ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ካብ ለውሃት ኣዴታት ዝውለድ እዩ

ሰላም ንምንቕቓሕን ንምክልኻልን ንምዕቃብ ሕይወትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ወሳኒ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸረ ሴማዊ ተግባር ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ዘሰክፍን እዩ

ሰላም ዝዓሰሎ መጻኢ ንሓልም እንተድኣ ኰይንና ንደቀንስትዮ ግብእ ስፍራ ምሃብው ወሳኒ ይኸውን፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሽማግለ ሃይማኖት ኣይሁድ ኣርብዓ ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸረ-ሴማዊ ተግባር ዘሻቕል ምዃኑ እውን ሓቢሮም፡ ጽልእ ንምቅዋምን ሕይወትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንምዕቃብን ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ክርስቲያንን ምትሕብብባር ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንዓለም በዕይንቲ ኣዴታትን ሰላምን ምጥማት ከምዘድሊ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓቲ ደቀንስትዮ ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለሉ ዕለት 8 መጋቢት ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ዓለም ናይ ኣይሁድ እምነት ሰዓብቲ ዝጣበቕ ጥንታዊ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘለናሉ ዘመን ብዝብል ውሳኔኡ መሰረት ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘካይድ ኣብ መንጐ ሰዓብቲ እዘን ክልተ ሃይማኖታት ዘሎ ሕውነት ኣማእኪሉ ዓለም ናይ ኵሉ ቤት ምዃኑ ተኣሚኑ ዝካየድ ናይ ሕንጸት ጻዕሪ መተካእታ ዘይብሉ ኣበርክቶ ምዃኑ ገሊጾም፡ ጓለንስተይቲ ዓቃቢት ሕይወትን ዓለም ጽብቕቲ እትገብር ፍጥረት እያ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ጓለንስተይቲ እቲ ኵሉ ነገር ሓድሽ ዝገብር ዘይንጽል ሑቕፎን ትብዓት ተወፋይነት እያ፡ ሰላም ብጓለንሰይቲ ጾታ እትግለጽ ቃል እያ፡ ካብ ናይ ኣዴታት ሕያውነትን ለውሃትን ትውልድ ዳግም ትወላለድን፡ ምእንቲዚ ሰላም ምሕላም ናብ ጭቡጥ ንምቕያር ብጓለንስተይቲ ብምጥማት እዩ፡ ብዘይ ምኽንያ ኣይኰነን ኣብ ኦርቲ ዘፍጥረት ምዕ. 2, 21 ጓለንስተይቲ መሰንገል ሰብኣይ ምዃና ዝሕብር፡ ኣናስር ጓለንስተይቲ ንልቢ ቀረባን ምስ ትኽስ ምባልን ሕልምን ዝተተሓዘ ምዃኑ ዝገልጽ። እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ፍቕሪ ምሕላም የተኣታትው፡ መጻኢ እንተድኣ ኣዚዩ ዘገድሰና ኰይኑ ሰላም ዝዓሰሎ መጻኢ ንሓልም እንተድኣ ኰይንና እዚ ኹሉ ንጓለንስተይቲ ግቡእ ስፍራ ምሃብ ዝብል ተግባር ይጠልብ።

ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ዘሰክፍን ጸረ ሴማዊ ተግባር ኣብ ዓለም

ሰላም ንምንቕቓሕን ንምክልኻልን ንምዕቃብ ሕይወትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ወሳኒ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸረ ሴማዊ ተግባር ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ዘሰክፍን እዩ፡ እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረአይ ጭካኔ ዝተመልኦ ኣረመናዊ ተግባር’ዚ እናሓሰቡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሃዋሁ ክፍኣትን ቁጠዐን እቲ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ጽልእ ዝወልድ እዩ፡ እዚ ብዘየማትእ ተግባር ካብ ታሪኽ እነስተውዕሎ ሓቂ እዩ። ክሳብ ከምቲ ኣብ ኣውሽዊዝን ክልተ ሲሶ ኤውሮጳውያን ኣይሁድ ንሞት ዝዳረገ ናይ ጭካኔ ተግባር ክፍጸም ዝድርኽ እውን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ዲኒኒ ኣስዒበን፡

ምእንቲ ሰላምን ሕይወትን ናይ ሃይማኖ ናጽነት ንምዕቃብ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ

ንዝዀነ ይዅን ክርስቲያን ዝዀነ ይዅን ዓይነት ጸረ ሴማዊ ተግባር ክሕንደት ኣናስርን ንኽርስትና ምሉእ ብምሉ ዝጻረር እዩ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ምትሕብባር ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን መሰረታዊ እዩ።

ጽልእን ጸረ ሴማውነትን ንምውጋእ ኣገዳሲ ዝዀነ መጋበርያ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ እዩ፡ እዚ ሰላም ንምንቕቓሕን ንምክብባርን ሓድ ሕዳዊ ምቅብባልን ሕይወትን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ፍጥረን ተፈጥሮን ንምዕቃብ መሰረት እዩ። ክርስቲያንን ኣይሁድን ናይ ሓባር መንፈሳዊ ወርሻ ዝመቓርሑ እያቶም፡ እዚ ኸኣ ብሓባር ማእለያ ዘይብሉ ሰናይ ተግባር ንኽፍጽሙ ዘብቅዖም እዩ፡ ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ኵለ መዳይ ማሕበራዊ ኵነት ዝንጽል ሰብኣውነት ፍጥረት ሰብ ዝሓክኽ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን መለኮታዊ ፍቕሪ ንሰብኣዊ ፍጥረት ብምትሕብባር ምምስካር ናይ ኣመንቲ ግደ ምዃኑ የመላኽት። ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ዘይግዳስን ሸለል ምባልን ባህሊ ጭቡጥ ዝዀነ ምቅርራብ ብምኽዋን ምቅዋም የድሊ፡

