ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሞሮኮ

ቅዱነቶም ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓትን ርብዕን ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ሰዓት ክልተ ብናይ ሞሮኮ ሰዓት ኣቆጻጽራ ኣብ ርእሰ ከተማ ራባት ኣብ ዝርከብ ሳለ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ሎሚ ንጐሆ ሰዓት 10.45 ደቓይቕ መበል 28 ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ሞሮኮ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝነቐሉን ቅዱነቶም ኣብዚ ጉዕዞ ኣየር ናይ ኣየር ዶባተ ንዘቋርጹለን ሃገራት፡ ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሒር ሰርጆ ማታረላን ንናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮንን ንናይ ስፐይን ንጉስ ፊሊፐ ሻድሻይ ናይ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን እተን ሃገራት ኣብ ጸሎቶም ዝኩራት ምዃነን ዘረጋግጽ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣረእያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሞሮኮ ካብ ጠቕላላ 30 ሚሊዮን ብዝሒ ሕዝቢ ካቶሊክ ማሕበረሰብ 20 ሺሕ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ራባት ርእሰ ሰበኻ 28 ቍምስናታን 14 ብማሕበር ጥርኑፋት ናይ ሰበኻ ካህናትን 19 ናይ ሰበኻ ካህናትን 22 ገዳማውያንን 101 ገዳማውያትን 36 ናይ ሕንጸት ተቛማትን ሓደ ናይ ግብረ ሰናይ ቤት ጽሕፈትን ኣብ መወዳእታ ዓመት እውን 89 ምእመናን ምስጢረ ጥምቀት ከምእተቐበሉን ናይታ ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶባል ሎፐዝ ሮመሮ ከምዝዀኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ቅዱነቶም ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓትን ርብዕን ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ሰዓት ክልተ ብናይ ሞሮኮ ሰዓት ኣቆጻጽራ ኣብ ርእሰ ከተማ ራባት ኣብ ዝርከብ ሳለ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ፡ ብናይ ሞሮኮ ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ብንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ተሰንዮም ንጉሳዊ መቐብሊ ጋሻ ቅድሚ ምእታዎም ብማኪና ተጓዒዞም ናብቲ ኣስታት 20 ሺሕ ሰባት ክሕዝ ናብ ዝኽእል ኣብቲ ኣብ 1196 ዓ.ም. ብሱልጣን ኣቡ ዩሱፍ ያቍብ ኣል ማንሱር ድላይ ክህነጽ ዝተጀመረን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከይተጠናቀቐን ደሓር እውን ኣብ 1755 ዓ.ም. ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ዝፈረሰን ኣብ ስልሳታት ተጠናቒቑን ናይ ንጉስ ሞሓመድ ሓምሻይ ዓጽም ዝዓረፈሉ ኣዳራሽ መቓብር ዝተነብሮ ናይቶም ኣብ 1999 ዓ.ም. ዝዓረፉ ናይ ሞሮኮ ንጉስ ብዝብነበሩ ሓሳን ዳማዊ ዝጽዋዕ መዐወዲ ሰጣሕ ጐልጐል ሓሳን ምብጻሕ ኣካይዶም።

ብናይ ሞሮኮ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ክልተን ኣርብዓን ደቓይቕ  ኣብ ኣፈት እቲ ሰጣሕ ጐልጐል ሓሳን ንቕዱስነቶም ብናይ ሞሮኰን ቅድስቲ መንበር መዛሙር ሰንደቕን ብናይ ሰንደቕ ዕላማ ስነ ስዓርት ብዝተሰነየን ኣሰነይቲ ልኡካን ናይ ምልላይ ስነ ስርዓት ብዘጠቓለለ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ምስ ተገበረሎም ድሕሪ ምዝዛም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ወግዓዊ ስነ ስርዓት፥ ነቶም ኣብቲ ሰጣሕ ጐልጐል ንዝተረኽቡ ዕዱማት ናይ ሞሮኮ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ወከልትን ሕዝብን ድሕሪ ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ዘስምዕዎ መደረ ኣስዒቦም ንምቕራብ ናብቲ ንኽብሮም ዝተሰናደዎ መድረኽ ደይቦም፥

ዝኸበሩ ግርማዊነቶም፡ ልዑላን መሳፍንቲ፡ ሰበሥልጣን መንግሥቲ ሞሮኮን ኣካላት ዲፕሎማስን!

