ድለ

ንምክልኻ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ከተማ ቫቲካን ንዝግበር ጉባኤ ብጸሎት ኣሰንይዎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሶሙን ካብ 21 – 24 ለካቲት ንምክልኻ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ከተማ ቫቲካን ንዝግበር ጉባኤ ብጸሎት ከሰንይዎ ሓደራ ብማለት እዚ ተግባር እዚ ጒስነታዊ ሓላፍነት ንምልባስ ዝግበር ኰይኑ ናይ ግዜና ዝዓበየ ግድል ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብዚ ሶሙን እዚ ኣብ ሓዲስ ኣደራሽ ናይ ሲኖዶስ ንምክልኻ ትሕቲ ዕድመ ንዝመጽእ ሓሙስ ዝጅምር ጉባኤ ብወግዒ ክገልጽዎ ደልዮም። እዚ ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ጉባኤ ክሳብ ሰንበት ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓም ናይ መላእ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተክራይስ ረኪበ ጳጳሳት ኣቦ መንበራት ከምኡ እውን ገለ ግድያት ናይ’ዚ ዓምጽ’ዚ ክሳተፉ እዮም።  ነዚ ጉባኤ ኣብ ምስንዳው ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለው ኣባ ሃንስ ዞልነር ከምዘመልከትዎ ቀንዲ ዕላማታት ናይ’ዚ ጉባኤ ክልተ ኮይነን ንሰን ከኣ ምትእምማን ምህናጻን ንሕጻናትን መንእሰያትን ምክልኻል ናይ ኩልና ዕዮ ገዛ ምዃኑ ንምጉስጓስን እዩ። እዚ ዝግበር ጒዕዞ መቀጸልታ ናይ ዝሓለፈ ሲኖዶስ ኮይኑ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቅዱስ ጴጥሮስን  ዝጐዓዝ እዩ።

ጭቡጥ ሓደስቲ ስጒምታት!

እዚ ጉባኤ እዚ ሓደስቲ ዝጭበጡ ስጉምታት ከሰናዱን እዚ ስጉምታት እዚ ከኣ ኣብ ፍትህን ሓቅን ተመስሪትካ ውሳኔታት ንምውሳድ ክሕግዝ እዩ። ር.ሊ.ጳ ንኣካላት ዲፕሎማሲ ኣብ ቅድስት መንበር ኣብ ዘቅረብዎ ቃል ምዕዳን ተጻይ ትሕቲ ዕድመ ዝግበር ዝኾነ ዓመጽ ኣብ ዓለምና እቲ ዝኸፍአ ዓመጽ ምዃኑን ካብቲ ንጹሕ ትሕቲ ዕድመ ከኣ ነቲ ዝበለጸ ክፍሊ ሕይወቱ ከምዝጐድእን ኣብ ምሉእ ሕይወቶም ዘይሓዊ በሰላን ቊስልን ከምዝሓድገሎም ገሊጾም ነሮም። ስለዚ ቤተክርስትያን ሓደ ጽሩይ ጉዕዞ ክትገብር ኣለዎ።

ንጹር ጒዕዞ ንቤተክርስትያን!

እቲ ንዝመጽእ ሓሙስ ዕለት 21 ለካቲት 2019 ዓምፈ ክጅምር ተወሲኑ ዘሎ ጉባኤኸስ ኣብ መላእ ዓለም ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንጹር ጉዕዞ ንክተማዕብል ኣዩ። ሓቅን ፍትሕን ዝለዓለ ግሉጽነትን ዝብላ ካብተን ኣብዚ ጉባኤ እዚ ክዝረበለን ተቀሚጠን ዘለዋ ሓሳባት እየን። ኣብ ዞልነር ከምዝገለጽዎ ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ ብእንግሊዝ ኣካውንታቢሊቲ ዝብል ኣምር ነፍሲወከፍ ሓላፍነቱ ንክቅበልን ምሳኡ ከኣ ትራንስፓረንሲ ዝብል ግሉጽነት ብዝለዎ መንገዲ ክመርሕ እዩ። ነፍሲወከፍ ዕለት ናይዘን ሠለስተ ዕለታት እዚኤን 3 መግለጺታት እንክሕዝ መጀመርያ ነፍሲወከፍ ጳጳስ ዕዮ ገዛኡን ኩነታቱን ብካልኣይ ደረጃ ማሕበር ጳጳሳትን ምድግጋፎምን ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ ማሕበረክርስትያን ከም ሕዝበ እግዚኣአብሔር መጠን ዘለዎም ዕዮ ገዛን ሓላፍነትን ዝምልከት ይከውን። ድሮ ሰኑይ ዕለት 18 ለካቲት ጋዜጣዊ መግለጺ ክወሃብ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
17 February 2019, 17:08