ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምሕረት እግዚኣብሔር ብመንፈሳዊ ትህኪት ምኽንያት ብዘይግቡእ ኣይንጠቀመሉ

ነቲ ወንጌል ሉቃስ ዘዘንትዎ ምሳሌ ምስ እዋንና ኣተሓሒዝካ ክርአይ ዝከኣል ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ዋና ናይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እግዚኣብሔር እዩ፡

ዕለት 24 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሳልሳይ ሰንበት ዘዓቢይ ጾም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ መፈሳዊ ነጋዳያን ሓቢሮም ጸሎተ መክኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም፡ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 13 ካብ ፍቕዲ 1-9 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ምሕረት እግዚኣብሔር ኢትኣላው እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ብፍላይ ኣብዚ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ብመንፈሳዊ ትህኪት ምኽንያት ብዘይግቡእ ኣይንጠቀመሉን ሓደራ፡ ነፍሲ ወከፍና ብቕኑዕ ልቢ ንዝቐርበልና ናይ ምልዋጥን ሕዳሴ ዕድመ መልሲ ክህንብ እዩ ዝግብኣና እንክብሉ ናይ ዕለቱ ምንባብ ዝዛረቦ ብዛዕባ እቲ ዘየፍርእ መኻን ኦም ኣመልኪቶም፡

ትዕግስቲ እግዚኣብሔር

ነቲ ወንጌል ሉቃስ ዘዘንትዎ ምሳሌ ምስ እዋንና ኣተሓሒዝካ ክርአይ ዝከኣል ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ዋና ናይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እግዚኣብሔር እዩ፡ እቲ እታኽልቲ ወይኒ ከኣ ኢየሱስ እዩ፡ እቲ ኦም በለስ ከኣ ትእምርቲ እቲ ዘይግደስን ዝነቐጸን ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ ዝውክል፡

እቲ ዋና ናይቲ ኣታኽልቲ ስፍራ ነቲ ዝነቐጸን መኻን ዝዀነን ክልግስ ኰነ ሰናይ ንኽገብር ዝተሰኣኖ ብምዃኑ ነቲ ዘየፍሪ ኦም ክቑረጽ ይውስን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራሕ ዝግደስን ንርወይቱ ዝምልከትን፡ ተረጋጊኡ ንምንባር ኣብ ዝብል ድላይ ተዓጽዩ ምእንቲ ገዛእ ርእሱን ኣብ ምቾቱ ተሪፉ፡ ኣብ ስቓይን መከራን ኣብ ድኽነትን ዝርከቡ ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ቁሊሕ ናይ ምባል ብቕዓት ዘይብሉ እዩ

መንፈሳዊ ኢጐነትን ዘየፍራይነትን ዝንባለታት ነቲ ፍስሓ ኣልቦ ዝዀነ ኦም ብትዕግስቲ ክከናኸን ንዝደልይ ናይ ተኽሊ ወይኒ ፍቕሪ ዝጻረሩ እያቶም፡

ናይ ምልዋጥ ግዜ ኢትእላው ኣይኰነን

ናይቲ በዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ባህርይ ምስ ናይ እግዚኣሔር ምሕረት ዝመሳሰል እዩ፡ ንምልዋጥና ዕድል ዝህብ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ህላዌና ስምብራት ዝሓድግ ዘይ-ኣፍራይነትን መኻንነትን የጋጥም እግዚእብሔር ዓቃልን በዓል ትዕግስትን እዩ፡ ንምልዋጥናን ኣብ ሰናይ ምግባር ጐዳና ንኽንስጉም ዕድል ይህበና። እዚ ግና ምልዋጥ ዝሓትት እዩ፡ ስለዚህ ኵላትና ግዜ ኣሎና ከይበልና እምነት ሓንጐፋይ ቢልና ንኽንቅበልን ኣገደስትን መሰረታውያን ዝዀኑ ምርጫታት ንጽባሕ  ኣይንበል፡ ኢትኣላው ግዜ ኣሎና ቢልና ገዛእ ርእስና ኣይነዕሽው፡

ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም፡ ናብ እግዚኣብሔር ኣዝየ ዝቐረብኩ ክኸውንን ክልወጥን እቲ ዘየድሊ ክኣልይ እንታይ ክገብር እዩ ዝግብኣኒ? ናይ ዝመጽእ ዓመት ዓቢይ ጾም ድየ ዝጽበይ … ዝመጽእ ዘሎ ዓቢይ ጾም ወይኒ ኰይንካ ትርከብ ዶ? ኣብ ቅድሚ እቲ ዝጽበየንን ወትሩ ዝምሕረንን ምሕረት እግዚኣብሔር እንታይ እየ ክገብር ዝግብኣኒ፡ ብርግጽ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ብዘይግቡእ ብዘይምጥቃም ነዚ ምሕረት’ዚ ገዛእ ርእስና ከነወክፍ እዩ ዝግብኣና፡ መንፈሳዊ ትህኪትና ከየመኽነና ብቕኑዕ ልቢ ንምሕረት እግዚኣብሔር ዝተገብኤ ጻዕርታትና ከነበራትዕ እዩ ዘሎና።

ኣብዚ ኣዋን ዓቢይ ጾም ነፍሲ ወከፍ ምእመን ብጸዋዕታ ለውጢ ዝሕተት ምዃኑ ኣስተውዒሉ ኣብ ሕይወቱ ክተኻኽሎን ክእርመን ዘለዎን ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ምስ ብጻዩ ዘለዎ ርክብን ይመርምር፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም እቲ ካብቲ ዝወደቕናሉ ንኽንትንስእን ተንሲእናን ጉዕዞና ብሓድሽ መንፈስ ንኸነበግስ ኣብ ዘሎና ብቕዓት እምነት ንዘለዎ ናይ እግዚኣብሒር ትዕግስቲ ንምሰል ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

 

25 March 2019, 16:47