ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ናይ እውነተይና ጐደና ሓሴት ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ናይ እውነተይና ጐደና ሓሴት 

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ናይ እውነተይና ጐደና ሓሴት

ሓጐስ ወይ ሓሴት ኣብ እትረኽቦም ነገራት ወይ ከኣ ኣብ እትዀኖን ዘይኰነስ ምስ ጐይታ ኣብ ምዃንን ስለ ፍቕሪ ኣብ ምንባርን እዩ

ዕለት 20 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሓሴት ከማተበዓለ ክፍለጥ እንከሎ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ምኽንያት እምበኣር ብዛዕባ ሓሴት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም ዝበልዎ መርሕ ሓሳብ ንኽልተ ክፋል ነቕርበልኩም፡

ድልያ ሓሴት ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሓባር ረቛሒ እዩ፡ ዝነበረን ዘሎን ኩሉ ፍጥረት ሰብ ዘራኽብ እውን እዩ፡ ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ ነቲ ድላይ ሓሴትን ምልኣትን ኣብ ልቢ ሰብ ዘንበሮ፡ ልብና ኣብ ጭንቀትን ኣብ ቀጻሊ እቲ ኢትኣላው ጽምኡ ከርውየሉ ዝኽእል ሰናይ ድልያ ይርከብ (መልእኽቲ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት 2015 ዓ.ም.)

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይቲ ዝፈጠረና ንሱ ባዕሉ ፍቕርን ሓጐስን ሰላምን ጽባቔን ሓቅን ዝዀነ እግዚኣብሔር ወትሩ ኣብ ምድላይን ሓረር ኣብ ምባል፡

መባእታ ሓጐስ፡ ንኻልእ ኣብ ምግዳስ

ጉዕዞ ሓጐስ ዝጅመር ካብ ተጻራሪ ዋሕዚ ምዃን እዩ፡ ካብ ዘይምስሉይነትን ካብ ዘይምምስሳልን ካብ ኢጐነት ናብ ንኻልእ ምሕሳብ ምስግጋር እዩ፡ ካብዚ እዩ ዝብገስ፡ ሕዙን ሕይወት ይብሉ ባሕታውያን ኣበው፡ ወትሩ ንገዛእ ርእስኻ ካብ ምሕሳብ እዩ፡ ውሽጣዊ ሕይወት ኣብ ናይ ውልቂ ረብሓ ምስ ዝዕጸፍ ንኻልኦት ቦታ ክህልወካ ዘይከኣል ይኸውን፡ ናይቲ ናይ ፍቕሪ ምቁር ሃሴት ክተስተማቕር ዘይትኽእል ትኸውን፡ ንበይንኻ ሕጉስ ምዃኑ ዘይከኣል እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ካልአይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 9.7 ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ምዃን ንዝድርኽ ፈተና ምስናፍ የድሊ፡ ርእሰ ብቕዓትን ርእሰ እዅልነትን እየ ቢልካ ምሕሳብ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ሽጉጥ ይገብር፡ ኵላትና ንሓድ ሕድና ተደላየይትን ደለይቲ ሕውነትን ኢና፡ ሕይወት ትርጉም ዝህልዎ ኣብ ናይ ብጻይካ ሰናይ ኣብ ምድላይ እዩ … (ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 182 ረኣ)።

