ር.ሊ.ጳ. ቀራንዮ ነቶም ስለ እምነቶም ንዝሳደዱ ትእምርቲ እዩ

ስለ እቲ ኣብ ሎረቶም ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዕለት 25 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ በዓለ ብስራት ገብራኤል ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ስለ ዝፍጽምዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኩሉ ብጸሎት ከሰንዮምን

ዕለት 24 መጋቢት መዓልቲ ሰማዕታት ልኡካነ ወንጌል ምዃኑ እውን ዘዘኻኸሩ ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ብዙሓት ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ውፉያን ሕይወትን ምእመናን ከምእተቐትሉ ዘኪሮም፡ ምስ 2017 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ኣዚዩ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሮም፡ እዚ ቀራንዮ’ዚ ናይ ክርስትና ጥልቂ ትርጉሙ ንኽስትውዓል ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

እዋን ስነ ስርዓት ብፅዕና ኣብ ስፕይን

ቅዱስነቶም ዕለት 23 መጋቢት 2019 ዕ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ታራጐና ብፅዕና ዝተኣወጀሉ ኣቦ ስድራን ሓኪምን ዝነበረ ማሪያኖ ሙለራት ኢ ሶልደቪላ ዘኪሮም፡ ነሕዋት ኣካላውን መንፈሳውን ኣቑሳል እናሓከመን ብህይወት እንከሎ ዝፈጸሞ ውፉይ ኣገልግሎትን ብዝተቀበሎ ሰማዕትነትን ናይ ፍቕርን ናይ ምሕረትን ቀዳምነት ዝመስከረ እዩ ቢሎም፡ ጸገም ናዕቢ ታሕዋጽ እውን ይሃሉ ናብ ናይ ፍቕርን ሕውነትን ጐደና ንኸነብል ይሓግዘና ምስ በሉ፡

ሓውጾተ ኖልዎ ናብ ሎረቶ

ስለ እቲ ኣብ ሎረቶም ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዕለት 25 መጋቢት 2019 ዓ.ም.  ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ በዓለ ብስራት ገብራኤል ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ስለ ዝፍጽምዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኩሉ ብጸሎት ከሰንዮምን፡  ኵሉ ናይ ማርያም እነዅልካ ዝብል ድልውነት ንእግዚኣብሔር ናይ ኩሉ ክኸውን ምዒዶም ኣብዚ ኣብ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ እውን እቲ ብዛዕባ እምነትን መንእሰያትን ልልያ ጸዋዕታን ናይ ዝመኸረ ሲኖዶስ፡ ዝደረስው ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ክታሞም ኣንቢሮም ብወግዒ ከቕርቡ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ካስተሊ ኣፍሊጠን።

25 March 2019, 17:00