ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሞዛምቢክን ዚምባብወን ማላዊን ህቦብላ ነፋስ ዘስዓቦ ህልቂት ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም

ቅዱስነቶም ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም ነተን በቲ ናይ ተፍጥሮ ሓደጋ ዝተጠቕዓ ሃገራትን ህዝብን ቅርበቶም ምስ ገለጹ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 20 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ምስ ኣብቅዑ እቲ ኢዳይ ዝብል መጸውዕ ስም ዝተወሃቦ ህቦብላ ኣብ ሞዛምቢክን ዚምባብወን ማላዊን ዘስዓቦ ሞትን ውድመት ንብረትን ሓዘን ከምዘሕደረሎም ገሊጾም ስለ እቶም ብትኽክል ዝፍለጡ 200 ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ስለ እቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን ንጸልይ ቢሎም ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ደገፎም ክተግህ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም ነተን በቲ ናይ ተፍጥሮ ሓደጋ ዝተጠቕዓ ሃገራትን ህዝብን ቅርበቶም ምስ ገለጹ፡ ኩሉ ንዝተጐድኣ ሕዝቢ ደገፍን ቅርበትን ከረጋግጽ መታን፥

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ሞዛምቢክን ዚምባብወን ማላዊን ሓዘንን ውድመትን ዘሪኡ ብዙሕ ስቓይን መከራን ከምዘስዓበን፡ ነቶም ፍቱዋት ሕዝቢ ዝተሰምዓኒ ሓዘን እናገለጽኩ፡ ቅርበተይ ከረጋግጽ እፈቱ፡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ኣባይት ስድራ ምዉታትን ንናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ኣወክፍ፡ ነቶም በዚ ናይ ተፈሕሮ ሓደጋ ንዝተጐድኡ ምጽንናዕን ረድኤትን ቅልጡፍ ፈውስን ካብ እግዚኣብሔር እምሕጸን

ከምዝበሉ በነደታ ካፐሊ ኣፍሊጠን።  

20 March 2019, 17:11