ቅዱስ ኣቦናን ዓቢይ መምህርን፡ ታሪኻው ናይ ሓባር ናይ ውሳኤ ሰነድ ናጽነትን ክብርን መሰልን ደቀንስትዮ ቅዱስ ኣቦናን ዓቢይ መምህርን፡ ታሪኻው ናይ ሓባር ናይ ውሳኤ ሰነድ ናጽነትን ክብርን መሰልን ደቀንስትዮ 

ቅዱስ ኣቦናን ዓቢይ መምህርን፡ ታሪኻው ናይ ሓባር ናይ ውሳኤ ሰነድ ናጽነትን ክብርን መሰልን ደቀንስትዮ

እዋናዊ ስልጣነ ዘለዎ እወታዊ ጐድንታቱ ኣፍልጦ ሂቦም፡ ርኽሰት ስነ ምግባርን እዚ ርኽሰት’ዚ ከም ዓለም ሓቆፋዊ ተግባርን ውሳኔን ዝውስን ኰይኑን ብዙሓት ናብ ዘራጊቶ ጸንፈይናውነትን ግኖስጣዊነትን ኢእግዚኣብሔርነትን ምውዳቕን ወይ ናብ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ንኸብሉ ይድርኽ ኣሎ፡

እቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢይ መምህር ኣልጣይብ፥ ብጽንዓት ግብረ ሸበራን ዓመጽን ፥እግዚኣብሔር ስሙ ንሕዝቢ መሸበሪ መጋበርያ ክኸውን ኣይደልን እዩ ብዝብል ሓሳብ ዘውግዝ ቃል ዝተነብሮ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዋና ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ኣድረያ ቶርኒየሊ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ቅዱስ ኣቦናን ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ዝፈረምዎ ናይ ሓባር ናይ ውሳኤ ሰነድ፡ ሰብኣዊ ሕውነት ንሰላምን ናይ ሓባር ናብራን ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኣብ ኣቡዳቢ ዝተፈረመ ሰነድ፡ ኣብ መንጐ ክርስትናን ሃይማኖት ምስልምናን ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኰነስ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ እውን ዓቢይ ማሕታ ዘለዎ ምዃኑ ይንገር። ኣብቲ መቕድም ናይቲ ሰነድ፡ እምነት ኣማኒ ንኻልእ ክድገፍን ክፍቀርን ሓው ምዃኑ ክርእይ የብቅዕ ዝብል ሓሳብ ዝተነሮ ክኸውን እንከሎ፡ ብቕንዕናን ብትብዓትን ዝቐረበ ሰነድ ምዃኑ እቲ ሰነድ ዘንበሮ መልእኽቲ የረጋጾ።

እቲ ሰነድ ክልቲኦም ኣካላት፥ ብስም እቲ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ማዕረን በዓል መሰልን ክብርን ግብኡነትን ገይሩ ብዝፈጠረን በቲ ኣይትቕተል እንክብል ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጠረት ዝኣዘዘ እግዚኣብሔርን ብስም ድኻታትን ዘኽታማትን መበለትን ብስም ኵሎም ስደተይናታትን ናይ ውግእን ኣሳዶን ኣደዳን  ጸሎት ምሕጽንታ ኣንቂሎም፡ ናይ ዘተ ባህሊ ከም ኣገባብ፥ ንምትሕብባር ናይ ሓባር ኣገባብን ንሓድሕዳዊ ምፍላጥን ከም ሜላን መምዘንን ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ።

ኣንሕና ንገዛእ ርእስናን ንዓለም መራሕትን ናይ ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካን ኤኮኖምን ዓበይቲ ተዋሰእቲ ናይ ምክእኣልን ናይ ሓባር ናብራን ንናይ ሰላም ባህሊ ብህርኩት ጻዕሪ ከስፍሑ ንሓትት፡ ናይ ንጹሓን ደም ከይፈስስን ውግእን  እቲ ድሮ ዓለም ዝነብሮ ዘሎ  ግጭትን ምሕሳር ከባብን ግብረ ገባውን ባህላውን ውድቀትን መዕለቢ ክረክብ ገና ቅድሚ ምክሳቱ ብዓንተውኡ ክሽምግሉ ንሓትት።