ትካዜኣውነት ምግሳጽ

መጽሓፈ ሲራክ፥ ወደየ በቲ ዘሎካ ሃብቲ ገዛእ ርእስኻ ተኸናኸን … ሓጐስ ሓንቲ መዓልቲ እዃ ኣይትሕለፍካ … (ምዕ. 14. 11,14 ረኣ) እንክብል ይምዕድ፡ እግዚኣብሔር ንዘለዓለማዊ ሕይወት ስለ ዝፈጠረና ናይ ደቁ ሓጐስ እዩ ዝደልይ፡ ኵሉ ነገር ፈጠረ። እምነት ክርስትና ኣብ ኣይትግበርን ዝብል ከልካልያን ሕግታት ዝቖመ ከምዘይኰነ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2015 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይምዕዱ፡ ስለዚህ ድማ ክርስትያን ናይቲ ክፋእ ዝዀነ ሕዙን ሕይወት ንክግስጽ ዝተጸውዔ እዩ፡ እግዚኣብሔር እወታውያን ንኽንከውን እዩ ዝደልየና፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ብንኣሽቱ ነገራት ሕጉሳት ንኽንከውን እምበር ናይቲ ማእለያ ዘይብሉ ሕልኽላዀን ኣሉታዊ ሓሳባትን ምቑሓት ክንከውን ኣይኰነን ዝደልይ ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ እውነተይና ቅድስና ሓሴት እዩ፡ ስለምንታይ ቅዱስ ሕዙን፡ ዝሓዘነ ቅዱስ እዩ ዝብል ብሂል ይጠቕሱ። ማለት ሕዙን ቅዱስ የሎን ኢሎም።

ናይ ስልጣንን ስክዔትን (ዝናን) ገንዘብን ዘይኰነ ናይ ሓጐስ ፍቕሪ ይሃልዅም

ሓሴት ኣብ ዕዳጋ ወሪድካ እትሽምቶ ኣይኰነን፡ ካብ ፍቕሪን ንኽትፍቀር ካብ ምፍቃድ እዩ ዝምንጨው (ንነጋድያን ናብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዕለት 9 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ)፡ ስክዔትን ዝናን ጣዕምን ብኣገባብ ኢጐነት ከነናዳይ እንከለናን፡ ነዚኣቶም ከም ጣዖት ከነምልዀም እንከሎናን፡ ዝበንን ሓሴት ክንሙከር እውን ንኽእል ንኸውን እቲ እንኽፈሎ ሓጐስ ናይ ሓሶት እዩ፡ ጊልያ እዩ ዝገብረና፡ ኣብኡ ከይተረፍና ብቐጻልነትን በቢ ዕለቱን ክንደልዮ እዩ ዝድርኸና (ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2014 ዓ.ም.)፡ ሓሴት ፈንጠዝያ ስኽራንን ኣይኰነን፡ ካልእ እዩ፡ እውነተይና ሓጐስ ካብ ነገራት ኣይኰነን፡ ካብ ምርኻብን ተራኽቦነትን ምስ ካልኦት እዩ ዝርከብ፡ ካብ ቁቡልን ርዱእን ፍቑርን ኰይንካ ካብ ክስምዓካን እዩ ዝምንጭው፡ … ስለምንታይ እዚ ኸኣ ህሞታዊ ረብሓ ዘይኰነስ እቲ ካልእ ከማኻ ሰብ ስለ ዝዀነ እዩ፡ ሓጐስ ካብ ናይ ምርኻብ ሞሳ ዝነቕል እዩ (ዕለት 6 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን) እዩ ይብሉ፡ እቲ በናኒ ዘይኰነ ኣብቲ ኢታእላው ጽምእና ኣብ ዘርውይ ፍቕሪ እዩ ሓጐስና።

