መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ህላዌ እግዚኣብሔር ንምስትውዓል ምክንኻን ልቢ መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ህላዌ እግዚኣብሔር ንምስትውዓል ምክንኻን ልቢ 

መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ህላዌ እግዚኣብሔር ንምስትውዓል ምክንኻን ልቢ

እቲ ዝመጽእ ኢየሱስ ጐይታ ንኸይንፈልጥ ዝዕንቀጸና ፍርሒ ዝግስጽ ጥማቶ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝናዘዞ፡ እዚ ጥማቶ’ዚ ድሮ ልቢ ክልወጥ ይገብር

እቲ በነዲክታዊ ኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ብዘቕርብዎ ኣስተትኖን ስብከትን ዝካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓለፍቲ ዘሳተፈ ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ዕለት 10 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ርማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዝርከብ መለኰታዊ ቤት ድሕሪ ቐትሪ ከምእተጀመረን፡ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ኣብ ድርሰት ግጥሚ ማሪዮ ሉዚ ብምውካስን ኣብ ጆርጆ ላ ፒራን ተክለ ሰብነት ኣማእኪሉ ከምእተኻየደ ልእኽቲጋ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይቲ መንፈሳዊ ሱባኤ መርሕ ቃል ኣብ ናይ ሕይወት ዓለም ፋሲካዊ ርእየትን ወስታን፥ ናይ ከተማ ብርቱዕ ድላይ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ማሪዮ ሉዚ ኣብ 1997 ዓ.ም. ኣብ ዝደረሶ ግጥሚ፥ ስለዚህ እዩ ድማ ኣብዚ ዘሎና ዝበሎ ቃልን ከምኡ እውን ናይ ከተማ ፊረንዘ ከንቲባ ዝነበረ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጆርጆ ላ ፒራ (1904-1977 ዓ.ም.) ተወኪሶም፡ ህላዌ እግዚኣብሔር ኣብ ከተማታትና ብሰፊሕ ኣብሪሆም፡

ኣተኵሮ ናብ ናይ ከተማታት ምድረ በዳ

ናብ ከተማ ዘተኵር ጠመተ፡ ናይ ጸጋን ሞሳን ምስጢርን ማለት ጠመተ እምነት ኰይኑ፡ እታ ብጀካ ሓሙኽሽትን ዶሮናን ብጠቕላላ ሕይወት ኣልቦ ዝዀነ ካብቲ ሃል ሃል ዘይብልን ዘየማሙቕን ብርቱዕን ውዕዉዕን ድላይ ዘየጓሃህሮ ኵነት ኣብ ዝረኣየሉ፡

ካብ ላዕሊ ዝነቕል ትኳሮ እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ናይ ክፍኣት መንፈስ ዝደልዮ ነቲ ናይ ዓለም ነገራት ንምቁጽጻርን ንምምላኽን ንምዅናትን (ንምውሳኑን) ዘይኰነስ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝነቕል ትኳሮ (ኣተኵሮ) ካብ ቃል እግዚኣብሔር ዝነቕልን፡ ኣስተንትኖኣውን ሞሳን ኣድላይ እንተዀይኑ እውን ንቑሕን ነቢያውን፡ ጥማቶ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ጥማቶ’ዚ ብዙሕ እዋን ከተማታትና ምድረ በዳ ምዃነን ንምስትውዓል ዘጸግሞ ኣይኰነን፡ ውሽጢ ውሳጠ ዝርእይ ጥማቶእዩ።

ናይ ፍቕሪ ሓዊ ዳግማይ ምውላዕ

ገዳማዊ ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ፡ ብወንጌል ሓድሽ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ንምውፋይ ነቲ ሓዊ ፍቕሪ ዳግም ዝውልዕ ዓይነት ምጥማት ኣገዳሲ ምዃኑ እንከርሁ፡

ሓንቲ ከተማ፡ ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፍቕርን፡ ኵለን ከተማታት ዓለም እውን፡ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ነቲ ናይ ፍቕሪ ሓዊ ዳግማይ ንምኹላዕ ዝከኣለን እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማታትና ምስጥራዊ ጥማተ ንምንባር ማለት እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን እቲ ንኽንክን ጉስነትና ዝተዓደሉና ነፍሳት ብምክንኻን እቲ ንጉስነትና ካብ እግዚኣብሔር ዝተወሃበና ሕዝቢ፡ ንመላእ ሰብኣውነት ብርቱዕ ዘወዓውዕ ህያው ድላይ ክኸውን ኣለዎ፡ ከተማታትና ናይ ጽባቔን ሰላምን ፍትሕን ስኒትን ናይ መጠንን ስፍራ መታን ክዀና፡

ፍቕሪ ኣብ ዘለሉ ጥማቶ ኣሎ

ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ሰቂለ ህሊናዊ ኤቮ ሪካርዶ ዘቕዱስ ቮቶረ፥ ፍቕሪ ኣብ ዘለሉ ጥማቶ ኣሎ እንክብል ዝገለጾ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ጐይታ ኣብ ታሪኽና ኣብ ሕይወትና ኣሰሩን ጭብጥታትን ከንብር ዘይደክም እዩ፡ ኣብዚ ፍቕሪ’ዚ እዩ ነቲ እገልጋሊ እግዚኣብሔር ላ ፒራ ኣብ ልዕሊ እታ ከንቲባ ኰይኑ ዘገልገለላ ከተማ ዝነበሮ ጥማቶ ከነስተውዕሎን ክንርድኦን እንኽእል፡ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ ኵሎም እቶም ዝራኸብዎ ዝነበሩን ዝተነብረ ጥማቶ፡

