ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና 

ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገራት ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ካብ ዕለት 4 መስከረም ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገራት ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶ ካብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ርእሳነ ብሔር ንዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ካብ ዕለት 4 መስከረም ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሰለስትኤን ሃገራት፡ ኣብ ማፑቶን ኣንታናናሪቮን ፖርት ልዊስን ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱን እዮም።

ናይቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃልን መለለይን

ናይቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል ተስፋን ሰላምን ዕርቅን ዝብል ክኸውን እንከሎ መለለይኡ ከኣ ምስሊ ቅዱስ ኣቦና ዝተነብሮ ናይታ ሃገር መልክኣ ምድር ዘለዎ ክኸውን እንከሎ እቲ ክልተ ኢድ ከኣ ሞዛምቢክ ንቕዱስነቶም ሓንጐፋይ ቢላ እትቕበል ምዃናን ናይታ ርግቢት ምስሊ ከኣ ትእምርቲ ሰላም ምዃኑ ዝሓበሩ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣስዒቦም ናይቲ መለለዪ ሕብርታት ናይ ሞዛምቢክ ሰንደቕ ዕላማ ቀለማት፡ ቀጠልያ ምልክት ተስፋን ቀይሕ ምልክት ዕርቅን ጻዕዳ ምልክታ ሰላምን ከምኡ እውን ናይ ቫቲካን ሰንደቕ ዕላማ ጻዕዳን ቢጫን ቀለማት ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም።

ናይቲ ኣብ ማዳጋስካር ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፡ ዘራእቲ ተስፋን ሰላምን  ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ መለለይኡ ኸኣ፡ ቆጽሊ ስየ ዘለዎን ትርጉሙ ኸኣ ተጓዓዚ ማለት ክኸውን እንከሎ ብናይ ካልኦት ኣብታ ሃገር ልኡካነ ወንጌልን እምነት ኣብ ምምስካር ክሳብ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ናይ ቅዱሳት ምስሊ ዝተሰነየ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ምስሊ ዝተነብሮን እዩ ኢሎም።

ናይቲ ኣብ ሞሪሸስ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንፈሳዊ ነጋዲ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ መለለይኡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ንሕዝቢ ሰላም እናበሉ ዘርእይ ምስሊ ዝተነብሮ ብድህረ እቲ ምስሊ ናይ ማዳጋስካር ሰንደቕ ዕላማ ዝተነብሮ ምዃኑ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብቲ ዕለት27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና
28 March 2019, 16:54