ሓምሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ናብ ልቢ እግዚኣብሔር ናይ ምባል ድላይ ዳግመ ርኽበት ሓምሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ናብ ልቢ እግዚኣብሔር ናይ ምባል ድላይ ዳግመ ርኽበት 

ሓምሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ናብ ልቢ እግዚኣብሔር ናይ ምባል ድላይ ዳግመ ርኽበት

ኣበ ምኔት በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ናይ ቅዱስ በነዲክቶስ መምርሒ ጠቒሶም፡ ድላይ እግዚኣብሔር ክትድለይ ምድላይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ኣባይቲ ሓለፍትን ዝርከብዎም ብሓባር ዕለት 10 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣሪቻ ዝጀመርዎ ሱባኤ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 13 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ በነዲክታዊ ኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ኣብ ዘቕረብዎ ሓምሻይ ስብከት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ገጣማይ ማሪዮ ሉዚ ጠቒሶም ሰባኬ ሱባኤ፥ ናብ ህላዌን ወጅህን ልብን እግዚኣብሔር ጥራሕ ንኸተብልን ዝዀነ ዓይነት ዕጽውነትን ዝልውጥ፡ ኣብ ጐደናታት ናይ ሕውነት ተልእዀ ንኽትምስክርን እቲ ዝተቐብልካዮ ፍቕሪ ንኸተኻፍ ዝተወሃበካ ጸዋዕታ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣገባብ ኢጐነት ብምስጋር እሙን ምስክርነት ምቕራብ፡

እዚ መንፈሳዊ ሱባኤ’ዚ ከምቲ ነቢይ ባሩክ ዝብሎ፡ ነፍሲ ወከፍና ናብ ዕለታዊ ሓላፍነትና ከዋኽብቲ ኰይንና ንኽንምለስ ዝድርኸና እዩ፡ ኣብ ጸላም ሰብኣውነት ናይቲ ብርሃን ጭራፍ ኰይንካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምርኻብ።

ቅዱስ በነዲክቶስን ናይ እግዚኣብሔር ድላይን

ኣበ ምኔት በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ናይ ቅዱስ በነዲክቶስ መምርሒ ጠቒሶም፡ ድላይ እግዚኣብሔር ክትድለይ ምድላይ፡ እዚ ድላይ’ዚ እዩ እግዚኣብሔር ዝደፍኦ፡ ካብ ሰማየ ሰማይ ናብ ምድሪ!

ብጐይታ ዝድለዩ ሃረር ዝበሃሉን ምዃንና ናይ ምስትውዓሉ ኩነት፡ ናይ ገዳማውያንን ባሕታውያን ተመክሮ ጥራሕ ኣይኰነን፡ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ተመክሮ እዩ፡ እዚ ድላይ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽረኽቦን ብጐይታ ዝድለይ ሃረር ዝበሃል ምዃኑ ብልቡ ጽን ንኽብል ኣድላይነት ምስክርነት ወሳኒ ይኸውን፡ ብጐይታ ተደላይነትካ ተመክሮ ገርካ ካልእ ነዚ ንኸስትውዕል ምምስካር።

ጽላለ፡ ክሳብ ገዛእ ርእሱ ዘዋርድ፡ ተደላይነቱ ካብ ሰብ ንኽረክብ፡ ነቲ ዝጠፍኤ ሰብ ንኸናድይ ጐይትነቱ ክሳብ ምስኣን ዝመርጽ፡ ዮሓንስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን ዝብል ሓቂ ይነግረና፡ እዚ ሓቂ’ዚ ካብ መንፈሳዊ ልብጠት የድሕነና፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ሃረር ናይ ምባል ብቕዓት ዝተዘንግዔ እዩ ዝመስል

ብዙሕ እዋን ዘድልየኒ ነገር የብለይን ማንም ኣየድልየንን እዩ ዝብል ኩሉ ዘለዎ ሃብታም እየ ብህሎት ንሰምዕ፡ ባዶነት ዝሰፍሓሉ እዋን፡ ሃረር ናይ ምባል ድላይ ምጥፋእ፡ እዚ ኸኣ ብዙሓት መንእሰያት ዘጥቕዕ ዘሎ ዝንባለ እዩ፡ ካብ ፍጥረት ሰብ ሃረር ናይ ምባል ድላይ ዝሓክኽ ከይዲ ዓለም።

