ቃል ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሒሳብ ተቖጻጻሪ ላዕለዋ ቤት ፍርዲ ሰራሕተይናታት

እምበኣር ከስ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ኣመሓደርቲ ሓላፍነቶም ብግልጽነትን ብቕንዕናን ኣብ መንጐ ዜጋታትን ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ምትእምማን ህልው ምግባር እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 መጋቢት 2019 ዓም. ንናይ ሒሳብ ተቖጻጻሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰራሕተይናታ ተቐቢሎም፡ ጽኑዕ ምክትታል ንወጻኢታትን ምጥቃም ሃብቲ ገንዘብን ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ምውጋእን ንድኻታት ቆላሕታ ምግባርን ግልጽነትን ቅንዕናን መሰረት ዝገበረ ኣገልግሎት ዝህቡ ክዀኑ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማርኮ ጉወራ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተቖጻጻሪ ሒሳብ ኣብ ፍትሒ ኣመስሪቑ ንናይ ሓባር ጥቕምን ነቲ ሉኣላውነት ሕጊ ንዝብል ሃገር ቅዋሜ መሰረት ንዝዀነ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ባህርያዊ መሰልን ክብርን ዘገልግል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣዘኻኺሮም፥

ናይ ሞያ ሰባኣውነት ኣድማስ (ራእይ)

ኣብቲ ጽኑዕ ክትትልን ምቁጽጻርን ዝብል ናይ ሓደ ዳይና ባህርይ ሰብኣውነት ራእይ ዝተወሃዶ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፡

ወጻእታትን ናይ ሽመታ ወጻእታትን ብዙሕ እዋን ነቶም ኣብ ናይ ፖለቲካን ምሕደራን ሓላፍነት ዝተቐመጡ ዝምልከት፡ ንኽምረጹ ድምጺ ንምርካብ ኣሚቶም ዝኽተልዎ ዓሚላዊ ስላዔ ወጻኢታት ኩሉ  ምቁጽጻር የድሊ፡ ተቕዋማት ክሕድስ ንዘኽእልን ነቲ ነውረይናን ግጉይ ዝዀነ ጸቕጥን ሸለልተይናነት ንዘተኣታትው ኵሉ ንምስናፍን ንዘወሃህድን ብሰናይ ትግባረ ንዝስነይን ጥዑይ ፖለቲካ ቦታ ምሃብ የድሊ፡ ሸቶታትን ዕሲታትን ኣስተውዕሎ ሰብኣውነትን ትርጉም ዘለዎ ንነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ክቡርን ለጋስን ዝዀነ ምስረቓ ናይ ምሃብ ብቕዓት ምስ ዘይህሉ ብሉጻት ዝበሃሉ መጋበርያታ ባኺኖም እዮም ዝተርፉ፡ (ይሴባሕ, ፍቕዲ 181 ረኣ)

ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ምውጋእ

ኣተሓሒዞም፥ ቀጻሊ ቃልሲ ጸረ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፡

ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ንማሕበራዊ ጐድንታት ኵሉ ዘሳቕይ ኣብ ስነ ምግባራዊ ከይዲ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኤኮኖሚያዊ ከይዲ እውን ዓቢይ ጸገም ዘስዕብ፡ ብቋራጺ ምኽሳብ ንዝብል ኣደናጋሪ ንዅሉ ናብ ድኽነት ዝዳርግ ምትእምማንን ግልጽነትን ተኣማንነት ናይ ኵሉ ስርዓትን መዋቕርን ዘባድምን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መሰልን ክብርን ዘቐምስልን ኩሉ ሰናይን ጽቡቕን ዝዀነ ሓሳባ ሕላነን ዘሕቕቕ እዩ፡ ሕብረተሰብ ብሓባርን በቲ ዘሕብሮ ኵሉ ነቲ መንሽሮ ዝዀነ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ኣብ ኩሉ መግለጽታቱን ዓይነታቱን ብጭቡጥ ተግባር ክዋግኦ ይግባእ

ድኻታት ንምክልኻል ምዕያን

እምበኣር ከስ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ኣመሓደርቲ ሓላፍነቶም ብግልጽነትን ብቕንዕናን ኣብ መንጐ ዜጋታትን ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ምትእምማን ህልው ምግባር እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ እቲ ቀንዲ ተግባሩ ንድኻታትን ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘንይብሎም ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ምክልኻል ዝብል ስርዓት ደሞክራሲ ከረጋግጾ ዝግብኦ መደብ ዘጓንፎ ዘሎ ቅልውላው፡

ናይ ሓባር ሃብቲ ጸጋን ርእሰ ማልን ብምዃኑ ንናይ ኵሉ ረብሓ ብፍላይ ንናይ ድኻታትን ከምኡ እውን ንግብኡ ኣጠቓቕማኡ፡ እቶም ኣብ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ዝተቐመጡ፡ ኩሎም ነቒሖም ክቆጻጸሩን ንዘይ ግቡእ ኣጠቓቕማን ክይድታትን ግቡእ ፍርዲ ከመሓላልፉ ኣለዎም፡ ማሕበራዊ ሃብቲ ንማሕበራዊ ጥቕሚ ብፍላይ ነቶም ኣብ ድኽነት ንዝርከቡ።

ሕጋውነን ናይ ሕጊ ሉኣላውነትን ባህሊ ምስፋሕ

በዚ መንጽር’ዚ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሒሳብ ተቖጻጻሪ ላዕለዋይ ቤ ፍርዲ ደያኑ፡ ኣገልገልትን ኣገልግሎት ዝህቡ ምዃኖም ብዝህልዎም ምስትውዓል ተነቓቒሖም በቲ ኣብ ዙርያናን ኣብ ማእከልናን ብዝፍጠሩ ግብረ እኰይ ኵሉ ተስፋ ከይቆረጹ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ሕጋውነት ባህሊ ወጅሂ ክዕብዩ ሓደራ ቢሎም፥

ኢየሱስ ክርስቶስ ንግብረ ክፍኣት እከይን ዘበለ ኩሉ ፊት ንፊት ንኽንገጥሞን ካብ ሱር ምሒና ንኸነወግዶ ይድርኸና፡ ኣብዚ ቃልሲ’ዚ ዘይጭቡጥ ጅግንነት ንምድላይን ረኣዩለይ ንዝብል ተዋሳእነት ንምቅላሕ ዘይኰነ ብትሕትና ዝተቐብልናዮ ተልእኾ መስዋዕቲ ምዃን ከምዘድሊ ባዕሉ ይምህረና፡ ስለዚህ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነትን ብዙሕ እዋን ብጽሞናን ነቲ ዘጋጥም ጸቕጢ ኩሉ ብትሕትናን ብቖራጽነት ኣሳልጡ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጉወራ ሓቢሮም።

19 March 2019, 15:47