ሳልሳይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ኣብ ዓቢይ ጾም እግዚኣብሔር ጽባቔና ዳግም ንኽሕድስ ንፍቀደሉ ሳልሳይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ኣብ ዓቢይ ጾም እግዚኣብሔር ጽባቔና ዳግም ንኽሕድስ ንፍቀደሉ 

ሳልሳይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ኣብ ዓቢይ ጾም እግዚኣብሔር ጽባቔና ዳግም ንኽሕድስ ንፍቀደሉ

ነቲ ናብ ዘይተገዳስነትን ምኽዋልን ዘብል ምርጫ ምልስ ቢልና ንሕሰብ ነዚ ኩነት’ዚ ነስተውዕል፡ ገዛእ ርእስኻ ንምድሓን ገዛእ ርእኻ ምኽዋል ዝብል ኣነባብራ ፈጺሙ መከላኸሊ ኰይኑ ኣይፈልጥን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ኣባይቲ ሓለፍትን ዝርከብዎም ብሓባር ካብ ዕለት 10 መጋቢት ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣሪቻ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ዓቢይ ጾም ሱባኤ ይቕጽል ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 12 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ በነዲክታዊ ናይ በነዲክታውያን ኣብ ኢጣሊያ ከባቢ ፊረንዘ ኣብ ዝርከብ ጐቦ ቅዱስ ሚኒያቶ ገዳም ኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ሳልሳይ ስብከት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣለሳንድሮዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መንእሰያት ገዛእ ርእሶምን ካልኦትን ንኽቕበሉ መታን ብዛዕባ ጽባቔ ንዛረቦም፡ ገዛእ ርእስኻ ካብ ካልኦትን ካብ ሓላፍነትን ካብ ክውንነትን ካብ ሕይወት ከባቢኻን ከተማኻን ምሒኻ ምውጻእን ጽባቔ ንምድላይን ካብቲ ብእግዚኣብሔር ካብ ምፍቓርካን ብተራኻ ንኣኡ ካብ ምፍቃር ንምክልኻል፡ ነቲ ናብ ዘይተገዳስነትን ምኽዋልን ዘብል ምርጫ ምልስ ቢልና ንሕሰብ ነዚ ኩነት’ዚ ነስተውዕል፡ ገዛእ ርእስኻ ንምድሓን ገዛእ ርእኻ ምኽዋል ዝብል ኣነባብራ ፈጺሙ መከላኸሊ ኰይኑ ኣይፈልጥን ኣይክኸውንን እውን እዩ፡ ውርደትን ግብረ እከይን ደምን ዘይተገዳስነትን ዝብል ናይ ማሪዮ ሉዚ ነቲ ኣብ ፊረንዘ ዝርከብ ገዳም ዘወፈዮ ኣብ 1997 ዓ.ም. ወርሒ ታሕሳስ ዝተሃወኸ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሶ ግጥሚ ዝተነበ እዩ፡

ኣቝሳል ናይ ከተማ ምጥማን፡ ዓወት ክውንነት ኣብ ልዕሊ ሚሳል

ሉዚ ነቲ ግጥሚ ክደርስ እንከሎ ነቲ ኣርባዕተ ዓመት ቅድም ቢሉ ዝተፈጸመ ኣርባዕተ ንጹሓን ዜጋታት ንሞ ዝዳረገን ዕንወት ዘስዓበን ማፍያዊ ግብረ ሽበራ እናሓሰበ እዩ፡ ነቲ ናይታ ከተማ ኣቝሳል እናሓሰበ እዩ፡

ካብቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራን ዘስዓቦ ዕንወትን ነቒልና ነቲ ኣብ ከተማታትናን ኣብ ዓለምን ዝርአይ ኣቑሳል ዝተፈላለየ ዓይነት ኢፍትሓውነት ምልኩት ዝዀነሉ ኵነት ሕስብ ነብል፡ ነዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝምህሩና ክውንነት ኣብ ቅድሚ ሚሳል ዕዉት ምዃኑ ፈሊጥካ ክውንነት ብጥሬኡ ምስትውዓል የድሊ።

