ፒዮስ መበል 12 ድሕሪ 80 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ረኺብና ብስራት

Annuntio vobis gaudium magnum … ዓቢይ ናይ ሓጐስ ቃል አበስረኵም እዚ ዕለት 2 መጋቢት 1939 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ኤውጀንዮ ፓቸሊ ብቕዱስ ጉባኤ ካርዲናላት መበል 260 ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዘተሓረዩላ ዕለት

ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ ዕለት 2 መጋቢት 1939 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝተሓረዩሉ ዕለት እዩ፡ ደኺመ ዘይብሉ ናይ ሰላም መጋበርያን እብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ኣብቲ ዘስካሕክሕ ፍጻሜታቱ ኵሉ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ሒዞም ኣኣብቲ ዕንወት ዝረኣየሉ ዝነበረ ስፍራ እናተረኸቡ ንዳግማይ ሕንጸት ተስፋ ሰኑቖም ፊት ንፊት ዝገጠሙን እዮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

Annuntio vobis gaudium magnum … ዓቢይ ናይ ሓጐስ ቃል አበስረኵም እዚ ዕለት 2 መጋቢት 1939 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ኤውጀንዮ ፓቸሊ ብቕዱስ ጉባኤ ካርዲናላት መበል 260 ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዘተሓረዩላ ዕለትን ፒዮስ መበል 12 ዝብል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ መጸውዕ ስም ዝመረጹላ ዕለት እያ፡ ዕለት 12 መጋቢት 1939 ዓ.ም. ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዕሊ ኣበገሱ፡

እዞም ተወላዲ ከተማ ሮማ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጀልባ ንኽመርሑ ተሓርዮም ን 19 ዓመት ዘገልገሉ እዮም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ታሪኽ ማህደር ከምዝሕብሮ፡ ኤውጀኒዮ ፓቸሊ ዕለት 13 ግንቦት 1917 ዓ.ም. ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ግልጸተ ማርያም ዘፋጢማ ማዕርገ ጵጵስና ዝለበሱን፡ ኣብ ር.ሊ.ጳጵስናኦም እዋን እውን ምስተን ኣብቲ እዋን ኣብ ፋጢማ ግልጸተ ማርያም ንዝተዓደላ እናቴ ሉቺያ ብዙሕ ግዜ ከምእተራኸቡን እቲ ግልጸት ማርያም ኣብ ፋጢማ እውነተይና ግልጸት እንክብሉ እውን ኣብ 1940 ዓ.ም. ጠመቓዊ ኣፍልጦ ዝሃቡ እዮም።

ናይ ፒዮስ መበል 12 ር.ሊ.ጳጳሳዊ ካብ ሕርየቶምን መላእ ኣገልግሎቶም ኣብ ኣሰር ማርያም ዝተነብረ እዩ፡ ኣብ 1950 ዓ.ም. እቲ ኣብ ሕዝባዊ ሃማኖታዊ ባህሊ ዝሰረጸ ፍልሰታ ለማርያም፥ ማርያም ብስጋን መንፈስን ናብ ሰማይ ፈለሰት ዝብል ሃምነናዊ ውሳኔ ዘመሓላለፉን፡ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ሕርየቶም ከኣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ቅድስቲ ካተሪና ዘሲየናን ናይ ኢጣሊያ ቀዳምያን ሓለውቲ ቅዱሳት እንክብሉ ከምዝሰመዩን፡ ንመጀመርያ እዋን ብተለቪዥን ዝተራእዩን ብራዲዮ ድምጾም ዘመሓላለፉን፥ ርኽበት ሲነማን ተለቪዥንን ራዲዮን ዝድነቕ ዕደ ጥበባዊ ርኽበት እንክብሉ ዝገለጽዎን፡ ኣብ ኵሪያ ሮማና-ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ሓዋርያዊ መዋቕራት ሕዳሴ ዘተኣታተዉን ኣብ 1950 ዓ.ም ኢዮበልዮ ቅዱስ ዓመት ኵላዊ ስርየተ ሓጢኣት ዝኣወጁን፡ ጠበቓ ስድራ ቤትን ሕይወትን፡ ካብ እምነት ክርስትና ጠመቕ ትምህርቲ ርእየት ዴስነት ንዝሓርዩ ንዝነበሩን ብትረት ዝተቓወሙን ክሳብ ምውጋዝ ዝበጽሑን እዮም።

ካልኣይ ውግእ ዓለም

ናይ ፒዮስ መበል 12 ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣገልግሎት ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ልዕሊኡ ዘዘንበየሉ ከምዝነበረን ዕለት 24 ነሓሰ 1939 ዓ.ም. ንመላእ መንግስታት ዓለምን ሕዝብታት ዓለምን፡

ንመላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ናይ ከቢድ መዓት ሰዓት የቃጭል ኣሎ። ብፍላጥ ዝፍነው ዘሰንብድ ነገራት ዝረአየሉ ሰዓት እዩ፡ ልብና ነዚ ሸለል ክብሎ ኣይከኣሎን፡ እቲ ካብ እግዚኣብሔር መንፈስ ኵሉ ፍጥረት ኣብ ፍትሕን ሰላምን መገዲ ንኽመርሕ ዝተወሀቦ መንፈሳዊ ስልጣንና ሸለል ክብሎ ዘይከኣሎ እዩ።