ከምኡ እውን ክንየው ናይ መራኸቢ ብዙሓን ንናይ ሃይማኖትን ናይ ባህልን ኣካላትናይ ሰላምን ፍትሕን ሰናይን ጽባቔን ሰብኣዊ ሕውነትን ናይ ሓባር ናብራን ዳግም ከለልዩን ከስፍሑን ጻውዒት የቕርቡ፡ ናይቲ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው መንቀሊ ምትኻስን ምድንዛዝን ሰብኣዊ ሕልናን ካብ ናይ ሃይማኖት ዕሴታት ምርሓቕን ዕብላለ ምልካውነት ቁሳዊ ፍልስፍና ዝብሉ ምዃኖም ብኣጽንዖት ከምዝኣምንሉ የመላኽቱ።

እዋናዊ ስልጣነ ዘለዎ እወታዊ ጐድንታቱ ኣፍልጦ ሂቦም፡ ርኽሰት ስነ ምግባርን እዚ ርኽሰት’ዚ ከም ዓለም ሓቆፋዊ ተግባርን ውሳኔን ዝውስን ኰይኑን ብዙሓት ናብ ዘራጊቶ ጸንፈይናውነትን ግኖስጣዊነትን ኢእግዚኣብሔርነትን ምውዳቕን ወይ ናብ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ንኸብሉ ይድርኽ ኣሎ፡ ሃይማኖታዊ ጸንፈይናነትን ወይ ብሔርተይናነት ጸንፈይናነትን ብሓባር ናብ ዘይምክእኣል ዝድርኽ ከይኑ፥ ዳርጋ እናተዀላለፈ ዝካየድ ናይ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ምልክታ የምርት ኣሎ።

ር.ሊ.ጳጳሳትን ዓቢይ መምህርን ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ዘለዉ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን ኢፍትሓውነትን ዘይምዕሩይ ኣጠቓቕማ ናይ ተፈጥሮ ሃብታታትን ተጠቀምቲ ውሑዳት ሃብታማት ዝዀኑሉን፡ ኣብላጺ ሕዝቢ ካብ ተጠቓምነት ዝንጽል ብምዃኑ ብዙሓት ብዘይ ምርካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ብድኽነትን ሞትን ክሳቐዩ ዝገብር፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝፈጥሮ መረዘይና ቅልውላው ብዙሓት ሃገራት ኣደዳ ይገብር ኣሎ፡ ... እዚ ቅልውላው’ዚ ብዙሓትን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕጻናት ብጥምየት ንኽሞቱ ይድርኽ ኣሎ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዓለም ሓቆፋዊ ስቑታ ክወሃቦ ዘይቅቡል እዩ።

ስድራ ቤት እዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ምምልካት የድሊ፡ ከምኡ እውን ትርጉም ሃይማኖት ዳግም ምንቕቓሕ የድሊ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ወለዶ! እዚ ኸኣ ንውልቃውነትን ኢጐነትን ምፍሕፋሓትን ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ንዝብሉ ዝንባለታት ብኹሉ ዓይነት መግለጽታቱ ንምግጣም መታን ክከኣኣል። ክልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖት ፈጣሪ ዝዓደሎ ኵሉ ጸጋ ሕይወት ንኽዕቀብ ቢሉ እዩ። ማንም ክቕንጽሎን ወይ ንስግኣት ወይ ባህ ከምዝብለካ ንምቁጽጻሩን ንምውናኑን መሰል የብሉን። … ስለዚህ ነቲ ኵሉ ጸረ ሕይወት ዝዀነ ምፍርራሕን ጅምላዊ ቕትለትን ግብረ ሽበራን ብሓይልን በስገዳድን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓሳትን ንግድ ውስጠ ኣካል ሰብን ጽንሲ ምንጻልን ብሕክምና ዝተደገፈ ካብ ስቓይ ንምግልጋል ምቕታል ዝብልን ኵሎም ነቶም ነዚ ዝድግፉ ፖለቲካ ንኹንን ይብሉ።