ገዛእ ርእስኻ ካብ ካልኦት ንምክልኻል ገዛእ ርስኻ ምኽውዋል

ሰባኬ ሱባኤ ኣባ ጃኒ፡ ሰለስተ ምልክታ ግብረ እከይ፥ ሸለልተይንናነት (ዘይምግዳስ) ጸረ ግብረ ሰናይነት፡ ድንዛዘ ልብን፡ ጥማቴና ድብዙዝን ድቡንን ዝገብር እዩ፡ ቻርለስ ታይሎር ነዚ ሓሳብ’ዚ ገዛእ ርስኻ ምኽዋል ማለት ምዃኑ ይገልጾ፡

እዚ ማለት ልክዕ ገዛእ ርስኻ ንምክልኻል ቢልካ ኣብ ልዕሌኻ እተንብሮ መኸወልን ካልኦት ከም ገዛእ መንነትካ ዘይኰነስ በቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንብሮ መኸወሊ ኣቢሎም ከንብቡኻ ምግባር፡ ካብ ካልኦትን ካብ ሓልላፍነትን ክዉል ምዃን፡ ስለዚህ እዋናዊ ኵነት በቲ ጐይታ ብመንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኣብ ልባትና ክውላዕ ብዝደልዩ ብናይ ውዕዉዕ ወንጌላዊ ብርሃን ምርኣይ ይጠልብ።  

ሚሳላዊት ከተማ ብዘይ ምሕላን ክውንነት ምጥማት

ሰባኬ ሱባኤ ኣብ በርናዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሉተራናዊ ዳይትሪኽ ቦንሆፈር ጠቒሶምን እዚ ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ትውልዲ ዝነብሮ ሻቕሎት ኣማእኪሎም፡ ንመጻኢ ትውልዲ ሓዲግናሉ ንኽንሓልፍ ዝብል ብስሩት መንፈስ ጸረ ሰረተ ሓሳብ ዘይተገዳስነትን ዝብል ካብቲ እንነብሮ ዘሎና ህልው ኩነት ዝበለጸ መጻኢ ኩሉ ብውዕዉዕ መንፈስ ዝሳተፈሉ ተኻእሎነት  ቀንዲ ልባዊ ኣመተና እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ሮማኖ ጓርዲኒ፥ እዚ መጻኢ’ዚ ብሓባር ምስ ጐይታ ክውን ንምግባር መጻእነት ብሓላፍነት ክንቅበል የተሓሳስበና።

ሚሳለኣዊት ከተማ ወይ ዝዀነ ዓይነት ኡጦቢያዊት ከተማ ብዘይምሕሳብ ክውንነት ብጥሬኡ ምጥማት የድሊ፡ ኡጦብያውነት ንገዛእ ርእሱ ብሓቂ እንተድኣ ርኢኻዮ ወንጌላዊ ርእየት ኣይኰነን፡ እቲ ራእያዊ ዮሓንስ ዘማዕድዎ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ብሉ ዝገልጾ ቃል ኡጦቢያውነት ኣይኰነን፡ በንጻሩ እሙን ዝዀነ ጐይታ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈተናታት ዘረከባ ክውነት ዘለዎ ቃል ኪዳን እዩ

ስለዚህ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ተግባር ክኸውን ዘለዎ ይብሉ ኣባ በርናዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ፥ ፍርያምነትን ተኣዛዝነትን ሰማዕነትን በቲ ናይ ኢየሱስ ሕይወት ወንጌል ምሱጥነት እዩ ዝኽወን፡ ናይ ማሪዮ ሉዚ ግጥሚ ነቲ ብሕይወት ቅዱሳት ምልኵት ዝዀነ ባህሊ ከነስተውዕል የድግፈና፡ ብቕድስና እዋናዊ ኵነት ኣብ ለይታዊ ዓለም ናይ ተስፋ ብርሃን ንኸውን።

ምሕውነት ሰብ ካብ ናይ ከተማ ሕይወት

ዕለት 2 ጥቅምቲ 1955 ዓ.ም. ናይ ፊረንዘ ከተማ ከንቲባ ላ ፒራ ኣብ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ዓውደ ጉባኤ ከናትብ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ናይ እዋንና ቅልውላው ካብ እውነተይና ሰብኣውነት ነቲ ካብ መጠን ንላዕልን ልዕሊ መጠን ምባል ዘስዕቦ እዩ እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ ጠቒሶም፡

