ሓድሽ ሕጊ ንገዳማውያንን ገዳማውያትን ማሕበራት ሓድሽ ሕጊ ንገዳማውያንን ገዳማውያትን ማሕበራት 

ሓድሽ ሕጊ ንገዳማውያንን ገዳማውያትን ማሕበራት

ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ገዳማቶም ተኣልዮም ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ንዝርሓቑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ሓዋርያዊ ስልጣን - Motu Proprio መሰረት ካብ ማሕበራዊ ሕይወት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንነዊሕ እዋን ገዛእ ርእሶም ንዝኣልዩ ገዳማውያን ዝምልከት ነቲ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ኣብ ሕገ ቀኖና ዘሎ ዓንቀጽ ዝሕድስ ማሕበራዊ ሕይወት (ዕለታዊ ሕይወት)- Communis Vita ብዝብል ኣርእስቲ ነቶም ካብ ናይ ማሕበሮም ገዳም ብገዛእ ፍቓዶም ዝርሕቑን ኣበይ ከምዘለዉ ንዘይሕብሩ ዝምልከት ዕለት 10 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ሕጊ ዕለት 19 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ከምዝደንገጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ገዳሞም ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ንዝረሓቑ በዚ ጭቡጥ ምኽንያት’ዚ ካብ ገዳሞም ይሰጐጉ፡ ስለዚህ ናይ ገዳማት ኣሕሉቕ ናይቲ ካብ ገዳም ነቲ ተመልኪቱ ዘሎ እዋን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ርሒቑን ተፈልዮን ብዛዕባ ዘሎ ገዳማዊ ዝምልከት ጭብጢ መርትዖታት ክእክቡን በዚ መሰረት እቲ ገዳማዊ ካብ ገዳም ውጉድ እዩ ዝብል ውሳኔ ሕጋዊ ግቡእነት ዘለዎ መታን ክኸውን ወግዓዊ ውሳኔ የመሓላልፉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ሓደ መደበይና ህይወት ንምጅማር ዝብል ዝደንገግዎ ሕጊ፡ ማሕበራዊ ሕይወት ንገዳማዊ ሕይወት መሰረታዊ ረቛሒ እዩ፡ ስለዚህ ብዘይ ናይ ኣሕሉቕ ፍቓድ ማንም ኣባል ገዳም ካብ ማሕበራዊ ሕይወት ክቦክር የብሉን፡ ኣብ ዝሓለፉ መወዳእታ ዓመታት ብዙሓት ገዳማውያን ብዘይ ፍቓድ ማሕበራዊ ሕይወት ጠንጢኖም ዝረሓቑ ብዙሓት ከምዝዀኑ ዘመላኽት ሓበሬታ ከምዘሎን ገለ ገለ እዋን እውን ኣበይ ሃለዋቶም ዘይፍሉጥ ከይኑ ከምዘሎ ዝረአይ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡ ብፍላይ እቲ ካብ ማሕበራዊ ገዳማዊ ሕይወት ርሑቑ ዝነብር ገዳማዊ ኣበይ ከምዘሎ ዘይፍሉጥ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሕገ ቀኖና ነዚ ዓይነት ጉዳይ’ዚ ኣቀዲሙ ዝተመልከቶ ጉዳይ እውን እንተዀነ ሳሕቲ ሕጋዊ መፍትሒ ክረክብ ኣብ ምግባር የጸግም ነይሩ እዩ።

ስለዚ ነዚ ግምት ብምሃብ ይብሉ ቅዱስነቶም ነቲ ነዚ ዓይነት ጉዳይ መልሲ ዝህብ ነቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ዘሎ ሕጊ ዝሕድስ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ገዳማዊ ማሐብራዊ ሕይወት ገዛእ ርእሶም ዘርሕቑ ነዚ ጭቡጥ ጉዳይ’ዚ መሰረት ብምግባር እቲ ገዛእ ርእሱ ካብ ገድማዊ ማሕበራዊ ሕይወት ዘርሓቐ ገዳማዊ ውጉድ ዝብል ውሳኔ ንምትሕልላፍ እዅል ይኸውን። እቲ ስጉግ ዝብል ውሳኔ ሕጋዊ ትርጉም ወይ ውጽኢት ክህልዎ መታን እቲ ውሳኔ ኣብ ጳጳሳውያን በዓል መሰል ኣብ ዝዀኑ ገዳማት ዝምልከት እንተድኣ ኰይኑ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅቡል ዝብል ውሳኔ የድልዮ፡ እቲ ገዳም ሰበኻዊ በዓል መሰል ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ ናይ ዝርከበሉ ሰበኻ ጳጳስ ቅቡል ዝብል መረጋገጺ ክወሃቦ ግድን ይኸውን ዝብል ሓሳብ ዘሳዅዔ ክኸውን ከምዝገበሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ብእተሰምየ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔን ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ጀሚሩ ብወግዒ መስርሕ ዝውዕል ምዃኑን ካብታ ዕለት ኣትሒዙ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሕጊ ኣዋጅ ክሕተም ምዃኑ የመላኽት።

 

27 March 2019, 17:28