ሃገረ ኒውዚላንዳ ኣብ ሓዘን! ሃገረ ኒውዚላንዳ ኣብ ሓዘን! 

ር.ሊ.ጳ ኣብ ኒውዚላንድ ንዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምዅናን ኣብ ጐድኒ ማሕበረሰብ ኣስላም ም

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብመንገዲ ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን በቲ ኣብ ሃገረ ኒውዝላድ ከተማ ክራይስት ቸርች ኣብ ክልተ መሳጊድ ዝተፈጸመን ብውሑዱ ሕይወት 49 ንጹሓን ሰባት ዝቀዘፈን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምዅናን ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም በቶም ኣብ ክልተ መሳጊድ ዝወረደ ሓላፍነት ዝጐደሎ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝተጐድኡን ዝቆሰሉን ንጹሓት ሰባት ዝተሰመዖም ዓሚቚ ሓዘን ብመንገዲ ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዝተኸተመ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ብምስዳድ ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ኒውዚላንድን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኣብ ጐድኒ እቶም ኣብኡ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኣስላም ከምዝኾኑ ገሊጾም።

ቅዱሰነቶም ንሰብ መዚ ጸጥታ ናይታ ሃገር ኣብ ግዜ ሓደጋ ንጸጥታን ውሕስነትን ማሕበረሰቦም ብዓቢ ጥንቃቄ ክሰርሑ ድሕሪ ተላብዮም ንዝሞቱ ኣምላኽ ኣብ መንግሥቱ ክቅበሎም ንዝቆሰሉ ከኣ ምሕረቱ ክሰደሎም ንሥድራቤታትን ኣዝማድን ግዳያት ድማ ምጽንናዑ ክህቦም ብምጽላይ ንመላእ እታ ሃገር ከኣ ሓይሉን ምጽንናዑን ክህባ ምንዮቶም ገሊጾም።

ካብተን ግዳይ ናይ`ቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ሓንቲ መስጊድ ኣልኑር ኮይና ንጸሎት ተጋቢኦም ኣብ ዝነበሩ ምእመናን ወዲ 28 ዓመት ዝኾነ ብረቶን ታራን ዝበሃል ኣውስትራልያዊ ዝመርሖም አርባተ ሰባት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተመልኪቱ። እዚ ፈጣር ራዕዲ መንእሰይ ንርእሱ ከም ተራ ጻዕዳ ኣውስትራልያዊ ብምግላጽ ነቲ እኩይ ተግባር ከኣ ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ወጻእተኛታት ወረርቲ ከጥፍእ ኢሉ ከምዝገበሮ ሓቢሩ። እዚ ክስተት’ዚ ኣብ’ታ ሃገር ንልቢ ኩሉ ዘደንጹን ዘፍርሕን ፍጻሜ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ጃሺንታ ኣርደን ነታ ዕለት እቲእ ‘ሓንቲ ካብተን ዝጸልምታ ዕለታት ኒውዝላንድ’ ክብላ ገሊጸንአ። እዚ መጥቃዕት’ዚ ብደረጃ ዓለምለኸ ብኩሎም ሓያል ኩነኔ ይወርዶ ኣሎ።

ደገፍ ቤተክርስትያን ንማሕበረሰብ ኣስላም!

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ’ታ ሃገር ነቲ ክስተት ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘሕዝንን ፍጻሜ ብምባል ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ብኡ ንብኡ ናይ ሓዘኖም መግለጽን ምጽንናዕ ምምናይን መልእኽቲ ብምልኣኽ ኣብ ጐድኖም ከምዘለውን ገሊጾም። ምስ`ዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ማሕበረሰብ ክርስትያን ምስቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኣስላም ጽቡቅ ርክብ ከምለዎም ብምምልካት እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ እዚ ኣብ ግዜ ጸሎትን ኣብ ቦታ ጸሎትን ምዃኑ ብጣዕሚ ከምዘጒሃዮም ገሊጾም።

ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ናይ’ታ ሃገር ዘሎ ምሕዝነትን ምድግጋፍን ምስክርነቶም ዝሃቡ ናይ ጳጳሳዊ ግብረሠናይ ተልእኮ ሓላፊ ኣብ በርናርዶ ኤፒሪቱ እዮም። ንሶም ንፊደስ ዝበሃል ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘ርግጽ ገለ ናይ የማናውያን ኣተሓሳስባ ዝኽተሉ ኣኽረርቲ ጉጅለ ሓውሲ ጸረ ኣስላምን ልዕልና ጸዓዱ ዘጐሃህሩን እኳ እንተለው ኣብ ሕብረተሰብ ኒውዚላንድን ኣብ ማእከል ሕዝን ኩሎም ሓቢሮም ኣንጻር ኦኣሌታውነት ደው ዝብሉ ደኣ እምበር ኣንጻር ኣስላም ዝኾነ ስምዒት ኣይነበረን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣብ እንገብሮ ኣገልግሎት እቶም ካብ ኤስያን ደቡብ ኣመሪካን ዝመጹ ስደተኛታት ምስ ካልኦት ዝበለጸ ናይ ምጽውዋርን ምድግጋፍን ሓቢርካ ምንባርን ከምዘርእዩን ሕጂ እውን እንተኾነ ንመንፈስ ጽልእን ፍርሕ ኣብ ምውጋድስ ይኹን ሰላም ኣብ ምስፋን ኣበርቲዖም ከምዝሠርሑ እምነተይ እዩ’ ኣንክብሉ ምስክርነቶም ሂቦም።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ዓቢ ኢማም ኣል ኣዝሃርን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣዕራብ ዝኸተምዎ ሰነድ ብዛዕባ ሕውነት ደቂ ሰባት ብምስማር ሃይማኖታዊ ስምዒታት ተበራቢሩ መንፈስን ልብን ሓዲሽ ወለዶ ከለዓዕልን ቅዱስን ውሁድን ዝኾነ ሞራላዊ ትምህርትን ተግባራትን ናብ ዝቅጽል ወለዶ ብምትሕልላፍ ኣንጻር ዝምባሌታት ውልቃውነትን ንኣይ ይጥዓመንን ባእስን ኣኽራርነትን ካልእ ነዚ ዚመሳሰልን ብምስላፍ ቅኑዕ ወለዶ ከፍርእይ ከምዝጸውዑ ዝዝከር እዩ። እቲ ሰነድ ብተወሳኺ ንአብያተ ኣምልኾ ማለት ኣብያተክርስትያንን መሳጊድን ምኵራባትን ምሕላዎምን ምክልኻሎምን ናይ ኩለን እምነታት ግዴታ ኮይኑ ንኩሉ ሰብ ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሕጊ እውን እዩ። ስለዚ ከም ኣመንቲ መጠን ምስ ካልኦት ሕወነት ብምርኣይ ነዚ ሠናይ ነገር ክንዕቅቦን ነንሕድሕድና ክንፋቀርን እቲ ሰነድ ይሕብር።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
15 March 2019, 16:34