ር.ሊ.ጳ. ናብ ኢራን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ኢራን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ 

ር.ሊ.ጳ. ናብ ኢራን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ኣብ ምእላይን ደገፍ ኣብ ምቕራብን ንዝረባረቡ ዘለዎ ዜጋታት ኣብ ጸሎቶም ዝኩራት ምዃኖም ገሊጾም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢራን ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ውድመት ንብረትን ምስ ተነግሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኢራን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ንብዙሓት ጠንቂ ሞትን ማህሰይትን ከምዝዀነን እዚ ዅሉ ሕልቂት ቅዱስነቶም ሓዘን ከምዘሕደረሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ሓቢሮም ነቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ኣብ ምእላይን ደገፍ ኣብ ምቕራብን ንዝረባረቡ ዘለዎ ዜጋታት ኣብ ጸሎቶም ዝኩራት ምዃኖም እውን ኣረጋጊጾም፡ መላእ ሃገረ ኢራን ንሓልዮት እግዚኣብሔር አወክፍ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ በቲ ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይ 19 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን  ኩነታት ኣየር ቅድመ ኣመልካቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝሕብሮ ኵነታት ኣየር ብርቱዕ ዝናም ዝቕጽል ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ካብ ዕለት 21 መጋቢት ዝጅምር ሓድሽ ዓመት ፋርስ ምኽንያት ዜጋታት ንዕረፍትን ንበዓላትን ካብ ዝገብርዎ ጉዕዞታት ክቑጠቡ የተሓሳስብ፡ በቲ ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይ እዚዩ ዝተጠቕዔ ዞባ ናይ ደቡባዊ ፋርስ ዋና ከተማ ሺራዝ ክኸውን እንከሎ ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታት እውን ብርቱዕ ዝናም ኣብ ሰሜናውን ምብራቓውን ኢራን ክህሉ ከምዝዀነን፡ ምዕልቕላቕ ማይ ከስዕብ እውን ከምዝኽእ ቤት ጽሕፈት ክትትል ከባቢ ኣየር መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ር.ሊ.ጳ. ናብ ኢራን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ
28 March 2019, 17:01