ራብዓይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ናይ ተዘክሮ ጽባቔ ንመስክር ራብዓይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ናይ ተዘክሮ ጽባቔ ንመስክር 

ራብዓይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ናይ ተዘክሮ ጽባቔ ንመስክር

ናይቲ ዘይርጉጽ ህልው ጊዜ መላኽነት ናይ እዋናዊ ሰብ ምልክታ ሕማም ምዃኑ ኣውጀ ንእዋናዊ ሰብ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካየዶ መርመራ የረጋግጾ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ኣባይቲ ሓለፍትን ዝርከብዎም ብሓባር ካብ ዕለት 10 መጋቢት ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣሪቻ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ዓቢይ ጾም ሱባኤ ይቕጽል ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 12 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ በነዲክታዊ ኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ራብዓይ ስብከት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣመድዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዋናዊ ሰብ ምስ ግዜ ዘለዎ ርክብ ከመይ ከምዝነብሮ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ንምርዳእ ከኣ ፈረንሳዊ ናይ ስነ ሰብእ ሊቅ ማርክ ኣውጀ፥ ሎሚ ኣብ ዓለም ነድሪ ናይ ህልው ግዜ ጽንሰ ሓሳብ እዩ ዝረአይ እንክብል ዝገለጾ ሓሳብ ምጥቃስ ግድን ይኸውን፡ ህልው ግዜ ናይቲ ናይ ሕሉፍ ግዜ ቀስታዊ ፍልቀት ውጽኢት ስለ ዘይከውን ናይ መጻኢ ንድፊ ብድሮ ክስትውዓል ዘይድግፍ ከይኑ ኣሎ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽወ ግዜ ዝብል ሓሳብ መሰረት ገይሮም፡ ህልው ግዜ መላኺ ይኸውን ኣሎ፡ ተዘክሮን ተስፋን በዚ ዓይነት ህልው ግዜ ክማስኑ ይረአይ ኣሎ ኢሎም።

ኣድካምነት ተዘክሮ ምግባር

ናይቲ ዘይርጉጽ ህልው ጊዜ መላኽነት ናይ እዋናዊ ሰብ ምልክታ ሕማም ምዃኑ ኣውጀ ንእዋናዊ ሰብ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካየዶ መርመራ የረጋግጾ፡ ብተግባራውነት እደ ጥበብ ተገማሚዑን ተጸቒጡን ይርከብ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ህልው ጊዜ ዕብላሎ ኣብ ግዜን ኣብ ታሪኽን ዝጸንዕ ምግባር ኣድካሚ ክኸውን ይገብሮ ኣሎ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ቃል ገጣሚ ሉዚን ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ላ ፒራን ብምጥቃ ኣብ ተዘክሮ ናብ መጻኢ ዝመርሕ ፍኖት የመላኽቱ።

ነዚ ንዝኽረይ ግበርዎ

ነቲ መሰረታዊ ዝዀነ ዝካሬ ብምስትንታን ሰባኬ ሱባኤ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእታ ዓዋዲት መልኽቶም፡ ተዝካር ሓደ ናይ እምነትና ኩርናዕ እዩ፡ ምስ ናይ እስራኤል ተዝካር ብምምስሳል ከኣ ዘዳግማዊ ክንብሎ ዝከኣል እዩ። ናብ ፋሲካ ዘሰጋግር ዕለታዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተዝካር ክኸውን ኢየሱስ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ገዛእ ርእሱ ሰረዖ (ሉቃስ 22,19 ረኣ)፡ እቲ ዝውንግል ሓሴት ወትሩ ኣብ ድህረ እቲ ናይ ምስጋና ተዘክሮ ዝደምቕ እዩ፡ እዚ ወትሩ ክንሓትቶ ዝግብኣና ጸጋ እዩ።

ቤተ ክርስቲያናዊ ምስክርነት

ተዘክሮ ይብሉ ኣበ ምኔት በርናርዶ ፍራቸስኮ ማሪያ ጃኒ፡ ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓት መሰኻኽር የህልው፡  ካብዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ድማ ናይ ምእማን ሓሴት ኣባና ክጥጥዕ ዝገብሩ እያቶም።

ኣቢያተ ክርስቲያን ንኣብነት እቲ ኣነ ዝነብረሉ ገዳም እውን ንገዛእ ርእሱ ትውልዲ ሕሉፍን ህልውን መጻእን ንዘጣምር ንሓድሽ ናይ ተስፋ ኣድማስ ከማዕድው ዝገብሩ እያቶም። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ዝኣትው ነቲ ጐይታ ዝሓደገልና ውዕዉዕን ህይወታውን ህልዎታውነት ዝዀነ ተዝካረ ፋሲካ ውሳጣዊ ምስማዕ የህልው።

ምስ በሉ፡ እቲ እነቕርቦ መክብባዊ ምስክርነት እሙን ተዘክሮ፡ ንመንእሰይ ወለዶ ንእሙን ዝዀነ መጻኢ ኣስተንፍሶ ክህልዎን ዝድርኽ ድዩ? ዝብል ሕቶ የቕርቡ።