ከምዝበሉ የመልክታ።

ቅድሚ ዝዀነ ይዅም ቅትለት ሰብ ሸለልተይናነት ኣሎ

እቲ ቃኤል ንእግዚኣብሔር ኣነ ዶ ሓላው ሃወይ እየ እንክብል ዝሃቦ መልሲ ቅድሚ ዝዀነ ይዅም ግብረ ቅትለት ምፍጻም ዘሎ ዘይምግዳስን ሸለል ምባልን ዘነጽር ትእምርታዊ ኣብነት እዩ። ስለዚህ ቅድሚ ሕይወት ምቕንጻል ሓቂ ዝኽሕድን ዝሓክኽን ዘይምግዳስን ሸለል ናይ ምባል ተግባር ኣሎ።

እወ ቃኤል፡ ንስኻ ናይ ሓውኻ ሕይወት ሓላዊ ኢኻ፡ ኵላትና እውን ከምኡ እግዚኣብሔር ንኽንርእይ መታን፡ ሓላው ሓውኻ ምዃን ንእግዚኣብሔር ንኽትርእይ የብቅዓካ፡ ኣብዚ ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታምን ምርሕሓቕ ዘረኣየሉ ዘሎን እዚ ምርሕሓቕ ኣዚዩ እናሰፍሔ ኣብ ዝኸደሉ ዓለም ናይ ሓውና ሓለውቲ ንኽንከውንን ሓውና ንኽንከላኸልን ንኽንሓልየሉን ንድኻታን ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎምን ህሙማንን ሕጻናትን ኣረጋውያንን ንኽንከላኸል ዝተጸዋዕና ኢና።

ሕውነታዊ ርክብ ከነማዕብል ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ጸዋዕታ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዘበገሱ ካልኣይ ቫቲካን ጉባኤ ተወኪሶም ክኸውን እከሎ፡ እቲ ኣብ መንጐ ኣይሁድን ክርስትናን ሃይማኖት ዘሎ ርክብ ዘመስርቕ ውሳኔ ክረቅቕ እንከሎ ኣብቲ ጉባኤ ከም ተዓዛቢ ካብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኣይሁድ ሽማግለ ልኡኽ መምህር ኣብራሃም ሀስከል ከምዝተሳተፉ ቅዱስነቶም ዘኪሮም። ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዘሎ ርክብ እናማዕበለን ኣናተዀስኰሰን ከምዝኸደን እዚ ብሓቂ ጸጋ እዩ፡ ጸዋዕታ እግዚኣብሔር እውን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ሓደ ታሪኽ የዘንትው፡ ሓደ መንእሰይ ዜጋ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ውትህድርና ኣገልጊሉ ካብ ግንባር ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ስድራ ቤተ ገዝአ፡ ኣብታ ዝገዘኣ ቤት ድማ መዙዛሕ ማለት ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 6 ፍቕዲ 4 - 9 ዘሎ ጸሎት፥ ኦ እስራኤል ስማዕ እግዚኣብሔር ኣምላኽና በይኑ እግዚኣብሒር እዩ፡ ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቃላት ኣብ ልብኻ ዕቖሮ ንደቅኻ ምሃሮም ኣብ ቤትካ ኮፍ ምስ በልካን እብ መገዲ ክትከይድ ከሎኻን ኣብ ምድቃስካን ኣብ ምትንሳእካን ብዛዕባኡ ተዛረብ። ንምልክት ኪኾነካ ኣብ ኢድካ እሰሮ ከም ክታብ ድማ ኣብ ግንባርካ እሰሮ፡ ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾ ኣፍ ደጌኻን ድማ ጽሓፎ” ዝብል ኣብቲ ኣፈት ተሰቒሉ ዝነበረ ጸሎት ኣየልዓሎን፡ ኣብ ዘሎሉ ሓደጐ፡ እዚ ጸሎት ስድራ ቤት ዘጽንዕ ጽንዓት ስድራ ቤት ምዃኑ ኣመነ፡ ክወጽእን ክኣቱን ነታ ጸሎት ይደግማ፡ እዚ ጸሎት’ዚ ሰብኣዊ ፍጥረት ስድራ ቤት ክኸውን ዝገብር እዩ፡ ብዅሉ ልብኻ እግዚኣብሔር ምፍቃር፡ እዚ ኸኣ ንምክብባርን ናይ ኵሉ ሃይማኖት ንኸተኽብርን ኣስተንፍሶ እዩ፡ መጻኢና ምትሕዝዛን ዘንቅሎ ምጽውዋር ኣይኰነ፡ ምፍቓር ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡

መንእሰይ ወለዶ ንዘተ ምሕናጽ

ኣብዚ ከይዲ ናይ ሓባር ዘተ መንእሰይ ወለዶ ክዋሳእ መታን ክሕነጽ ኣለዎ፡ ስለዚህ ናይ ክልቲኣተን ሃይማኖታት መንእሰያት ኣብ ዘተ ምሕናጽ ዓቢይ ሓላፍነት ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ሕንጸት’ዚ ስሉጥን ውጽኢታውን ጸረ ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ምልስ ቢሎም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዝካየድ ዘተ ክተባባዕን ክቕጽልን ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዶኒኒ ኣስዒበን እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖኖት ሽማግለ ኣባል ጆን ሻፒሮ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተበገሰን፡ እቲ ኣብ መንጐ ሽማግለ ኣይሁድን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ፍርቂ ዘመን ዘቑጽር ዘሎ ርክብ ዝነኣድን ጽኑዕን ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ካብ ለውሃት ኣዴታት ዝውለድ እዩ
09 March 2019, 17:29