ዝኸበርኩም ሞሮካውያን ኣዕሩኽ! ኣሰላም ዓለይኩም! እንክብሉ ልባዊ ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ ኣብታ ብኩሉ ኣደናቂት ዝኾነት መሬት ሞሮኮ ብምብጻሖም ሓጐሶም ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሞሮኮ

ኣባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማቭቲካን

ቅዱስነቶም ሎሚ ንካልኣይ ግዜ ኣብዝሓ ኣስላም ኣብ ዝኾንዎ ሃገር እንክበጽሑ ነቲ ቅድሚ 800 ዓመት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ምስ ሱልጣን ኣል ማሊክ ኣል ካሚል ዝገበሮ ታሪኻዊ ርክብ ብምዝካር ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ክርስትናን እስልምናን ንምድንፋዕ ዓቢ ዕድል ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም። ነቲ ቅድሚ 800 ዓመት ዝተገብረ ርክብ ትንቢታዊ ዝበሉ ቅዱስነቶም ንክትራኸብ ትብዓት ምጥራይን ኢድካ ምዝርጋሕን ንሰላምን ብሰላም ተዋሃሂድካ ንምንባርን እንኮ መንገዲ ኰይኑ ኣብዚ ብጽልእን ቅርሕንትን ተፈላልዩ ናብ ዕንወት ገጹ ዝጐዕዝ ዘመንና እንትርፎ እዚ መንገዲ እዚ ካልእ መንገዲ የሎን ኢሎም።

እዚ ናይ ዘመንና ናይ ጽልእን ፍልልይን ዕንወትን ግድል ኩልና ብሓባር ክንቃለሶ

እዚ ናይ ዘመንና ናይ ጽልእን ፍልልይን ዕንወትን ግድል ኩልና ብሓባር ክንቃለሶ ዘሎና ኰይኑ ነዚ ንምግባር ከኣ ንኩሉ ዝቅበል ክፉት ዝኾነ ማሕበረሰብ ክነቀውምን ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ክነደንፍዕን ንኩሉ ፍልልያት ኣወጊድካ ናብ ዘተ ክንዕጠቅን ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ኣብ ኣቡዛቢ ብዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓምፈ ብሓባር ዝኸተምዎ ሕውነት ደቂሰባት ዝሕመረቱ ሰነድ ዘኪሮም። ብሓባር ነቲ ዘሎ ወጥርን ዘይምርድዳእን ንምግታእከስ ከይሰልቸናን ከይደኸምናን ነቲ ዘረሓሕቅ ቅድሚ ኩነታዊ ፍርድታትን ቅርሕንታትን ንምውጋድ ክንቃለስ ዝተጸዋዕና ምዃና እውን ኣውኪኦም።

ነዚ ንምግባር ብቀዳምነት ንኣኽራርነት እምነት ምቊዋምን ናይ ኩሎም ኣመንቲ ምድግጋፍ ንምድንፋዕ ነቲ ኩሉ ሃይማኖታት ብሓባር ዝቅበሎ ኣዎንታዊ ነጥብታት ምግ ዋሕ ከምዘድሊ እዚ እግዚአብሔር ንኩሎም ደቂሰባት ማዕረ ጌሩ ከምዝፈጠረን ኩሎም ከኣ ማዕረ ዝኾነ መሰልን ክብርን ግዴታን ከምዘለዎም እሞ ኸኣ ከም ኣሕዋት ክነብሩን ሠናይ ሓድሕድ ክምነዩን ሰላምን ፍቅርን ከስፍሑን ዝተጸውዑ ምዃኖም እምነትና እዩ። ነጻነት እምነትን ነጻነት ሕልናን እንብሎ ከኣ እዚ እዩ። እዚ ነጻነት እዚ ከኣ ንማንም ኣይድረትን ነፍሲ ወከፍ ከከም እምነቱ ሥርዓተ ኣምልኾኡ ክፍጽም መሰሉን ግቡኡን ምዃኑ ብምእማንን ምትእምማንን ምሉእ ነጻነት ክወሃቦ ይግባእ። በዚ መንፈስ እዚ ምስ እንምራሕ ካብ ቃልዓለማዊ ምጽውዋር ናብ ምክብባር ሓድሕድ ይስገር። ብ2016 ኣብ ማራከሽ ዝተኻየደ ዓለምለኸ ጉባኤ ውሁዳን ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ሃገራት ኣስላም ‘ንማንም እምነት ንምጒናይን ንምዕማጽን ዝግበር ዓመጽ ካብ ናይ ውሁዳን ኣመንቲ ኣምር ሓሊፉ መሰል ዜግነት ስለዝግህስ ንክብረት ግለሰብ እውን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ስለዘእቱ ብሕጊ ዘኽስስ እዩ` ዝበሎ እቲ ንሕና ክንምረሓሉ ዝከተምናዮ ሰነድ ዘተ ከም ሰባት እሂን ምሂን ክንበሃሃል ይሕግዘና፣ እዚ ዘተ እዚ ግን ኣብ እምነታትን ሰብኣዊ መሰላትን ጥራይ ዝተሓጽረ ክኸውን የብሉን ብዛዕባ እታ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነ እንነብረላ ዓለም እውን ክግደስ ኣለዎ።