ዋዛ ምስ ቁምነር ክህልወካ ጽቡቕ እዩ

ከይዲ ሓጐስ (ጐደና ሓጐስ) ብዋዛን ቁም ነገርን እውን ዝፍጸም እዩ፡ ሰሓቕን ፍሽክታን፡ብዛዕባኻን ብዛዕባ ካልኦት ክትስሕቕ ባህርያዊ እዩ ዓሚይቕ ሰብኣዊ ባህርይ እዩ፡ ናብ ሓሴት ዝቐረበ ሰብኣዊ ባህርይ እዩ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝውለድን እወታዊ ተዛማድነት፡ ናይ ሓጐስ ተዛማድነት ማለት እዩ፡ ክውንታውነት ከይሰሓትካ፡ እወታውን ሃብታም ብተስፋ ኰይንካ ንኻልኦት እተብርህ ትኸውን፡ ናይ ኣነነት ወይ ናርሲስነት ፈተና ንኸተሰንፍ ባዕለ ተመሓዳሪ ምዃን የድሊ (ንናይ መክብበ ክርስቲያን ተቕዋማት ተመሃሮ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን)። ከምቲ ቸስተርቶን ኣማልኽቲ ስለምንታይ ከምዝነፍሩ (ኣኽናፍ ከምዘለዎም) ትፈልጡ ዶ? እወ ካብ ካብ ዘየድሊ ነገር ገዛእ ርእሶም ንኽኣልዩ መታን እዩ፡ ዝበሎ ጠቒሶም፡ ስለምንታይ ብዙሓት ግዲ ስለ ዘይገብሩሎም እውን እዩ፡ ኣንሕና እውን ክምኣቶም ንዅን፡ ካብ ዘየድሊ ነገራት ገዛእ ርእሶም ዝኣልዩ ንኹን እንክብሉ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ጠቒሶም፡ ንሓጐስ ዝተፈጠርና ኢና ኢሎም።

ኣመስጋኒ ምዃን (የቐንየለይ ምባል ዝፈልጡ ምዃን)

ሓሴት ንገዛእ ርእሱ በቢ ዕለቱ እትዕደሎ ጸጋ ርኢኻን ኣለሊኻን ምኽኣል ማለት እውን እዩ፡ ምድናቕ ስለ ናይ ሕይወት ጽባቔን ስለ እቲ ዕለታዊ ሕይወትና ቅርጺ ዘትሕዝዎ ዕለት ብዕለት ዝኽሰት ዓብይን ንእሽተይን፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብነት እቲ ኣብ ቅድሚ ንቑጽ ሕብስቲ ወይ ከኣ እቲ ወጅሁ ተንኪፍዎ ስለ ዝሓልፍ ዝነበረ ንፋስ እውን ከይተረፈ ውሽጡ ዝትንከፍ እሞ ዘመስግን ዝነበረ ቅዱስ ፍራንቸስኮ እናመላኸቱ (ሓዋርያዊ ምዕዳን ተፈስሁ ወተሓሰዩ, 127 ረኣ)፡ ገለ ገለ እዋን ትኩዝ ምዃን ምስ ኣመስጋኒ ዘይምዃን ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምሉእ ብምሉእ ዕጽው ካብ ምዃን ዝነቅልን ንናይ እግዚኣብሔር ህያባት ንምልላይ ብቕዓት ዘይብልካ ካብ ምዃን ዝነቕል እዩ፡ ብሓሴት ምንባር ማለት ግና ኣገዳሲ ዝዀነ ብቑጥቡነትን ብምምቕራሕን እቲ ዘሎካ ዕለት ብዕለት ካብት ሃርጓፍ ኣህላኽነት ብዘሕሮ ከበድ ከይተጋረድካ ብናይ ነገራት ሰናይነት ብምድናቕ ምስትምቓር ማለት እውን እዩ (ኣስተንንቶ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 29 ጥሪ 2019 ዓ.ም.)። ሰናይን ጽቡቕን ክርእይ ዝኽእልን ዘመስግንን ውዳሴ ዘቕርብን ልቢ፡ ክሕጐስ ዝኽእል ልቢ እዩ።

