ድለ

ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ  

ስለ ኣገልግሎት ዕርቂ እግዚአብሔርን ሰብን ንበሩ! ር.ሊ.ጳ ንቤተክህነት ሮማ

ኣብ ናይ ትማሊ ዜናና ተገሊጹ ከምዝነበረ ሰብኻ ሮማ ወትሩ ኣብ ጽባሕ ምጅማር ጾመ አርባዓ ቤተክህነታ ብምሉኦም ምስ ር.ሊ.ጳ ብሓባር ሥርዓተ ንስሓ ናይ ምጅማር ጾም ንምግባር ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ከምዝጋብኡን ኣስተንትኖን ሥርዓተ ንስሓን ንምፍጻም ቅዱስነቶም ነዚ ዚስዕብ ኣስተንትኖ ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቀንዲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብ ምሕረት እግዚአብሔር ዘተኮረ ኮይኑ ‘ነቲ ጸላኤ ሠናያት ዝኾነ ፈታኒ ዲያብሎ ካብ ትዕቢቱ ንምውዳቅን ኣብ ማሕበራትናን ኣብ ቤተክርስትያናን ተኣምር ዕርቂ ክውን ኮይኑ ንምርአይን እታ እንኮ መንገዲ መንገዲ ምሕረት እያ’ እንኽብሉ ነቲ ሥርዓተ ንስሓ ዛዚሞም።

ነቲ ሥርዓት መኽፈቲ ኣስተንትኖ ዘቅረቡ ኅየንተ ቅዱስነቶም ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ እንክኾኑ ቅዱስነቶም ገለ ካህናት ምስ ኣናዘዙ ትርጉም ጾመኣርባዓን ሓይሊ ምሕረት እግዚአብሔርን ዝገልጽ ኣስተንትኖ ኣቅሪቦም።

ካብተን ቀንዲ ፈተናታት ቤተክህነት ዝኾና ኣነ ርእሰይ ዝኸኣልኩ እየ ዘድልየኒ የብለይን እትብል ከምኡ እውን ባዕለይ ንባዕለይ ከዕግብ እኽእል እየ ሕጉስ እየ ናይ ካልእ ባዕሉ ይፈልጥ እትብልን እንክኾና እዚ ከኣ ንኩሉ ባዕልና ክኢልና ብሓይልና ሕዝቢ እግዚአብሔር ዝኾና ኩሉ ከኣ ብጻዕርና ዝረኸብናዮ ኮይኑ ኣብ ዝስመዓና እዩ። እዚ ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ምትኳር ሓደገኛ እዩ ብዙሕ ግዜ ከኣ ሕማቅ እናኣኸተለ ይነብር። ስለዚ ዓንዲ ማእከል ናይ ኩሉ እግዚአብሔር ምዃኑ ብምግንዛብ ንኩሉ ዝፈጠረን ናብ ድሕነት ዝመርሕን ንሱ ስለዝኾነ ንሕና ብግብርና ወይ ብመንፈዓትና እነፍርዮ ምንም ነገር ስለዘይብልና ኣብ ርእሲኡ ከኣ ንሱ ባዕሉ ‘ብዘይካይ ሓንቲ ነገር ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ስለዝበለና ብተበግሶና ዝግበር ምንም ከምዘየለ ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ምሉእ ብምሉኡ ንኩሉ ኣብ ሓልዮት ዝመልኣ ኢድ እግዚአብሔር ብምንባር ፍቃዱ ንምፍጻም ድልዋት ንኹን ኢሎም። ነዚ ንምግባር ከኣ ከም ሕዝበ እስራኤል መንፈሳዊ ጽምዋ የድሊ።

ኣብ መንፈሳዊ ጽምዋ ንምንባር ምልምማድ!