እቲ ንዋዕላ ፓሪስ ተኸቲሉ ኣብዚ ዓዲ ኣብ ሞሮኮ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገብረ ዓለምለኸ ዋዕላ ብዛዕባ ምልውዋጥ ክሊማ ደጊሙ ዘረጋገጾ ነገር እንተሃልዩ እውን እዚ እዩ። ንብዙሓት ሃገራት ዘቅረቦ ጻውዒት ከኣ `ነዛ እግዚኣብሔር ኣብኣ ብሕብረት ክንነብር ዘቀመጠና መሬትና ክንሕልዋ ንሓባራዊ ምዕባሌ ደቂሰባት ክንጥቀመላ እንተኰይኑ ክንከላኸላ ግድን እዩ` ዝብል መልእኽቲ ናብ ኩለን ሃገራት ለበዋ ከምዘሕለፈ ዝዝከር እዩ። ማዕረ ማዕረኡ ሎሚ ከም ሎሚ ከፊኡና ዘሎ ከኣ ቅልውላው ፍልሰት ብምዃኑ ክንዲ ምስቶም ዝፈልሱን ዝስደዱን ምቅላስ ናብቲ ሱር ናይዚ ፍልሠትን ስደትን ዝኾነ ነገራት ተመሊስና ካብ ሱር መሠረቱ ነቲ ምኽንያት ምእላይ እዩ። ከመይ ብዙሓት ካብዞም ዝፈልሱን ዝስደዱን ዘለው ሃገሮም ሥድራቤቶም መረበቶም ራሕሪሖም ከምዝኸዱ ዝገብሮም ኣብቲ ዓዶም ዘሎ ጉድ ኮይኑ ዝገደደ ከኣ ኣብ ዝኸድዎ ዓዲ ክጓነዩን ክጒሰዩን ከም ጾርን ኣምጻእቲ ሽግርን ኰይኖም ይሳቀዩ ኣለው። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብዚ ኣብ ሞሮኮ ዓለምለኸ መንግሥታት መሰል ስደተኛታት ክሕልው እቲ ፍልሠት እውን ቅጥዒ ዘለዎ ኰይኑ መስርዕ ክሕዝ ሓደ ሰነድ ተኸቲሙ ነሩ። ኰይኑ ግን ገና ብዙሕ ዝግበር ነገራት ከምዘሎ ብሩህ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ነቶም ስደተኛታት ከም ቊጽሪ ዘይኮነስ ከም ሰባት ክብረትን መሰልን ዘለዎም ኣካላት ገርካ ንምቅባሎን ምትእንጋዶምን የድሊ። ነዚ ንምግባር ከኣ ኣብቲ ዝግበር ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ዘጋጥም ኩነታትን መሰሎምን ክብሮምን ክሕሎ የድሊ። እንክብሉ ንኩሉ ዘጠቃልል ቃል ምስ ሃቡ እዚ ጉዳይ እዚ ክሳብ ክንደይ ከምዝኸብዶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