ናይ ጽባቔ ተዝካር

እቲ ክስዓብ ዘለዎ መገዲ ይብሉ፡ እቲ ናይ ተዝካር ጽባቔ ሓባሪ መገዲ እዩ፡

ጽልሙታውነት ብምስናፍ ብዘይ ፍርሒ ካብቲ ትውፊትን ባህልን ብዝበጽሓና ዓይኒ ማይ ሃብቲምና ብሓባር ንጐይታ እሙናት ዘግብሩና መገዲ ንኽነናድይ ናብ ተስፋ ዝተወድዑ ክንከውን የድሊ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ይብሉ፡ ንፍጥረ ሰብ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝወሃበና ሓይሊ መሰኻኽር ንኽንከውን ዘብቅዓና ናይ ተዘክሮ ጽባቔ ነርእይ፡ ስለምንታይ ደቂ መሰኻኽር (መዝከርቲ) ስለ ዝዀንና፡ እቲ ኣብ ታሪኽ መንፈስ ቅዱስ ዝገብሮ ዘደንቕ ነገር ኵሉ ንኸስተማቕሩ መታን።

መንእሰያት ኣብ ማሕበረሰብ ኣመንቲ በይኖም ከምዘይኰኑ ፈሊጦም ሰናይ ትጽቢታት ኣሚቶም እቲ ናብ ሕይወት ንኸብሉ ዝድርኽ ባህሊ ከስተውዕሉ ዝገብር ክኸውን ኣዚዩ ወሳኒ እዩ።

ግዜ ናይ እግዚኣብሔር እዩ

ትውፊት ንገዛእ ራእሱ ምስ ሕሉፍ ግዜ ቀጻልነት ክህሉ ይሓትተና፡ ትጽቢት ዳግማይ ምጽኣት ናብ መጻእነት የርህወና። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ብርሃነ ምብራቕ (Orientale Lumen) ኣብ እተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽቶም፥ ቤተ ክርስቲያን እቲ እትፍጽሞ ንርእሰ-ኣብዕሎትን ወይ ንትካዜ ገዛእ ርእሳ ከይተረክብ መታን እተሳልጦ ፍጹማዊ እዩ ካብ ምባል ፈተና ክትዕቀብ ኣለዋ፡ ግዜ ናይ እግዚኣብሔር እዩ፡ ወትሩ ብናጻ ዝወሃብ ጸጋ እዩ፡ ስለዚህ በዚ ርእየት’ዚ  እቲ ደስ ዘብል ምልክታ ይቃላሕ፡ እዚ ዳግም ዝተረኽበ እምነት’ዚ ናይ ዓቢይ እምነት ትርጉም ይኸውን ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም፡

እቲ ንፋስ መንፈስ ቅዱስ ናብ ዝደፍኣናን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ርእሰ-ኣብዕሎት ናብ ዝኣልይ ስሙር ንዝዀነ መጻኢ ብዘይ ፍርሒ ዝተኸፍተ ብምዃን ኣብ ገምገብ መልሒቕካ ንኽትተርፍ ካብ ዝድርኽ ፍርሒ ተላቒቕካ ኢየሱስ ብዘቕርቦ ዕድመ መሰረት ነታ መርከብ ኣብ ክፉት ባሕሪ ምምራሕ!

እቲ እንኰ ኩነት ናይ ጐይታ ፋሲካ እዩ

ሎሚ ዝዀነ ይዅን ክውንታ የጋጥም ወይ ይገለጽ ፍጻመ ተገይሩ እዩ ዝረአይ፡ እብ ከምዚ ዓይነት ርእየት እውነተይና ፍጻመ ወይ ኵነት እንታይ ማለት ምዃኑ የደናግር።

ናብቲ ናይ እውነተይና ብተዝካር ዝነብር ህይዉት ናብ ዝዀነ ባህሊ ተመክሮ ምምላስን ብዝያዳ ኣብዚ ተመክሮ’ዚ ንኣና እቲ ክንክሕዶ ዘይግብኣና ናይ ሕይወትና ፈልፋሊ ምንጪን ናይ ምወዳእታ ጫፍ፡ ሊጡርጊያ እዩ፡ ብፍላይ ቅዱስ ቁርባን፡ እዚ ካብቲ ዘጋጥም ክውንታ ኵሉ ከም ፍጻመ ካብ ምሕሳብ ዝገላግል ክኸውን ይግብኦ፡ እኳደኣ እቲ እንኰ ኩነት ብሓቂ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ፋሲካ እዩ።

ምስቲ እግዚኣብሔር ዝዕድለና ህልው ግዜ ቃል ኪዳናዊ ጥምረት ዳግም ምርካብ

ሰባኬ ሱባኤ ኣበ ምኔት በርናዶ ፍራቸስኮ ማሪያ ጃኒ ዘቕረብዎ ራብዓይ ስብከት፥

በቲ ዕለታዊ ፍጻሜታትና ተዘክሮ፡ ቃል እግዚኣብሔር ብምስማዕን ሊጢርጊያ ብምስራዕን ብናይ ሰዓታት ጸሎትን መላእ ህላዌና ቤተ ምስጋናን ውዳሴን- officium laudis ንገብር፡ ስለምንታይ ምስክርነትና ነቲ ናይ እዋንና ሰብ (ሰብኣይን ሰበይትን) ቃል ኪዳንናዊ መታን ክኸው፡ ምስቲ እግዚኣብሔር ዝዕድለና ህልው ግዜ ቃል ኪዳናዊ ጥምረት ዳግም ብምርካብ መላእ ፍጥረት ሰብ ብዘይ ፍርሕን ብዘይ ምንፋቕን ናብቲ ጐይታ ንኣና ዘሰናደወልና መጻእነት ብዘይ ምጥርጣር ንመርሕ፡

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ራብዓይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ናይ ተዘክሮ ጽባቔ ንመስክር
14 March 2019, 16:27