ሻብዓይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ምእንጋድ ቤት ትምህርተ ምሕረት እዩ ሻብዓይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ምእንጋድ ቤት ትምህርተ ምሕረት እዩ 

ሻብዓይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ምእንጋድ ቤት ትምህርተ ምሕረት እዩ

ንመላእ ዘራኢ ሰብ መሬት ተስፋ ዝዀነት ከተማ፡ ንኻእልን ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ዘይዕጸው ማዕጾ ዘለዋ፡ ነቲ ጸላኢኻ ናይ ምዃን ዕቑር ሓይሊ ንዘለዎ ከይተረፈ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ኣባይቲ ሓለፍትን ዝርከብዎም ብሓባር ዕለት 10 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣሪቻ ዝጀመርዎ ሱባኤ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት ዕለት 14 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ በነዲክታዊ ኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ዘቕረብዎ ሻብዓይ ኣስተምትኖ፡ ኣብ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ቡራኬን እንገዳን ተቐባልነትን ኣብ ዝብሉ ዕሴታት ኣማእኪሎም ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ደቦራ ዲኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ትንቢተ ኢሳያስ ኣብ ምዕራፍ 62፥ ብዛዕባ ዕብየትን ክብርን ግርማን ኢየሩሳሌም ይዛረብ፡ ነቢይ ኢሳያስ ንኢየሩሳሌም ሚሳልያዊት ከተማ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓንቲ ኸተማ እማረ ገይሩ ኢዩ ዘቕርባ፡

መዓጹ ክፉት ዝዀነላ ከተማ

ነቢይ ኢሳያስ፡ ሕለፋ፡ ብደጌታት ሕለፋ፡ መገዲ ነቲ ህዝቢ ኣዳልዉሉ፡ ኣጣጥሑ፡ መገዲ ጽርግያ ኣጣጥሑ፡ ኣእማን ጽረጉ፡ ይብል፥

በራታ ጋህ ቢሉ ዝተኸፍተላ ከተማ፡ ደስ ዘብል ምስሊ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኣትወላንን እንገዳ ዝረኽበላን ከተማ፡ እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዝፍጸመላ ከተማ ብርሃንን ፍቕርን ሰላምን ፍትሕን ንኹሉ እተቕርብን ሕዝቢ ናብ ወጅሂ ኣግዚኣብሔር ኣቕኒዑ ዝኸደላን ብቓሉ ዝምራሓላን ናይቲ ፍልልያት መናድቓትን ዶባትን ዝብል ኣመለኻኽታን ኵነትን ዝፍወሰላን

ንመላእ ዘራኢ ሰብ መሬት ተስፋ ዝዀነት ከተማ፡ ንኻእልን ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ዘይዕጸው ማዕጾ ዘለዋ፡ ነቲ ጸላኢኻ ናይ ምዃን ዕቑር ሓይሊ ንዘለዎ ከይተረፈ፡ ስለምንታይ ንሱ እውን ነቲ ክፉት በሪ ምስ ረአየ ዝእንገድ ምዃኑ ምስ ፈለጠ እዚ ዅሉ ንኽልወጥ ዕድል እዩ ዝዀኖ፡ ይልወጥ እውን።

ሰላምን ተስፋን ንምንቕቓሕ ከተማ ናይ እንገዳ ስፍራ እያ

ናይ ሰላም ተስፋ፡ ስልጡን ተስፋ ናይ እግዚኣብሔር ተስፋን ናይ ሰብ ተስፋታትን፥

ቅዱስ ኣቦና እዋናዊ ዓለም እናተዀላለፈ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝካየደላሉ እዩ ዝመስል እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ፡ ከተማታት ናይ ተስፋን ሰላምን ትእምርቲ ክዀና ብዘብቕዔን ተግባር ጸረ ውግእ ክቖማ ዝዕድም እዩ፡ ናይ ሓንቲ ከተማ ከተማነታ ኣንጋዲትን ተቐባሊትን ኣብ ምዃና እዩ፡ እታ ኢሳያስ ዝዛረበላ ከተማ ናይ ኵለን ከተማታት ማዕቅን እያ፡

