ድለ

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና

ምስቶም ንደቃቶም ዕለታዊ እንጌራ ንምቕራብ ዝተሰኣኖም ኣዴታትን ኣቦታትን ሓቢርና ነታ ዕለታዊ እንጌራና ሃበና እትብል ቃለ ጸሎት ብዓውታ ነቕርብ፡

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ጽባሕ ንደቃቶም ዝብላዕ እንጌራ አቕርበሎም ዶ እኽውን ብዝብል ሕቶ እናተሳቐዩ ናብ ምድቃሶም ዝኸዱ ወለዲ እናሓሰቡ እቲ ዝተቐብልናዮ ዕለታዊ እንጌራ ንኽንካፈሎ እዩ ቢሎም ኣገዳስነት ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ከምኡ እውን እቲ 24 ሰዓት ንጐይታ ዝብል መደብ እናሓሰቡ ናይ ሎሚ ዕለት 27 መጋቢት ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱን ኣብ ፍጻሜ ዘቕረብዎ እስተምህሮ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘገልግላ ብዕድመ ንዝደፍኣ ልእኽቲ ወንጌል እናተ ማሪያ ኮንቸታ ናይ ክብሪ ስልምታ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለታዊ እንጌራ ምስ ካልኦት ክንካፈሎ ካብ ሓልዮት እግዚኣብሔር እንቕበሎ ጸጋ እዩ እንክብሉ ነቲ ኣብ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ኢየሱስ ባዕሉ ዝመሃረና ጸሎት ኣማኣኪሎም ዘበገስዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፡ ሎሚ እቲ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ እቲ ጸሎት፥ ንእግዚኣብሔር ዘድልየና ዝዀነ ነገር ክህበና እንሓተሉ፡ እቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እንደልዮን እንጌራን ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሮም፡ ወንጌላዊ ማተዎስ  ዘዘንትዎ ብዛዕባ ሓሙሽተ እንገራን ክልተ ዓሳን ኣመልኪቶም፡ እዚ ወንጌላዊ ምንባብ’ዚ ዕለታዊ እግዚኣብሒር እንጌራና ክህበና ንኽንሓቶ ይምዕደና፡ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት። ቆም ቢልና እቶም ብስእነት መግቢ ንዝሳቐዩ ሕጻናት ሕስብ ነብል፡

ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ዓለም ዘለዉ ሕጻናት፡ ኣብ የመን ብጥምየት ዝሳቐዩን ኣብ ሶሪያን፡ ኣብተን ዕለታዊ እንገራ ዘይርከበለን ሃገራት፡ ነዞም ሕጻናት እዚኣቶም ኣናሓሰብና ብዓውታ፡ ኦ ኣቦ ዕለታዊ እንጌራ ሎሚ ሃበና ቢልና ንጸልይ!

ንደቖም ዘቕርቡሎም እንጌራ ዘይብሎም ኣዴታት ኣቦታትን

ምስቶም ንደቃቶም ዕለታዊ እንጌራ ንምቕራብ ዝተሰኣኖም ኣዴታትን ኣቦታትን ሓቢርና ነታ ዕለታዊ እንጌራና ሃበና እትብል ቃለ ጸሎት ብዓውታ ነቕርብ፡

ሎሚ እውን ማእለያ ዘይብሎም ኣቦታትን ብዙሓት ኣዴታትን ጽባሕ ንደቃቶም ዘቕርቡሎም ዕለታዊ እንጌራ ክረኽቡድዮም ኣይክረኽቡን እናሓሰቡ በዚ ሓሳብ እዚ እናተበልዑ ናብ ምድቃሶም ዝኸዱ ሕስብ ነብል፡ እታ ዕለታዊ እንጌራና ሃበና እትብል ጸሎት ኣብቲ ምቹእን ኩሉ ዘለዎዋን ቤት ዘይኰነስ ኣብቲ ኩሉ ዝተሓርሞ ቤት ክጽለይ እንከሎ እሞ ነስተውዕል፡ … እቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት ብርቱዕ ሓይሊ ዝላበስ ኣብ ስእነት እዩ፡ ከሎካ ክትጽልዮ ስለ ዘለካ እቲ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ክትዝንግዕ ትኽእል።

