ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ኣትዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ኣትዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ኣትዮም

ከምቲ ልሙድ ቅድሚ ናብ ሃገረ ቫቲካን ምእታዎም ሮማ ናብ ዝረከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ንጸሎት ነጊዶም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 ለካቲት ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ብመገዲ ኣየር ኤቲሓድ ነፋሪት ተጓዒዞም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን 14 ደቃይቕ ሮማ ናብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖምን፡ ከምቲ ልሙድ ቅድሚ ናብ ሃገረ ቫቲካን ምእታዎም ሮማ ናብ ዝረከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ንጸሎት ነጊዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ሮማ ምስ ኣተዉ፡ ናብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ ከይዶም፡ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ጸሎት ምስጋና ከምዘቕረቡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱነቶም ካብቲ ኣብ ኣቡዳቢ ካብ ዝርከብ ርእሰ ብሔራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ነቐሉ ንናይ ኢሚራት ዓረብ ልኡል ወራሲ ሸክ ካሊፋ ቢን ዛየድ ኣል ናሕያ ስለ እቲ ኵሉ ዝገበሩሎም ኣቀባብላን ዝዓቀብሎም ልዑል እንገዳን ኩሉ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ተልግራም መልእኽቲ ኣመስጊኖም። ኣስዒቦም እውን ኣብ ምምላሶም ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ናይ እተቛርጸለን ዶባት በረራ ሃገራት ኵለን፡ ንናይ ባህረይ ንንጉስ ሸኽ ሓማድ ኢሳ ኣል-ካሊፋ ጸሎቶም ከረጋግጹ እንከለዉ፡ ንናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሻልማን ቢን ኣብዱል ዓዚዝ ኣል ስውድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ፍድፋድ ቡራኬ ተማሕጺኖምን፡ ናብ ናይ ግብጺ ርእሰ ብሔር ኣብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ሰላምን ብልጽግና ንናይ ግሪክ ርእሰ ብሔር ፕሮኮፒስ ፓቭሎፑሎስ ሰላምን ኣብ መወዳእታ ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ጸሎትም ዘረጋገጽሉ ናይ ተለግራም መእኽቲ ከዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

06 February 2019, 09:47