‘ዕጫ ናይዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ልበይ ኣትዩ ክሳብ ክንደይ ከምዝህውጸኒ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብዝሓ ካብዞም ሰባት እዚኦም ኣንተዘይግደዱ ነሮም ዓዶምን መረበቶምን ጠንጢኖም እምበምሃደሙን። እዚ ጸገም እዚ ምናልባት መከላኸሊ ሓጹርን መናድቅን ብምህናጽ ወይውን ራዕድን ፍርህን ብምዝራእ ወይውን ብኩሉ ኩሉ ተስፋ ቈሪጾም ንገዛእ ርእሶምስ ይኹን ንሥድራቤቶም ዝሓሸ መነባብሮ ንክረኽቡ ናይ ሞትን ሕየትን ጻዕሪ ንዝግበሩ እሞ ኸኣ ኣብ ጸገምን ሓደጋን ንዘሎ ሓገዝ ብምንፋግ ዝፍታሕ ምንም ከምዘየሎ ፍለጡ።  እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ሓቀኛ ሰላም ንምብጻሕን ንምርግጋጹን እውን እንተኾነ ማሕበራዊ ፍትሒ ሃሰስ ክበሃል ኣለዎ ነቲ ሡር ናይ ኩሉ ጸገማትን ስደትን ዝኾነ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ከኣ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ቊጠባዊ ዘይማዕርነትን ፖሎቲካዊ ዕግርግርን ወጥርን ፍታሕ ምንዳይ የድሊ።’ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቶም ቊሩብ ቁራቦ ኣብ ሞሮኮ ዝርከቡ ክርስትያንንኣብ ሞሮኮ ብዘለዎም ቦታ ዕጉባት ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም። ‘ኣብዚ ዓዲ ዘለው ክርስትያን በቲ ማሕበረሰብ ሞሮኮ ዘበርክትሎም ቦታ ሕጉሳት እዮም። ሓንቲ ጽንዕትን ብልጽግትን ሃገር ንምህናጽ ግደኦም ከበርክቱ ንሓባራዊ ጽቡቅ ነገር ናይ ሕዝቢ ከኣ ክደንፍዑ ሃረርታኦም እዩ፣ በዚ ከኣ ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብኣብያተ ትምህርታ እተበርክቶ ኲስኰሳን ብዘይ ኣፈላላይ እምነትን ዓሌትን ንኩሉ ሃንጐፋይ ኢላ ምቅባላ ዓቢ ቊምነገር እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ንእግዚአብሔር እንከመስግን ንካቶሊካውያንን ካልኦት ክርስትያንን ኣብ ሞሮኮ ኮይኖም ኣገልገልቶን ኣደንፋዕትን ተኸላኸልትን ሰብኣዊ ሕውነት ክኾኑ ፍቃደኛታት ብምዃኖም ከመስግኖም ይፈቀደለይ።’ እንክብሉ ቃሎም ኣስምዑ።  

ብምዝካር ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ክርስትናን እስልምናን ንምድንፋዕ ዓቢ ዕድል