ዕለታዊ እንጌራና

ኣብታ ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት ዕለታዊ እንገራና ሎሚ ሃበና ዝብል ናይ ልመና ጸሎት፡ እቲ ንምንባር ኣገዳሲ ዝዀነ ዝሓትት እዩ፡ ማይ ድዩ ዘድልየና ፈውሲ ድዩ ቤት ድዩ ስራሕ ዝምልከት እውን ከኸውን ይኽእል፡

እቲ ክርስቲያን ዝሓትቶ ዕለታዊ እንጌራ ናተይ ዝብል ኣይኰነ፡ ዕለታዊ እንጌራይ ኣይኰነን፡ ሓደራ ነዚ ከተስተውዕሎ፡ ዕለታዊ እንጌራና እዩ ዝብል፡ እዚ ኸኣ ኢየሱስ ንገዛእ ርእስና ጥራሕ ዘይኰነስ ንመላእ ፍጥረት ሰብ ዓለም ንኽንሓትት እዩ ዝምህረና፡ በዚ ኣገባብ’ዚ እንተድኣ ዘይኰነ እቲ ጸሎት ክርስቲያናዊ ኵርናዑ እዩ ዝስሕት፡ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና እንተድኣ ኰይኑ፡ ኢድ ንኢድ ከይተተሓሓዝና ከመይ ገርና ኢና ናብኡ ንምቕራብ እንደፍር? እቲ እንወሃቦ ዕለታዊ እንጌራ ንማናጠልን ንሓባብእን እንተድኣ ኰይንና ከመይ ገርና ኢና ደቁ ኢና ንምባል እንደፍር? ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት፡ ትውሳኤን ምትሕብባርን ቅድሜኻን ዝብሉ ዝንባለታት ዘመላኽት እዩ፡ ኣብ ምጥማየይ ናይ ብዙሓት ብጥምየት ዝሳቐዩ ኩነት ትውሳኤ ይህልወኒ፡ … ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ኦ ገይታ ኵላትና ደቕኻ ኢና፡ ራሕርሓልና ንዝብል ጸሎት እዩ ዝሓንጻ፡

ተኻፊልካ ምንባር ብዙሕ ዘይልሙድ ዝንባለ

እቲ ኣብቲ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ዘሎ ዕለታዊ እንጌራና ሎሚ ሃበና ዝብል ጸሎት ሓደ መዓልቲ እቲ ዝፈርደና ቃል ክኸውን እዩ፡

እቲ ዕለታዊ እንጌራ ምስቲ ቀረባና ዝዀነ ስለ ዘይተቛደስናዮ ቝጣዔኡ ኣባና ከብል እዩ፡ … እቲ እንጌራ ምስ ሰብኣዊ ፍጥረት ንኽንቋደሶ እንዕደሎ ክነሱ ብሓደ ሰብ ጥራሕ ይሃልኽ፡ እዚ ፍቕሪ ኣይኰነን፡ ፍቕሪ ናይ እግዚኣሔር ፍቕሪ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣህላኽነት ዝጻወር ኣይኰነ፡ ኢጕነትን ተኻፊልካ ዘይምንባርን ፍቕሪ ዝጻወሮ ኩነት ኣይኰነን።

ምርባሕን ምክፋልን

ወንጌላዊ ዮውሓንስ እውን፥ ሓሙሽተ ህብስትን ክልተ ዓሳን እቲ ሓደ ሕጻን ካብ ለጋስነቱ ዘቕርቦ፡ እዚ ኣሎኒ እነሆልካ ዝብል፡ ኢየሱስ ነዚ ሓሙሽተ ህብስትን ክልተ ዓሳን ባረዀ፡ እቲ ዕለታዊ እንጌራና ሎሚ ሃበና ዝብል ጸሎት ዝምልስ፡ ተኣምር።

እቲ ብኢየሱስ ነቲ ሕብስትን ዓሳብ ኣብ ምርባሕ ዝፈጸሞ ተኣምር ቀንደይና ተኣምር ምዃኑ ኣብቲ ንግዛእ ርእሱ ተኣምር ዝዀነ ምርባሕ ዘይኰነስ፡ ኣካፍልዎ ዝብል ቃሉ እዩ ( እቲ ዓቢይ ተኣምር)፡ እቲ ዘለኵም እሞ ሃቡ ኣነ ከተእምሮ እየ፡ … ኣብ ቅዱስ ቍርባን … ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ይህብ፡ ናይ ኢትኣላውነትን ዘሎና ጽምኢ እግዚኣብሔርን ዝዕንግል ዘርውይን እንጌራ ሕይወት፡ …

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም።

27 March 2019, 17:45