ድለ

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኒካራጉዋን ናይጀሪያን ማሊን ዘቕረብዎ ጻውዒት

ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምውጋድ ንዝተበገሰ ናይ ሰላም ዘተ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምውጋድ ንዝተበገሰ ናይ ሰላም ዘተ ድጋፎም ገሊጾም፡ ስለ እቲ ኣብ ናይጀሪያን ማሊን ዝተፈጸመ ዓመጽ ጸሎት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነታ መላእ ሕዝባ ንዓቢይ ሽግር ዝተቓልዓላ ኣብ ከቢድ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው እትርከብ ሃገረ ኒካራጉዋ እናሓሰቡ፡

ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ካብ ዕለት 27 ለካቲት ነቲ ኣብ ኒክራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ቅልውላ ሰላማዊ መፍትሒ ንኽርከበሉ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ እሞ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ፍርያም ክኸውን እጽልይ፡ እቶም ተዛተይቲ ምእንቲ ናይ ኵሉ ረብሓ ብቕልጡፍ ሰላማዊ መፍትሒ ከለልዩ እላበው

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ኣስዒበን፡

ጸሎት ምእንቲ ማሊን ናይጀሪያን

ቅዱስነቶም ንኣፍሪቃ እናሓሰቡ ብፍላይ እተን ግብረ ሽበራ ዝተፈጸመለን ሃገረ ናይጀሪያን ማሊን ጠቒሶም፥

ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልታት ስለ እተን ከቢድ ኢሰብኣዊ ፍጻሚታት ዘተረኣየለን ሃገራት ናይጀሪያንን ማሊን ንጸልይ፡ ጐይታ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣብ መንግስትኻ ተቐበል፡ እቶም ዝተሃሰዩ ቅልጡፍ ምፍዋስ ዓድሎም፡ ቤተሰብ ምዉታትን ዝተሃሰዩን ኣጸናንዕ ልቢ እቶም ጨካናት ለውጥ

ቢሎም ሰላም ለኪ ጸሎት ብሓባር ምስ ኵሎም ምእመና ምእንቲ ሰላም ከምዝጸለዩ ሓቢረን።

25 March 2019, 16:52