ድለ

ንዲያብሎስ ብቃል ኣምላኽ ትምልሰሉ እምበር ኣብ ዘተ ኣይእቶን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 10 መጋቢት 2019 ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋዳያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ብዛዕባ ውሳጣዊ ሕይወት ማለት ኣብ እግዚኣአብሔር ዘሎና እምነትን ኣብ ግዜ ፈተና ናይ እግዚአብሔር ፍቅሪ ርግጽነትን ዝገልጽ ኣብ ጾምን ፈተናን ኢየሱስ ዝተመሥረተ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽዊ ንሰንበት ዕለት 10 መጋቢት ዘቅረቦ ወንጌል ካብ ናይ ሉቃስ ኮይኑ ብዛዕባ ናይ ኣርባዓ መዓልትን ለይትን ጾም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፈተና ዲያብሎስን ዚምልከት ነበረ። እተን ፈተናታት ሠለስተ እንክኾና ቅዱስነቶም ምስ ናይ ሎሚ ዓለምና ኣዛሚዶም ‘ነገራት ንክትውንን ዝግበር ህርፋን ክብርን መዓርግን ምድላይ ከምኡ እውን ንእግዚኣአብሔር መጋበሪ ጌርካ ምፍታን ወትሩ ንከጋግያና ዲያብሎስ ዘቅርበልና ፈተናታት እየን’ እንክብሉ እተን ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቀረባ ፈተናታት ወትሩ ከምዘይፍለያና ገሊጾም።

ንኩሉ ክትውንን ዝረአ ናይ ህርፋን መንገዲ!

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ዝቀረባ ፈተናታት ኢየሱስ እታ ቀዳመይቲ ዲያብሎስ ጠምዩን ደኺሙን ምስ ረኸቦ `ወዲ እግዚአብሔር እንተኾንካ እስከ እዘን ኣእማን እንጌራ ግበረን ወይውን ናብ እንጌራ ለውጠን` ትብል ኮይና እዚ ከኣ ዲያብሎስ ወትሩ ፈተና ከቅርብ ከሎ ሰላሕታዊ ብዝኾነ መንገዲ ናብ መጻወድያኡ ከእቱ ከምዝጽዕር የመልክት።

“ዲያብሎስ መንቀሊኡ ካብቲ ብሩህ ዝኾነ ባህርያዊ ነገር ንክትነብር ክትምገብ ኣሎካ ካብ ዝብል ነቂሉ ኩሉ ብኩሉ ንኩሉ ክትጭብጥ ሕጉስ ንክትከውን እናደፋፍኤ ወላ ብዘይ እግዚአሔር ኩሉ ከንኽእል እንተኸኣለውን ተጻይ እግዚአብሔር ከሰልፈና ኣይጸልእን። ኢየሱስ ግን በንጻሩ ንኩሉ ኣብ ሓልዮት እግዚአብሔር ኣቦና ክነንብር ብጽንዓት የመልክት። ‘ሰብሲ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር’ እንክብል ክንዮ እንጌራ ቃል ኣምላኽ ንኩሉ ዝኽእል ከምዘሎ ንከረድእ ቃል ኣምላኽ ይጠቅስ።”

ክብሪ ደቂሰባት ሃሰስ እትብለላ መንገዲ!

ኣብታ ቀዳመይቲ ፈተኒኡ ምስ ፈሸለ ዲያብሎስ ተሳዒረ ኢሉ ጠጠው ኣይበለን ብክብርን ግርማን ሥልጣንን ናይ ዓለምና ክፍትኖ ኢሉ ንካልኣይ ግዜ ይፍትኖ። ንኩሉ ሥልጣኔን ሥልጣንን ምድረ ሰማይ ከኣ ካብ ሓደ በሪኽ ቦታ የርእዮ። ክብርን ሥልጣንን ዝመልኦ ገባርን ሓዳግን ብቅልጽሙ ንኩሉ ክገብር ዝኽእል መሲሕ ኮይኑ ብትዕቢት ንኩሉ ክገዝእ ሥልጣን ክህቦ ነዚ ከኣ ንኣኡ እንተሰገደሉ ምዃኑ ምስ ገለጸሉ ኢየሱስ እንደገና ኣብዚ እውን `ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ጥራይ ስገድ` ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ይብሎ።

“ንዝኾነ ግላዊ ክብረት ክትወስድ ትኽእል እንተዘይተጠንቂቅና ብጣዖታት ገንዘብን ዓወትን ሥልጣንን ተቈማጢዕና ነዚ ንከነረጋግጽ ከኣ ኩሉ ክትገብር ዝብል ፈተና ኣሎ። እንተገበርናዮ ከኣ ንግዜኡ ብትዕቢት ባህ ክብለና ይኽእል ኮይኑ ግን ብኡ ንብኡ ዝበንን እዩ።”

ንእግዚአብሔር ምፍታን!