ተስፋ ዝተነብሮ ንቑሕ ፋሲካውነት ዘህልውን ከበድን ሓደጋታትን ኵላዊ ሕውነታውነት ዝደክም ዝመስለሉን እንንበረሉ ህልው ኩነታት ከነስተውዕል የብቅዓና፡ ናይ ሕውነት ሓይሊ ናይ ሓድሽ ክርስትና ዶብ እዩ።

ናይ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ጥልቃዊ ስጋን መንፈስን ዝርዝራቱ ኵሉ፡ ኣብቲ ፍቕርን ናይ ሓድሽ ፍጥረት ምልክታ ብልጭ ዝብለሉ፡ ኣባና ቅርጺ እናሓዘ ዝኸይድ፡ እዚ ብልጭታ ፍቕሪ ሓድሽ ብርሃንን ሓውን ናይቲ እናተረጋገጸ ዝኸይድ ኣብ ግብሪ ዘሎ ተኣምረ ትንሳኤ እዩ።

ብኢየሱስ ንኽንጥመት ገዛእ ርእስና ንፍቀድ (ሕራይ ንበል)

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘዘኻኽሩና ሰብኣውነት ካብ ኢየሱስ ዝብገስ እዩ፡ ብዕለታዊ ድኻም ዝገማማዕን ብሓጥያት ምልኩት ዝኸውን ሰብኣውነትና ዳግማይ ንዝፈጥርን ሓድሽ ንዝገብርን ነቲ ዝሞተን ሞት ስዒሩ ዝተንስኤን ወጅሂ ክርስቶስ ንጠምት፡ ነቲ ወጅሂ ምሕረት፥

ብኣኡ ንኽንጥመት ገዛእ ርእስና ንፍቀድ (ሕራይ ንበል) ኢየሱስ ሰብኣውነትና እዩ፡ በቲ ንስኻትኩም ከ መን ትብሉኒ ዝብል ሕቶኡ ኣባና ሃውጺ ንኸሕድር ንፍቀድ፡ ከምቲ ንሱ ዝጥምቶ ምጥማት መታን ክህልወና ብኣኡ ንኽንጥመት ንፍቀድ፡ እቲ ሃብታም መንእሰይ፡ ኢየሱስ ጠመቶን ኣፍቀሮን፡ ንዘኪዮስ ዝረኸቦ ጥማቶ፡ ካብ ላዕሊ ኦም ኰይኑ ዝጥምት ናይ ዘኪዮስ ምጥማትን ናይ ናይ ኢየሱስ ናብ ዘኪዮስ ዘበለ ምጥማት ይራኸቡ።

ኣብ ለውጢ(ምልዋጥ) ዘሎ ልቢ

እቲ ዝመጽእ ኢየሱስ ጐይታ ንኸይንፈልጥ ዝዕንቀጸና ፍርሒ ዝግስጽ ጥማቶ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝናዘዞ፡ እዚ ጥማቶ’ዚ ድሮ ልቢ ክልወጥ ይገብር።

ንስኻ ንልብኻ ዘይተቃልበሉ እንተድኣ ኰይንካ ኢየሱስ ይበጽሓካ ከምዘሎን ወይ ከኣ ዘይበጽሓካ እንተድኣ ኰይኑ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን፡ ዝኽሪ፡ ተዘክሮ ብምግባር ከኣ ኣብ ታሪኽና ህልው ዝዀነ እግዚኣብሔር ዘስተውዕልን ናብቲ ብሩቱዕን ውዕዉዕን ተሰሚዑን ተነጊሩን ዘይፈልጥ ተስፋ ዝኽፈት ልቢ ከነስተንትን ኢና፡

ንጐይታ ኣብ ቅድሚ የዕንትኻን ኣብ ኢድካ ምሓዝን

ገዳማዊ ጸዋዕታ፡ ጽዋዔ ንተራን ንነቢያውን ሕይወት እዩ፡ ተልእዀኡ እውን ንሱ እዩ፡ ንኢየሱስ ኣብ ቅድሚ የዕንትኻ ምንባርን ኣብ ኣእዳውካ ምሓዝን እዩ፡ ካልእ ዘድሊ ነገር የሎን፡

ሕይወት ንሱ እዩ፡ ተስፋ ንሱ እዩ፡ መጻእነት ንሱ እዩ፡ ገዳማዊ ወይ ውፉይ ሕይወት እዚ ራእይ’ዚ ዘለዎ እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን፡ ኣብ ህልው ዓለም ብዙሓት እውን ዘቃልብሉ ኣይዅን ንህላዌ እግዚኣብሔር ዝጥምት እዩ፡ ነዚ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ንውፉያንን ገዳማውያንን ብምኽንያት በዓለ በኣቱ ዘእግዚእነ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝበልዎ እዩ፡ እዚ ቃል’ዚ ንዅላትና ዝዛረብን ኣባና መሊሱ ዘቃልሕን እዩ።

እንክብሉ ኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዛዚሞም።

መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ህላዌ እግዚኣብሔር ንምስትውዓል ምክንኻን ልቢ

Photogallery

መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ህላዌ እግዚኣብሔር ንምስትውዓል ምክንኻን ልቢ
11 March 2019, 16:34