ድለ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቡዳቢ ኣትዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘሳፈረት ናይ ኣሊታሊያ ቦይንግ 777 ነፋሪት ካብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓረፎ ነፈርቲ ዕለት 3 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝነቀለት ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ሰዓት ጉዕዞ ኣየር ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 18.45 ብናይ ኣቡዳቢ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 22.00 ኣቡዳቢ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣቡዳቢ ከምዝኣተዉን፡ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ዝበጽሑ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳጳሳት ክዀኑ እንከለዉ፡ ናይዚ መገሻኦም መርሖ፥ ናይ ሰላምካ መጋበርያ ግበረኒ ዝብል ኰይኑ ነቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ፍራቸስኮን ናይ ግብጺ ሱልጣን ማሊክ ኣል ካሚል ቅድሚ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ዝተኻየደ ርክብ ዘዘኻኽር እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሎሚ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ መዘክር ናይ ኣበው ሃገር ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብቲ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉን ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም.  ምስቶም ብስራሕ ምኽንያ ኣብ ኢሚራት ሃገራ ዓረብ ዝቕመጡ ካብ እስያ ምስ ዝመጹ ካቶሊካውያን ምእመናን ክራኸቡን ኣብ ዛየድ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣቡዳቢ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብልዑል ኣልጋ ወራሽ ልዑልነቶም ሸኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ኣል ናሕያን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናይ ሃገር ባህሊ ልብሲ ብዝተኸድና ክልተ ሕጻናት ቁኑን ዕባባ ከምተበርከተሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለዚ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይ ስነ ርክብ ሃገራት መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ናይ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ልኡካን ሰላምታ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስሮት ተካይዱን ኣብኡ ቅዱስ ኣቦና ንሓምሻይ ጊዜ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምስ ናይ ግብጺ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ኣል ጣይብ ተራኺቦምን ሰላታ እውን ከምእተለዋወጡን ቅዱስነቶም ኣብዚ ኣብ ኢሚራት ሃገራት ኣብ ዘካይድዎም ርክባት ከምዘሰንይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣሳድንሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኵም ወግዓዊ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ

ቅዱስ ኣቦና ንኽብሮም ድሕሪ ዝተገበረሎም ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ብመኪና ን 28 ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ኣብቲ ንኽብሮም ብናይታ ሃገር መንግስቲ ንልዑላት ኣጋይሽ ኣብ ዘቕርቦ ፍሉይ መኣንገዲ ሕንጻ ንምሕዳሮም ከምዝኸዱ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ብናይ ኣቡዳቢ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸሞንተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕን ንጐሆ ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሲ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን 50 ደቓይቕን (ብናይ ሮማ ሰዓት ሸሞንተን 50 ድቓይቕን) ካብ ዝተኣንገድሉ ሕንጻ ን 9.6 ኪሎ ሜትር ብመኪና ንኽብሪ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ መግስትን ሕዝብን ኣብ ሕንጻ ናይ ኣልጋ ወራሽ ልዑልነቶም  ኣብ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተ ብናይ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ፍርቂ መዓልቲ  ተጓዒዞም ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዝቐረበሎም ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኵም ወግዓዊ ስነ ስርዓት ተሳቲፎም፡ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ናይ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ  ሃገራዊ መዛሙር ምስ ተሰምዔ ምስ ልዑል ሸኽ መሓመድ ቢን ዛየድ ኣል ናሕያን ግላዊ ርክብ ኣካይዶም ኣብ ናይ ክብሪ ሰነድ ክታሞም ምስ ኣንበሩ እቲ ውግዓዊ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ተዛዚሙ።

ቅዱስ ኣቦና ሰዓት ሓደ ብና ኣቡዳቢ ብናይ ሮማ ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ) ምሳሕ ከምእተቛደሱን ሰዓት ኣርባዕተን 45 ደቓይቕ (ብናይ ሮማ ሰዓት ሓደን 45 ደቓይቕ) ብመኪና ናይ 14.7 ኪሎ ሜትር ጉዕዝ ኣብ ዓቢይ መስጊድ ሸኽ ዛየድ በጺሖም ብናይ ግብጺ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህርን ኣሕማድ ኣል ጣይብን ብናይ ወጻእን ምቅብባልን ባህልን ጉዳይ ሚኒስተራት ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን ድሕሪ’ዚ ርክብ’ዚ ኣስዒቦም ምስ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ቤት ምኽሪ ሽማግለ ግላዊ ርክብ ኣካይዶም፡  ኣጋምሸት ሰዓት ሽዱሽተን ዓሰርተን ደቓይቕ (ብናይ ሮማ ሰዓት ሰለስተን ዓሰርተ ደቓይቕ) ናብቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ናብ ዝአንግድ ዝኽሪ ኣበው ሃገር ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብጺሖምን ብሓባር ምስ ቤት ምኽሪ ሽማግለ ሃይማኖት ምስልምና ኣቀባብላ ተገይሩሎምን፡ ኣብቲ ዓውደ ዘተ ዘረባ ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

04 February 2019, 11:19