ብኻልእ መዳይ ሃይማኖታት ብምን ዓይነት መገዲ ውግእን ናይ ጽልእን ተጻባኦነትን ጸንፈይናነትን ከየለዓዕሉን ንዓመጽን ደም ምፍሳስን ከይዕድሙ ብጽንዓት ንሓትት፡ እዞም ዘሕዝኑ ፍጻሜታት እዚኣቶም ነቲ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ብምግጋይን ሃይማኖት ንናይ ፖለቲካ መጋበርያ ምጥቃምን ገለ ገለ ናይ ሃይማኖት ሰባት ወይ ጉጅለታት ዝህብዎ ዝተጋገየ ሃይማኖታዊ ትንታኔታ ውጽኢት እያቶም።  ምእንቲ’ዚ ሃይማኖት ንመለዓዓሊ ዓመጽን ጽልእን ጸንፈይናነትን ዕሙትነትን መጋበርያ ገርካ ምጥቃም ከብቅዕ ስም ኣግዚኣብሔር ንዝፍጸሙ ግብረ ቅትለትን ኣሳዶን ግብረ ሽበራን ኣድልዎን መጋበርያ ምጥቃም ከብቅዕ ንሓትት።  ር.ሊ.ጳጳሳትን ዓቢይ መምህር ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር ናይ ማንም  ምክልኻል ዘየድልዮን ስሙ ሕዝቢ ንምሽባር መጋበርያ ክኸውን ኣይደልይ።

እቲ ናይ ሓባር ውሳኔ ናጽነት ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብርን ምዃኑ የረጋግጽ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ተኣምኖን ናይ ፍካሬን ሓሳቡ ናይ ምግላጹን ናይ ምንቅስቓስ - ተግባርን ናጽነትን ተገልጋሊ እዩ። መድብልነትን (ብዙህነትን) ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕብርን ጾታውን ዓሌትን ቋንቋን ናይ መለኰት ጥበብ መግለጽታት እያቶምም። እዚ መለኰታዊ ጥበብ’ዚ ናይ እምነትን ናይ  ብዙህነትን ናጽነትን ስርወ እዩ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ እምበኣር ከስ ማንም ሰብ ንሓደ ሃይማኖትን ወይ ባህልን ክስዕብ ምግዳድ ዝግበር ፈተነ ኩሉ ንዅንን። ከምኡ እውን ናይ ሓደ ስልጣነ ኣገባብ ብጸቕጢ ምቕራብ ንዅንን’።

ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራን - ኣብያተ መቕደስ፥ ቤተ ክርስትያናት ድዩ መሳጊድ ብሃይማኖትን ብናይ ሰብኣዊ ዕሴታትን ብሕግን ብናይ ዓለም ሓቆፍ ውሳኔታትን ክሕሎን ክኽበርን ግቡእ  ምዃኑ እቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ የረጋግጽ። ዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ብግብረ ሽበራ ድዩ ወይ ብምብራዕን ምቅጻልን ወይ ብምዕናው ዝፍጸም መጥቃዕትን ዝፍነው ስግኣትን ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ምዝባዕን ካብኡ ሓሊፉ እውን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ግህሰት እዩ።

