ድለ

ስለ እቲ ዘይሕለል ጻዕረንን ተወፋይነትንን ስለ እቲ ዘይሕለል ጻዕረንን ተወፋይነትንን  

ቅዱስ ኣቦና፥ ኣገዳስነት ናይ ንስሓ ሊጡርጊያን ምክንኻን ተፈጥሮን

ኣብ መወዳእታ 85 ዓመት ዝዕድመኤን ቅዱነቶም ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጒይ ዝተራኸብወን ኣብታ ሃገር ዘገልግላ ንዘለዋ ኢጣሊያዊት ተወላዲት ኣብ ክፍለ ሃገር ሳርደኛ እናቴ ማሪያ ኮንቸታ ኢሱ ብስመን ጸዊዖም ናብኦም ንኽቐርባ ዓዲሞም ስለ እቲ ዘይሕለል ጻዕረንን ተወፋይነትንን ኣገልግሎተንን ኣመስጊኖም ናይ ክብሪ ስልማት ከምዝሃብወን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶ ዛዚሞም፥ ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንፈሳያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኣገዳስነት ናይ ንስሓ ሊጡርጊያን ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ሓቢሮም፡ ንእናቴ ማሪያ ኮንቸታ ኤሱ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 29 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጸሞ ዝካየድ 24 ሰዓት ንጐይታ እተሰየ መደብ ናይ ንስሓ ሊጡርጊያ መሰረት ምስጢረ ንስሓ ክሰርዑ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም

ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያንና ኣብታ ዕለት እቲኣ ምሕረት እግዚኣብሔር ክሕተተለንን ነዚ ምሕረት እግዚኣብሔር’ዚ ብምስጢረ ንስሓ ንምእንጋድ ክፉታት ኰይነን ክርከባ ክንደይ ባህ ምበለኒ …

ፍጥረትን ተፈጥሮን ምክንኻን

ቅዱነቶም ነቶም ካብ ፖላንድ ንዝመጹ መንፈሳያን ነጋዶ ሰኣምታኦም ኣቕሪቦም፡ ዕለት 28 መጋቢት 2019 ዓ.ም ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ካብ ፖላንድ ዝመጸ ኰርችያ ዓይነት ኦም ክትከል ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፥

ቅድስቲ መንበር ዕለት 30 መጋቢት 1919 ዓ.ም. ናጻ ረፓብሊካዊት ሃገአረ ፖላንድ ኣፍልጦ  ከምዝሃበትን ብዙሕ ከይወዓለትን ከይሓደረትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ እውን ከምዘበገሰትን፡ እዚ ዝትከል ኦም ነዚ ዘዘኻኽርን ከምኡ እውን ፖላንድ ኣብ ምክንኻን ፍጥረን ተፈጥሮን ናይ እተካይዶ ህርኵት ጻዕሪ ትእምርቲ እዩ፡ ስለ ናጽነትና ንእግዚኣብሔር ነመስግን ናጽነትና ንመንፈሳውን ባህላውን ማሕበራውይን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ኵለንታዊ ዕብየትን ዝድግፍ ክኸውን ወትሩ ንጸልይ።

እናቴ ማርያ ኮንቸታ

ኣብ መወዳእታ 85 ዓመት ዝዕድመኤን ቅዱነቶም ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጒይ ዝተራኸብወን ኣብታ ሃገር ዘገልግላ ንዘለዋ ኢጣሊያዊት ተወላዲት ኣብ ክፍለ ሃገር ሳርደኛ እናቴ ማሪያ ኮንቸታ ኢሱ ብስመን ጸዊዖም ናብኦም ንኽቐርባ ዓዲሞም ስለ እቲ ዘይሕለል ጻዕረንን ተወፋይነትንን ኣገልግሎተንን ኣመስጊኖም ናይ ክብሪ ስልማት ከምዝሃብወን ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

Photogallery

ስለ እቲ ዘይሕለል ጻዕረንን ተወፋይነትንን
27 March 2019, 17:37