ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታ 

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታ

እቲ ሓናጺ ዝዀነ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዘሎ ርክብን ምትሕብባር ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ብፍላይ ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣውን ማሕበራውን ባህላውን ሕንጸትን ናይ ሕዝቢ መንፈሳውነትን ናይ መንእሰያት ጉዳይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓዋያዊ መንበሮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ረፓብሊካዊት ማልታ ርእሰ ብሔር ማርየ ልዊሰ ኮለይሮ ፕረካን በዓል ቤተንን ናይ መንግስተን ላዕለዎት ኣካላትን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ፡ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማልታን፡ ትጽቢታት ኵለንተናዊ ውህደት ኤውሮጳን ጸኣት ስደተይናታት ኣብ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራትን ምትሕብባር ኣብ ምንቕቓሕ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምክንያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ማልታ ርእሰ ብሔር ማሪየ ልዊሰ ኮለይሮ ፕረካ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየደኦ ርክብ ምስ ዛዘማ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካሚለሪ ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸባ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ቀዳማይን ዳሕረዋይን ዘተ፡ እቲ ሓናጺ ዝዀነ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዘሎ ርክብን ምትሕብባር ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ብፍላይ ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣውን ማሕበራውን ባህላውን ሕንጸትን  ናይ ሕዝቢ መንፈሳውነትን ናይ መንእሰያት ጉዳይ ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ክሌኣዊ ሙይይጥ ከምእተኻየደን፡ ካቶሊካውነት ባህሊ ንናይታ ሃገር ሰብኣውን ማሕበራውን ባህላውን ምዕባለ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ዝመስከረ ርክብ እውን ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ናይ ሓባር ረባሕታን ብፍላይ ሕብረት ኤውሮጳ ዘማዕድው ውህደት ኵለንተናዊ ክኸውንን ብዛዕባ ኣብ ከባቢ መዲትራኒያን ዝረአይ ጸኣት ስደተይናታትን ካልእቶት ሰዓብያት ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሰብኣውን ክስተታትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ  ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት እውን ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

22 March 2019, 17:12