥

በዚ ዓይነት ኣገባብ ሕይወት ንስኻትኵም እምነት ክርስትና ትምስክሩ እዚ ኸኣ ወንጌላውያን ዕሴታት ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ምዃንኩም እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ነቲ ማሕበራዊ ማዕቅፍ ኰነ ከይዲ ኣገልግሎት ሕክምና ቅኑዕን ንኹሉን ብፍላይ ናይቶ ዝተናዕቁን ድኻታትን ዝብል ክኸውን እተንብብሉ እቲ ዝተወሃበኩም ሓላፍነት ብግቡእ ንኸታከያዱ ዝድግፈክም እውን እዩ

እብክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

22 March 2019, 17:25