ኣብታ ሣልሰይቲ ፈተና ዲያብሎ ንኢየሱስ ኣብ ዝነውሔ ጫፍ ናይ ቤተመቅደስ ኢየሩሳሌም የደይቦ እሞ ካብኡ ክጸድፍ ይሕብሮ እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ተጻሒፉ ዘሎ ‘አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ አብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።’ (90/91) ንዚብል ከኣ ይጠቅሰሉ። ኢየሱስ ከኣ ብግዲኡ ኣብ ቅድሚ ሕያውነት እግዚአብሔር ብትሕትናን ብተኣማንነትን ከምዝህሉ ምሉእ ብምሉኡ ብምርግጋጽ ‘ንእግዚኣአብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈትኖ’ ዚብል ጽሑፍ እዩ እንክብል ነቲ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ‘ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንኩምዎ፡ ኣይትፈትንዎ’ (6.16) ንዘሎ ይጠቅሰሉ።

“ከምዚ ብዝበለ ኣገባብከስ ኢየሱስ ነቲ ሰላሕታዊ ዝኾነ ፈተና ይነጽጎ። እዚ ከኣ ንእግዚአብሔር ካብና ንምርሓቅን ንትዕቢትና ዘድልየና ጸጋታት ከኣ ከከም ዝጥዕመና ብምልማንን ዝግበር ሽሕጣን እዩ።”

ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ምስትምቃር!

ቅዱስነቶም ናብ ኩነታትና ምልስ ይብሉ እሞ ነፍሲወከፍና ዓወትን ታሕጓስን ንምዕታር ንፍተነሉ ግዜ እዩ። እዚ ግን ካብ መንገዲ እግዚኣአብሔር ብዘይመጠን ርሑቅ እዩ። ብዝገደደ እኳ ደኣ ካብ ኣምላኽ ይፈልዩና ከመይ ኩሎም ሥራሕ ሰይጣን እዮም።

“ኢየሱስ ነዙ ፈተናታት እዚ ብቀዳምነት ባዕሉ ብምቅባሉ ሠለስተ ግዜ ነዚ ፈተናታት ኣሸኒፉ ብምልኣት ኣብ ትሕቲ መደብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ይኸውን። በዚ ከምዚ ከኣ ንኣና መንገዲ ይሕብረና። መፈሳዊ ሕይወትና እምነትና ኣብ እግዚአብሔር ርግጽነት ፍቅሩ ከመይ ምዃኑ ይሕብረና። እግዚኣአብሔር ኣቦና ከኣ ከም ዘፍቅረና የረጋግጸልና በዚ ርግጽነት እዚ ከኣ ንኩሉ ፈተና ከም እንሸንፍ የብርሃልና። ኮይኑ ግን ኣብዚ ብዛዕባ ሓደ ነገር ክነተኩር ምደለኹ። ኢየሱስ ነቲ ፈታኒ ክምልሰሉ ከሎ ኣብ ዘተን ዋጋ ዕዳጋን ኣይኣተወን ንሰለስቲኤን ፈተናታት ብቃል ኣምላኽ እዩ መሊስወን። ስለዚ ምስ ዲያብሎስ ኣብ ዘተን ዋጋ ዕዳጋን ምእታው ሓደጋ እዩ። ኣብዚ ብሩኽ ዘመነ ጾመ ኣርባዓኸስ ከም ምሩጽ ግዜ ናይ ምንጻሕ እግዚኣአብሔር ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ወትሩ ከምዘሰንየናን ከምዘጸናንዓናን ነስተማቅር።”

እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ምስቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ጒዕዞ ጸመ ኣርባዓ ፍረ ምእንቲ ክህልዎ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ንዝተረኽቡ በብማሕበራቶምን ቊምስናታቶምን ሰላምታን ምስጋናን ምስ ኣቅረቡ ቀዳም ዕለት 9 መጋቢት 2019 ዓምፈ ኣብ ሃገረ እስፐይን ኣብ ከተማ ኦቭየዶ ብጽዕናኦም ንዝተአወጀ ሰማዕታት ተመሃሮ ዘርኣክህነት ኣንጀሎ ክ ዋርተስን ሾመንተ ብጾቱን ብምዝካር ኣብ ሃገረ እስፐይን ግዜ ስደት ሃይማኖት ብጽልኢ እምነቶም ሰማዕታት ዝኾኑ ምዃኖም ዘኪሮም። ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝተጀመረ ጾመ ኣርባዓ ብፍረታት ሃብታም ክኸውን ድሕሪ ተመንዮም ነዚ ሶሙን እዚ ምስ መሳርሕቶም ሱባኤ ንኽገብሩ ኣሪቻ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሮማ ዝርከብ ቦታ ክኸዱ ምዃኖም ሓቢሮም ብሓዋርያዊ ቡራኬን ሠናይ ምሳሕ ብምምናየን ኣፋነውዎም።  

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
10 March 2019, 13:08