ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፥ ኣብ ተዘክሮን መጻእን ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፥ ኣብ ተዘክሮን መጻእን  

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፥ ኣብ ተዘክሮን መጻእን

እታ መጽሓፍ እቲ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ዕለት 30 ሕዳር 1919 ዓ.ም. ናይቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ውጽኢቱን ዝተነበዮን ብርሃን እተርእይ እያ

ካብ ዕለት 19 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ብውግዒ ንንባብ ናይ እትበቅዕ ብኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፡ ክዝገብ ዘለዎ መጻኢ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝደረስዋ መጽሓፍ መቕድም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተደርሰ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቀጻልነትን ድራኼን ናብ መጻኢ፡ ኣብ ዝብል ሓሳብ ህላዌ ካቶሊካውያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ስጓሜታትን ዝተኸፍቱ ጸገማትን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ብድሆታትን ዝምልከቱ ነጥብታት ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም ሰፊሕ ትንታነ ከዝሃብሉ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ መጽሓፍ ምስቲ ንናይ ስልጣነ ዘተ ጉባኤ ቻይና ብዝብል ኣርእስቲ በቲ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተሰሙናዊ መጽሔት ማሕበር ኢየሱሳውያንን መንበረ ጥበብ ጆርጅታውንን ብሓባር ኣብ ዘነቓቕሕዎ ባህላዊ ኪደት ዝሳዅዕ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እቢሉ እቲ ናይ ኢየሱሳውያን መጽሔት ዘቕረቦም ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዘጠቓለለን ብፍላይ ድህረ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቻይና ርክብን ብፍላይ ድሕሪ እቲ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብክልትኤን ሃገራት ዝተበጽሔን ዝተኸተመን ናይ ሓባር ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘሎ ህልው ኩነት ዝድህስስ ምዃኑ ብፁዕ ካዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝደረስዎ መቕድም የመላኽቱ።

Maximum illud-እቲ ዝለዓለ፥ ተእልዀ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ናይ ኵላውነታውነታ መግለጺ እዩ

እታ መጽሓፍ እቲ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ዕለት 30 ሕዳር 1919 ዓ.ም. ናይቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ውጽኢቱን ዝተነበዮን ብርሃን እተርእይ እያ፡ እቲ ናይ በነዲክቶስ መበል 15 ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ዘተኮረን ናብዚ መንፈሳውን ናብ ሕዝቢ ዝብል ተልእኾ ምንጪ’ዚ ምምላስ ዝሓትት ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ይሕብሩ፡ ተልእዀ ወንጌል ናይ ምዕራባዊ ክርስቲያን ምስፋሕ ማለት ዘይኰነስ ናይ ቤተ ክስቲያን መግለጺ ምዃኑ በነዲክቶስ መበል 15 የተሓሳስቡ፡ ኵላውነት መግለጺኣ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ ዝለዓለ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብፍሉይ ናብ ቻይና ዝብል እዩ፡ ነቲ ኣብ ቻይና ዝነበሩ ልኡካን ወንጌል ዕዮታትን ኣገልግሎትን ዝወከስ እዩ፡ እቲ ኣብ ቻይና ዝተነብረ ተመክሮ ተልእኮዀ ወንጌል ናብ ኵሉ ዓለም ምስፋሕ ዝብል፡ ነታ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ተቓውሞ ከምዝቐረቦን፡ ብፍላይ ብዛዕባ ተወለድቲ ካህናት ዝዛረብን ናይ ሃገራት ናይ ገዛእ ርእሰን ዜጋታት ዝዀኑ ካህናት ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽት ሰነድ እውን ብምንባሩ ብዙሕ ተቓውሞ ይቐርቦ ከምዝነበረ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም ሓቢሮም፡ እዚ ሓሳብ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ነቢያዊ ክበሃል ይከኣል፡ ነቲ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ኵነት ርኢኻ፡ …

ዝተፈጸሙ ስጉምትታትን ገና ገና ክፉታት ዝዀኑ ጸገማትን

ዝተበጽሑ ስጓሜታትን ገና ዝተኸፍቱ ሽግራትን ብዛዕባ እዋናዊ ህላዌ ካቶሊክ ኣብ ቻይና ሕቶ ንኸነቕርብ ዝድርኽ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት፡ ብዙሕ ነገራት ተለዋዊጡ እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምጥቃስ እዅል ይኸውን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቻይና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምክንኻንን ነፍሳት ምእላይን ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ቻይናን፡ ቻይናውያን ክርስቲያን ዘሳልጥዎ ዘለዉ ተልእዀ እዩ፡ እዚ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ሎሚ ከምቲ ቅድሚ 100 ዓመት። ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ግምት ዝህብ ክኸውን ስለ ዘለዎ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዙሕ ዝተፈጸመ ስጉምቲ ዘይዝንጋዕ ኰይኑ፡ እቲ ዕለት 8 መስከረም 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብዘይ ይኹንታ ተኸታሊ ቅዱ ጴጥሮስ ማዕርገ ጵጵስና ዝተቐበሉ ሸውዓተ ቻይናውያን ጳጳሳት ምሉእ ውህደት ምስ መላእ ጳጳሳት እንክብሉ ምልኣተ ሱታፌ ከምዝወሰኑ ዘኪሮም፡ እዚ ንተልእዀ ወንጌል ንምድጋፍ እዩ፡ ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት መላእ ጳጳሳት ቻይና ምስ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ሱታፌ ኣለዎም፡ ንፈለማ ግዜ በዚ መንፈስ’ዚ እውን ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሲኖዶስ ካብ ቻይና ዝመጹ ክሳተፉ ከምዝበቕዑ ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም ዘዘካኸሩ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትን ኣመኔታን ሓድሽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብጋሴ የድልያ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካቶሊካውያን ቻይና ሓቀይና ሕይወት ንምብሳር ዝብል ብዓቢይ ቅንዒ ዝተወዓውዑ ሓቀይና ልኡካነ ወንጌል የድልዮም እንክብሉ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም. ንማሕበረሰብ ካቶሊካዊ ቻይና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉን ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ግዚያዊ ስምምዕ ናይ መበገሲ ነጥቢ እዩ ቢሎም፡ እቲ ዝድለ ምሉእ ዕርቅን ምሉእ ሱታፌ ምሉእ ብምሉእ ተበጺሑ ቢልካ ንምዝራብ ዘይክኣል እዩ ንገዛእ ርእሱ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቻይናን ብሔራዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምሉእ ሱታፌ ክህሉ  ዕቱብ ተዘክሮ ናይ ምንጻሕ ኪደት ምብጋስ ወሳኒ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ የብርሁ።