ንዓለም ብእማኖ ጥማተ ምጥማት

ሃረርታን ድላይን ምጽናት፡ ካብ ታሪኽ ብሑት ምዃን፡ ኣብ ተምሳል ሰላማውነት ከምዘለኻ ኣብ ዘሰምዓካ ኩነት ምንባር፡ ንግድን ኣህላኽነትን ውልቃውነት፡ ነዚ ንምፍዋስ ናብ ሃረር ምባል ምምላስ የድሊ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም፡ ነቲ መዝሙረ ዳዊት 130፥ ብሃንቀውታ ምጽባይ ዝብሎ ቃል ይትንትኑ፡ ንዓለም ብጭቡጥነቱ ምርኣይን በቲ ዝረአይ ነውጺ ከይተሰናበድካ ብእማኖን ብተስፋን ምንባር፡ እቲ ዓቢይ ብድሆ ናይ ብርሃን ሰብ ኰይንካ ምንባር ዝብል እዩ።

ንመንእሰያት ኣድማሶም ከስፍሑ ምሕናጽ

ነፍሰ ሄር ኣባ ልዊጂ ጁሳኒ፡ መንእሰይ ከም ውላድ ሃረር ከምእተበሃለ ዘንጊዑ ዝነብር ዘሎ እዩ ዝመስል እንክብል ኣብ ጽሑፋቱ የመላኽት፡

ናይ ሕይወትን ተስፋን ኣመክንዮ ንመንእሰይ ወለዶ ምብጻሕ፡ እዚ ዝኽወን ከኣ፥

ውዕዉዕ ድላይ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኰይንካ ምርኻብ የድሊ፡ ንከተማታትን ንሰብኣዊ ፍጥረትን ነዚ ምቕራብ፡ ነቲ ዝደልየካ እግዚኣብሔር ምድላዩ መታን ክንበር።  

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዝብልዎ፡ ኩሉ ወንጌል ንኽበጽሖ መሰልን ክብርን ኣለዎ፡ እዚ ክበሃል እንኰሎ ግና ናይ ወንጌል ሓሴት ምምስካር ማለት እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ሃይማኖት ኣስዳዒት ዘይኰነስ ማራኺት እያ፡ ኵሉ ሃረር ዝብሎ ናይ ፍቕሪ መኣዲ እተቕርብ፡ ዝምስጥን ዝስሕብን ዝማርኽን ክትከውን እዩ ዘለዋ፡ ደቃ ኵሎም እውን ከምኡ፡ ናይ ወንጌል ሓሴት ዝነብሩ በዚ ሓሴት’ዚ ካልኦት ዝማርኹን።

ሰብ ውሱን ግና ዶቦ ኣልቦ እዩ፡ ጆርጅ ሲመል፡ ሰብ ውሱን ግና ኣልቦ ወሰን ከምዝብሎ እዩ። ሰብ ካብቲ ዝዀኖ ንላዕሊ ሃረር ክብል ዝኽእል ፍጥረት እዩ፡ እቲ ክዀነ ዝደልዮ ናይ ምሕላን ብቕዓት ኣለዎ። ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ፡ ድላይ ናይ ፍቕሪ ተመክሮ ዘለዎ እዩ፡

ኣብ ቅዱስ ቁርባን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ዓሚዩቕ ክብሪ

ኣበ ምኔት በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ፥ ክውንታ ቅዱስ ቁርባን ጠቒሶም፡ እቲ ጥልቂ ድላይ ልቢ ሰብ ዝትንትን፡ ሃረርታ ፋሲካ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ዘሎ እዩ፡ ቅዱስ ቁርባን ነዚ ሃረርታ’ዚ ይምስክር፡ ዘለዓለማዊ ፍቕሪ፡

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ካብ ቅዱስ ቁርባን ወጻኢ ካልእ ዓይነት ምዃን የብላን ቁርባን እያ፡ ምስ በሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ቅድሚ ምዝዛሞም፡ ሻድሻይ ዓመተ ሕርየት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘኪሮም፡ ንወንጌል እሙናት ሕይወትካ ወንጊልካ ከተወንግል መታን፡ ስለዚህ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘነቓቕሑ እዮም፡ እግዚኣብሔር ንኣኦም ስለ ዝሃበና ነመስግን ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ሓምሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ናብ ልቢ እግዚኣብሔር ናይ ምባል ድላይ ዳግመ ርኽበት
15 March 2019, 16:21