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት ቅዱስ ኣቦና ብንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ተሰንዮም ናብቲ ናይ ሞሓመድ ሓምሻይን ሓሳን ዳግማውን ዓጽም ዝተነብሮ ኣዳራሽ መቓብር ምብጻሕ ኣካይዶም ቁንን ዕንባባ ኣንቢሮም ኣብቲ ናይ ክብሪ ሰነድ ክታሞም ኣንቢሮም ካብቲ ናይቲ ኣዳራሽ መቓብር ዓቃብያን ናይቲ ናይ ኣዳራሽ መቓብር ታሪኽ ዘዘንትው መጽሓፍ ገጸ በረኸት ምስ ቀረበሎም ብናይ ሞሮኮ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ኣርባዕተን ርብዕን ናብ ንጉሳዊ ሕንጻ ነቒሎም ድሕሪ ዓሰርተ ደቓይቕ ኣብ ንጉሳዊ ሕንጻ በጺሖም፡ እቲ ናይ ካብ 1785 ዓ.ም. ኣትሒዙ ሱልጣን ሳልሳይ ራባት ንጉሳዊት ከተማ ክትከውን ካብ ዝብል ዝነበሮም ድላይ ተበጉሲ ናብቲ ዝተሓንጸን ኣብ 1864 ዓ.ም. ሞሓማድ ሓምሻይ ዘሐደስዎ ንጉሳዊ ሕንጻ ወይ ዳር ዔል ማቕዘን ዝብል መጸውዕ ናብ ዝተወሃቦ ሕንጻ በጺሖም ቅድሚ ናብ ናይ ንጉሳዊ ናይ ግሊ ቤት ጽሕፈት ብንጉስነቶም ሞሓመድ ሻድሻይ ተሰንዮም ምኻዶም፡ ምስ ንጉሳውያን ስድራ ቤተ ናይ ክብሪ ሰላምታን ናይ ሌላን ስነ ስርዓት ተኻይዱ ናይ ገጸ መረኸት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተጠናቀ ኣብ ንጉሳዊ ናይ ግሊ ቤት ጽሕፈት ምስ ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ናይ ግሊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ንኽብሪ ሃገረ ሞሮኮን ንጉሳዊ ስድራ ቤትን ንጉስነቶም ሞሓመድ ሻድሻይ ኣብ ንጉሳዊ ሕንጻ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣጠናቒቖም ክሳብ ኣፈት ቤተ ንጉስ ብንጉስነቶም ተሰንዮምን ናይ ንጉስ ክቡር ዘበዓይና ናይ ክብሪ ሰላምታ ምስ ኣቕረበሎም ከምእተፋነው ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ዘሞሮኮ መበል 23 ስርወ ንግስትነት ዓላዊይያ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ዘውዲ ንግስነት ሞሮኮ ኣብ መፋርቕ 17 ክፍለ ዘመን ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ፡ ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ኣብ 1963 ዓ.ም. ዝተወልዱ ወዲ ንጉስ ሓሳን ዳግማው ክዀኑ እነከዉ፡ ኣብ 1985 ዓ.ም. ራባት ካብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሞሓመድ ሓምሻይ ብስነ ሕጊ ዝተመረቑን ኣብ 1988 ዓ.ም. ብማሕበራዊ ሕጊ ምሩቕን ኣብ 1985 ዓ.ም. ናይ ሞሮኮ ናይ ንጉሳዊ ሓይሊ ምክልኻል ናይ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣባይቲ ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ኰይኖም ዘገልገሉን፡ ኣብ 1994 ዓ.ም. ካብ ንጉስ ሓሳን ዳግማዊ ጀነራል ዝተሰምዩን ዕለት 30 ሓምለ 1999 ዓ.ም. ንግስና ዝተቐበሉን በዓል ሓዳርን በዓልቲ ቤቶም ልዕልቲ ላላ ሳልማን ኣቦ ክልተ ቆልዑ ምዃኖም ይንገር።

ናብ ንጉሳዊ ሕንጻ

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ኣብ ንጉሳዊ ሕንጻ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብቐጥታ በቲ ዝስዕብ መደብ ምብጻሕ መሰረት፡ ናብ ሞሓመድ ሻድሻይ ተቕዋም ሕንጸት መምሃራን ሃይማኖት ምስልምና (ዒማም) ከምዝኸዱ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ሞሓመድ ሻድሻይ ተቕዋም ሕንጸት ናይ ሃይማኖት ምስልምና መምሃራን (ዒማም)፥ዕለት 27 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ተመሪቑ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መምሃራ ዘሰናድው ክኸውን እንከሎ፡ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሕነጹሉን፡ ምክእኣልን ተኸባቢርካ ንምንባርን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብን ኣብ ዝብል ዕሴት ኣተኵይሩ ምስ እዋናዊ ዓለም ብዘየላትም ኣገባብ ዝንበር ሃይማኖት ምስልምና ዝሓንጽን ዓመጽን ኣኽራርነትን ዝነጽግ ክኸውን እንከሎ ብፍላይ ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ንዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ግቡእ መልሲ ካብ ናይ ባህሊ ሕንጸት ምብጋስ እዩ ኣብ ዝብል እምንቶ ቆይሞም ዘበገስዎ ምዃኑ ይፍለጥ። ናብዚ ተቕዋም ንትምህርቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝለኣኹ ተመሃሮ ዘእንግድን ዝተፈላለዩ ናይ ባህልን ሃማይማኖትን ዓውደ መጽናዕትታት እውን ዝሰናደወሉ ምዃኑ ይንገር።