ኣብ ዝመጽእ 2025 ንዝግበር ኢዮቤል ድሕነት ንምስንዳው ከም መሪሕ መጽሓፍ ኦሪት ዘጸአት ተመሪጹ ንሸውዓተ ዓመት ክጽናዕን ክስትንተንን ብዝተመደቦ መሠረት ቅዱስነቶም እውን ኣብ ቀንዲ ትሕዝቶ ኦሪት ዘጸአት ብምእታው መልእኽቱ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚአብሔር ዝገልጽ ኮይን ሕዝቢ ንዘይኮነ መሪጹ ሕዝቢ ዝገብር እኳ ደኣ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝገብር ጉዕዞ ምዃኑ ገሊጾም። እቲ ጉዕዞ ዘገመታዊ ጉዕዞ ዕርቂ ኮይኑ እግዚአብሔር ብብዙሕ ትዕግሥቲ ንሕዝቡ ነቲ ዝፈጸመ በደል ከምዝርድኦ ብምግባር ንሱ ንባዕሉ ግን ንኩሉ ሓጢኣቶም ከምዝረሰዖ ይገልጽ። በዚ ከኣ መንፈሳዊ ጽምዋ ወይ ድርቀት ከጋጥም እንከሎ ክፈርሁ ከምዘይብሎም እኳ ደኣ ነዚ ከም ዓቢ ናይ ንስሓ ግዜ ክጥቀሙሉ ይምህሮም። ኮይኑ ግን እስራኤላውን ተመላሊሶም ኣብ ኣምልኾ ጣውዖት ክ ወድቁ ንርእዮም። ጐይታ ከኣ ብሜላ ይመልሶም።

ጐይታ ግን ጐራሕ እዩ! እታ ናይ ዕርቂ ትምህርቲ ንሱ ዝህቦም ንሕዝበ እስራኤል ትምህርቲ ኰይኑ ንዘለዓለም ከምዝዝክርዎ ይገብር። እግዚአብሔር ከምዝተኻሕደ ፍቅረኛ ኮይኑ ይሰርሕ። ዘይትደልዩኒ እንተኾንኩም እኸደልኩም! በይንኹም ከኣ እሓድገኩም ይብሎም። ርግጽ እዩ ንገለ ግዝያት በይንና ዘዋጽኣና ክመስለና ይኽእል። ንኣዋርሕ ንገለ ዓመታት ልዕሊኡውን ክንጐዓዝ ንኽእል። በይንና ጥዑም ጥዑም ምስ ጠዓመና ከኣ እተን ክልተ ፈተናታት ናይ ርእሰይ ዝኸኣልኩ እየ በይነይ ክንደይ ይጥዕም ከማይ የለን ኣብ ዝብላ ንወድቅ።  ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ እዩ እግዚአብሔር ሓዲስ ብስለት ዝዕድለና።

ሓዲስ ብስለት!

ቅዱስነቶም ከም ኣብነት ናይዚ ሓደ ዝፈልጥዎ ካህን ይጠቅሱ። እቲ ካህን ንፉእ በሊህ ኣብታ ዘገልግላ ዝነበረ ማሕበር ጸገም እንከጋጥም በሕሉቕ ዝጽዋዕ ነበረ። ሓንቲ ጸገሙ ግን ካብ መስትያት ኣይፍለን ነበረ። እዚ ክሳብ ሓደ መዓልቲ እግዚአብሔር ኣብ ዲቅ ዝበለ መንፈሳዊ ድርቀትን ብሕትውናን የንብሮ። ድሕሪ ክንደይ ቃልሲ ብዓቢ ትሕትና እናበኸየ ከምብሓዲስ ሕይወቱ ይጅምር። እዚ ዓቢ ጸጋ እዩ። ይብሉ እሞ ነቶም ካህናት ከምዚ ናይዚ ካህን ጽብቅቲ ምሕዛንን ንብዓትን ክምህለሉ ከመይ እግዚአብሔር ብመንፈሳዊ ድርቀት ክጅምር እንከሎ ሓዲስ ትዕድልቲ ህላዌኡ ንኽገብረልና ኢሉ እዩ ነዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ከም እንምልከቶ ሓዲስ ብስለት ንምርካብ እዩ። እዚ ከኣ ንግዜኡ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ እውን ነቲ ሓቀኛ ሓደጋታት ብምርድእ ትጥንቀቅ።