ጸሎት መሰረት ናይ ሰላም ተልእዀ

ላ ፒራ ፊረንዘ ናይ ሰላምን ፍትሕን ርእሰ ከተማ ክትከውን ይምነ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን መሰረት ዝገበረ እዩ፡ እዚ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ከተማ ክነብሮ ዝግብኦ ኵነት እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ቅዋሜ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ናብቲ ናይቲ ተቕዋም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዘኪሮም፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናይ ሕዝቢ ገዓር ናቱ ገይሩ ነቲ ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ውሳኔ ካልእይ ጉባኤ ቫቲካን ዘሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ ዘርኢ ናይቲ ምስ ኣግዚኣብሔር ናይ ዘሎ ውህደት ምስጢር እትምክር እንክብል ይገልጻ፡ ውህደት ንናይ ኵለ ዘርኢ ሰብ፡ ስለዚህ እተአንግድ ቤት ማለት እዩ፡ ንኣድማስ ሰብኣውነት ቤተ ክርስቲያናዊ ዝብል ትርጉም ብምሃብ ዝንበር ውህደት።

ኣብ ክርስቶስ ዝተሰርተ ሓድሽ ሰብኣውነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ከም ክርስቲያን ንሓደ ሓድሽ ሰብኣዊ ርእየት ሓድነት ሰብኣዊ ስድራ ምስቲ ዅሉ ዘለዎ ፖለቲካውን ባህላውን ፍልልያቱ ንምቛም ዝገበርናዮ ኣስተዋጽኦ ንሕሰብ፡ ንድኻታትን ነቶም ተስፋ ዝቖረጹን፥ ክንክንን ሓልዮትን፡ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ድሕነት ታሪኽ ምስጢር ዝጥጥዕ ሰብኣውነት ምቛም ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስቡ፡

ስለዚህ ኣብ ክርስቶስ ስሩታት ክንከውን ይግብኣና፡ እምነትናን ራእይናን ኩሉ ካብቲ ኣብ ክርስቶስ ሱሩታት ካብ ምዃንን ዝነቕል ክኸውን ኣለዎ፡ ብኢየሱስ እቲ ንእሽተይ ልብና ኵላውነት ኣድማስ እዩ ዝህልዎ፡

ሰባኬ ሱባኤ ኣስዒቦም፡ ወንጌላዊ መሰረት ብዘለዎ ብጻይነት-ጥቓውነት ነቲ ቅዱስን ስጋውን (ዓለማውይን) እናበልና እንፈጥሮ ንጽጽር ንምውጋድ ኣባና ስጋሁ ወደሙ ዝብል ርእየት ክህልው ኣለዎ። ስለዚህ ናይ ኩሉ ሚዛን ቅዱስ ቁርባን ይኸውን፡ ከተማታትና ቅዱስ ቁርባን ዝተማእከለን ይዀና ኢሎም።

በነዲክታዊ ሓልዮትን እንገዳን ስምዒታውነት ዘይኰነ ንጹር ተግባር እዩ

ብመንፈስ እቲ ንሓድ ሕድኩም ሰላም ተበሃሃሉ እንክብል ብቓልን ሕይወትን ዝመዓደና ክርስቶስ መሰረት ምእንጋድ፡ እቲ ቅዱስ በነዲክቶስ ዝነብሮ እንገዳ ስምዒታዊ ኣይኰነን ንጹርን ምኽንያታውን ተግባር እዩ፡ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 መሰረት ዝገበረ እዩ፡ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ብፍላይ ኣብ ድኻን ዝተናዕቀን ከም ውዳቕ ኣብ ዝሓሰብ ዝተነጸለን … ንኻልእ ክትቕበል እንከለኻ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ክርስቶስ ኢኻ እትቕበል። ስለዚህ እንገዳ ፋሲካዊ ኵነት የመላኽት።

ልክዕ ከም ናይ ቲብሂሪነ ሰማዕታት መስካሪ ናይቲ ኣማኑኤላዊ ኣግዚኣብሔር ኰይንካ ምርኻብ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ዝዓበየ ፍቕሪ የሎን፡ ርክባትና ኣብዚ ዝጸንዔ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ነዚ ዓይነት ፍቕሪ ዘይምንባር እዩ ኸኣ ንኻልእ ከይፈለጥናዮን ቀረባኡ ከይኰንና ንኽንነብር ዝገብረና ዘሎ ኢሎም።

ናይ ኢየሱስ ዋቔዕ (ስነ መጐት) ናትና ክንገብር

ኣበ ምኔት በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ፥ ኣብ ወንግጌላውነት ዝጸንዔ ግብረ እንገዳ ምንባር፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይ ሕውነትን ሓይሊ እንክብሉ ዘስምሩሉ ሓሳብ እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ብሓቅን ብመንፈስን ካብ ምስጋድ ዝነቕል ሓድሽ ሰብኣውነት ምሕናጽ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒትን ምዕዶን እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ሻብዓይ ኣስተንትኖ ዛዚሞም።

ሻብዓይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ምእንጋድ ቤት ትምህርተ ምሕረት እዩ
16 March 2019, 16:15