ሩቲሊዮን ሮመሮን ዝርድኣካ ናይ ዘይምርካብ ኩነት ሰማዕታት ሩቲሊዮን ሮመሮን ዝርድኣካ ናይ ዘይምርካብ ኩነት ሰማዕታት 

ሩቲሊዮን ሮመሮን ዝርድኣካ ናይ ዘይምርካብ ኩነት ሰማዕታት

ዝተኣወጀሉ ሮመሮን ኢየሱሳዊ ካህን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሩቲሊዮ ግራንደን ጽኑዓት ወንጌላዊ ሓቀይናነት ዝሃብዎ ምስክረት ዘመላኽት ሓሳብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 22 ጥሪ ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝተኻየደ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዝተሳፍሉ እዋን ዕለት 26 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሰለስተን 45 ደቓይቕ 18 ተመካርያን ዝርከብዎም ምስ 30 ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውን ተራኺቦም ኣብ ናይ እምነት ሰማዕትነት፡ ሩቲሊዮን ሮመሮን ኣደጊፎም ዝሃብዎ ልዑል ክብሪ ሰምዕትነት ዝገልጽ ሓሳብ ኣማእኪሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ኣብ ናይ መወዳእታ ሕትመቱ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ፓናማን ኣብ ጠቕላላ ማእከላይ ከባቢ ሃገራት ኣመሪካ ዘገልግሉ ምስ 30 ኢየሱሳያን ካህናትን ተመካርያንን ተራኺቦም ካብቶም ካህናን ተመካርያንን ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን (ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሔት ኢየሱሳውያን ናይ መወዳእታ ሕትመት ርአ) ብዛዕባ ጸዋዕታን፡ ኢየሱሳውነት ክብርን፡ መንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ከምቲ ፖላንዳዊ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ባውማን ዝብሎ ክውንነት ፈሰስን፥ ኣብ ዘይ ጽኑዕነት ዘንብር መሰረት ኣልቦ ከይዲ ማሕበራውን ሰብኣዊ ሕይወትን ዝብል ጉዳይ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እቶም ክልተ ደቂ ላቲን ኣመሪካን ሰማዕታትን፡ ቅድስና ዝተኣወጀሉ ሮመሮን ኢየሱሳዊ ካህን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሩቲሊዮ ግራንደን ጽኑዓት ወንጌላዊ ሓቀይናነት ዝሃብዎ ምስክረት ዘመላኽት ሓሳብ ጠቓለለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ኣብ ቺቪልታ ካቶሊካ መጽሔት ተመልኪቱ ኣሎ።

ትንቢታዊ ኣብነት

ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድሜኦም ዝተቐትሉ ናይ ቅዱስ ሮመሮ ዓርኪ ዝነበሩ ኢየሱሳዊ ካህን ተወላዲ ኤል ሳልቫዶር፡ ኣብ ቤተይ ይብሉ ቅዱስነቶም ሮመሮ ክቕተሉ እንከለዉ ለቢሰምዎ ናይ ዝነበረ ልብሲ ቅዳሴ ብደም ዝጨቀወት ጭራምን ከምኡ እውን ሓጺር ዝክረ ነገር ትምህርተ ክርስቶስ ሩቲሊዮን ከምዘለዎ ሓቢሮም። ትንቢታዊ ኣብነት ቤተ ክርስቲያንን ማርክሳዊ ስነ ኣመለኻኽታን ኣብ ዝወዳደረሉ ዝነበረ ማሕበራዊ ታሪኽ ማእከላይ ኣመሪካ፡ እዞም ክልተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን እቲ ኵነት ለዊጥዎም ሓቀይና ወንጌላዊ ሕይወት ዘቃልሑ እያቶም።

ናይ ሕሜታን ጠቐነን ሰማዕታት

እቶም ሎሚ ብዕድመ ዝደፋእና ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ናይ ናጽነት ቲዮሎጊያ ዘተሓሳስበና ዝነበርና፡ ኣቲ ኣዋን ዝተደናገረ እዩ ኔሩ፡ ንሮመሮ ቅድስና ምእዋጅ ዝብል ውሳኔ ብዙሕ ኣካቲዑን፥ ብዙሓት ማርክሳዊ እዩ ዝብሉን ክርስቲያን ኣይኰነን ዝብሉን ብዛዕባኡ ክንደይ ዘይተበሃለ። ንናይ ህዝቢ ስቓይን መከራን ዝተጣበቐ እዩ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ብሓይሊ እምነት ዝተቓወመ እውን፡ ክልቲኦም ሰማዕታት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ሓቀይና መሰኻኽር ወንጌል እያቶም።