“ንኩሉ ንኽእል ኮይኑ ናይ ዝስምዓና በላሕትን ጐራሓትን መሲሉና ንሕብኦን እንሓብኣሉን ኩነታት ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ኰንካ እትነብሮ ናብራ ከፍርሃና ኣለዎ፡ እዚ ከኣ ጽቡቅ እዩ። እዚ ኩነታት እዚ መርዛም ስለዝኾነ ካብ ኣትማን ንላዕሊ ክንፈርሆ ኣሎና። ሕዝቢ እስራኤል ብኩሉ ኩሉ ምስ ተመኰረ ናብ ሙሴን ናብቲ ቃል እግዚኣአብሔር ዝብሎን ከድህቡ ጀሚሮም። ተመኲሮ ኣብ ሓጢኣት ምንባርን ምሕረት እግዚአብሔር ምስምቃርን ንሕዝቢ እስራኤል ናብ ጐይታ ከምዝቀርብን ናቱ ከምዝኸውንን ገርዎ። ስለዚ ሓጢኣትና ካብ እግዚአብሔርስ ይኹን ካብ ገዛእ ርእስና ከይሓባእና ነፍስና ክነጸባብቅ ከይፈተና ንነሳሕ ኢሎም።”

ምጽብባቅ ነፍስና/አጽድቆ ርእስ ነወግድ!

ቅዱስነቶም ናብ ምሥጢረ ኑዛዜ ምልስ ይብሉ እሞ ኑዛዜ ሓቀኛ ክኸውን ከምዘለዎ ክንናዘዝ ከሎና ሓጢኣትና ክንሓብእ እንተፈቲና ማለት ካብ እግዚአብሔር ንሓብኦ ካብ ካህን ንሓብኦ ዝገደደ ከኣ ካብ ገዛእ ርእስና እውን ንሓብኦ እሞ ኣብ ምምጽዳቅ ንኣቱ። እዚ ምቅንጃው እዚ ግን ሓደገኛ እዩ።

“ናይ ምቅንጃው ጥበብ ብዙሕ ማዕቢሉ ኣሎ! ጉዳያት ኣብ ምቅንጃው ዳርጋ ዘርክበና የለን። `እወ ሓቅኻ ኮይኑ ግን ይርድኣካ እዩ ሙሽ .’ እናበልካ ክንደይ ምቅንጃው ኣሎ። ካብ ምቅንጃው እዚ ክንሕጸብ ቊሩብ ማይ እምበይምሓሰመናን ብዘይምቅንጃው ክሳብ ክንደይ ክፉኣት ምዃና ምረኤና። ነዚ ግን ተስፋ ብዘይምቚራጽ ክንገብሮ ኣሎና ከመይ ወትሩ ዝጽበየና መሓርን ርሕሩህን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣሎ። ከመይ ሓጢኣት ወትሩ ይጽይቅ የርስሕ ዘይመልክዕካ የልብስ።”

ሓጢኣት ይጽይቅ!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ንኩሎም ካህናትን ኣቡናትን ኣብዚ ምሩጽ ግዜ ጾመ ኣርባዓ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ንዘለዎ ቀናእ ፍቅሪ ክሰብኩ ምሳኡ ከኣ ኣብ ቤተክርስያን ዘለዎም ተልእኮ ክዝክሩ እዚ ከኣ ምስ እግዚኣአብሔር ኣብ ምዕራቅ ለጋስ ኣገልግሎቶም ከወፍዩ እዩ። ምስ ክርስቶስ ንጹር ርክብን ዘተን ክገብሩ ከም ንፉኣት ሰባት እምበር ሰነፋት ከይኮኑ ሓደራ ኢሎም። ኣመሓደርትን ሓለፍትን ዘይኮነ ኣገልገልቲ ምዃኖም ፈሊጦም ካብ ዝኾነ ዓይነት ብልሽውና ክርሕቁ ኣዘኻኺሮም። ምስ ኣሕዋቶም ካህናትስ ይኹን ምስ ምእመናኖም ሓድነቶም ኣጽኒዖም ስለሕዝበ እግዚአብሔር ክቃለሱ ስንድዋት ክኾኑ ድሕሪ ተማሕጺኖም ብዛዕባ ምእመናኖም ንኣቡናቶም ሕማቅ ዝዛረቡ ካህናትን ኩሉ ንመልክዕ ቤተክርስትያን ዘርስሕ ሕማቅ ተግባራትን ነቂፎም።

08 March 2019, 17:17