ናይ እዋንና ቅልውላው ሰብኣውነት ካብቲ ዘህውዮ፡ ምስ ከተማ ዘለዎ ስሩዕን ኣካላዊ ተራኻብነትን ኩሉ ምምሓው ዘስዕቦ እዩ፡ ማለት እዚ ቅልውላው’ዚ ብኻልእ ሓድሽ ዓሚዩቕ ዝዀነ እቲ ሰብ ኣብ ታሪኽን ዝተወለደላን ከተማን ኣብቲ እታ ከተማ እትውቲ ዝዀነትሉ ባህሊ ሰረታዊ ብዝዀነ ስሩዕነትን ኣካላውነትን ዝተወልደ ክኸውን ብምግባር ዝፍታሕ ኣይኰነን፡ ምሑውነት ብምኽራር ሰረታውነት ኣይፍታሕን፡ ክልቲእዩ ጽንፈይናውነት ምዃኑ እዩ ዘስምዕ።

ናይ ጽባቔን ናይ ሚዛናውነትን መድሃኒት

ናይ ዘይተገዳስነት ሸለል ንኽትብል ዝድርኽ ናይ ምኽዋልን ምሑውነትን ንዅሉ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሰብ እውን ዝምልከት ነቲ መጻኣተይና ዘግልል ከም ክፍሊ ሕብረተሰብ ንኸይረአይ ዘኽፍል የኽፍል ቀረባኡ ንኸይንኸውን ዝድርኽ ቃል እግዚኣብሔር ብምስጋው ክስነፍ ኣለዎ… ናይ ዘይምግዳስ ፈተማ መድሃኒ ጽባቔን ሚዛናውነት እዩ። ጸረ ዝዀነ ይኹን ውልቃውነት ቤተ ክርስቲያን እቲ መግለጺኣ ዝዀነ ሕውነታውነት ኣብ ምምስካር ክትበኵር የብላን፡።

ብርሃን ብምርኣይ ንክውንነት የዕንቲ ምኽፋት

ሲሞነ ዋይል ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ውግእ ዓለም፥ ህይወትና ኣብ ሞግዚትነት መጠን ኣልቦነት ይርከብ … ዝዀነ ይኹን ሚዛናውነት ተበላሽዩ ተማዛቢሉን እዩ፡ ስለዚህ ኣብ መንጐ ሰብን ገዛእ ርእሳውነቱ ኣብ መንጐ ሰብን ነገራትን ክውንታዊ ሚዛናውነት ምድላይ የድሊ። እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ተራእዩ ዘይፈልጥን ቅድስና ብዓቢይ ደረጃ ዝጠልብ እዩ፡ … ንክውንነት የዕንትኻ ምኽፋትን ብርሃን ምርኣይን፡ ሓቀይና ጽሞና ጽን ምባልን፡ እዚ ማለት ከኣ ገዛእ ርእስና ናይ ኵሉ ማእከል ገርና ምሕላን ኣይፋል ዝብሉ ንኹን ማለት እዩ፡ የዕንትና ኣብ ጭቡጥነት ክፉት ገርና ብርሃን እናረኣናን ንጽሞና ጽን እናበልናን ዝርእዩ ንኹን።

ሲሞነ ዋይል ከም እትብሎ እዩ፡ ስለዚህ ካብ ጐቦ ታቦር ኰይና ምርኣይ ዘይኰነስ እቲ ኣብ ጐቦ ታቦር ሓቀይና ምርኣይ ተምክሮኡ ብዝገበረ ዓይኒ ንጭቡጥ ኩነት ምርኣይ እዩ። እዚ ተመክሮ’ዚ ናይ ጽባቔን ተምስጦን ነቶም ትኽስ ብምባል ዝተጸቕጡ ደቀ መዝሙር ዘንቀሔን ዘበራበረን ምርኣይ ማለት እዩ።

ኣንሕና ኣይኰንናን እቲ ማእከል ክርስቶ እዩ

ፍጥረት ኵሉ ጽቡቕን ደስ ዘብልን ኰይኑ እዩ ተፈጢሩ፡ ባዕሉ እቲ ፈጣሪ ዝምስክሮ ሓቀይና ጽባቔ እዩ፥

ኣብዚ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም እግዚኣብሔር ጽባቔና ዳግም ክሓንጾ ንፍቀደሉ፡ ፍቓደይናታት ከይናን ንረኸብ፡ ጽባቔና ኣብቲ እግዚኣብሔርን ሰብ ክፈጥር እንከሎ ባዕሉ ንሱ እፉ እንክብሉ ኣብ ዘንበረሉ መንፈስ እዩ፡ ፍጹም ጻባቔ እቲ ወልደ እግዚኣብሔር እዩ፡ ጽባቔና ንሱ እዩ፡ ስለዚህ ኣንሕና ዘይኰንናስ  እቲ ማእከል ንሱ እዩ፡ እዚ ሓቂ’ዚ ናይ ምዃንና ጽባቔ እዩ።