ኣተሓሒዙ እውን እቲ ዘስካሕክሕ ናይ ሰብኣዊ ጸጥታን ድሕነትን ስግኣት ዝዀነ ግብረ ሸበራ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ይኹን ኣብ ምዕራብ … ፍርሕን ራዕድን ቀቢጸ ተስፋነትን ዝነዝሕ ሃይማኖታዊ ተግባር  ኣይኰነን፡ ሓሊፉ እውን ኣሸበርቲ ከም መጋበርያ ክጥቀምሉ እንከለዉ  እናተኣኻኸበ ዝመጸ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ሃይማኖት ዝተወሃበ ጌጋ ትንታኔን  ሕሱር ናይ ፖለቲካ መጻሕፍትን ድኽነትን ኢፍትሓውነት ጸቕጥን ትምክሕትን ዘንቅሎ እዩ፡ ስለዚህ ንኣሸበርቲ ዝቐርብ ናይ ገንዘብን ኣጽዋር ውግእን ወይ ምኽንያታውን ፍትሓውን ንምግባር ብዝቕርቡ ውጥናትን እዚ ናይ ዓለም ጸጥታን ድሕነት ንሓደጋ ዘቃልዕ ከነሱ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉልባብ ክረክብ ዝግበር ከይዲ ኵሉ ክግታእ ኣለዎ።

እቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ፥ ኣብ ሕብረተሰብና ናይ ዜግነታዊ ኣምር ብትኽክል ንምጽናዕን  ብገዛእ ርእሱ ንጽልን ትሑትነትን ዝብል ዘርኢ ኣብ ውሳጤኡ ዘለዎ ዝመስል ውህዳን ክፍሊ ንምኽንያት መጋበርያ ኣድልዎ ናይ ምጥቃም ኣገባብ ተቐባልነት ከይህልዎ ትጉህ ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ደቀንስትዮ ትምህርትን ሕንጸትን ስራሕን ናይ ምርካብን ኣብ ፖለቲካ ናይ ምውሳእን መሰለን ክብርን ክሕሎ  ግብኡ ዝብል ሓሳብ ከምእተነብረን፡ ካብቲ ታሪኻውን ማሕበራውን ናይ ግሊ እምነትን ክብርን ዝምልከት መሰረታዊ መትከላት ጸቕጥታትን ካብ ዘስዕቦ ድርኾት ናጻ ክወጻ ምዕያይ የድሊ። ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ምዝመዛ እውን ናጻ ክዀና። … ምእንቲ’ዚ ዝዀነ ይዅን ኢሰብኣዊ ኣገባባትን ክብሪ ደቀንስትዮ ዘሕስር ጽዩፍ ልምድታትን ትግባሬታቱን ኵሉ ምግታእ የድሊ። ደቀንስትዮ ብምልኣት ን ኣይ ሰብኣዊ መሰለን ክብረን ረባሕቲ ንኸይኰና ዝዓግት ሕግን ስርዓትን ንምቕያር ምዕያይ የድሊ።

ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መሰልን ክብርን ኣመልኪቱ እውን ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ስድራ ቤታዊ ሃዋሁ ክዓብዩን መግብን ሕንጸትን ክረኽቡን ክልእቲኣቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፥ዝዀነ ይዅን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክገሃስ ዝግበሩ ልምድታት ምውጋዝ የድሊ እንክብሉ የተሓሳስቡ።ብተወሳኺ ኣብቲ ዝተፈላለየ ሓደጋ ክቃልዕሉ ኣብ ዝኽእልሉ  ብስነ ኣሓዝ ኣብ ዝተራቐ ሃዋሁ ጥንቃቔ ክግበረሎም የድሊ - ዕሸልነቶም ዝጥሕስ ዘበለ ኵሉ ዓይነት ተግባርን ዕሸልነቶም ዝንግድ ዓቢይ ገበን ተገይሩ ክረአይ ኣለዎ ይብሉ።

ኣብ መወዳእታ ኣል - ኣዝሓርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ኣቢያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ኣብ ናይ ስነ ትምህርትን ሕንጸትን ተቕዋማትን ናይ ምርምርን ኣስተንትኖን ውዱዕ  ንኽኸውን ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ናይ ምትሕቑቛፍ ትእምርቲ ክኸውን  ይምዕዱ።

(Aandrea Tornielli)

ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ መምህር፡ ታሪኻው ናይ ሓባር ናይ ውሳኤ ሰነድ ናጽነትን ክብርን መሰልን ደቀንስትዮ
05 February 2019, 17:57