ድለ

ቅዱስ ኣቦና ንዓውደ ጉባኤ መንግስቲ ዓለም፥ ብዘይ ምትሕብባር ምዕባለ የሎን

ቅዱስነቶም እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝመያየጠሎም ኣርእስታት- ናይ ፖለቲካ ብድሆታትን ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለን፡ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን፡ ምጥቃም ሓደስቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለታትን ዝብሉ ጠቒሶም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ናብቲ ክሳብ ዕለት 12 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ፡ ከተማ ዱባይ ናብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ መንግስቲ ዓለም ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስታት ልኡካንን ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ናይ ስነ ባህሊ ኣካላትን ኣሳቲፉ ዝካየደ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሰናይ ኵሉ ናይ ሓባር እንተድኣ ዘይኰነ ሰናይ ክበሃል ኣይክእልን፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቅዱስ ኣቦና ናብ ተጋባእያን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ መንግስቲ ዓለም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ እዚ ንመላእ ዓለም መንግስታት ናይ መጻኢ ቅርጺ ንምቕራብ ኣሚቱ ኣብ ዱባይ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ፡ ቅኑዕን ንዅሉ ብልጹግ ዝዀነ ዓለም ንምሕናጽ ዝድግፍን ምዃኑ ዘኪሮም፡ ብዘይ ምትሕብባር ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ዘይሕሰብ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ናይ ቫቲካን ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ብዘይ ካልእነት - ብጻይነትን ናይ ገዛእ ርእሲ መጻእነት ክህሉ ስለ ዘይኽእል ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ምስ ካልእ ምዝታይ ዝብል ሓሳብን ተግባርን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ሰለዚህ ንጥፈታትኩም ካብ ወጅሂ ፍጥረት ሰብ ክጅምርን ናይ ሕዝብታትን ድኻታትን ዘእውይ ድምጺ ከተስተውዕሉን ንዛዕባ ናይ ሕጻናት ሕቶ ከተስተንትኑ እምነየልኩም፡

ካብ ንርእሰ ማል ንሰብ ምሕሳብ

ቅዱስነቶም እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝመያየጠሎም ኣርእስታት- ናይ ፖለቲካ ብድሆታትን ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለን፡ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን፡ ምጥቃም ሓደስቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለታትን ዝብሉ ጠቒሶም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ረባሕነት ብሉጻት ዕድላት ካብ ዘተኵር ብሓባር እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ክንሓንጽ እንደልይ ኣብ ዝብል ሓሳብ ከተኵር የተሓሳስቡ።

ካብ ንርእሰ ማልን ናይ ኤኮኖሚ ጥቕምታትን ኣብ ቅብጽበታዊ ዘይኰነስ ጽባሕ ዘማዕድው መጻኢ ካብ ዕንወት ዝተዓቀበ ምህዳር ንኸነመሓላልፍ ብቐዳምነት እውን ግብረ ገባዊ ሓላፍነትና እዩ፡፡ ስለዚህ እዚ ዅሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ ሓላፍነት ኰይኑ ነሕዛብ እናሓሰብና ብሓባር ክንዓዪ ዝሓትት ይኸውን።

ኣብ ሕቡራት ኢሚራት ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ ምድረ በዳ ዕንበባ ይጥጥዕ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ እቲ ካብ ዕለት 3 ለካቲት ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ዘካየድዎ መገሻ ዘኪሮም፡ ብሓቂ ምዕቡል ናብ መጻኢ ዘማዕደወ ሃገር ከምዝረአዩን፡ ኩነታት ንምልዋጥን ሕድሕዳዊ መቅብባልን ምክብባርን ናጽነትን ሕውነትን ካብ ዝብሉ ጭቡጥ ቃላት ዝተበገሰ ለውጢ ዝረኣየላ ሃገር እያ።

ኣብ ምድረባ በዳ ዕንበባ ከምዝዕንብብን ዝዓብይን ርአዅ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵሉ ምድረ በዳ ክዕንብብ እዩ ዝብል ተስፋ ሰነቐ ድማ ናብ ቤተይ ተመለስኩ። ግና ብሓባር ንሓድ ሕድና ብምድግጋፍን ጐድኒ ንጐድኒ ብምዃን ሩህዋትን ምክብባርን ኣብቲ ቑሸት ዝዀነ ዓለም ናይ ካልእ ጸገም ናትካ ናይ ምግባር ስንድውናን ምስ ዝህሉ ዝከኣል እዩ፡

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ክሳተሊ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና፥ ብዘይ ምትሕብባር ምዕባለ የሎን
11 February 2019, 16:53