ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተዘክሮ ተስፋን ትዕግስትን፡ ፍኖተ መጻኢ

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ሱባኤ ብዛዕባ ፍስሃን ተስፋን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሕ ከምዝሓሰቡን ከምዘሰንተኑን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ኣባይቲ ሓለፍትን ዝርከብዎም ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ብሓባር ኣብ ከተማ ኣሪቻ ዘካየድዎ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ምስ ተዛዘመ፥ ንሰባኬ ሱባኤ ኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ፡ እቲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ገዛእ ርእሱ ቀረባ ዝገብር እግዚኣብሔር በስፊሕ ዘስተንትን ስለ ዘቕረብዎ ስብከት ንምምስጋን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብዘን ካብ ዕለት 10 መጋቢት ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. መዓልታት ኣብ ዘካየድናዮ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ብዝለገስክምዎ ኣስተንትኖ ንዝሓገዝኩማ ሓው በርናርዶ ከመስግም እፈትው፡ ቢሎም፥

ንመጻኢ ምልኩት ዝዀነ መገዲ

ከምቲ ቃል ንኣና ቀረባ ክኸውንን ናባና ክኣትውን ስጋ ዝዀኖ ነዚ ከም ኣብነት ገርኩም ህልወት እግዚኣብሔር ኣብ ሰብኣውነት ከነስተውዕልን ስለ ዝሓገዝኩምናን እዚ ህልወት እግዝኢብሔር ኣብ ሰብኣውነት ኣሰር ከምዘሎን ናብዚ ሓቂ እዚ ንኽንኣቱ ገርኩም።

ዕዮና ንቕድሚ ምባል እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበርክምዎ ኩሉ አመስግነኵም፡ ብዛዕባ ተዘክሮ፡ እቲ ብዙሕ እዋን እንዝንግዖ ዘዳግማዊ ኵርናዕ ዘለዎ ተዘክሮ፡ ብዛዕባ ተስፋ ስለ ዝተዛረብኵምናን እቲ ንቕድሚት ክንብል ዝድርኸና ዝካሬ መጻእነት እውን ክህልወና ስለ ዝገበርኵም እመስገነኵም፡

ብናይ ኣበው ጉባኤ ትብዓት

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ሱባኤ ብዛዕባ ፍስሃን ተስፋን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሕ ከምዝሓሰቡን ከምዘሰንተኑን ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ሎሚ እውን ብዙሕ ተቓውሞ ዝቐርቦ ምዃኑ ሓቢሮም፡

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣባኻ እቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣበው እቲ ፍስሃን ተስፋን ዘርእስቱ ውሳኔ ክፍርሙ እንከለዉ ዝነበሮም ትብዓት ኣባዅም ክርእይ ገርኵምኒ፡ ብሓቂ ብዙሕ አመስግነካ፡ ስሌ ኵላትና ሓጢኣተይናታት ጸልይ፡ ንጐይታ እናገልገልና ንቕድሚት ክንብል ኢና።

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ሳን ሚኒያቶ ኣል ሞንተ ገዳም ባሕታውን ብኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ኣቢሎም ሰላምታኦም ብምቕራ፡

ገለ ገለ ናይቲ ኣስተንትኖ ዝገበርናሉ ኣርእስታት ከይገረመኒ ኣይተረፈን፡ ብርግጽ ኣብ መበገሲ እቲ ሱባኤ ቁርብ ኣነ እውን ከይተደናገርኩ ኣይተረፍኩን ናይ ኩርያ ሮማና ተሓበበርትይ ፊረንዘን ናይ ፊረንዘ ገጠምቲ ዘረድኦም መርሃ መስሕብ ከይተኻረዩ ዝተረፉ ኣይመስለንን .. ቀስ ኣናበልኩ ግና እቲ ከተመሓላልፍዎ ዝደለዅም መልእኽቲ ክርድኣኒ ጀመረ

ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና በነደታ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተዘክሮ ተስፋን ትዕግስትን፡ ፍኖተ መጻኢ
16 March 2019, 16:37