ናይቲ ኵሉ ቅልውላው መሰረት

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ፓናማ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንዝተሳተፉ ዝበልዎን ዘስመሩሉን ናይ ምርኻብ ባህሊ ዝበልዎ ቅዉም ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምሕሳብ፡ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ፖላንዳዊ ዝይግሙንት ባዉማን፡ ፈሰስ ትውልዲ ብዝብል ኣርእስቲ ዘሕተማ ናይ መወዳእታ መጽሓፉ ጠቒሶም፡ እቲ ምናባዊ ትውልዲ፡ ኣብ ጭቡጥ ኵነት ዘየለ፡ እውነተይና ርክብ ብናይ ሓሳብ ርክብ ዝተከአ፡ ካብ ማዕቅን ክውንነት ዝረሓቐ ምዃኑ እተመላኽት እያ ቢሎም፡ እታ ናይ ባውማን መጽሓፍ ኣብ ናይ ጀርመን ቋንቋ ትርጉም ሕትመት ነቲ ፈሰስ ትውልዲ ዝብል ቃል ስርወ ኣልቦ ብዝብል ይትርጉሞ፡ እዚ ትርጉም’ዚ ቅዱስነቶም ብዙሕ ዝቕበልዎን ዝመርጽዎን ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ኣብ ሎማዊ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው ተራኻብነት ናይ መሰረት ወይ ናይ ስርወ ቅልውላው ውጽኢት ምዃኑ የብርሁ። ንትውልዲ መሰረት ዘመሓላለፍ ብዕድመ ዝደፍአ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ፡ እናተወራረሰ ዝቅጽል ሱር ይብሉ።

እወ እወ፡ ኣይኰነ ኣይኰነ፥ ይኹን ቃልኩም

ነቲ ብቕልውላው መሰረት ዝተጠቕዔ ትውልዲ፡ እወ ወይ ኣይኰነን ዝብል መልሲ ዘለዎ ክኸውን ይምዕዱ፡ እዚ ኣብ ሕይወት ጸዋዕታ ንሓደ ኢየሱሳዊ ዝንገር ቃል እውን እዩ፡ ኣብ ናይ ጸዋዕታ ሕይወት ክብል ዝግብኦ መልሲ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኢየሱስሳውያን ደቂ ማሕበሮም ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብ ናይ ሕይወት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘተኰረ ኰይኑ፡ ኣብ ሰብዓታት መንእሰይ ኢየሱሳዊ ካህን በርጐሊዮ፡ ናይ ተመካርያን ሓለቓ እንከለዉ ደጋጊሞም ዝብልዎ ዝነበረን፡ ናይ ሕልና ግልጽነትን ሓቅነትን ንጹርነት ናጽነትን ብዝብል ሓሳብ ዝገልጽዎ ዝነበረ እዩ፡ ምስሉይነት ወዲ ኢግናዚዮ ንምዃኑ ዝጻረር እዩ ይብሉ ነይሮም። ልልያ ናይ ምግባር ትብዓት፡ ካብ ሕብእብእን ብሓይሊ ምቕጻልን ካብ ዝብል ሕማም የናግፍ።

ብሕይወት ምስታፍ

ሕይወትካ ንድላይን ፍቓድን እግዚኣብሔር ምሕዳግ። ሕይወትካ ትሕጃ ዘግብር ጸዋታ፡ ንሓድ ሕድካ ምድግጋፍን ናይ ወንጌላዊ ሕይወትን ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማሕበራዊ ጠመቕ ትምህርቲ ሊቕ ምዃን ይሓትት።

መንነትካ ምልላይ ምስ ናይ ካልእ መንነት ምርኻ

ቅዱስነቶም ነቶም ደቂ ማሕበሮም ኢየሱሳውያን ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን፥ መንነትን ናይ ካልእ ባህልን መንነትን ምእንጋድ ዝብሉ ክልተ ቃላት ኣተሓሒዞም፡ ናይ ማንም መንነት ካብ ናይ ማንም መንነት ኣይትሕትን ኣይበልጽን፡ ብሓቅን ብትክክለይና ኣገባብ መንነቱ ዝፈልጥ ናይ ገዛእ ርእሱ መንነት ብሉጽ ቢሉ ዘይሓስብ ይኸውን፡ ተፋሊጥካን ናትካ ኣላሊኻን ብስኒት ተወሃሂድካ ምንባርን ንዝብል ሓሳብ  የቐውም እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ቺቪልታ ካቶሊካ መንጽሔት ይሕብር።

ሩቲሊዮን ሮመሮን ዝርድኣካ ናይ ዘይምርካብ ኩነት ሰማዕታት
14 February 2019, 17:17