ቅዱስ ሄሮኒሞ፡ እግዚኣብሔር እዩ ዝፈጥረካ ንስኻ ዘይኰንካን እግዚኣብሔር እትፈጥር ይብል

ሰባኬ ሱባኤ ኣባ በርናዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ይብሉ፡ ቅዱስ ሄሮኒሞስን ቅዱስ ኣጐስጢኖስን ጠቒሶም፡ እቲ ቀዳማይ፡ ገና ሕጂ እውን ሰብ ንምዃን ዝተሰኣነካ ክነስኻ ከመይ ገርካ ኢኻ እግዚኣብሔር ክትኸውን? ዝብል ሕቶ የቕርብ፡ ቅድም ቀዳድም ሰብኣዊ ኩነትካ ዓቅብ እሞ ደሓር ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ክብሪ ክትሳተፍ ኢኻ፡ ንስኻ ዘይኰንካ እግዚኣብሔር እትፈጥር፡ እግዚኣብሔር እዩ ብዕሉ ዝፈጠረካ፡

ኣብዚ እዩ እቲ ኩሉ ናይ ዓቢይ ጾም መርሓ ግብሪ ዝተነብረ፡ እቲ ኵሉ ናትካ ዘበለ ንዓኡ ብኣመኔታ ኣረክቦ ኣብ ናይ ውልደ እግዚኣብሔር ተኣዝዞ ምእዙዝን ተኣዛዝን ኩን፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍጹም ዘደንቕ ስራሕ ንኽትከውን ናይ ወልድ ጥብብን ብልሓትን ኵን!

ቅዱስ ጐስስጢኖ፡ ጽባቔና ንእግዚኣብሔር ኣብ ምፍቃርና እዩ

ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ ዝሃቦ ትንታነ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ፡ እውነተይና ጽባቔ እንታይ ምዃኑን ከመይ ገርና ነቲ ጽባቔ ክንቅበሎ ከምዘሎና የዘኻኽርና፡ ንሱ እንተዘይፍቅረና ነይሩ ምፍቃር ዶ ኣባና ምሃለወ? ዝብል ሕቶ የቕርብ፡ ጸላእቱ እንከለና ፈተውቱን የዕሩኽቱን መታን ንኽንከውን ኣፍቀረና፡ ኣብ ምቃር እዩ ፈታዊ ዝኽወን።

ንመንእሰያት ዛዕባ ጽባቔ ምዝራብ፡ ንሱ እዩ እንኰ ሚዛኖም

ኣብዚ ደጋውነት ጥራሕ ዝብል ዓለም፡ ደጋውነት መዛኒ ኵሉ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓደ መንእሰይ ንኻልእ መንእሰይ ዝቕበሎን ገዛእ ርእሱ እውን ብኻልኦት መንእሰያት ቅቡል ዘግብሮ ደጋዊ ሚዛን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ናብቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፡ ነፍሲ ኣሕዋተይ ብሓጢኣት ምኽንያት መልክዓ ጥፉእ ኰይና እያ፡ ጽብቕቲ እትኸውን ኣብ ምፍቃር ንእግዚኣሔር ጥራሕ እዩ ንዝበሎ ምዕዶ ምንባር የድሊ፡ ጽባቔ ኣብ ምፍቃር ምዃኑ ንመንእሰያት ንንገሮም ንመስክረሎም፡ ንሱ ጽባቔን እንኰ ሚዛኖም እዩ።

ግጥሚ ሉዚ ንናይ ኮሞነ ማርቲኒ ስነ ቅብኢ ብስራተ ገብርኤል

ኦ ብጽእቲ ድንግል ማርያን ካብቲ ቅብኢ ኣይትውረዲ፡ ኣብ ዘልኽሉ ኵኒ ቢለ እምሕጸነኪ፡ ልክዕ ከምቲ ዝርእየኪ ዘለኹ፡ ካብቲ ምስልኺ ኣይትርሓቒ፡ ጽባቔ ማርያም

ብዝብል ግጥሚ ሉዚ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ስብከት ዛዚሞም።

 

13 March 2019, 16:28