ቤተ ክርስቲያንን ሕዝብን

ቅድስቲ መንበር ኣብ ቅድሚ ገለ ገለ ሃገራት ምጥርጣር ክይህልዋን እምነት ንኸተንብርን ንገዛእ ርእሱ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላውነት ባህርይ ይድርኻ፡ እቲ ዘሎ ምርሕሓቕ ንምስጋር ጐደና ዘተ ተነቓቕሕ። ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ቻይና፡ ንቻይና ሕዝብን ንሕጋዊ መግስቱን ካብ ምኽባርን ኣመኔታ ካብ ምሃብን ዝተነጸለ ክኸውን ኣይክእል፡ ቅድስቲ መንበር ምስ ቻይና ሰላም ሓለፋ ክህልዎን ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ረብሓ ኣስተንፍሶ ብምግባር ብዛዕባ ሰላምን ምህዳርን ርክብ ዝተፈላለያ ባህልታትን ትዝትን ሓሳብ ትልዋወጥን ትተሓባበርን፡ ቤተ ክርስትያን ናይ ብዙሓት ስማዕታት ደቃ መስዋዕትነት ኣብ ቻይና ኣይትርስዖን፡ እቲ ዝኸፈልዎ መስዋዕትነት ብምርኣይ ነቶም ገና ቃል ኣምላኽ ንዘይበጽሖም ከተብጽሕ እትኽተሎ ኣገባብ ንሕቶ ተቕርብ፡ እቶም ክርስትና ዝተቐበሉ ኵሎም ልዑል ምስክርነት ከቕርቡ ዝሓትት እውን እዩ።

ብዙሓት ኣስፍሆተ ወንጌአል ዝምልከቱ ሕቶታት ኣጣሚሩ ብዝርእይ ምቅርራብ መሰረት ሕቶታት ክስገሩ ዝገብር ኣስፍሆተ ወንጌል ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑን፡ ቲዮሎጊያን ሕገ ቀኖናን ፍትሓን ብሓናጽን ምሕዝነትን ዝስነይ ስነ ሜላዊ ርክባትን እውን ዝምልከት፡ ቅዱስ ኣቦና ነታ ሎሚ እውን ተቓውሞ ዘጓንፋ ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ንሕዝቢ ቻይናን የተባብዑ፡ ዝበሉ ብፁዕነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፡ ኣስዒቦም፡ ካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሔት ኣብ ዝሓለፉ መወዳእታ ዓመታት እቲ ዘሎ ዘይምርድዳእን እቲ ኣብ ውጽኢታዊ ርክብ ዘሎ ሓሴት ከህሉ ዝድርዅ ሕቶታት ንኽውገድዱ ከይተሓለለ የተባባዕ ኢሎም።

ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና

ብፁዕ ካዲናል ፓሮሊን፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ሸቶ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ቻይና፡ Salus animarum - ድሕነት ነፍሳትን Libertas Ecclesiae - ናይ ቤተ ክርስቲያን ናጽነትን ዝብል እዩ፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፡ ብናጽነት ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ምብሳርን ነዚ ኸኣ ብማዕቅን ማሕበራውን ባህላውን ፖለቲካውን መቓን ዝብልን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቻይና፡ መጻእተይና ወይ ወጻእተይና ኣይኰነትን ናይቲ ሕዝቢ ንቕሓትን ኵለንተናዊ ኣካሉን እያ፡ ስሙርን ንኹሉ ኣኽብሮት ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዋ እያ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ነዊሕ ሽግርን ዘይምርድዳእን ስቓይን ብቅኑዕን ግዱስ ጐዳና ዘተ ኣቢሎም ካቶሊካዊ ቻይና ብእውነተይና ባህሉን መንነቱን ኣቢሉ እምነት ክዝምርን ከመስግንን ኣብ ዘኽእል መዳይ ክበጽሕ ይገብሩ ኣለዉ ብዝብል ሓሳብ እቲ ዝደረስዎ መቕድም ይዛዝሙ።

 

 

18 March 2019, 16:01