ቅዱስ ኣቦና ብናይ ሞሮኮ ሰዓት እቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ዓሰርተን ደቓይቕ ኣብቲ ተቕዋም ምስ በጽሑ ብንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይን ናይ ሃይማታት ጉዳይ ሚኒ.ን ብናይቲ ተቕዋም ዋና ኣመሓዳርን ናይ ሞሮኮ ቤት ምኽሪ መምሃራን ሃይማኖት ምስልምና ኣቦ መንበርን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናብቲ ናይቲ ተቕዋም ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣትዮም ድሕሪ ዝቐረበሎም ክቡር ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት፥

ብቪድዮ ዝቐረበ ምርኢት ምስ ተኸታተሉ ብናይ ሃይማኖታት ጉዳይ ሚኒ. ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ተሰምዐ፡ ናይ ሓደ ኣብቲ ተቕዋም ዝመሃር ኤውሮጳውን ናይ ሓደ ኣፍሪቃውን ቃል ምስክርነት ቀሪቡ ምስ ኣብቀዔ ናይ ኣይሁድን ክርስትናን ምስልምናን ባህላውያን ናይ ሃይማኖት ማህሌት ቀሪቡ ምስ ተፈጸመ ቅዱነቶም ዘካይድዎ ምብጻሕ ዛዚሞም ብንጉስ መሓሞድ ሻድሻይ ክሳብ ዝጓዓዙላ ማኪና ተሰንዮም ካብቲ ተቕዋም ከምእተፋነዉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ሞሓመድ ሻድሻይ ተቕዋም ሕንጸት ናይ ሃይማኖት ምስልምና መምሃራን

ቅዱስ ኣቦና ብናይቲ ሓዋራያዊ መገሻ ዝክረ ነገር መሰረት ኣስዒቦም ናብቲ ምብጻሕ ዘካይድሉ ናይቲ ብካሪታስ ናይ ዝጸዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ርእሰ ሰበኻ ራባት ምብጻሕ ንኸይዱ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ሓምሳን ሓሙሽተን ደቓይቕ ካብ ተቕዋም ሕንጸት ሃይማኖት ምስልምና ነቒሎም፥ ሰዓት ሽዱሽተን ዓሰርተን ኣብቲ ማእከል ረድኤት በጺሖም ኣብቲ ኣፈት እቲ ማእከል፡ ብናይ ታንጀር ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳትን ብናይቲ ረድኤት ማእከል ዋና ኣመሓዳርን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ቅዱስነቶም ንናይቲ ረድኤት ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ንዘካይዶ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ መሳለጥያ ዝወዕል ህያብ ከምዝለገሱ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ርክብ ናይ ታንጀር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሳንቲያጐ ኣግረሎ ማርቲነዝ ንናይ ንቕዱስነቶም ክብሪ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ኣስምዑ፡ ስዒቡ እውን ሓደ ካብቶም ኣይ ረድኤት ማእከል ካብ ዝእለዩ ስደተይናታት ቃል ምስክርነት ምስ ኣቕረበ፡ ሙዚቃዊ ምርኢት ከምዝቐረበ ዲ ቡሶሎ ከመልክቱ እንክለዉ፡ ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን ካብቲ ናይ ረድኤት ማእከል ብናይ ማሮኮ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰጳት ሸውዓተ ተሰናቢቶም ንምሕዳሮም ራባት ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተን ርብዕን ከምዝበጽሑ ዲ ቡሶሎ ኣመልኪቶም።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሞሮኮ ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዘካይድዎ ናይ መበል 28 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ቀዳማይ መዓልቲ ናይ ዕለት 30 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኪደት በቲ ኣብ ናይ ረድኤት ማእከል ብዘካይድዎ ምብጻሕ ከምዘጠናቐቑ ንሕብር።

ብካሪታስ ናይ ዝጸዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር

 

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሞሮኮ
30 March 2019, 17:53