ምሕረት ምሃብን ምሕረት ምሕታትን ምፍላጥ የድሊ

ኣብቲ ነድርን ቅርሕንትን ዝተመልኤ ልቢ ንሃሴት ቦታ የልቦን፡ ዘይምሕር ቅድም ቀዳድም ንገዛእ ርእሱ እዩ ዝጐድእ፡ ጽልእ ትካዜ እዩ ዝወልድ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና እቲ ንኻልኦት ኣብ ምምሓርን ምሕረት ኣብ ምሕታትን ዝርከብ ሓጐስ ይዛረቡ፡ ናይዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ኣናስር ኣብቲ ብእግዚኣብሔር ዝተመሓርካ ምዃንካ ኣብ ዘሎካ ምስትውዓል እዩ፡ ቅዱስነቶም ነቢይ ሶፎኒያ፥ ኦ ጽዮን ዘምሪ ሕዝቢ እስራሔል ብሓጐስ ዕልል በሉ ኢየሩሳሌም ብዅሉ ልብኺ ተሓጐሲ፡ ባህ ከኣ ይበልኪ፡ እግዚኣብሔር ንመቕጻዕትኹም ኣርሓቖ ንጻልእትኹም ሰጐጎም፡ እግዚኣብሔር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኩም ኣሎ (ምዕ. 3, 14-15) ዝብል ጠቒሶም፡ እግዚኣብሔር ምሒሩካ እዩ እሞ ገበናትካ ስለ ዝተሓደገልካ ገበነይና ኣይኰንካን፡ ስለ ዝመሓረካ እውን ገበናትካ ረሲዕዎ እዩ፡ እቲ ዘሕዝን እቲ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ካብ ምስትውዓሉ ንበኵር ምዃንና እዩ ፡ እዚ ኣብቶም ትኵዛት ሰባት እንርእዮ ኵነት እዩ። ሓደ ፈላስፋ፡ ክርስቲያን መድሕን ከምዘለዎም ይዛረቡ፡ ኣነ ክኣምኖም እየ ዝደልይ፡ ዝኣምኖም ግና ናይ ዝደሓኑ ወጅሂ ምስ ዝህልዎምን ኣብ ምድሓኖም ዘሎ ሓጐስ ኣብ ሕይወቶም ምስ ዝርእይ ግና (ዕለት 21 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት)። ምሕረት ልቢ የዕብይን ተመቓራሕነት ይወልድን፡ ሓድነትን ሰላምን ይጽግው (ዕለት 26 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር)።

ናይ ዕዮን ዕረፍትን ሓሴት

ምስ ካልኦት ሓቢርካ ኣብ ምዕያንን ንኻልኦት ቅኑዕን ሕውነታውን ዓለም ኣብ ምሕናጽ ዘሎ ሓጐስ ተመክሮ ምግባር የድሊ፡ እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ዕለታዊ ድኻም ኵሉ ብመንፈስ እቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ብጽዕና ዝሃቦ ትምህርቲ ምንባር፡ እዚ እዩ እቲ ኢየሱስ ዝሓበሮ ጐደና እውነተይና ሓሴት (መልእኽቲ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2014 ዓ.ም.)። እቶም ንእዚኣብሔር ቦታ ዝህቡ ተራን ገርሀይናታትን ትሑታትን ሕጉሳት እያቶም። ስለ ካልኦት ንብዓቶም ዘፍስሱን ስለ እቲ ዝኣበስዎ ዝነብዑን፡ እዚኣቶም ሕያዋን እያቶም። ስለ ፍትሒ ዝጣበቑን ዝቃለሱን እያቶም። ንኻልኦት ምሕረት ዝህቡን ናይ ልቢ ንጽሕና ዝዕቅቡን ወትሩ ምእንቲ ሰላም ዝዓዩን ኣብ ሓሴት ዝተርፉን፡ ንማንም ዘይጸልኡ ዋላ ኣብ ስቓይ እውን እንተሃለዉ ንኽፋእ ብግብረ ሰናይ ዝምልሱ እያቶም (ዕለት 1 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣስተንትኖ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር)። ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብጽዕና መሳጥን ዘደንቕን ተግባራት ኣይሓትትን፡ ንጀጓኑ ዝምልከት እውን ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ንዅሎም ነቶም ደለይቲ እግዚኣብሔር ንዝዀኑ ኣገባብ ሕይወት እዩ፡ ብገርሄይናታትን ተራን ኣብቲ ክፋእ ዝተመልኦ ዓለም ነቲ ዘሎ ክፋእ እውን እናተንፈሱ ዝነብሩ እውን እንተዀኑ ኣብ ጉዕዞኦም እቲ ብኢየሱስ ዝተመልከተ ኣሰር ዘይስሕቱ እያቶም። ኣብ ድኻሞምን ምዕራፎምን ምስኡ ሓቢሮም ጉዕዞኦም ብሓጐስ ንኽፍጽሙ ወትሩ ምስኡ (ኢየሱስ) ኣብ ምዃን ዝነብሩ እያቶም።