ቢሎም ንውግእ ኣኣይፋል ዝብል ቃሎም ብራዲዮ ዘመሓላለፉ እዮም።

ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ኣጽዋር ኣመክንዮ ዘይኰነ ናይ ፍትሒ መገዲ ክስዕብ ከምዘለዎን ዋላ’ኳ እቲ ውግእ ዘይተርፍ መሲሉ ይረኣይ እንተነበረ ተስፋ ከይቆረጹ ፍትሕን ሰላምን ክምረጽ ንተስፋ ቦታ ክወሃብ ከይተሓለሉ ኣተሓሳሲቦም እዮም፥ “ብውግእ እንተዘይኰ ብሰላም ዝበረሰ ሓደ’ኳ የልቦም” ዝብል ምዕዳን ኣመሓላሊፎም ሰባት ንኽረዳድኡን ንክሽመጋገሉን ጻውዒት ዘቕረቡን እዮም። ደኺመ ዘይብል ኣብ ምክልኻል ሰላምን ንዝሳደዱን ጠበቓ ብምዃን ድምጾም ብዓውታ ዘስመዑን ንዝሳቐዩ ቀረባን ዝዀኑን እዮም፡ ዕለት 19 ሓምለ 1943 ዓ.ም. ሮማ ብሓይሊ ኣየር ዝተደብደበትሉን ጸላም ዝተኸደነትሉ እዋን እዩ ዝነበረ።

ናይ ክርስቶስ ብርሃን ንኸብጽሑን ነቲ መዓት ደብዳብ ዝዀነ ሕዝብን ንኸተማ ሮማን ቅርበቶም ንኽገልጹ ተስፋ ንኸብጽሑ ፒዮስ መበል 12 ካብ ቫቲካን ወጺኦም ኣብ መንጐ ሕዝቢ ዝተረኽቡን እዮም። ነዚ ዝረኣየ ህዝቢ ከኣ እቲ ጓሳ ምስኦም ከምዘሎ ምስ ረአየ ተስፋ ሰኑቑ ሰላም ክብሎም ክሓቕፎምን ከምእተራእየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የዘኻኽር።

ናይ ስልጣነ ተማጓቲ  ንሮማ ንበይና ዘይሓደግዋ፡ ወርሒ ግንቦት 1945 ዓ.ም. ብራዲዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነታ ብውግእ ዝዓነወት ኤውሮጳ ይዛረቡን ስሌኣ ይጽልዩን ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዓለም ሰላም ክወርድ ይጽልዩ፡

ውግእ ኵሉ ኣብ ኵምራ ዑና ሕንፍሽፍሽ ክወድቕ ገበረ፡ ግብረ ገባውን ንዋታውን ዕንወት፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ታሪኽ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ኵላዊ ዕንወት፡ ብሓባር ንዳግማይ ሕንጸት ዓለም ንረኸብ

ዝብል ቃል ኣመሓላሊፎም እዮም፡ ዕለት 2 ሰነ መዓልቲ በዓል ቅዱስ ስሞም ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት፡ ንብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ተኣፋፊ ሰላም ዝብል ቃል ተጠቒሞም

ተነቃፊ ሰላም ብብርቱዕን ቀጻልን ብዝዀነ ዋጋ ብዘኽፍል ጻዕሪ እንተዘይተኸናኸንካያ  ክትጸንዕን ነባሪት ክትከውንን ዘይከኣል እዩ፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን ነዛ ሰላም’ዚኣ ብጓሶትን ምእመናን ብትዕግስትን ብጥንቃቔን ብትብዓትን ብተኣማንነትን ብመንፈስ ተጋድሎን ነታ ተነቃፊት ዝዀነት ሰላም ክትከናኸን ዝተጸውዔት እያ

ዝብል ቃል ከምዘስመሩሉ ዝገለጸ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ኣስዒቡ፡ ፒዮስ መበል 12 ብቓል ጥራሕ ዘይኰነ ብግብሪ እውን ነታ ተነቃፊት ዝዀነት ሰላም

ብፍላይ ከኣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንሕንጸት እታ ሰላም እትብል ቅንዕትን ተግባራዊትን ቃል ናይ ኵሉ ልብን ቀልብን እትምስጥን እተወዓውዕን እያ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ መዝነትን ቀዳማይ ኣበርክቶ፥ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ፡ በዚ ኣቢላ እቲ ብእግዚኣብሔር ኣብ ክርስቶስ ዝተደለየ ጭቡጥን ነባርን ሰላም ዘውሕስ ስርዓት ምሕናጽ እዩ፡

ከምዝበሉ የመላኽት።

ፒዮስ መበል 12 ድሕሪ 80 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ረኺብና ብስራት

 

02 March 2019, 17:38