ጸሎትን ሕውነትን

በቶም ተስፋ ዘቑርጹ ኣብ ሕይወት ዘጋጥሙ ውድቀታትን ፈተናታትን ምኽንያት እቲ ናብ ሓጐስ ዘቕንዔ ጉዕዞ ኣሸገርን ዝተሓላለኸን ኰይኑ ከምዘሎ ቅዱስነቶም ሓቢሮም፡ ስለዚህ ተስፋ ከይቑረጽን ኢድካ ከይወሃብን ዝድግፉ ክልተ ነገራት የመላኽቱ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ ጸሎት ምጽናዕ ዝብል ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ በይንኻ ዘይምጉዓዝ ዝብል እዩ እንክብሉ ይምዕዱ፡ ዋል’ኳ ገለ ገለ እዋን ኣጻምእ እውን ይምሰል እግዚኣብሔር ንጸሎት ዝምልስ ምዃኑ ርግጸይናነት ክህልወና ይግባእ፡ መላእ ሕይወትና ዘሰንይ ኣጻምእ እውን እንተዀነ፡ እግዚኣብሔር መልሲ ካብ ምሃብ ፈጺሙ ዝቦክር ኣይኰነን (ዕለት 9 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ) ይብሉ። ጸሎት ክውንነት ዝልውጥ እዩ፡ እዚ ሓደራኹም ኣይንረስዓዮ፡ ወይ ነገራት ይልውጥ ወይ ከኣ ልባትና ይልወጥ፡ ወትሩ ምልዋጥ የስዕብ፡ ገና ብዓንተውኡ ጸሎት ዓወት ኣብ ልዕሊ በይናውነትን ተስፋ ቁርጸትን እዩ፡ ኣብ ሕይወትና ካብቲ ዝወደቕናሉ ከተንስኣና ቢሉ ኣእይዳዉ ዝዝርግሓልና ኣሎ፡ ስለምንታይ እግዚኣብሔር ዘድሕነና ኣካል ሓደ ሕዝቢ ብምግባር እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ካብ ውልቃውነት ፈተና ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ዓለም እቲ ዝበለጸ ንበይንኻ ምጉዓዝ እዩ ኣብ ዝብል ስብከቱ ሓደራ ክየእምነኩም፡ ኣብ በይናውነት ምብጻሕ ዝበሃል የሎን፡ ምትራፍ እንተዘይኰይኑ፡ እወ ኣብ ሕይወት በዓል ዲል ኣብ ምዃን ከብጽሓካ ይኽእል ይኸውን ብዘይ ፍቕሪ፡ ብዘይ ብጻይ ብዘይ ናይ ሓደ ሓዝቢ ኣካል ምዃንን ብዘይ እቲ ብሓባር ንዅሉ ብድሆታትን ስግኣትን ኣብ ምግጣም ዘሎ ሰናይ ተመክሮ እውነተይና ምብጻሕ የሎን፡ ኣብ በይናውነት ጉዕዞ የሎን (ኣብ ቪልኒዩስ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ምስ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ)።

ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ምሕዳግ (ምጥንጣን)

ኣብ ሕይወት ናይ መስቀል ግዜ ዘሎ እዩ፡ እግዚኣብሔር ኣበይ ኣሎ ወይ እግዚኣብሔር ከምዝጠንጠነካ ክስምዓካ ዝገብር ጽልሙት ኩነት ኣሎ፡ ኣብዚ ጽሞናን ስቑታን እግዚኣብሔር’ዚ ብዝበለጸ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኢዱ ምጥንጣን እዩ ዘድሊ፡ ኣብ ኢዱ ገዛእ ርእስኻ ምስእተንብር ናብቲ ቀዳማይ ደርቢ ሓጐስ ዝዀነ ሰላም ትድይብ፡ እቲ ገዛእ ርእኽ ንኣኡ ኣብ ምሕዳግ ዘውሕዞ ጥልቂ ሰላም፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ዘየዕንዎ መለኰታዊ ሓጐስ፡ ኣብ ዘጋጥም ዘበለ ኩሉ ቀጻልነት ዝህልዎ፡ ካብቲ ኣብኡ ዘሎካ ርግጸይናነት ዝወልዶ ብርሃን፡ ኣብ መከራን መስቀልን እዋን ዘይፍለይ ብርሃን ይኸውን፡ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋታት ኢተጸንቃቕያን እያቶም። ምሕረቱ ፈጹሙ ዘይጽንቐቕ እዩ፡ ስለምንታይ እማኔኡ ዓቢይ ስለ ዝዀነ፡ ኢየሱስ ከምዝብሎ፡ ሓዘንኩም ጓሂኹምን ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ፡ ነዛ ሓጐስ እዚኣ ማንም ካባኽም ኣይከጥፍኣን እዩ። ሓድሽ ብስራት እቲ ካብ ደቃቱ ኵሎም ሓደ እውን ክጠፍእ ዘይደሊ ኣቦ ኣሎ ዝብል ዝፈጥሮ ሓሴት እዩ (ናይ ወንጌል ሓሴት ፍቕዲ 237 ረኣ)።

ከምእተፈቐርካ ምፍላጥ

እውነተይና ሓሴት ምስ ኢየሱስ ካብ ምርኻብ እዩ፡ ንሱ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ከምዘፍቀረና ኣብ ምእማን እዩ፡ ስለዚህ ሓሴት በቲ ኣቦ ዝዀነ እግዚኣብሔር ፍቑር ምዃንካ ካብ ምፍላጡ እዩ፡ ሓሴት ናይ ጻዕርታትና ውጽኢት ዘይኰነስ ናይቲ ልባትና ብሓሴት ንኽመልኦ ናይ ዘርህዎ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ እዩ። እግዚኣብሔር ካብ ድርዕና ንኸውጽኣና እንተድኣ ፍቒድናሉ ሽዕኡ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ፥ ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣሎዅ (ፊሊ. ምዕ. 4,4) ዝብል ኣባና ክኸወን እዩ፡ (ተፈስሑ ወተሓሰዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን, 122 ረኣ)፡ ቅዱሳት ይብሉ ቅድስናኦም ልዕለ-ሰብ ስለ ዝዀኑ ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ምንጩ እቲ ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝዀነ ኣብ ጥልቂ ነፍሲ ዝነብር እውነተይና ሓሴት ዘለለዩን ዝረኸቡን ኣብ ምዃኖም እዩ (ዕለት 1 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ሞልሞ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝከገስዎ ስክበት)። ሓጐስ ወይ ሓሴት ኣብ እትረኽቦም ነገራት ወይ ከኣ ኣብ እትዀኖን ዘይኰነስ ምስ ጐይታ ኣብ ምዃንን ስለ ፍቕሪ ኣብ ምንባርን እዩ (ዕለት 1 ሕዳር 2017 ዓ.ም ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር)፡ ስለምንታይ ንኸይንመውትን ናይ እግዚኣብሔር ሓሴት ከነስተማቕርን ስለ ዝተፈጠርና (ዕለት 1 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር)።

21 March 2019, 17:06